ኣባ ተኽለማርያም ኃይለ (=ኣባ ማሪኖ)
ዓዲፍኒዕ * 21/03/1942 - ፒያንኮኞ (ኢጣልያ) + 03/09/2013
ጸሎት ፍትሓት - ሚላኖ 09/09/2013
U
ስብከት ኣባ ተወልደብርሃን ጸጋይ
U
“በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን”፡፡
“ሀቦ እግዚኦ ዕረፈተ ዘለዓለም / ወአብርህ ሎቱ ብርሃን ዘለዓለም / ወይኩን ሎቱ ዕረፍተ በሰላም / አሜን”፡፡
ክቡር ኃውና ኣባ ማሪኖ ወዲ 71 ዓመት እዮም ነይሮም፡፡ ብሓደጋ እዮም ካባና ተፈልዮም፡፡ ጥዕና ክወሓሓዶም ምስ ጀመረ፡ ንዕረፍቲ፡ ብዝያዳ ከኣ ካብ ሙቐት ሚላኖ ኬምልጡ ብማለት ኣብ ዝኸድዎ ዝነበሩ ገዳም እዮም ዓሪፎም፡፡ እቱ ገዳም ብስም ደብረ ኣብሠራ ለማርያም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ፒያንኮኞ ኣብ ዝበሃል ዓዲ፡ ኣብ ወረዳ ብረሻ ይርከብ፡፡
ንጥዕና ቢሎም፡ ብጊዜ ረፍድን ኣጋምሸትን ብእግሮም ክዛወሩ ልማድ ነበሮም፡፡ እታ መወዳት ዙሮቶም ግን ሞት ተኸትል ዙረት ኮይና ተረኽበት፡፡ እወ፡፡ ሸተት ኢሎም ናብ ሓደ ግሁም ወደቖም ሞቱ፡፡ ኣብ ጥቓኦም ሰብ ኣይነበረን’ሞ ቅልጡፍ ረድኤት ክረኽቡ ኣይከኣሉን፡፡
ፍቓድካ ይኹን ኣምላኽ!
ኣብ መንጎ ዓመጽን ጭቖናን፣ ሓሳርን መከራን፣ ክፍኣትን ኃጢኣትን፣ እናነበርና እንከሎና፡ ንሕና ኣመንቲ ክርስትና፡ “…ዝጐድለኒ ነገር የብለይን”፣ “ክንድኅን ኢና” ወዘተ… ኢና ንብል፡፡
ኅሉፍ ኃሊፉና ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ ሞት እውን ይኹን፡ ብድፍረት ኢና ሓጐስና ንገልጽ፡፡
እዚ ምናልባት ንገሊኦም ዕሽነት ክመስል ዝኽእል ጠባይ ወይ ኣተሓሳስባ፡ መሠረቱ፡ ኣብ ጐ.ኢ.ክ. ዘሎና ነቕ ዘይብል እምነት እዩ፡፡ ከመይ እንተበልኩም፡ ከምቱ ጐ.ኢ.ክ. ኣብ ልዕሊ ሞት ዝተዓወተ፡ ሳልኡ፡ ንሕና እውን ከምንዕወት ርግጸኛ ነገር ስለ ዝኾነ እዩ፡፡ እዚ ከኣ፡ ቃለ እግዚኣብሔር እዩ ዝብሎ፡፡ ዘረባ ሰብ ኣይኮነን፡፡
ኣባ ማሪኖ፡ ንምሉእ ሕይወቶም ንፈጣሪኦምን ንኣኅዋቶምን ኬገልግሉ ዝተዓጠቑሉ ምኽንያት ከኣ እምበኣር፡ እዙ ዝበልናዮ ጽኑዕ እምነት እዩ፡፡
መጽሓፍ ቅዳሴ፤ “ሎሚ እውን እንተኾነ፡ ጐ.ኢ.ክ. ከም ሓደ ሕያዋይ ሳምራዊ ኮይኑ፡ ሥጋኡን መንፈሱን ናብ ዝቘሰለ ሰብ ቀሪቡ፡ ንኣቝስልቱ ብዘይቲ ምጽንናዕን ብወይኒ ተስፋን ክድብሶ/ክፍውሶ ይርከብ” ይብል፡፡
እዙ ቃል መጽሓፍ ቅዳሴ፡ ምስ ሕይወት ኣባ ማሪም ኣጸቢቑ ይሰማማዕ፡፡ ከመይ፡ ንቱ ከም መጠን ኣባት ነፍሲ ማኅበር ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብ ሚላኖን ከባቢኣን ንኣስታት ኣርብዓ ዓመት ዝገበሩዎ ለጋሥ ኣገልግሎት ግርም ጌሩ ይግልጾ፡፡
ኣብ ሚላኖን ከባቢኣን ካብ 300 ንላዕሊ ስድራታት ደቂ ሃገርና ኣሎዋ፡፡ ከም ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር፡ ምስክርነተይ ስምዑለይ፡፡ ካብዘን ኵለን ስድራታት፡ ወይ ሓገዝ፣ ወይ ምኽሪ፣ ወይ ሽምግልና፣ ወይ ምጽንናዕ፣ ደልያ ብኣባ ማሪኖ ዘይኃለፈት ሓንቲ ስድራ የላን ክበሃል ይከኣል፡፡
ኣባ ማሪኖ ጨሪሹ ንድኅሪት ዘይብል እምነት ነበሮም፡፡ እወ! ኣብ እግዚኣብሔር ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ሰብ እውን ዘይዕጸፍ እምነት ነበሮም፡፡ ብዛዕባ ሓደ ሰብ ሕማቕ ክሓስቡ ወይ ክጠራጠሩ የሰክፎም/የሸግሮም ነበረ፡፡ ብዙኃት ደቅ ሃገሮም ግን ጽቡቕ ኣይፈደዩዎምን፡፡ ኢዶም ኣይረኸቡን፡፡ ንቱ ሕያውነቶም ዕሽነት ቈጺሮም፡ ንኣብነት፡ ኣለቂሖሙዎም ዝነበሩ ገንዘብ ምምላስ ኣበዩዎም! ከሓዱዎም! ጠለሙዎም! ንዞም ከምኡ ዝገበሩ ሰባት፡ ፍርዲ እግዚኣብሔር ከም ዘሎ ነዘኻክሮም፡፡ ንኣባቴ ብዝርኢ ከኣ፡ እግዚኣብሔር ባዕሉ ኣኻዕቢቱ ከምዝኽሕሦም ንኣምንን ንተኣማመምንን ኢና፡፡
ዕዮኦም ኣብ ሚላኖን ከባቢኣን ዝተወሰነ ኣይነበረን፡፡ እንታይደኣ፡ ንምሉእ ዓድጣልያንን ንኤርትራን ንሱዳንን የጠቓልል ነበረ፡፡ ንኣብነት፡ ንታ ኣብ ከሰላ (ሱዳን) እትርከብ ቤትትምህርቲ ስደተኛታት ኤርትራ ሓገዝ ክረኽቡ ብማለት፡ ምርኢት፣ ድራር፣ ኣስተምህሮ፣ ክትዓት ወዘተ… የዘጋድዩ ነበሩ፡፡ እዚ ከኣ ንብዙኅ ዓመታት ዝገበሩዎ ስራሕ እዩ፡፡
ሕዝብናን መንግሥትናን ሰብ ቊምነገር እንተዝኾኑ፡ ንኣባ ማሪኖ ሓወልቲ ክሰርሑሎም ምተገብኤ፡፡ እንተወሓደስ ንቱ ኣብ ጊዜ ብረታዊ ቃልሲ ንሕዝቦም ዝገበሩዎ ዘይርሳዕ ቊምነገር ብምዝካር እኳ፡፡ ደኃን ግን - ኣብ ሰማይ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብዚ ምድሪዚ’ውን - ፍትሒ ዜውፅኣሎም መዓልቲ ክመጽእ እዩ!
ዝኾነ ኮይኑ፡ እቱ ሕዝቦምን መንግሥቶምን ዘይገበሩሎም፡ ወፃእተኛታት፣ ጓናታት ገይሮሙሎም እዮም፡፡ ንኣብነት፤
ማኅበራዊ ኃልዮ ኣባ ማሪኖ ዘድነቐ ምምኅዳር ከተማ ሚላኖ፡ ንኽልተ ጊዜ - እታ ዳኅረወይቲ እዚ ዓመት’ዚ - ብ ”ኣምብሮጂኖ ዶሮ” ዝፍለጥ ሓደ ወርቃዊ ሽልማት ሸሊሙዎም እዩ፡፡ ነዚ ኣመልኪቱ ሓደ ናይ ኃባር ዓርክና ዝጸሓፈሎም እኒሆ፤ “ተፈታዊ ማሪኖ፡ ሰላማት! እዙ ዓመት’ዚ እውን ”ኣምብሮጂኖ ዶሮ” ከም ዘሸነፍካ ሰሚዔ፡፡ ኣገናዕ! እንቋዕ ኣሓጐሰካ! እዙ ወረ ምስማዔይ ክንደይ ከምዘሓጐሰኒ ክትግምቶ እኳ ኣይትኽእልን፡፡ እግዚኣብሔር ይመስገን! ግን ከኣ - እዙ ዓርከይ - ንኣኻ እውን ከነመስግነካ ግቡእ እዩ፡፡ እዙ ሽልማት’ዚ፡ ካሕሣ እዩ፡፡ ንቶም በዚ ጊዜ’ዚ ዝሣቐዩ ዘሎዉ ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ከኣ ንቶም ኣብ ምድረበዳ ሲና ኣካላቶም ጐዛዚዮም ኣብ ዕዳጋ ዘውዕሉሎም ዘሎዉ ኤርትራውያን ካሕሣኦም ከም ዝኾነ ክሓስቦ እየ ዝደሊ ወይ ከኣ ከምኡ ቢለ ክሓስቦ ደስ ይብለኒ”፡፡
ንኤርትራውን ደቅ ማኅበሮም እውን ብዙኅ ጌሮም እዮም ኣባ ማሪኖ፡፡ ካብቲ ኵሉ ዝገደፉልና እታ ዝጸበቐት ሓወልቲ ግን፡ እታ ኣብ ቪያ ቺስላጊ ቊ.5 ትርከብ ገዛ እያ፡፡ ፍረ ነዊኅ ዝጥምት በርቃዊ ሓሳብ እያ፡፡ ንኣኣ ኣመልኪቶም እዙ ዝኃለፈ ፋሲካ ዝጸሓፉለይ ስምዑ፤ “ተፈታዊ ተወልደ፡… ድኅሪ ሓደ ወይ ክልተ ወርኅስ ጽገና ናይቲ 4 ዓመት ይገብር ዝገዛእኩዎ ገዛ ኬብቅዕ እዩ፡፡ 8 ክፍሊ ኣውፂእናሉ፡፡ ኣጋይሽ ፈለስትና ክንቅበል ሽግር ኣይክህልወናን እዩ፡፡ ምእንትዚ ገለ ጊዜ ምሳና ከተኅልፍ፡ ከይተሰፍካ ምጻእ ኢኻ ”
እግዚኣብሔር ይሃበለይ፡ ፍቑር ማሪኖ! ኣብዛ ከባድ መዓልቲ እዚኣ እውን ደጊመ ልባዊ ምስጋናይ ኣቕርበልካ!
ከም ትርእዩዎ፡ ኣባቴ፡ ኵለንተናኦም እዮም ንኻልኦት ኣወፊዮም፡፡ ኣብ ልዕሊ እቱ ዘደንቕ ብርኩት ናይ ፍቕሪ ስራሖም ከኣ፡ ጸሎተኛን፣ ቅሱንን፣ በዓል ክምስታን፣ እውን እዮም ነይሮም፡፡
ክቡር ኣባ ማሪኖ፡ ብዝገደፍኩሙልና ኵሉ ጽቡቕ ኣብነታት ነመስግነኩም፡፡ ዝግብኦ ግምት ዘይሃብናሉ ይቕሬታ ንልምነኩም፡፡ ኣኽብሮትናን ፍቕርናን ከም ዝግባእ ዘይገለጽናልኩም እውን ይቕሬታ ንሓትት፡፡
ኪዱ በሉ ፍቑር ኃውና! እቱ ምሉእ ሕይወትኩም ዘገልገልኩሙዎ ሕያዋይ ኣምላኽ ዝቐረበኩም ዓስቢ ክትቅበሉ ኪዱ፡፡ እኖና እግዝእትነ ማርያም ወላዲተ ኣምላኽ ተሰንኹም! ኣብኡ ከሎኹም ከኣ፡ ንዅሎም እቶም ዝቐደሙና ካልኦት ደቅማኅበርና እውን ሰላም በሉልና፡፡
ክርስቶስ ጌታ እውን ክበር ተመስገን! ምስ ዘደንቕ ናይ ፍቕሪ ሓዋርያ ኣባ ማሪኖ ስለ ዘፋለጥካና፣ ንኣባ ማሪኖ ስለ ዝሃብካና!
ብስም ኵሎም ደቅማኅበረይ፡ ንኣኃት ኣባ ማሪኖ ምስ ኵሎም ቤተሰብ ጽንዓት ይሃብኩም እብል፡፡
ንዅልኩም ኣብዚ ሥርዓት ቅዳሴ ብምስታፍ ንኃውና ኣባ ማሪኖ ክትጽልዩ፣ ከተኽብሩ፣ ክትዝክሩ፣ ዝደለኹም ከኣ ልባዊ ምስጋናይ ኣቕርበልኩም፡፡ እግዚኣብሔር ይሃበልና፡፡ ኣብ ካሕሣኹም የውዕለና፡፡
“ሀቦ እግዚኦ ዕረፈተ ዘለዓለም / ወአብርህ ሎቱ ብርሃን ዘለዓለም / ወይኩን ሎቱ ዕረፍተ በሰላም / አሜን”፡፡
Omelia tenuta da Abba Tewelde Tzeggai alle esequie di p. Marino
“Sia lodato Gesù Cristo!” Il nostro p. Marino aveva 71 anni. Ci ha lasciati in seguito ad una caduta, incidente occorsogli mentre stava nel nostro convento dell’Annunciata, Piancogno - BS. Da quando la sua salute era diventata cagionevole, vi si recava per un periodo di riposo, ma soprattutto per evitare il caldo di Milano. Era solito fare lunghe passeggiate al mattino e al pomeriggio ma l'ultima passeggiata gli è stata fatale, in quanto è scivolato finendo in un burrone e non ha avuto soccorso immediato perché nessuno si era accorto che era finito laggiù. Sia fatta la Sua volontà!
In uno scenario di continua miseria e peccaminosità qual è l’esperienza terrena noi cristiani proclamiamo “…non manco di nulla” (Sal 23) e “saremo salvati…” (Rm 5,9).
Addirittura con suprema audacia persino davanti alla morte, cantiamo con forza: Alleluia!
Questo atteggiamento, ai più, forse, inspiegabile, è dettato dalla nostra incrollabile fede nella vittoria di Cristo sulla morte. Ed è questa stessa irriducibile fede in Cristo che ha sempre accompagnato e spinto il nostro p. Marino a mettere tutta la sua vita a servizio di Dio e dei fratelli.
Dice la liturgia: “Ancor oggi come buon samaritano [Cristo] viene accanto ad ogni uomo piagato nel corpo e nello spirito e versa sulle sue ferite l’olio della consolazione e il vino della speranza” (Prefazio comune VIII).
Ebbene, queste parole della liturgia ben si addicono a p. Marino perchè esprimono a pieno il generoso servizio – quasi quarantennale – che ha svolto come cappellano della comunità eritreo-etiopica qui a Milano e dintorni.
Posso testimoniare che delle 300 famiglie e passa di eritrei ed etiopici residenti a Milano non ce n'è una che non sia passata da p. Marino per un aiuto, un consiglio o un conforto.
P. Marino era un uomo irrimediabilmente fiducioso, non solo nella Provvidenza, il che sarebbe relativamente facile, data la sua onnipresenza, ma anche nell'uomo, pur essendone, spesso mal contraccambiato. Quanti connazionali hanno tradito la sua fiducia non restituendogli i soldi che aveva loro prestato o negando e rinnegando altri favori avuti da lui! Ci conforta, però, il pensiero che sarà Dio stesso a ricompensarlo!
Il suo raggio d’azione non si limitava a Milano in quanto abbracciava anche le altre parti d'Italia estendendosi fino al Sudan ed Eritrea. Infatti, per raccogliere aiuti per una scuola di rifugiati eritrei nel Sudan organizzava mostre, cene, conferenze, dibattiti e quant’altro. E questo l’ha fatto per tanti, tanti anni.
In riconoscimento del suo instancabile impegno di carità, il Comune di Milano lo ha insignito dell’Ambrogino d’oro per due volte, l’ultimo proprio quest’anno. Ecco cosa gli ha scritto un nostro comune amico a proposito “Caro Marino, ciao! Ho appena sentito che hai vinto il premio “Ambrogino d’oro” anche quest’anno. Complimenti! Congratulazioni! Non puoi immaginare quanto piacere mi abbia fatto questa notizia! Ne sia ringraziato Iddio. Dobbiamo anche ringraziare te, caro amico. Ma voglio, mi piace pensare, che l’hai vinto per gli eritrei…. L’hai vinto per tutti gli eritrei che stanno, in questo momento, soffrendo, in particolare per quelli resi oggetto di traffico d’organi nel deserto del Sinai”.
Ha fatto tantissimo anche per i suoi confratelli eritrei. Ma il più bel monumento, perché frutto di un geniale guizzo di lungimiranza, che ci lascia è la casa-alloggio, nonché centro sociale di Via Cislaghi, 5. Ecco cosa mi ha scritto per la Pasqua di quest’anno: “Carissimo Tewelde, … Fra un paio di mesi finiremo i lavori di ristrutturazione dell'immobile che ho comperato quattro anni fa. Ne abbiamo ricavato 8 camere. Non avremo più problemi per ospitare i nostri frati. Quindi non farti riguardo vieni pure e passa un po’ di tempo con noi”. Grazie, caro Marino! Sì! Ti rinnovo il mio cordiale “grazie” proprio in questo momento solenne!
Come vedete, si era totalmente dato agli altri, a tutti, distinguendosi, oltre che per la sua ammirabile carità, anche per essere un uomo di preghiera, sempre sereno e sorridente.
Caro Marino, grazie per i tuoi buoni esempi. Ti chiediamo perdono per non averli apprezzati abbastanza e per non averti dimostrato abbastanza la nostra stima e la nostra devozione. Và, caro confratello, a ricevere il premio che il buon Signore ti ha preparato e salutaci gli altri confratelli che ci hanno preceduto.
E grazie anche a Te, Signore Gesù, per averci fatto dono di p. Marino, uomo di ammirabile carità.
A nome di tutti i confratelli, porgo le mie più sentite condoglianze alle sorelle e tutti i parenti di p. Marino. E ringrazio tutti voi qui presenti, che con la vostra presenza avete voluto onorare il ricordo del nostro confratello. Che Dio ve ne renda merito. Amen.
Morto il 03 sett. 2013 a Piancogno, esequie il 09/09/2013 a Milano