ForeverMissed
Indeed the tragic of losing your own child. How bitter is the agony. In Memory of our beloved son. We love you, you are with us. For us, you are a living legend. 

MY BELOVED SON, YOHANNES, YOU ARE ALWAYS IN MY HEART AND MIND. I MISSED YOU. THE AGONY OF LIFE CONTINUED WITHOUT YOU IN THIS GREEDY WORLD. SAD, VERY SAD. 

DAD 
Mengsteab
05/24/2020

The agony of sadness. The result is hopelessness. Yohannes, I am just living for you. It is very difficult for me to swallow. What can I do? Sadness in my everyday life.
01/24/2020

ሎሚ መዓልቲ ሕዳር 1, 2019, ዝኽሪ ኩሉም ካብዛ ዓለም ዝሓለፉ ነብሲሄራት ደቅና፣ ኣሓትና፣ ኣሕዋትና፣ ወለድናን ካሎኦት ፈትውትናን ንኹሎም ብልብናን ብሕልናን ንዝክረሉ ቅዱስ መዓልቲ እዩ። ወድና ዮሓንስ ድማ ብልብና፣ ሕልናናን ንዝክረና ኣልአን ንሕና በተሰብካን ፈተውትኻን፥
እዴኻ ኣቦኻ ኣሓትካን ኩሉ ቤተሰብካን
ሕዳር 1, 2019

Today November 1, 2019 is ALL SAINTS DAY. This is a memorial day honoring and commemorating all our children, sisters, brothers, parents, and other friends and good wishes who passed away from this complex earthly life. Let the Lord Jesus Christ bless their souls. 
Our beloved son YOHANNES, we your parents, sisters and your extended families and friends living in all places honoring and remembering you. You are always in our hearts and minds. Rest in perfect peace.
November 1, 2019

ገልጠምጠም ሃረምረም መጠኑ ዝሓለፈ። ናበይኮን ክብጻሕ እዩ። ንፈትዎም ሰባት ደቂና፣ ኣሕዋት፣ ንፉዓት ሰባት፣ ብሩኻት ሰባት፣ ንደቂ ኣዳም ጽቡቕ ዝገበሩ ዘበርከቱ ሓሊፎም። ኣይምለጥን ኣዩ ካብታ ዘይትተርፍ። እቲ ቀንዲ ዝድለ ኣብቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኣብ እትነብረሉ ጊዜ። ተዘካሪን፣ ኣበርካትን ስራሕ ሰሪሕካ ምሕላፍ እዩ እቲ ዝበለጸ። እዚ ወድና ድማ ኣብታ ንእሹተይ ዕድሜኡ ዝከኣሎ ኣበርኪቱ ንዓና ዘኹርዕን ዘሐብንን ዝኽሪ ገዲፉ። ዮሃንስ ዝገበርካዮን ዝሃቀንካዮን የኹርዓና። እቲ እትሓስቦ ዝነበርካ ጽቡቕ ተግባራት እውን ብዙሃት ከማካ ሰዓብቲ ኣለዉ። ቅሰን። ኩሉ ጊዜ ኣብ ልብና ኣለኻ። ብሰላም ዕረፍ። መንግስተ ሰማይ የወኣርስካ።

                      ዕለተ ዝኽሪ መበል ራብዓይ ዓመተ ዕረፍቲ
       ዮሃንስ መንግስተኣብ ጥቅምቲ 9, 2019

ሎሚ ጥቅምቲ 9, 2019  ናይ ራብዓይ ዓመት ዕረፍትካ ብሓዘንን ንዝክሮን ስምካ ነኽብሮን ኣለና። ብርሃን ሽምዓኻ፣ ህያው ተዘክሮኻን ኣብ ልብና ኩሉ ጊዜ ክሳብ ናብቲ ዘለኻዮ ንጽዋዕ ነባሪ እዩ፡

ኣቦካን ኣዴኻን፣ ኣሕዋትካን፣ ኩሉ ቤተሰብካን።
ዮሃንስ መንግስተኣብ  (ዝተወልድሉ   ሕዳር 08, 1992 ኣብ ኣስመራ- ዝዕረፈሉ ጥቅምቲ 9, 2015 ኣብ ሰለንስግሮቭ ከተማ፣ ልፍለ ግዝኣት ፐንሲሊቫኒኣ)
ሎሚ መዓልቲ ፍቑርን ፍትውን ወድና ነብሲሄር ዮሃንስ መንግስተኣብ ዝዓረፈሉ መበል ራብዓይ ዓመት ብዓቢ ሓዘን ንስዝክሮን፣ ንሓስቦን ኣሎና። ፍቑር ወድና ዮሃንስ። ኩሉ ጊዜ ኣብ ልብናን መንፈስናን ኣለኻ። ኩሉ ንገብሮን፣ ነፍርዮን ንሰርሖን ንዕወተሉን ንሰለ ክብርኻን ዝኽርኻን ነወፍዮ ኣሎና። 
ወለዱ
ጽላት ተስፋዝጊን ፕ/ር መንግስተኣብ ተስፋOcዮሃንስ, ኣሕዋቱ ሃረርታን ሩታን ምስ ምሉእ ስድራ ቤት።
ጥቅምቲ 9, 2019
Today Oct 09, 2019, we are remembering with sadness the 4th year of the passing of our beloved son YOHANNES MENGSTEAB
Yohannes, you are always in our hearts and minds. Rest in peace, our beloved son. 
Your Parents,
Tselat Tesfazghi, Prof. Mengsteab Tesfayohannes  your sisters Harerta and Ruth. With all family members. 
Oct. 9, 2019

ድኻም ንኣሽቱን ስድራ ቤታዊ ትካላትን ዋኒናዊ መሃዝነትን ኣብ ኤርትራ
ብዶ/ መንግስተኣብ ተስፋዮሓንስ፡ ዮሃንስ መንግስተኣብ (Nov 8, 1992 – Oct, 9, 2015)
መታሓሳሰቢ፥
ገለ ካብዚ ጽሑፍዚ ካብቲ ወድና ነፍሲሄር ዮሓንስ መንግስተኣብ (08.11.1992 -10.09.2015) ካብቲ ብ “ዳግማይ ንኽፍጠር እቲ ነብሪ፣ ድግማ ዕውት ማሕበረ ቑጠባዊ ምዕባለ ሲንጋፖር ኣብ ኤርትራ”፣ ብዝብል ኣርእስቲ ካብ ዝተጽሕፈ ናይ ኣካዳሚያዊ ምርምር ጽሑፍ ዝተወስደ እዩ። ብሰላም ይዕረፍ፣ ክብርን ምስጋናን ይኹኖ ኣብቲ ንእስነቱ ንኤርትራ ሓልዩን ተገዲሱን ነዚ ዘበርከተ። ሓበን ናይ ኤርትራ ስለ ዝኾነ ኩሉጊዜ ኣብ ልብና ኣሎ። 
እዚ ጽሑፍ እዚ ድማ ንዝኽሪ ዮሃንስ ወደና ይኹነልና።
ወለዱ ወ’ሮ ጽላት ተስፋዝጊን ዶ/ር መንግስተእብ ተስፋዮሃንስ 
ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ
ጥቅምቲ 09, 2019

መእተዊ
ብዙሓት ግዱሳትን ለባማት ፈላጣትን ኤሪትራውያን ሃገራውያን ኣብ ብዙሕ ማሕበረ ቁጠባዊን፣ ፖሊቲካዊን፣ ባህላዊን፣ ታሪኻዊን፣ ተርእዮታት ወዘተ ኣተኲሮም ብበሊሕ ኣእምሮ ይዋስኡ። ብቐጻሊ ድማ ብዙሕ ሃናጺን፣ ኣገዳስን፣ ርሑቕ ዝጠመተ ምኽርን፣ ትንተናን፣ ለበዋን ይህቡናን፣ ይሕብሩናን የስተምህሩናን ኣለው። እቲ ቀንዲ ዓላማ ድማ ምእንቲ ስልጥንትን፣ ብልጽግትን፣ ምዕብልትን ሃገር ንምፍጣርን ንምውናንን እዩ።  ብተወሳኺ ድማ ንኹሉ መዳያዊ ጸጋታትን ተኽእሎታትን ሃገሩ ብላዕለዋይ ኢድ ብብቕዓት ዝወነነ መሃዝን ዕውትን ህዝቢ ንሓዋሩ ነታ ሃገር ምእንቲ ክህልዋ እዩ። ኣብዚ ኣነ ብሕጽር ዝበለ ክዝትየሉ ደልየ ዘለኹ ድማ ብዛዕባ እቲ ብናእሽቱን ስድራ ቤታዊ ትካላት ዝፍለጥ (Small and family businesses or ventures) ኣካል ናይ ብሕታዊ ጽላት ቁጠባ ሃገር እዩ።  እዚ ክፍለ ጽላት እዚ ናይ ብሓቂ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክነሱ ስጋብ ሕጂ ኣብ ኤርትራ እቲ ዝግባእ ኣቓልቦ በቶም ዝምልከቶም ዝተሓረመ ወይ ድማ ዛጊት ዘይተዋህቦ እዩ።  ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ፣ እዚ ክፍለ ጽላት ቀንዲ መንኮርኮር ዲናሚካዊ መስርሕ ምዕባለ ሃገራዊ ቁጠባ ኢዩ። ተራ ናይተን ንኣሽቱን ስድራቤታውያንን ትካላት  ኣብ ኩለን ቁልጡፍ ምዕባለ ንምምዝጋብ ብዕቱብ ዝነጥፋን ዝጽዕታን ዘለዋ ሃገራት ዕዙዝ ኢዩ። ኣዚ ዘመልክቶ ድማ እዘን ትካላት ኣዚኤን ኣብ ናህሪ ኩሉ መዳያዊ ሃገራዊ ምዕባለ ብፍላይ ድማ ቁጠባዊ ብራኸን ዘለወን እጃም መዳርግቲ የብሉን።

ኣብ ብዙሓት መጽናዕትታን ምርምራዊ ስራሓትን ብንጹር ከም እተግልጸ፣ ካብ ብሕታዊ ቁጠባ ሃገር ብገፊሑ፣ እጃም ናይዘን ንእሽቱን ስድራ ቤታዊን ትካላት ካብ ተስዓ ሚእታዊ ንላዕሊ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ዝማዕበላን ከምኡውን ኣብ ምምዕባል ዘለዋን ሃገራትን ክውንነትዊ ተርእዩ እዩ።  እዘም ዝተጠቕሳ ትካላት ድማ ኣብ ሃገራዊ ቁጠባ ዝፈጥረኦ ናይ ስራሕ ዕድላትን፣ ማእቶታዊ ኣድማዕነትን፣ ድንፋዔ ሰብኣዊ ጸጋን ተኽእሎን ድማ ወሳኒ እዩ። ዓርሞሸሽ ኣብርክቶአን ኣብ መስርሕ (ከይዲ) ሃገራዊ ህንጸት ከኣ ዕዙዝ እዩ። ኣስተዋጽኦ ናይዘን ትካላት ብሓፈሻ ኣብ ድንፋዔ መሃዝነትን ማእቶታዊ ንጥፈትን ሓፋሽ ህዝቢ (grassroots) ድማ ፍሩይን ሓያልን እዩ። ብተወሳኺ፣ ኣበርክቶን ተራን ናይዘን ትካላት ኣብ  ምስፍሕፋሕን፣ ምስራጽን ተግባራዊ ሞያዊ ክእለትን ምልከትን ኣብቲ መንእሰይ ወለዶ ወሳኒ እዩ።  እዚ ከኣ ብጭብጢ ኣብተን ኣብ ዓለምና (እንኮላይ ኣብ ኣፍሪቃ) ዘለዋ ኣብነታውያን ሃገራት ጐሊሑ ይረአ ኣሎ። ብቐጻልነትውን ካለኦት ብዙሓት ሃገራት ካብተን ዝተዓወታ ኣብነታውያን ሃገራት ትምህርትን ተሞክሮን ብምውሳድ ብዘተዋሃሃደን ዝተዋደደን መርሓ መንገዲ (Roadmap) ነዘን ትካላት እዚኤን ንምድንፋዕ ብቐጻሊ ይነጥፋ ኣለዋ። ርሑቅ ከይከድና ካብ ኣፍሪቃ፣ ከም ባዓል ጋና፣ ሞዝምቢክ፣ ሩዋንዳ፣ ኡጋንዳ፣ ሰነጋል፣ ኮት ዱቯር፣ ከንያ፣ ግብጺ፣ ሞሮኮ ወዘተ ይጥቀሳ። ስለዚ ነዘን ትካላት ቀዳምነት ሂብካ ምትብባዕን፣ ሓጋዚ ትሕተ ቅርጽን ልዕለ ቅርጽን ኣዋዲድካ በቲ ዝከኣልን ዝድለን ምምዕባል ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ። ብዘይ ዝኾነ ምስምስ፣ ውዓል ሕደር ዘየድልዮን ቀዳምነት ክዋሃቦ ዘለዎ ግድነታዊ ሃገራዊ ዕማም እዩ።  ኣድለይቲ ዓቕምታትን ጸጋታትን ሃገር በቲ ዝድለ መቓንን ዝከኣል ወፍርን ተበግሶን ክህነጽን ክስውድን እንተድኣ ዝድለ ኮይኑ፣ ኩሉ መዳያዊ ናይ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዘሎ ሓፋሽ ህዝቢ ተሳታፍነት፣ ናይ ፖለቲካዎ ኣራኣእያ ብዘየገድስ፣ ክጉሰ የብሉን። እዚ ምስ ዝግበር እዩ እቲ ኩልና እንትምነዮ ኩሉ መዳያዊ ምዕባለ ሃገር ብሕኑን ፍጥነት ክምርሽ ዝኽእል።

ኩነታት ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ንእሽቱን ስድራቤታዊን ትካላት

ንዋኒነ ንግድን ትካላዊ መሃዝነትን ኤርትራውያን በቲ ውድዓዊ ዓቕሚ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ብዙሕ ጊዜ ዝደጋገም ብሂል ኣሎ። ኤርትራውያን ብፍላይ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ከም ባዓል ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ኬንያ፣ ኣንጎላ፣ ኡጋንዳን፣ ወዘተ ብዙሕ ይነጥፉን ኣብ ብዙሕ ትካላዊ ዋኒናት ይዋስኡ ኔሮምን ኣለውን ተባሂሉ ብኹርዓት ክንገርን ክጋዋሕን ንሰምዕን ንዕዘብን ኢና። ብመንጽር ንህዝብና ዝህቦ ጠቕሚ ክምዘን ከሎ ግን ብዙሕ ዘተሓሳስብ ኢዩ። ካብ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ወጻኢ ኰንካ ምውንጫፍ፣ ኣብ ሃገርካ እቲ ቀንዲ ትካልካ ደኲንካ ክትነጥፍ ተመራጺ እዩ። ከከም ኣድላይነቱ ብዝኽፈት ዕድላት ድማ ኣብ ካለኦት ሃገራትውን ብዝተኻእለ መጠን ማልካን (ካፒታልካ) ትካላዊ ክእለትካን ኣብቲ ከርባሓኒ ይኽእል እዩ ኣትብሎ ካብ ሃገርካ ወጻኢ እውን ክትነጥፍ ትኽእል። ግን እቲች ሱርካ ኣብ ዓድካ ክኸውን ኣለዎ። ግን ተሓግሒካ ካብ ዓድኻ ወጺኢካስ ኣብቲ ዘለካዮ ሃገር ኮንካ ከተስፋሕፍሕን ክትንቃሳቐስን፣ ከተመስርሕን ከምኡውን ኣብ ዋኒነ መሃዝነት (Entrepreneurial Innovation) ክትነጥፍን ከለኻ ይከኣል እዩ ግን ንሃገርካ ከምቲ ዝድለ ኣይርብሕን።  ነቲ ዓድኻን መበቆልካን ዝኾነ ሃገር ብዙሕ መዳያዊ ሃስያ ኣለዎ። ዛጊት ውጽኢትን ኣሉታዊ ጽልዋታቱን ድማ ብግሉጽ ኣብ ቁጠባ ኤርትራ ንርእዮ ኣሎና። ንዝኾነ ትካላዊ ምንቅስቓስ ወይ ንጥፈታት ናቱ ንድሕሪትን ንቕድሚትን ተመጢጡ ዝተሓሓዝን ዝዋሃሃድን ኩሉመዳያዊ ቁጠባዊ ርክባትን ተኣሳሰርነትን ኣሎዎ (backward and forward economic link and interaction)። ንኣብነት ሓደ ናይ መገጣጠሚ ትካል ምስ ዝምስረት ወይ ዝጣየስ፣ ነቲ መስርሕ ዘድሊ ቀረባት ዘመስርሓ፣ ዘዳልዋ ከምኡውን ዘቕርባ ተማላላእቲ ትካላት ከድልያ እየን። ነቶም ኣብተን ትካላት ዝዓዩ ሰራሕተኛታት እውን ንመነባብሮ ዘድልዮም ኩሉ ዘቕርባ ኣመስራሕትን ወሃብቲ ኣገልግሎትን ትካላት ክህልዋ እየን። ከምኡ እንዳበለ ድማ ንኩሉ መዳያዊ ቁጠባ ሃገር ብቀጻልነት ብዘህጥር ኣገባብ ይቕጽል። ስለዚ ናይ ትካላዊ መሃዝነት ብቕዓትን፣ ተመኩሮን ከምኡውን ዕቑር ጸጋን ክእለትን ዝውንኑ ኣብ ሃገር ምስ ዘይህልው ንኹሉ መዳያዊ ምዕባለ ቁጠባ ሃገር ኣዝዩ ጐዳኢ እዩ። እቲ ምህሰይቲ ድማ ናብቶም ተስፋ ዝንበረሎም ተካእቲ ወለዶ ክበጽሕ ይኽእል።  እዚ ድማ ጎሲኻ ዝሕለፍ ኣይኮነን።
ከም እንፈልጦ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣን ክሊማዊ ኣቀራርጻን ምድሪ ኤርትራ ኣዝዩ ተባሃጊ እዩ። ካብ መበል 18 ክፍለ ዘበንን ቅድሚኡን  ጀሚሮም ገዛእቲ ሓይልታት ብተዳጋጋሚ ኣርዑት መግዛእቶም ንኽጸውር ግዳይ ምዝመዛኦም ንኽኸውን ንህዝብና ኣገዲደሞን፣ ኣዋርዶሞን፣ ድሂኸሞን እዮም።  ርግጽ ኢዩ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብኣጠቓላሊ ክምዘን ከሎ ኣብቲ ግዝኣቱ ነበር ዝገድፎ ብዙሕ መዳያዊ ክፉእን ሕማቕን ውርሻዊ ተርእዮ ኣብ ቦትኡ እንዳሃለወ፣ ግን ሓደ ሓደ ኣዝዩ ጽቡቕ ዝኾን ሓድግታትውን ይገድፍ ኢዩ። ንኣብነት ኣብ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ጥልያን ብሰፊሑ ካብ ዝተወርሱን ዝተኣታትተውን ጽቡቕ ሓድግታት ሓደ-መንቋሕቋሕታ ናይ ንኣሽቱን ስድራ ቤታውን ትካላዊ (ወይ ዋኒናዊ) መሃዝነት (Small and familty Businesses and Entrepreneurial Innovation and acumen) ኢዩ። እኹል ኣብነታት ናይዚ ሕላገታት ብቐሊሉ ኣብ ኤርትራ ይረኤ ኔሩ እዩ።
ህዝቢ ጥልያን ካብ ነዊሕ ጊዜ ኣትሒዙ ብቐንዲ ዝፍለጠሉ ማዕበያን ባህላዊ ኣምርን ኣለዎ። ንሱ ድማ ምውናን ክእለትን ብቕዓትን ኣብ ንኣሽቱን ስድራቤታዊ ትካላዊ (ዋኒናዊ) መሃዝነት ኢዩ ። ኢጣልያዊያን ወለዲ ንደቆም ካብቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ከይዶም ዝመሃርዎ ዝያዳ ኣብ ገዛ ዝምህርዎም ተግባራዊ ስነ ጥበባትን መሃዝነታዊ ክእለታትን ይበዝሑ። ንኣብነት እቶም ወለዲ ኣብ ስርሓት ንግዲ ዝነጥፉ ወይ ዝተዋፈሩ እንተኾይኖም፣ ነቶም ደቆም ገና ብንእስነቶም ከለዉ በቲ ዝግባእ ስልጠናዊ መንገዲን ተግባራዊ ተመኩሮን ከምዝዋስኡ ይገብሩ እዮም። ብተግባር ድማ እቲ ንነዊሕ ጊዜ ዝሰልጠንሉን ዝዓበይሉን ተግባራዊ ሞያ ናብ ደቆም በቀጻሊ ከም ዝሰርጽ ይገብሩ። ኣብ ኤርትራውን ብትሑት ዓቕሚ ድኣ ይኹን እምበር እዚ ሞያዊ ባህሊ’ዚውን በብደርጅኡ ይዓኩኽን ይትግበርን ከምዝነበረ ይፍለጥ። ዋኒናዊ መሃዝነትን ኢደ ጥበባዊ  ክእለትን ካብቲ ዝዓበየ ስጋብ’ቲ ዝነኣሰ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኬድካ ኣብ ክፍሊ ኮፍ ኢልካ ተማሂርካ ዲፕሎማን ዲግሪን ዓቲርካ ጥራይ ዝውነን ዝመስሎም ብዙሓት ሰባት ኣሎው። ዋኒናውን ሞያውን ክእለት ዝጥረን ዝሰርጽን ካብ ብዙሕ ረቛሒታት ኢዩ። ካብ ልምድን ተሞክሮን፤ ከባብያዊ ጽልዋ፣ ሓድግታት፣ ሓፈሻዊ ስነ-ፍልጠት፣ ከምኡውን እቲ ፍሉጥ ስሩዕ ሞያዊ ስልጠና፣ ወዘተ። እንተስ ብማዕበያ፤ እንተስ ብውርሻ ንሕና ኤርትራዊያን’ውን ብኢደ-ጥበባዊ ዋኒነ ስራሓት ብልጫታት ኔሩና ኢዩ ብመንጽር ከባቢና ክረኤ እንከሎ ማለት ኢዩ። ናይዚ ሓቅነት ዝምስክሩ ብዙሓት ታሪኻዊ ጭብጥታትን ውጺኢታትን ኣለው እንተላይ ኣብ ሓርነታዊ ቃልስና። እንተኾነ ኣብ ዝሓለፉ 28 ዓመታት ንምዕባለ ንኣሽቱን ስድራ ቤታዊ ትካላት ብመንግስታዊ ምሕደራ ዝተወስደ ብቑዕን ኣድላይን ስጉምቲታት ከምቲ ዝድለ ዘዕግብ ኣይኮነን። እዚ ኣብ ቀጻሊ ምድኻም እዘን ንኣሽቱን ስድራቤታዊ ትካላት ኣሉታዊ ኣስተዋጻኦ ብቐጻሊ ይገብር ኣሎ። እዚ ዘይቅቡል ዝሕታለ ድማ ነቲ ዝመጽእ ሃገር ተረካቢ ወለዶ ብብዙሕ መዳያት ጐዳኢ እዩ። እቲ ከም ወራሲ ኮይኑ ነቲ ስድርኡ ዝገደፍሉ ትካል ከማዕብል ዝግብኦ መንእሰይ ወለዶ ክወርስን ዋኒናዊ ሓድጊ ወለዱ ብዚያዳ ከማዕብልን፣ ዕድል ኣይረክብን ዘሎ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ድማ ጉድእቱ ንሃገርን ህዝብን ፍሉጥ እዩ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብዘለው ሃጓፋትን፣ ዘየተባብዑ ደፋእቲ ረቛሒታትን (Internally instigated push factors)፡ ከምኡውን ካብ ሃገር ወጻኢ (ብፍላይ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት) ብሕልማዊ ምቁር ሕብስቲ ዘወናዉኑ ሰሓብቲ ረቛሒታት (Externally instigated pull factors) ምኽንያት ብዙሓት መንእሰያት ብብዝሒ ነታ ዝፈትዉዋ ዓዶም ራሕሪሖም ስለ ዝተሰዱን ዝተበታተኑን፣ እተን ንኣሽቱን ስድራ ቤታውያን ትካላት ንግዲ ርኡይ ጉድኣት እዩ በጺሕወን።  ካብቶም ትጉሃት ወለዲ ናብቲ ዝመጽእ ወለዶ ብምምሕልላፍ እንዳ ዓበያን እንዳ ሰሰናን ኣብ ክንዲ ዝኸዳን፣ ንሃገራዊ ማሕበረ-ቁጠባዊ ዕቤት በቲ ዝድለ ዘበርክታን፣ ብኣንጻሩ ብዙሓት ካብአን በሪሰንን፣ ነድዬንን፣ ተዓጽየንን ከምዘይነበራ ኮይነን ኣለዋ። ብሓቂ ብውድዓውነት ክምዘን ከሎ፣ ከቢድ ሃስያ እዩ። ዛጊት ኣብ ባይታ ኣምጺኡዎ ዘሎ ጉድእት እውን ከቢድ እዩ።
እቲ ናይ ጽባሕ ተረካቢ ሃገር ዝኾነ መንእሰይ ወለዶ ብዝለዓለ ብቕዓት ተኸሺኑን ተዳልዩን ከምኡውን ካብቲ ቀጻሊ ዝኾነ ናይ ሕኑን ማዕበላዊ ግስጋሰ ሰኒቑን፤ ካብቲ ዓውሎማዊ መኽዘን ፍልጠት ከምቲ ዝድለ ተቛዲሱን፤ ካብኡ ተጠቒሙን እንተዘይዓብዩ፣ ብቕዓቱ ይውሕድ። ዝገብሮ ኣስትዋጽኦ እውን ምህሙን ይኸውን። ነተን ወለዱ ዝሃነጽሉን ዘጽንሑሉን ንኣሽቱን ስድራ-ቤታውያን ትካላት ብዝያዳ ኣማዕቢሉን፣ ኣህጢሩን፣ ኣስፊሑን ኣብ ሃገራዊ ቁጠባዊ ህንጸት ፍሩይ ኣስተውጽኦ ክገብር ዕድላትን ተኽእሎታትን ይስእን። ብዝኾነ መንገዲ ድማ ኣየድምዕን። እዚ ማለት ከም ወዲ ሃገር መጠን ኣብ ገዛእ ሃገሩ ብብቕዓት ዓብሊሉ፣ ነቲ ማሕበረ-ቁጠባዊ ጸጋታት ናይ ሃገሩ ከምቲ አብ ኩለን ሃገራት ዝድለ ብላዕለዋይ ኢድ ወኒኑን ኣማሓዲሩን ክነብር ኣይክእልን። እዚ እንተዘይኮይኑ ድማ እቲ ሳዕቤን ንኽትሓሰቦ ዘሰቅቕ ኢዩ። በቲ ሕጁ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝረኤ ዘሎ ብሰንኪ መጻእተኛታት ናይ ተወሪስና፣ ብቑጠባ ተዓብሊልና፣ ተወጊና ዝብል ብዙሕ ሽግርን ዘይምርግጋእን ከየምጽእ ጥንቃቐ ካብ ሕጂ ጀሚሩ ከድልዮ እዩ። እወ ዕቱብ ጥንቃቐ ብሰንኪ ኤርትራ ዝኣተወቶ ሓድሽ መድረኽ።   ነብስና ኣማዕቢልና ኣጋይሽና ንቀበል ዝብል ዓቕሚ ኣብ ሓፋሽ ህዝብና ኣንተዘየስሪጽና፣ እቲ ዝህሉ ሕማቕ ኣማራጺ ድማ ንኻሎኦት (መጻእተኛ) ሰብ ዓቕምን፣ ሃብትን፣ ብሉጽ ፍልጠትን ስብሒ ምድርኻ ኣረኪብካ ኣብ ገዛእ ዓድኻ አገለጋሊኦምን ጊሊያኦምን ኮንካ ተረፍ መረፍ መኣዶምን፣ ርፍራፎምን ምልቃም ኢዩ ። ብተወሳኺ ነቶም በሃብቶም፣ ብትካላዊ መሃዝነቶምን ብሞያኦምን ትካላት ክምስርቱን፣ ክነብሩን፣ ክሰርሑን ምስ ዝመጽኡ ወጻእተኛታት ኣውፈርትን ሰብ ላዕለዋይ ሞያን ተወዳዲርካ ካብቲ ጸጋ ሃገርካ በቲ ዝድለ ተቛዳሲ  ንክትከውን ከሸግር ኢዩ። ነዚ ኣንጸላልዩና ዘሎ ሕማቕ ውርሻዊ ተርእዮ (legacy) ንሃገሩን ንህዝቡን ዝሓልን ዝሓምምን ሃገራዊ ከሰክፍ ይግባእ። ኣብ ገዛእ ዓድኻ ናይ በላዒ ስብሒ መሬትካ ተመልካቲ ምዃን ማለት መሪር ሓሞት ብሰፍነግ ምስታይ ኢዩሞ ካብዚ ናይ ዘመናዊ ባርነት ሂወት ኣብ ገዛእ ዓድኻን መረበትካን ይሰውረና።  ንኽስውረና ድማ ኣድላይ ኩሉ መዳያዊ ስጉምቲ ምውሳድን፣ ምጽዓርን ሓባዊ ጻዕሪ ምግባርን የድልየና። እወ ብውድዓውነት ንዘለናዮ ኩነታት ንርእዮ። ሕማቕ ውርሻዊ ተርእዮ የንጸላልወና ኣሎ። ነዚ ዘንጸላልወና ዘሎ ዘሕዝን ናይ መጻኢ ተርእዮ ክንቋጻጸሮን ከንውሕዶን ንኽንክእል ሕጂ ብሓባር ምስ ሓፋሽ ህዝብና ኮይና ንትልሞን ንገብሮን ወሳኒ ቅድመ ኩነት ኢዩ። እዛ ዓለምና ኣዝያ እንዳጸበበት ትኽይድ ኣላ። ህዝቢ ዓለም ነንሕድሕዱ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ይራኸብ ኣሎ ።ንኣብነት ብቁጠባ፣ ብማሕበራዊ ናብራ፣ ብፖለቲካ፣ ብተክኖሎጂካዊ ስነ-ፍልጠትን፣ ብባህሊ፣ ብዶብ ኣልቦ ሓብሬታዊ ተክኖሎጂ፣ ከምኡውን ብኻሎኦት ወሰንቲ ረቛሒታት ክባሃል ይከኣል። እወ ሳላ ዘቀራርበና ዘሎ ዘይተኣደነ ዓውሎማዊ ናይ ሓበረታ ተክኖሎጂ፣ ኩሉ ዜናታትን ፍጻሜታትን ዓለምና ብደቓይቕ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ንኽብጽሓና ኩሉ ትኽእሎ ኣሎ።

ፍልጠትን ሓበሬታን ብቐሊሉ ኣብ ኮምፒተርና ከም ወሓዚ ዛራ ይመጸና ኣሎ። ኮነ እልካ ብመንግስታዊ ምሕደራ እንተ ዝይተሓጺሩ ወይ እንተ ዘይተደልዩ ሎሚ ፍልጠት ንምድላብ ብዙሕ ዘኽፍሎ ዋጋ የብሉን (knowledge is cheap and ubiquitous everywhere)። እቲ ለይትን መዓልትን ክንሓስቦ ዘለና ከም ህዝቢ ድማ፣ ካብቲ ዘይተኣደነ ባሕረ ጸጋ ናይ ስልጣነን ዕብየትን ዓለምና ከምቲ ዝድለ ከመይ ጌሩ ንረብሓሉን ንኸስበሉን ኢዩ። እዚ ማለት ብኸመይ ጌርናኸ ናብ ረብሓና ክንቅይሮ ንኽእል ኢልና ብጻዕቒ ክንሓስብን ብውልቃዊ ይኹን ብእኩብ ክንጽዕረሉ ይግባእ። ናይ ነፍሲ ወከፍና ክእለትን ጸጋን ድማ ተደሚሩ ሃገራዊ ጸጋታት ክምዝፈጥር ፍሉጥ እዩ። ኣቲ ጻዕርናን ተባላሓትነትናን ናብ ቅርዓት ከነውጸኦ ክንክእል ኣለና። ንገብሮዶ ኣለና? ብናተይ ውልቃዊ ትዕዝብቲ፣ ዛጊት ኣይካኣልናን ዝሕታለና’ውን ዘተሓሳስብ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ድማ ብሰንኪ ናይ ነብሲ ወከፍና ዝግባእና ዘይምግባር፣ ናይ መንግስታዊ ምሕደራ ጉድለታት፣ ብቑዕ ሰብ ኣብ ብቑዕ ቦታ ዘይምህላው፣ መጠኑ ዘሓለፈን ዘየድልን ቊጽጽርን ብዘምጸኦ ዘይንቡር ኩንታት ብዝተፈጥሩ ማሕለኻታት ናይ ውልቀ ጻዕርን መሃዝነትን፣ ወዘተ ኢዩ። ኣብዚ ብዙሕ ክጥቀስን ክትንተንን ይካኣል። እዚ ዝሕዝን ኩነታትና ዘምጸኦ ዘሎ ሳዕቤናት እውን ብግሉጽ ንርእዮ ኣለና። ህዝብና ብኹሉ መለኪዕታት ንድሕሪት ተመሊሱ። ዝጠፍአ ዕድላትን ክሳራታትን ደረት ተሳኢኑዎ። ንኣብነት ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፣ ንኣሽቱ ስድራ-ቤታዊ ትካላዊ መሃዝነት ድማ እቲ ቀንዲ ብልጫናን ተዋዳዳሪ ብሉጽነትና ከንርእየሉን ብዘየላቡ ብቐዳምነት (ወላውን ኣብ በተዛማዲ ጽንኩር ኩነንታንት) ከነማዕብሎ ዝግባእ ቁጠባዊ ጽላት ክኸውን ነይሩዎ። እቲ ዘሕዝን ድማ ጥጡሕ ባይታ ዛጊት ዘይምፍጣሩ ድማ ኣቲ ማዕበያዊ ብልጹነትና ብቀጻሊ ነጥፍእ ኣለና። ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልእ ሃገራት ብሰፊሑ ዝተራእየን ዕውት ውጺኢት ዝሃበን ዝህብ ዘሎን ንሕናውን ምረባሕናሉ። ውህሉልን ዝተመስከረሉን ተወፋይነትና እንብሎ እንተድኣ ዘተባብዕ ሃዋሁው ዘይተፈጢርሉ ዋጋ የብሉን። ብኣንጻሩ፣ እዩ ዝኸውን ማለት ምርማስ፣ ምዝሕታል ኣብነት ናይ ሕማቕ ሓድጊ ምዃን። ኣቐዲምካ ምጥንቃቕ የድሊ። ብኸመይ ንገብሮ? ዕዮ ገዛና እዩ።
በሰላ ናይዚ ሕማቕ ሓድጊ ድማ ከምቲ ሓደ ካብ መራሕቲ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ (African National Congress or ANC) ሲርል ራማፖዛ ሕጂ ፐረዚዳነተ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘሎ ዝበሎ ኢዩ። እጠቅስ፡-“ነቲ 400 ዓመታት ዝተወጸዔ ግን ከኣ ብቁጽሪ ብገፊሕ ዝዓብለለ ጸሊም ደቡብ ኣፍሪቃዊ ህዝቢ ብቁጠባ ምሕያል (Economic Empowerment) ዘሸግረና ኣይኰነን። እዚ እቲ ዝቐለለ ኢዩ። ንዓና እቲ ዝዓበዬ ብድሆ ኮይኑና ዘሎ፣ እቲ ንኣስታት አርባዕተ ክፍላተ ዘበን ዝኣክል ነቲ ምስኪን ጸሊም ደቡብ አፍሪቃዊ፣ ምሉእ ሰብ ኣይኮንካን፣ ንዓና ንጸዓዱ ከተገልግል ኢኻ ተፈጢርካ፣ ቁጽሪ፣ ሳይንስ፣ ወዘተ ንክትማሃር ብተፈጥሮ ኣይተዓደልካን፣ ፍርቂ ወይ ሓውሲ ሰብ ኢኻ፣ ብስነፍስጠት ተዓጅብካ ክትምህዝን ከተማዕብልን ዘኽእል ዓቕሚ ክትውንን ብተፈጥሮ ኣይተዓደልካን፤ እንዳተባህለ ብቀጻሊ ዝኾነ ሰራምን ነውራምን ስነ ኣእምሮኣዊ ዘመተ ዝተሓጽበን፣ ዝተዳህለን ከምኡውን ወኑን ርእሰ-ተኣማንነቱን ከምዘጥፍእ ንዝተገብረ ህዝቢ፣ ሱር በተኻዊ ብዝኾነ መንገዲ ነዚ ክፉእን ረማስን ዝኾነ ውርሻዊ ተርእዮ ኣወጊድካ ብኸመይ ርእሰ ተኣማንነቱ ትመልሰሉ ኢዩ።” እዚ ማለት ካብቲ ጻዕዳ ዜጋ ብዘይንእስ ከድምዕን ክዳረግን ይኽእል ኢየ ኢሉ ብምሉእ ርእሰ ተኣማንነት ምእንቲ ክነብር ማለት እዩ። እዚ ንዓናውን ዓቢ ምኸሪ ኢዩ። ሕማቕ ውርሻዊ ሓድጊ ነቲ ዝመጽእ ወለዶ ዓንቃፍን ጐዳእን ከምዝኾነ ፍሉጥ ኢዩ። ዓቕምን ትሕዝቶን (ጸጋታትን) ሃገር ዝድንፍዕ ድማ ናይቲ ውልቀ ሰብ ዓቕምን ዕቑር ጸጋን ምስ ዝድንፍዕ እዩ። ግን እዛ ዝበልናኩም ግበሩ ((Our way or the highway) እትብል ተመዛዚት ሓረግ ዳግም ክሕሰበላ ኣለዎ በቶም ዝምለከቶም።, ንሕና ኢና ክኣልቲ ኩሉ፣ ካባና ዝበልጽ የልቦን። ሕሉፍ ተመኩሮና ዝበለጸ ኢዩ። ባህልና እዩ እንታይ ክወጾ፣ ተዓዊትናሉ ኢና፣ ተኣምር ንሰርሕ ኣሎና፣ ምባል እንተ ኣጉደልናዮ እቲ ዝበለጸን ዝሓሸን ኣማራጺ ኢዩ። ልክዕ እዩ ንሕሉፍ ተመኩሮ ኣድቂቕካ ምፍላጥን ጸጽብቑ ምውሳድ ሰናይን ሃናጺን እዩ። ግን ኣብ ጊዜን፣ መንኮርኮር ምዕባለን ዝተማእዘነ ዳይናሚካዊ መስርሕ ክንጎስዮ ዘይንኽእል ግድነታዊ ናይ ምዕባለ ሕጊ ስለዝኾነ ክንክተሎ ድማ ይግባእ። ኣድማዒ ትካላዊን ዲሞክራሲያዊን መንግስታዊ ምሕደራ ካብ ላዕሊ ስጋብ ታሕቲ ኣብ ዝወርድ ጽፍሕታት ክህሉ ኣለዎ።  ምስ ግዜን ዲናሚካውን ሞዕባለ ተዓጻጻፊ ክኸውን እውን ኣለዎ። እንተ ዘይኮይኑ ድማ ኣብ ክንዲ ኣሳላጢ ዓንቃፊ፣ ኣብክንዲ ንጽቡቕ ውጽኢት ደፋኢ ሓንኳሊ ይኸውን ማለት እዩ።  ስለዚ ምስ ቀጻሊ ለውጥታት ኣሳራርሓናን፣ ምሕደራናን፣ ኣታሓሳስባና ክንልውጥን ከነማሓይሽን ናይ ግድን ይኸውን። ካልእ ኣማራጺ የልቦን ብጀካ ንነብስኻ ምጥባርን ንህዝኻን ኣዝዩ ጎዳኢ ስምብራት ምግዳፍን። ኣብ ታሪኻዊ ህቡብነትካ ተመርኲስካን ሕሉፍ ጅግንነትካ ምድማቕ ሰናይ እዩ። ግን እቲ ሕጂ ዘሎን፣ ብሕጂ ዝመጽእን ብናይ ዲያለክቲካዊ ናይ ሞዕባለ ሕግታት ተቐይዱ ስለ ዝኸይድ ግድን ምስኡ ምካድን ነቲዘምጸኦ ግድነታዊ ለውጢ በቲ ሓፋሽ  ዝረብሓሉ መርሓ መንገዲ ምርዓም ከድሊ እዩ። መንኮርኮር ምዕባለ ሃገር  ኣወንታዊን ኣድማዕን ዝኸውን ዝተፈላለዩ  ተራጻምቲ ግን ንምዕባለ ሃገር ዝሕልኑ ኣታሓሳስባታትን ኣራኣእያታትን ምስ ዝህልውን ዝታባብዑን እዩ። ብሓጺሩ፣ ተዓጻጻፍነትን ውድዓውነትን ዘይጉሰ ግድነታዊ እዩ ኣብ መዋእል ቀጻሊ ምዕባለ። ከምቲ ፈላስፋ ዳርዊን ዝበሎ፣ ‘እቶም ኣብ ንጥፈታቶም ዕውታት ኮይኖም ዝቕጽሉን ዝስውዱን ኣቶም ዝበለጹ ዝይኮንኑስ፣ እቶም ምስቲ ብቐጻሊ ተለዋዋጢ ዝኾነ ውድዓዊ ናይ ምዕባለ ተርእዮን ለውጥን ብተዓጻጻፍነት ተዋሃሂዶም ዝምርሹ እዮም’። ብሕቂ ክሕሰበሉ ዘሎዎ እዩ ከም ዘይጉሰ ኣማራጺ።
ዕቑር ተዋዳዳሪ ብሉጽነት ኤርትራ
ኤርትራ ኣይኮነን’ዶ ነዚ ውሕድ ህዝባ ዝኸውን፣ ንኻልእ’ውን ምኻኣለት። ብክሊማኣ፣ ብጂኦግራፊካዊ ኣቀማምጣኣ፣ ብታሪኻን ባህላን፣ ብዕቑር ጸጋታታ፣ በቲ ካብ 1200 ኪሎ ሜተር ዘይንእስ ካብ ሽሕ ንላዕሊ መራኽብ ንመዓልቲ ዝማላለሳሉ ስትራተጂካዊ ኣፍደገ ባሕራ ምስኩሉ ዕቑር ጸጋታቱ፣ ካብ ኩሉ ድማ በቲ ዝተመስከረሉ ህርኩት ህዝባ። ብሓጺር ጊዜ ምዕብልትን ብልጽትን ክትከውን ተኽእሎ ኣለዋ ብሓቂ።  ኣብዚ ዝሓለፈ 28 ዓመታት ካብቲ ዝነበረቶ ካብ 20 ዕጽፊ ንላዕሊ ክትምዕብል ኔሩዋ። ተደጋጊሙ ዝዋሃብ ምኽንያት ኣሎ። እዚ ፍሉጥ ኢዩ። ልዑላውነትናን ሃገራዊ ህንጸትና መስገደላት ኣይነበሩናን፣ ማሕለካታት ኣይነበሩናን፣ ኣይተጐዳእናን ማለትውን ኣይኮነን። ልኡላውነትና ከነውሕስ ኣሎና ብቐዳምነት፣ ሃገር ካብ ባዶ ኢያ ጀሚራ፣  ወዘተ ይባሃል እዩ። እወ እዚ ግን ናይ ኩሉ ወዲ ሃገር ጉዳይ ክኸውን ኣለዎ። ሓፋሽ ህዝቢ ንንጡፍ ኩሉ መዳያዊ ተሳታፍነት ዕድል ኽኽፈተሉ ኔሩዎ፣ ሓፋሽ ህዝቢ ሪቕ ናይ ኩሉ ዕቑር ጸጋታት ስለዝኾነ፣ ዕድል ሂብናዮ እንተንኸውን፣ ብናተይ ኣራኣእያ ኣብ ከም ሰንሰለት እናተታሓሓዘ ዝኽይድ ደረቱ ዝሓለፈ ብድሆን፣ ቀጻሊ ሽግርን፣ ማሕንቖታትን ኣይምኣተናን። እዚ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ፣ ፖሊቲካዊ ኣራኣእይኡ ብዘየገድስ፣ ንኤርትራ ዝሓሊ ምዃኑ ምርሳዕ፣ ወይ ክትርዳእ ዘይምድላይ ወይውን ዘይምፍታን፣ ዘምጸኦ ግጉይ ኣታሓሳስባ እውን ስለ ዝነበረን ዝሎን እዩ። ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ፖለቲካዊ መትከሉን ኣራኣእያኡን ብዘየገድስ ሃገራዊ እዩ፣ ንሃገሩን መረበቱን ካብ ኩሉ ንላዕሊ ይሓልን ይሕልውን፣ ይፈቱን ምዃኑ ክርሳዕን ክውገንን የብሉን። ኣብ ካለኦት ሃገራት ብኸምዚ ናይ ኤርትራ ዝሓለፋ ብሓንቲ እምኒ ክልተ ሽቶታት እንዳወቕዓ ኢየን በጺሔንኦ። ኣብነተን ንከተል። ከም ባዓል ጀርመን፣ ሲንጋፖር፣ ኮረያ፣ ሊባኖስ፣ ወዘተ ህልዋት ምሰክር ኢየን። ሎምስ ኣብ ኩለን ዝምዕብላ ዘለዋ ሃገራት እኳ እቲ መንግስታዊ ምሕደራአን ብመሳልል ምሕደራዊ ማሕውራቱ ኣቢሉ ዓርሞሸሽ ደፋኢ ሓይሊንምዕባለ ኮይኑ የገልግለን ኣሎ። እዚ ማለት ካብ ሃገራዊ ባይቶ ጀሚሩ፣ ካቢነ ምኒስተራት እንዳበለ ስጋብ እቲ ዝተሓት ኮማዊ መንግስታዊ ምሕደራ ብግሉጽ ብመራኸቢ ሓፋሽ በቲ ዝግባእ መንገዲን ዲሞክራሲያዊ ኣገባብን ተግባራቱን ውጥናቱን ብዕሊ ንሓፋሽ የፍልጥ ይትንትን፣ ይገልጽን ከምኡ’ውን ምኽሪ ካብ ሓፋሽ ይሓትትን እጃም ሓፋሽ ይጽበን ኣሎ። እዚ ልሙድ ተርእዮ እንዳኾነ እዩ ዝኸይድ ዘሎ ኣብ ብዙሓት ቅልጡፍ ምዕባለ ብቀጻሊ ዘመዝግባ ዘለዋ ሃገራት። ንሕናውን በቲ ባህልናን፣ ያታናን ክብርታትናን ተሓጊዝና ክንገብሮ ክንክእል ኔሩና ሕጂውን ክንገብሮ ኣለና። ታሪኽናን ቅርስታትናን ያታዊ ዲሞክራሲያዊ ኣገባብናን ነባሪ ምስክር እዩ ኣይንጉሰዮ። ኣብዚ ዘለናዩ ጎደቦ ኣንተርኢና፣ ከምቲ ስነ ጥበባዊ በረኸት መንግስተእብ ኣብ ሓደ ቃለ መሕትት ፣ “ንኻለኦት ዘውረስናዮም ካባና ካብ ሰሜን ንደቡን ዝኸዱ እምበር ናባና ዝመጽኡስ ዳርጋ የለውን” ዝበሎ፣ ታሪኽ መስካሪ እዩ፣ ንኹራዓሉ ንርባሓሉን ድኣምበር ኣይህሰስ ድርዒን ሕላገተን ናይ ህዝቢ ርእሰ ተኣማንነት እዩ።
ሎሚ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ኢና ንነብር ዘሎና። እዛ ዓለም ብፈጣን ዳናሚካዊ መስርሕ ትሓልፍ ኣላ። ሱር በተኽ ተክኖሎጂካዊ ምዕባለ ወርሓዊ ተርእዮ ኢዩ ዝኸውን ዘሎ። ዓለምና ኣዝያ ትጸብብ ኣላ። ህዝቢ ኣብ ወሳኒ ጉዳይ ሃገሩ ብዝለዓለ እጃም ተኻፋሊ ክኽውን ርሒብ (ገፊሕ) ኣፍደገ ወይ ማዕጾ ክኽፈተሉ ኣለዎ። ካብዚ ወጻኢ ዘሎ ምሕደራን ኣካያይዳን ውጺኢቱ ዝሕቱል ይኸውን። እዚ ድማ ምኽንያት ናይ ዘይተኣደነ ህዝባዊ ፍልጠትን ኣስተዋጻኦን ምኽሳር ኣዩ ዝኸውን። ሃገራዊ ልምሰት ድማ የስዕብ። ብፍላይ ኣብ ዝተፋላለያ ሃገራት ኣብ ስደት ዘሎ ህዝብና ካብቲ ዝነብረሉ ከባቢ ተጠቒሙ ኣብ ኤርትራ ማሉን (ገንዘቡ) ተኽእሎኡን ከዋፍርን፣ ብገፊሕ ኣስተዋጽኦ ክገብርን ነባ በሎም ንኢታይ በለን ከይበልና ዕድላት ንኽፈተሉ፣ እወ ተቢዕና ንሕናን ንሶምን ከይበልናን ቁስልና ከይሓኸኽናን። እወ ከም ደቂ ሃገር ሓንጎፋይ ኢልና፣ ዕድላት ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ንኽፈተሉ ንኹሉ።  እወ ንጽዓረሉ፣ ሰሓቢ ሃዋሁው ንፈጠረሉንስ። ኣቤት ክንደይኮን ምረብሔት እዛ ዓደቦና ኤርትራ። እቲ ዝነበረና ብልጫታትና እውን ነበረያ ነበረ ከይከድ ምስተጠቐምናሉ። ንህዝብና ምቹእ ባይታ እንዶ እደንፍጠረሉ። ኣብ ዓመት ሚልዮናት ዘይኮነ ቢልዮናት ርእሰ-ማል ናብ ኤርትራ ምውሓዘ ኔሩ። ብፍላይ ኣብ ደገ ዘሎ ዓቢ ክፋል ህዝብና ካብታ ዝረኽባ ሓንቲ ዶላር፣ ፍርቃ ናብ ኤርትራ ሰዲዱ መዋፈራ። ብሕታዊ ትካልና እውን ብተዓጻጻፍነት ምደንፈዐ። ህዝብና እውን መሃዝን ቀጻልን ሃገራዊ ቁጠባ (creative economy) ናይ ምህናጽ ክእለት ብዝበለጸ መጥረየ። ኣብዝሓለፋ 28 ዓመታትሲ ካብዚ ዘሎ ብዝበለጸ፣ ክንደይ ህንጻ ምስተሃንጸ? ክንደይ ትካላት ምስተተኽለ? ክንደይ ትማላላኢ፣ ተታሓሓዚ ቁጠባዊ ምዕባለ ምስተራእየ? ክንደይ ሆቴላትን ናይ ቱሪዝም ትካላት (ናይ በጻሕቲ ሃገር መስሕብ) ምስተጣየሰ? ክንደይ ብቁዕ ኣብያተ ትምህርትታትን ሞያዊ መሰልጠኒ ውልቃውያን ትካላት ምስተመስረተ። ክንደይ መንእሰያት ሰብ ዋኒን ወይ ወነንቲ ትካል (national entrepreneurs) ምስተጫጭሑ? ክንደይ መንእሰያትና ተእምር ምሰርሑ? እዚ ኩሉ ከሎስ ቁርብ ቁራቦ ወርቂን በሩርን ክንረክብስ ጐዳጉዲ ምኹዓትን ከባቢያዊ ብከላ ምፍጣርዶ ምሓሸና (environmental degradation due to mining residuals)። ንሕሰበሉ ድኣ። ንህዝቢ ኤርትራ ንፈቱን ንሓዋሩ ነቲ መንእሰይ ወለዶ ንሓስብ እንተድኣ ኮይና፣ ነቲ ዘይንቡር ናብ ንቡር ንኽንመልሶ ድኣ ንጽዓር እምበር ከም ኣብ ንእሽቶይ ጥርሙስ ዝኣተው ዓሳ ፈንጠርጠር ምባል ውዒሉ ሓዲሩ ጎዳእን ኣብራስን ምኻኑ ንፍለጦ።
ናይ መዋእል ዓንኬል ዳናሚካዊ መስርሕ (life cycle dynamic process) ኣብ ኩሉ ኣሎ። ግድነታዊ ኢዩ ድማ። ስለዚ ግድን እቲ ዝኣረገ ብሓድሽ ክትካእ፣ እቲ ዝሓመቐ ብዝሓሸ ክቕየር፣ እቲ ኣብቲ ግዜኡ ኣድማዕን ብቑዕን ዝነበረ ድማ በቲ ናይ ሕጂ ወድዓዊ ኩነታት ዝጠልቦ ክቕየርን ክመሓየሽን ዘይገሃስ ናይ ተፈጥሮኣዊ ዲያለክቲካዊ ሕጊ ኢዩ ። ዘይቅየር ተሞክሮና እንዳበልካ ካብ ምስ ዘይተርፍ ተፈጥሮኣዊ ናይ ለውጢ ሕግታት ምግጫውን ኣብ ነብስና፣ ህዝብናን ሃገርናን ብቐሊሉ ዘይሓውን ዘይጠፍእን ጉድኣት ካብ ምምጻእ በሰላ ካብ ምግዳፍን ዝሓሸ እንተገበርና ይምረጽ። ተፈጥሮ ሃጓፍ ኣይጻወርን እዩ ኣንታይ ድኣ ካብ ዘምጸኤ ኣምጺኡ ይመልኦ ዝባሃል ሓቂ ኣሎ። ሕጂ ድማ ንህዝና ሰፊሕ ተኽእሎን ዕድልን ሂብና ነቲ ሃጓፍና ንምላኣዮ። ነቲ ብሕታዊ ቁጠባዊ ጽላትና ነተን ንእሽቱን ስድራቤታዊ ትካላትን ኣንዳ ኣማዕበላና ዘቤታዊ ተኽእሎናን ጸጋታትናን ንዕቢ። ድሕራይ ከምቲ ኣብ ኩለን ሃገራት ክግበር ዝድለ፣ ኣጋይሽና (ናብ ዓድና ቁጠባዊን ሞያውን ወፍሪ ክገብሩ ዝመጹ) ድማ በቲ ሕግታትና ስርዓትናን ዝጠልቦ መቓን ንቕበል።  ነዚ ንኽንገብር ኣንተ ዘይኪእልና ወይውን እንተዳናጒናን ግና  ኣቲ ኣማራጺ ፍሉጥ እዩ። ጊልያን ካላእይ ዜጋን ኣብ ገዛእ ዓድካ ምዃን እዩ። ግን ንለባም ኣምተሉ ኣበይ ከይስሕቶ፣ ንዓሻ ኣንቃሓዮ ንኽፈልጦ ከምዝባሃል ንሕሰበሉ ድኣ።
በቲ ተባዕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰል ርእሰ ውሳኔ፣ ኤርትራ ነጻ ካብ እትኽውን እነሆ 28 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ብመንጽር ብምሉእ ሓይሉ ብናይ መንኮርኮር ፈጣን ምዕባለ ንዝምርሽ መንግስትን ህዝብን ሃገርን፣ 28 ዓመታት ቀሊል ኣይኮነን። ብዙሕ ኣድማዒ ስራሕ ክስርሓሉ ይካኣል ኢዩ ወላ ምስቶም ዘለዊ ብድሆታትውን እንተኾነ። እኹላትን ውድዓውያንን ዝኾኑ ተሞኩሮታት ኣብዛ ዓለምና ኣለው። ንሶም ክዕወትሉ ዝኸኣሉ ድማ በተእምር ዘይኮነስ ብዝሓንጸጽዎን ብዘማሓደርዎን ብዘተግበርዎን ወፍርታትን፣ ነቲ ዘለዎም ዓቕምን ትሕዝቶን ጸጋታትን በቲ ዝለዓለ ብቕዓት ሰለ ዝተጠቕምሉን ኢዩ። ብፍላይ ብዝላዓለን ዝማዕበለን ዓቐን ንህዝቦም ነንሕድሕዱ ከም ዝማሃሃርን ከም ዝስልጥንን ስለ ዝገበሩ እውን ኢዩ። ከምኡውን ንጡፍ ናይ ሓፋሽ ተሳታፍነት ኣብ ኩሉ መዳያዊ ዕማማት ስለ ዘውሓሱ እዩ። ነቲ ናይ መንእሰይ ወለዶ ዓቕሚ ንምዕባይ እውን ብዙሕ ጻዕርን ሰብኣዊ ወፍርን ስለ ዝገበሩ ኢዩ። ካብ ኩሉ ብዝበለጸ ድማ ንቐጻሊ ቁጠባዊ ዕብየትን ምዕባለን ኣገዳስነት ናይ ናኣሽቱን ስድራ-ቤታውያን ትካላት ዕዙዝን ልዑልን ኣተኩሮ ሂቦም ስለ ዝሰርሑሉን ዝተዓውትሉን ኢዩ። እተን ንኣሽቱን ስድራ-ቤታውያንን ትካላት ኣብ ዝለዓለ ብርኪ በጺሔንስ መለለዪ ኣንዱስትራያዊ ሓያልነት ናይዘን ተዓወቲ ሃገራት ኣብ ምዃን በጺሔን ገናውን ይበጽሓ ኣለዋ።
መደምደምታ
ኣብ መደምደምታ ክብሎ ዝደልን፣ነዞም ክቡራት ኣማሓደርትና ድማ ብትሕትናን ከዘኻኽሮም ዝፍትን ድማ፣ ሓፋሽ በቲ ዝድለ ስፍሓትን ዕምቈትን ዘየሳተፈ መንግስታዊ ምሕደራ ብዙሕ ናይ ሃገር ምዕባለ ዝሕትልናን ጉድኣትን ከምዘምጽእ ኢዩ። ዓይኒ ሓፋሽ ህዝቢ ዓይኒ ምስሪ (ኢግል) ኢዩ። ልቢ ህዝቢ ካብ መዓሙቕ ውቅያኖስ ይስፍሕ። ፍልጠትን ብስለትን ሓፋሽ ህዝቢ ሪቕ ኢዩ ከም ማይ ባሕሪ ደረት ኣልቦ። ነዚ ጎስዮም ንሕና ዝበልናኩም ግበሩ። ኣታ ወርቃዊ መፍትሕ ኣብ ኢድና እያ ዘላ፣ ዝብል ሕመረት መሪሕነት መንግስቲ ከም ኣብ ሑጻ ዝተሃንጸ መንበሪ ገዛ ኢዩ። ሓፋሽ ኣሳታፊ ዝኾነ ስትራተጂካዊን፣ ሓይለ ዕማማዊ ከምኡውን ግብራዊ ዝኾነ መንግስታዊ ምሕደራ ኣድላዪ ጥራይ ዘይኮነስ ግድነታዊ ኢዩ። ክልተ ምርጫታት ኢየን ኣብ ቅድሜና ተገቲረን ዘለዋ። እዚአን ድማ፡- ወይ ነቲ ዝመጽእ ወለዶ ዝጠቅም ስራሕን ተመኩሮን ገዲፍካ ምሕላፍ ወይ ድማ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ዝሕመረቱ ሕማቕን ሃሳይን ሓድጊ ምግዳፍ። ንህዝቡ ይሓልን ይፈቱን ዝብል መንግስታዊ ምሕደራ ነታ ቀዳመይቲ ምርጫ ኢዩ ዝደሊ። ግን ድልየትን ክውንነትን ነንበይኖም ክኾኑ የብሎምን። ክሳነዩ ኣለዎም። እዞም ክቡራት ኣማሓደርትና ነዚ ብዕቱብ ክሓስቡሉ እላበዎም። ተስፋይን ምንዮተይ ድማ ምእንቲ እቲ መንእሰይ ወለዶ እቲ ዘይንቡር ናብ ንቡር ክምለስ ከምዘለዎ እዩ። ሃገርን ህዝብን ምፍታው ድማ በዚ ዕቱብነት ኢዩ ዝምዘን።

ግዳም ሓደር ኮይንካ ስደተኛ ዕረፍቲ ዘይትፈልጥ ድርብ መክረኛ

ፋሕተርተርተር ዘይተቋርጽ ተወዲስካ ተባሂልካ ብሉጽ ጻዕረኛ

ብዘይ ገደብ ተወፊኻ ናብዚን ናብትን ተጓዕዝካ ከም እወ ሓቦኛ

ናብራናሲ ብቐንዱ መሪር ቃልሲዩ ዝበዝሖ ላዕልን ታሕትን

ኣብዘዝኽድናዮ ነፊዕና ስዒርና ክንባሃል ዝያዳ ንፉዕን ሓላልን

ካን ንኤርትራውያንሲ ግደና ኮይኑ ክንሓልፍ ብሓባጥን ጎባጥን

በቃ ግዳይ ስደት ኮይና ክነሕልፎ ነዚኩሉ ኣዋርሕን ዓመታትን

እታ ተሕዝን ዓንኬል ናይ ስደት ክባብ እያ ክም እትዘውር ምሬት

ዝጠለለት ዘቑጸልጽለት ዘለላ ወይኒ ትመስል ሕልማዊት መቐረት

ኣየ ሓዘንና ናብኩሉ ቦታ ኬድካስ መለሳ ዬብላን ንሳ አያ ዝመረረት

ናዓ ድእ ንኡስ መንእሰይ ናበይ ድኣ ደሊኻ ኣይትኺድ ብሃንደበት

እይዛዘምካን ተቓላሳይ ኢኻ ንእሽቶይ እንዲኻ ናብ ዓድኻ ጠምት

መዓንጣኻ ዘሕርር እዩ ጎበዝ ኤርትራ ብኽምዚ ክሓልፍ ብኡነት

ብሰላም ዕረፍ ንፉዕ መንእሰይ ሓላዬ ገዲፍካ ኣሎኻ ነቶም ካለኦት

ኣሰርካ ዝስዕቡ ዘይጽዓዱ ንፉዓት ተቓልሰቲ በቲዝድለ ትብዓት

07/12/2019

ነቲ ሓማቕ ወረኛ ብዛዕባ ሰብ ክሓምን ነውራም ኣፉን

እንታይ ኢለ ክጽውዓካ? ሰብ ከይብለካ ሮቦት ኮይንካ 
እንስሳ ከይብለካ ዝዛረብ ገስረጥ መልሓስ ዓዲሉካ 

ደንቆሮ፣ ሓውሲ ሰብ ደጋሚ ያላኻ ያላኻ ክብለካ 
ሰበይቲ እንተለካስ ትፈትሓካ ግን ይዋእ ዝወለደካ 
ኣሃ! ዕዳ ሃገርን ክሳራ ሃግርን ኢለ ግን ይሰምየካ 
 እዋይ ሓወይ ኣብ ድቕድቕ ደልሃመት ዘለኻ ብደውካ 
ናይ ኣእምሮ ስንክልና ለካ እዩ ከም ለበዳ ዓሶ ሒዙካ
ሰናይ ይትምነየካ ካብ ስነኣእምሮኣዊ ባርነት ከውጻኣካ
እንታይ እም ክገብር ወዲ ሃገር ስለ ዝኾንካ ከይቀብጽካ 
ተማሃር ሰልጥን ወሓለ ኩን በጃኻ ንሱ እዩ ዘኽብረካ 
ብጊዜኻ ኣይትጻወት ንጊዜ ስርሓሉ ኣድማዓሉ ከሕጉሰካ 
ግዜ ወርቂ እዩ ግን ኣይክዘን፣ ኣይጸንሕ ኣይምለስ ኣይጽበካ 
ጠጠቐመሉ ድኣ ሕጂ ነቲ ውህብቶ ንዓኻ ዝተመጠወካ 

ንመዘከርታ ነቲ ንፉዕ ወደይ ዮሓንስ መንግስተኣብ ትኹን

ካብ ዝፍቅረካ ኣቦኻ ዶ/ር መንግስተኣብ

06/26/2019

ኣንቲ ናይ ጭቃ እሾኽ ንዒባ ግደፊ ኣይተሳቕይኒ

ካንዶ ንስኺ ሓባሪት እታ ናይ ልበይ ሓዘን ኮይንክኒ

ኣይጸዓርኩን ድዬ ከም ህርኩት ሰብ ኩሉ ከምዝፈልጠኒ

እዚኣ እያ በቃ እታ ዓስበይ እቲ ንፉዕ ወደይ ክምንጠለኒ

እንታይ እዬ ብዲለ ኮን እዛ ናይ ጭቃ እሾኽ ዝተጻረረትኒ

እዋይ ናይ ጭቃ እሾኽ ክትሓስም እቲ ላዛ ዓለም ከሊኣትኒ

እንታ ዮሓንስ ወደይ ናዓባ ስምዓኒ በጃኻ እንደገና ተመለሰኒ

ኣንታ ንኡስ ወደይ ግደፍ ተመለስ ብጓሂ ኣይተኾምትረኒ

ልምሉም መንእሰይ ንኽርኢ ንስኻ ኣብቲ ዓይነይ ትመጻኒ

ናዓባ ናዓባ ካብዚ ኩነታት ሕሱም ናብራ ናፍቖት ኣናግፈኒ

እንድዒ ናብራ ኣይካኣልኩዎን ናዓኻ ስኢነ ብዙሕ ጨኒቑኒ

እነሆ ሳልሳይ ዓመቱ ኮይኑ ካብዛ ዓለም ካብ ዝፍለየኒ

እቲ ሓዘን ምጽዋር እምበር ሲኢነዮ ብቀጻሊ እናተደግሰኒ

ተስካር ውላድ ኣይብላዕ ወላዲ ብሓቂ ኣዝዩ መሪሩኒ

እንታ እንታይ እየ ዝገብር በጃኹም ብጸሎትኩም ሓግዙኒ

ንዝኽሪ ሳልሳይ ዓመት ዕረፍቲ ፍቱውን ፍቑርን ወድና ዮሃንስ መንግስተኣብ

ዘፍቅሩኻ ኣቦኻ፣ ኣዴኻ ኣሕዋትካ ምስ ምሉእ ስድራቤት
ፕ/ር መንግስተኣብ

10/09/2018

At this 21st century epoch, we continued observing extra-ordinary (or it is known as Killer Application) change, dynamic development, technological based developmental revolution in all dimensions of natural, and social phenomena. We can conclude that all these wonders are mostly the result of the human ingenuity and continuous innovative, creative and ginues endeavours. However, we need to ideally divide the ingenuity and ability of human being into two camps. We can call them as Sponge and Gold Panners. Yohannes was a Gold Panner who was expected to do something benevolent to this Word. Very sad that he left this world prematurely at his young age. May he rest in perfect peace. Our hope is always fervent that there will be others who will do that as all humans should complement one another for continuous development in our planet.

We love you Yohannes,

Dad and Mom

08/20/2018

The agony of life is the worst by the loss of the loved one. Particulalry your own flesh and son or daughter. It is very terrible and unbearable.  It happend to us as parents. We are pazzled with why, why and why? Oh, unbearable and uncompromizing. We lost this bright and kind son. We don't know why for us. Yohannes, we missed you very much, We are still expecting something miracle to come. Is that true we will not see your again in this earth. Bad, bad and bad, we missed you. We lost what joy means what life means, we are forced to live with the new normal of different life very sad abd insenstive. Please come back by any miracle.
 
We became the homeless painful wanderer
The sad, the agony surounded us forever
Your loss is unbearable for us to takeover
We have No justification to bring from ever
The agony of deep sadness is now our cover
We missed you and our life has becom bitter

Your parents
5/6/2018

ኣንቲ ናይ ጭቃ እሾኽ ንዒባ ግደፊ ኣይተሳቕይኒ

ካንዶ ንስኺ ሓባሪት እታ ናይ ልበይ ሓዘን ኮይንክኒ

ኣይጸዓርኩን ድዬ ከም ህርኩት ሰብ ኩሉ ከምዝፈልጠኒ

እዚኣ እያ በቃ እታ ዓስበይ እቲ ንፉዕ ወደይ ክምንጠለኒ

እንታይ እዬ ብዲለ ኮን እዛ ናይ ጭቃ እሾኽ ዝተጻረረትኒ

እዋይ ናይ ጭቃ እሾኽ ክትሓስም እቲ ላዛ ዓለም ከሊኣትኒ

እንታ ዮሓንስ ወደይ ናዓባ ስምዓኒ በጃኻ እንደገና ተመለሰኒ

ኣንታ ንኡስ ወደይ ግደፍ ተመለስ ብጓሂ ኣይተኾምትረኒ

ልምሉም መንእሰይ ንኽርኢ ንስኻ ኣብቲ ዓይነይ ትመጻኒ

ናዓባ ናዓባ ካብዚ ኩነታት ሕሱም ናብራ ናፍቖት ኣናግፈኒ

እንድዒ ናብራ ኣይካኣልኩዎን ናዓኻ ስኢነ ብዙሕ ጨኒቑኒ

ዘፍቅረካ ኣቦኻ
ፕ/ር መንግስተኣብ

03/19/2019

Yes, indeed, oh  let us use the time that we have now
That is the time that is  given to us not to consider below
We need to realize and to be aware that we live only once
We need to remember what we need to do and achieve
Yes something good that can give us the good memory
Here is a young and bright son confronted with the bitter agony
Died at his very young age with a bright future and creative stormy
He left us with sadness stuck like a stamp on our memory
Comeback our son, we love you and love you forever 
Why Why? all these to us weren't you energetic dreamer

I love your Yohannes,
Your Dad,
Prof. Mengsteab
03/19/2018 

እድማዕነት ብፍልስፍና ኣድላይነት
ኣየ ወዲ ሰብ ክበልሕ ክህርኩትን ሓያልን እዩ ብተፈጥሮ
ዝውንንዩ ብሉጽ ክእለት ወ ፍልጠት ምስ መሃዝነት ተመኩሮ
ክውጥነሉን፣ ክሰርሓሉን፥ ከፍርየሉን፣ ከድማዓሉን ኣብዝተዋፈሮ
እወ በቲ ኩሉ ተኽእሎ ስነፍልጠት ስነ ቁጠባ ምስ ስነ ኣእምሮ
ብቕጻሊ ይባላሓት ይምህዝ ይሓስብ ንኹሉ ዝደልዮ ንመነባቦሮ
ወዲ ሰብ ጥበበኛ እዩ ይእምት ይትልም፣ የተግብር ብብቕዓት
ብዕቱብ ክዋሳእ፣ ክነጥፍ፣ ዝኽእል በቲ ዝድለ ጥርኑፍ ኣላይነት
ዝምራሕ ብኹሉ መዳያዊ ኣምርን ኣድላይነትን ምስ ኣድማዕነት
ምህርቱ ይስስን፣ ይጽብቕ፣ ይሕይል፣ ይበዝሕ ብኹሉ መኣዝናት
ፍረ ጻዕሩ ይረክብ፣ ይሓፍስ ብሉጽ ውጽኢቱ ይኸውን ብኻዕበት
ወዲሰብ ወናኒ ልዑል ፍልስፍና እዩ ከም በዓል ድርብ ብልሒ
እወ ምእንቲ ክኽውን ናይ ምዕባለ ኣንፈት ሓባሪ ቀላሲ መራሒ
ብምኽሪ ብኣእምሮን ብጥበብን ዝላፈን ምስ ናይ ምህዞ መሳርሒ
ምስ ዘዋደዶን ዝኣርነቦን ብሉጽ ናውቲ ማእቶት ንክኸውን ተረባሒ
ሓንጎል ወዲሰብ ሪቕ ዕቑር ጸጋታት እዩ ንምዕባለ ሃንዳሲ ሰራሒ
ሕፍንቲ እኳ ዘይተላዕሎ ነቲ ዓርሞሸሽ ዝተዓደሎ ባህርያዊ ብልሒ
ብቐጻሊ ንስራሕ ንጽዓር ንምሃዝ ነበርክት ንዘለኣለም ከም እንነብር
ኣይንዘንግዕ ድኣ ጽባሕ ክንመውት ከምእንኽእል ብሕልና ንዘክር
ኢሎም መኺሮም ህርኩታት ጀርመናውያን ንሕጊ ተፈጥሮ ብዘነጽር
ንስማዓዮም ድእ መሃዝቲ እዮም ጻዕረኛታት ኣብነት ጽዒሩ ዝነብር
ለባምን ኪኖ ሓጹር ዘሕስብ ናይ ተመኩሮ ብሂል እዩ ሕልና ዘህጥር
ምዕባለ ቀጻሊ ምዃኑ ብፍላይ ዝእምት፣ ዝገልጽ ከምኡውን ዘዘኻክር
እወ ነውጻኣዮ ድኣ ብኹሉ መኣዝናት ናብ ኩሉ ዓውሎማዊ ቅርዓት፥
ነቲ ብባህርያዊ ዝተዓደለ ናይ ወዲሰብ ዘይተኣደነ ዓርሞሸሽ ብቕዓት
እይንድከ፣ ኣይንደቁር፣ ኣይንጥመ፣ ንጠቐመሉ ነቲ ዘለና ዕቁር ፍልጠት
ንፍለጦ ድእ ከም ደቂ ሰባት ብሰፊሑ ስለ እንውንን ሰፊሕ ዓቕምታት
ንጠቐመሉ ድኣ ናብራና ክማሓየሽ ጥዕናና ክሕሎ በቲ ዝድለ ብልሓት
ብፍላይ ንዓኹም ናይ ጽባሕ ተስፋ ሃገርኩም ዝኾንኩም መንእሰያት
እወ መንእሰያት ናይ ሎሚ ዕምባባ ናይ ጽባሕ ኣማሓደርቲ ኣፍረይቲ
ኣጆኹም ተባላሕቱ ንፍዑ ተማሃሩ ክትኮኑ ብቑዓት ሃገር ተረከብቲ
ንቑሓት ኮይንኩም ርብሑሉ ክሰብሉ ተጠቐሙሉ ነቲ ዕቑር ሃብቲ
እወ ነቲ ዘለኩም እንደግና ዘይርከብ ወርቃዊ ጊዜ ክትኮኑ ተዓውቲ
ሃየ ክሰቡላ ትሓልፍ ኣላ እታ ዳግም ዘይትርከብ ጊዜ ሓባራዊት ሃብቲ
እወ እታ ቂም ቂም ትብል ካልኢት፣ እታ ደቒቕ እታ ሰዓት ወ መዓልቲ
ኣይትኽዘን ኣይትወድቕ ኣይትጸንሕ ኣይትጽበ ትሓልፍ ዘላ ጊዜ ክብርቲ
ኩሉና ዝምልከተና ከምኡውን ክእለት ዘለና ወለዲ ምስ ሃገር እነማሓድር
ነወንዝፎ ጉዳይ ኣይኮነን ዓቢ ሓላፍነትን ሕድርን ኣለና ዝግባእ ክንገብር
ብዕቱብ ተረዲእናን ነቒሕናን መንእሰይ ምዃኑ ናይ ጽባሕ ተረካብ ሃገር
ንሓግዞም ድኣ ብኹሉ ዓቕምና በቲ ዝድለ ክስልጥን፣ ክረብሕ፣ ክዕንትር
ብብቕዓትን ብኽእለት ብፍልጠት ብሞያን ተኽእሎ ወኒኑ ሃጢሩ ክነብር

ንዝኽሪ እቲ ንፉዕን በሊሕን ወድና
ዮሃንስ፣ ወትሩ ኣብ ልብና ኣለኻ
You are always in our hearts and minds
Your Dad and Mom
3/10/2018

The agony of my sorrow for missing my cloning. 
The blood is where the memory is there never missing
the cells are there with all their power continue existing
Why Yohannes neglect me so for concern of missing
I don't know what to say, what to do about this thing
I am suffering here very terribly if you are not coming 
Yohannes comeback please it is too soon for you
Never, never I don't believe still waiting to see you
I felt to the bone that my blood and flesh are taken by you.

Your Dad Prof. Mengsteab
2/1/2018

Contribution for Educational Excellence  (Eritrean Profile, National News Paper)

Friday, 11 November 2016 12:00 | Written by Yishak Yared | PDF Print E-mail
On October 29, the Institute of Training, Education and Research/Consultancy (SMAP) received a donation of 410 professional books from Dr. Mengisteab Tesfayohannes, an Eritrean scholar residing in the United States. Dr. Mengisteab made the donation in memory of his son, Yohannes Mengisteab, who passed away on 9 October, 2015 at the age of 22. Yohannes was the author of a research paper “Recreating the Tiger: Replicating the Economic Success of Singapore in Eritrea” as part of the requirements for college graduation.

The books donated by Dr. Mengisteab include professional books on Accounting, Management, ICT, Finance, Engineering and others. The books are expected to significantly contribute in the teaching and learning process of SMAP and help students excel in their academic performance.

Indeed, the availability of books in the teaching and learning process is essential, as is their contribution in ensuring the continuity of education. Teachers refer books to expand their knowledge and prepare themselves to feed their students the proper education, while students benefit from the books enhance their proficiency in any given subject.

Academicians believe that instructors of higher education are expected to provide their students with basic information about the subject they are learning. Hence, it is up to the students to expand and enlarge their knowledge and scope of the subject through research and reading. Accordingly, the preferable place for them to boost their knowledge is the library.

The existence of libraries ensures that knowledge and technology are equally available to everyone. They help raise the education level of the whole society. Libraries are economically efficient for they allow many students and readers with few resources.

Many also believe that libraries are the storehouses of knowledge in which students could find books on various subjects and exhibit positive impact on the academic achievements of students, scholars, and researchers.

SMAP has already well-equipped libraries
Posted by Maekele Abraha on August 9, 2020
Rest in Peace Our beloved Yohanes. We can’t believe it has been four years since you left us. Life is hard without you. We love you very much & miss you terribly.

REST in PEACE

Senait & Maekele Abraha

Posted by Mengsteab Tesfayohannes on December 20, 2019
My dear son, I always remember you. You are alive in my mind and heart.
Dad
Prof. Mengsteab
12/20/2019
Posted by Mengsteab Tesfayohannes on November 9, 2019
ብሰላም ዕረፍ ዮሃንስ ወድና ኣብዚ መበል 27 ዓመተ ልደትካ ንዝክረካ። ኩሉ ጊዜ ኣብ ልብና ኣለካ።
ስድራ ቤትካ።

Today Nov. 8, 2019, is your 27th birthday. You are always in our hearts and minds.
Mom, dad, sisters and extended family members.

Posted by Mengsteab Tesfayohannes on November 8, 2019
ሎመ ሕዳር 8, 2019 መበል 27 ዓመቱ ንዮሃንስ ወድና እዩ። ብከቢድ ሓዘን ድማ ንዝክሮ ኣሎና። ዮሃንስ ዝኽርካ ኩሉ ጊዜ ኣብ ልብና ኣሎ።
Posted by Mengsteab Tesfayohannes on November 8, 2019
Today is the 27th anniversary of our son Yohannes Mengsteab's birth. We remember him with sadness.

Posted by Mengsteab Tesfayohannes on January 22, 2018
ዮሓንስ ወድና ንዓባ በጃኻ ተዳሃየና
ግደፍባ ስምዓና ንጽዋዓካ ኣለና ኩልና
ኣቦኻ ኣዴኻ ምስተን ኣሕዋትካ ፍቑራትና
እንታይ ኢና ንገብሮ ካን በርቲዑ እቲ ሓዘና
ዝኽርኻ ንጊሱ እሎ ኣብቲ መዓሙቕ ልብና
እንድዓ እንድዓ እንታይ ምግባር ይሕሽና
ኣበይ ከደ እቲ ትኩር ሓንጎልካ ዘኹርዓና
እዋይ ኣብ ሰዊት ንእስነትካ እባ ተመንጠልና
ሕጂውን ኣይቀበጽናን ንዓ ግደፍ ተመለሰና
ናብራ ኣይካኣልናዮን ንስኻ ካብ ትፍለየና
ንዓ ግደፍ ንዓ ግደፍ ንዓናስ ኣይትጨክነልና
ክም ግዳም ሓደር ተኾርሚና ንጽበየካ ኣሎና
እይከውንን ኣይንቕበሎን ናትካ ምፍላይ ካባና
ወላዲኻ
ፕ/ር መንግስተኣብ ተስፋዮሃንነስ
1/22/2018
Posted by Mengsteab Tesfayohannes on October 8, 2017
Today October 9, 2017, is your second-year memorial. Already two full years passed since you left us alone here in this World. Our sadness and agony continued unabated. It has become more and more unbearable for us to lose so bright and kind son like you. It has continued to mayhem us. It is indeed unbearable for us. We don't know really what to say. Sad life without you
Posted by Mengsteab Tesfayohannes on July 7, 2017
ኹሕለይቲ መርዓት

እንቲ ዓደቦ ኤርትራ ሽኮርዶ ክብለኪ
ክም ጽብቕቲ መርዓት ኩሉ ዝብህገኪ
ህርኩትን ሕያዋይን ህዝቢ ዝተዓደልኪ
በቲ ጥዑም ክሊማኺ ኩሉ ዝትምነየኪ
እንታይክ ዘይሳኣኖ እቲ ባሕርኺ መሬትኪ
ወርቂ፣ ብሩር፣ ዘይቲ፣ ምስቲ እምነበረድኪ
ክንደይ ኢልካ ክጽብጸብ እቲ ዕቑር ጽጋኺ
መጸለሊ እንዶ ኮይኑ ንኹሉ ኣማዕድዩ ዝርእየኪ
ማናዳ ምናዳ እቲ ሓየትን ሕያዋይን ህዝብኺ
ከይተማህረ ዝተማህረ እዩ ዘህጥር ንያትኪ
ሰላምን ቅሳነትን፣ ራህዋን ምዕባለን ንዓኺ
ክንርእየኪ ንደሊ ከምተን ኣናብር ዓለም ኮንኪ
ሰላምን ሕወነትን ይፈጠር ኣብ ሞንጎ ድቅኺ
ካብኡ ርሒቑውን ምስቶም ኣህዛብ ጎረባብቲኺ
ይርሓሰና ይርሓሰና ንበል ኩሉና ሰሰናዩ ንዓኺ
ዓዲ ጀጋኑን ሓየታትን ኢኺ ብኹለንትናኺ
ዓቢ ተራ ኣሎኪ ንሰላምን ምዕባለን ናይዚ ጎደቦኺ

ዶ/ር መንግስተኣብ ተስፋዮሃንስ ንዝኽሪ ወድና ነ/ሄር ዮሓንስ መንግስተኣብ
Posted by Mengsteab Tesfayohannes on November 8, 2016
NEW
24TH BIRTH DAY OF YOHANNES NOV, 8, 2016

Our beloved son Yohannes.
Today Nov. 8, 2016 is your 24th birthday. Your Mom, Dad, Sisters, extended family members, friends and all good wishers paid tribute to you with grief, sadness and nostalgic. You were a kind, humble, intelligent son. We miss you very much. God bless your soul in his heavenly power and rest in peace. We just look at you in our hearts and minds with big sorrow by saying, had Yohannes alive today, we could be happy and celebrate his 24th birthday. Words will not suffice for us to express how much we miss you. 

Yohannes our beloved son forever
We are remembering you with care
Today Nov., 8 is your 24th birthday
Instead of celebrating a sorrow day
What a sadness and nostalgic for us
Our hearts are missing your kindness
Good son a pride for us and others
What can we do to express our love
God gave us you like a bright light
God selected you to take you back
We pray and grace God’s decisions
Rest in in perfect peace Yohannes
You are always in our hearts and minds
We love you Yohannes forever and ever.

ፍቑር ወድና ዮሓንስ
ሎሚ መዓልቲ ሕዳር 11, 2016 መበል 24 ዓመት ልደትካ እዩ። ብሓዘን ድማ ንዝክረካ ኣሎና እወ ሰናይ ትምኒትና ኔሩ ኣብዚ ዓለምዚ መበል 24 ዓመትካ በሓጎስን ፍስሃን ምሳኻ ኰይና ብሓጐስን ባህታን ከነሕልፎን ከነብዕሎን። ሕያዋይ፣ ፍቑር፣ ንፉዕ፣ ደንጋጽን ሓላይን ኔሪካ። እንታይ እሞ ኣፍና ብኽፉቱ ልብና ብህሩፉ ገዲፍካን ኬድካ። ልብናን ኣእምሮናን ምሳኻ እዩ ዘሎ። ሪኢና ሲእናካ። ሓዘና ወሰን ዬብሉን። ንሕና ኣዴኻ፣ ኣቦኻ፣ ፍቑራት ኣሕዋትካን ኩሎም ቤተሰብካን ፈተውትኻን ይዝክሩኻ ኣሎው። ዮሓንስ፣ ኣብ ልብናን ሓሳብናን ኣእምሮናናን ክሉ ጊዜ ኣሎኻ። እንታይ እሞ ክንብል። እምላኽ ንዓኽ ክንዲ ሽሕ ሂቡና። ኣምላኽ ድማ ወሲዱካ። ፍቓድ ኣምላኽ እዩሞ ንዘላኣለም ይባረኽ።
ፍቑር ዮሓንስ እንታይ ኢና ንገብሮ
ሓዘና በርቲዑ ንዓኻ ኣንዳተዘክሮ
ሕያውነትካ መንፍዓትካን ኣንዳበራበሮ
ልብና ምሳኻ እዩ ኣብ ኩሉ መነባብሮ
እንዲዒ ናትካስ በይኑ እዩ ጌሩና ዕንኪላሎ
ክንዲ ሽሕ እንዲኻ ኔርካ ኩሉ ዝካኣሎ
ሪኢናባ ሳኣናካ ጓሂና ድርብ ኮይኑ ኣሎ
ብዓይነ ሕልና ጠሚትናካ በልና ኣበይ ኣሎ
እውይ እዛ ሞት ሕስምቲ ንኹሉ ዝይትገድፍ
ንንእሽቶይ፣ ንዓቢ ንኹሉ ትወስድ ትቐጥፍ
ንንፉዕ ኣይትብል ንሕያዋይ ንኹል ትጥርንፍ
መንጠለትናባ ነዚ ፍቑር ወድና ዘይትንሕፍ
ዮሓንስ ፍቑር ወድና ኣለኻ ኣብ ልብና
እወ ክትነብር ኢኻ ኩሉ ጊዜ ኣብ ተዝክሮና
እምላኽ ሃበ ኣምላኽ ወሰደ ንብል ኣለና
ክብሪ ንእምላኽ ንዝለኣለም ይባርኽ ንዘለውና
ንውድሶ ኣለና ብልብና ነቶም ዘለው ከሰስነልና
Posted by Mengsteab Tesfayohannes on October 9, 2016
Today October 9, 2016 is the remembrance of our Son Yohannes Mengsteab passing. It is with sadness and grief we are remembering him. There will be a memorial mass dedicated to him at the Saint Pius X, at Selinsgrove, PA. We are intensely remembering him in our prayers. May God give his soul mercy and rest in perfect peace. We have launched a website: http://www.yohannes.mengsteab.com

His Mom and Dad, Tselat and Dr. Mengsteab, his sisters, Harerta and Ruth. His extended family members.http://yohannes-mengsteab.com/
Posted by Mengsteab Tesfayohannes on July 6, 2016
Please Check at the STORY SECTION to read a good article written jointly by Late Yohannes and his Dad Dr. Mengsteab
Posted by Mengsteab Tesfayohannes on March 30, 2016
ግዳም ሓደር ስደተኛ"

ግዳም ሓደር ኮይነ ስደተኛ ዕረፍቲ ዘይፈልጥ ድርብ መክረኛ
ፋሕተርተርተር ከዬቋርጽ ክውደስን ክባሃልን ብሉጽ ጻዕረኛ
ብዘይ ገደብ ይውፈ ናብዚን ናብትን ይጓዓዝ ከም መጽዓኛ

ናብራይሲ ብቐንዱ መሪር ቃልሲዩ ዝበዝሖ ላዕልን ታሕትን
ኣብዘዝኽድኩዎ ይለፍዕ ይዕሰብ ክባሃል ዝያዳ ንፉዕን ሓላልን
ካን ንዓይስ ግደይ ኮይኑ ክሓልፍ  ብሓባጥን ጎባጥን
ግዳይ ስደት ኮይነ የሕልፎ ኣለኹ ኣዋርሕን ዓመታትን

ዓንኬል ናይ ስደት ክባብ እያ ክም እትዘውር ምሬት
ዘቑጸልጽለት ዘለላ ወይኒ ትመስል ሕልማዊት መቐረት
ናብኩሉ ቦታ ኬድካስ መለሳ ዬብላን ንሳ አያ ዝመረረት
Posted by Mengsteab Tesfayohannes on March 30, 2016
ዮሓንስ ናፊቕናካስ፣ ስኢናካ

ይመሲ ይጽልምት ይሕደር ይወግሕ ይጸብሕ ይዋዓል ከምኡ አዩ ናብራ ዓለም
ወዲ ሰብ ይውለድ ይዓቢ ይበጽሕ ይማሃር ይስልጥን ይሰርሕ እቲ ዝድለ ንኸዓምም
ደቂ ሰባት ይትምነዩ ኣብዛ ዓለም ብሕይወት ምንባሮም ክኾኖሎም ዘለዎ ትርጉም

ሓዬት ዮሓንስ ኣይፋልካን ተሃዊኽካ ናበይ ደሊኻ ንዓ ተመለስ ኣይተብለና ሕልምልም
አቲ ብሩህ ኣእምሮኻን ሓላል ጠባይካን የድልዬና እዩ እቲ ዝሓለንካዮ ሰናይ ንኽዛዝም
እግዚኣብሔር ዓዲሉካ እንድዩ ብሩህ ኣእምሮን ቅንዕናን ንኹልና ብዘደንቕ ብዝስደምም
ትጉህን በሊሕን እንዶ ኣይነበርካን ትውንን ተስንቕ ስነ ፍልጠት ንምዕባለ ውዲሰብ ዘቕድም
ትምኒትና ወሰን ኣይነበሮን ክትኮነልና ንኡድ ነባሪ ማሕዮት ኣብነት ናይ ዕውት ስራሕ ዝፍጽም

ቀጽሎ እቲ ስራሕካ ዳግም ንኽፍጠር እቲ ነብሪ ዓደቦኻ ኤሪትራ ማዕቢላ ንኽትልምልም
ኣልማዝ ኔርካ ወርቂ ልዕሊ ኩሉ ዝግመት ተኾለፍካዶ ኣብ ሸዊት ዕድመኻ ንኹሉ ብዘሕምም
ሓዘና ወሰን ዬብሉን ጉዕዞይ ወዲኤ ካብ በልካና እንታይሞ ክንብል፣ እንታይ ክንገብር ኣበይክ ከንርዕም

ግንከ ንበል እግዚኣብሔር ሃበ፤ እግዚኣብሔር ወሰደ ስም እግዚኣብሔረ እወ ይባረኽ ንዘለኣልኣለም
ኣጆኻ ዮሓንስ ሽግ ቃልስኻ ቀጻሊዩ፤ ሰናይ ተበግሶኻ ሓላል እዩ ወትሩ ንቡዝሓት ዝዕድም
እግዚኣብሔር ብርሃን የብርሃልካ፣ ኣብቲ ሰናይ ኢዱ ይቀበልካ፣ ዕረፍቲ ይሃብካ ንዘላኣለም

ካብ ዝፍቅሩኻ ኣዴኻ፣ ኣቦኻ፣ ኣሓትካ ምሰ ምሉእ ስድራ ቤት
ቀዳም 21 ሕዳር፣ 2015
Posted by Mengsteab Tesfayohannes on March 30, 2016
Yohannes, We Miss You 

In your life you touched so many.
In your death many lives were changed and grieved.
You were an amazing young man with full of promises and resources.
It is sad, without you here, our lives will never be the same.

Yohannes, we miss you more than words could ever say.
We are missing you even more with each and every passing day
Remembering your kindness and intelligence and perfect intentions
We just hold onto the memories that we made and
All the promises God so graciously gave.

Resting assured when Jesus comes there will be no more sadness,
No more goodbyes, just life together eternally with Jesus by our side

Your Parents and your sisters
Posted by Mengsteab Tesfayohannes on March 30, 2016
እዚ ንእሽቶ ክፋል ስነጽሑፍ ካብቲ ብነብስሄር መንእሰይ ዮሓንስ መንግስተኣብ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ተማሃራይ ከሎ ካብ ዝገብሮ “ዳግማይ ክፍጠር አቲ ነብሪ፡ ድግማ ዕውት ቁጠባዊ ምዕባለ ሲንጋፖር ኣብ ኤሪትራ (Recreating the Tiger: Replicating the Economic Success of Singapore in Eritrea) ብዝብል አርእስቲ ንኡድ ምርምራዊ ስራሕ ዝተወስደ እዩ። ዮሓንስ ኣብ ሽዊት ዕድሜኡ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ (ዝተወልደሉ ሕዳር 08, 1992 - ዝዓረፈሉ ጥቅምቲ፣ 09,2015)። ተርጓሚ ወላዲኡ ዶ/ር መንግስተኣብ ተስፋዮሓንስ።"

ዘሎ ተክኖሎጂ ንጠቐመሉ ናብራና ክማሓየሽ

ዮሓንስ መንግስተኣብ

ኣብ ምዕባሌኣዊ ታሪኽ ናይ ዓለምና፣  ሕርሻዊ ስውራ፤ ስነፍልጠታዊን ትካላዊ ሰውራ (እንዳስትሪያል ሩቮሉሽን)፤ ኤሌክትሮኒካዊ ተክኖሎጂካዊ ሰውራ እነዳበለ ኣብ ሓበሬታዊ ሰውራ (ኢንፎርመሽን ሮቮሉሽን) በጺሑ ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ ሓበሬታዊ ተክኖሎጂካዊ ምዕባለ መሳለጥያታትን ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑሉ ዘሎ ጊዜ ከምቲ ዝድለ ዘይምጥቃም እንታይ ሳዕቤን ከምዘሎዎ ንኹልና ርዱእ ይመስለኒ። እንተኾነ ግን ብዙሓት ኤሪትራውያን ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻኢን ዘለው ወላውን ናይቲ ተደላዪ ዝኾነ ንዕለታዊ ግድነታዊ ዕማማት ከይተረፈ ከምቲ ዝድለ ክጥቀምሉ ኣይርኣዩን። ስለምንታይ? ኣብዛ ዓለምና ሓደስቲ ምህዞታትን ተክኖሎጂን ብሓፈሻ ኤለትሮኒካዊ ተክኖሎጂ ድማ ብፍላይ ዳርጋ ወርሓዊ ተርእዮ እዩ ኮይኑ ዘሎ። ሓደ ካብቲ ዝዓበዬ ረብሓ ኣብ ብቁጠባን ብተክነሎጂን ዝማዕበላ ሃገራት ምንባር ማለት ካብቲ በጺሔንኦ ዘለዋ ምዕቡል ናብራን ኣሳራርሓን፣ ምውድዳርን ምቁዳስን ብኡ መሰረት ድማ ፍልጠት ምስናቕ፤ ግዜኻ ኣብቲ ዝለዓለ ከተፍርየሎ እትኽእለሉ መንገዲ ምውዓል ማለት እዩ። ብፍላይ ድማ ካብቲ ብቐሊሉ ዝርከብ ተክነሎጂካዊ ናውትታትን መሳለጥያታትን እቲ ኣብ ዕለታዊ ዕማማትካን ነዊሕ ዝጠመተ ነብሰ ምዕባለ ውጥናትካን ብዝሓሸ መንገዲ ንምትግባርን ኣብ ሽቶኡ ንምውቃዕን ክጠቕመካ ዝኽእል እንዳመረጽካ ምጥቃም ከድሊ እዩ።

ሓደ ህቡብ ኣቦ ኢንተርነት ዝጽዋዕ ናይጀርያዊ ሊቅ ከምዝበሎ፤ ኣውሮጳውያን ካብተን ጸበብትን ብባህርያዊ ጸጋታት ብዙሕ ዘይተዓደላ ሃገራቶም ብስደት የኹን ብጎነጽ ናብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም እንዳኸዱ ኣብቲ ብተፈጥሮኣዊ ዕቑር ጸጋታትን በክሊማዊ ምቹእነትን ፍሉጥ ዝኾነ ሰፋሕቲ ክፋላት ዓለም ገቢቶም ክውንንዎን፣ መግዛእታዊ ኣርዑቶም ከሰክምዎ ዝኻኣሉ በቲ ሽዑ ዝተማህዘ ተክኖሎጂ ተጠቒሞም ሓቤሬታ ብምርካብ እዩ። እዚ ማለት ድማ ትሕተ መሬታዊ (ትሕተ ባይታዊ) ኮነ ክሊማዊ ዕቘር ጸጋታት ኣበይናይ ኩርናዓት ዓለም ከም ዘሎን እንታይ ከምዘለዎን ኣቐዲሞም ብዝርዝር ከፈልጥዎን ከለልዩዎን ስለ ዝኸኣሉ ጥራይ እዩ። ንኣብነት እዘን ሕጂ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ፣ ካናዳ፣ ኣወስትራልያ፣ኒውዚላንድ፣ደቡብ ኣፍሪቃ፤ ቺለ፤ ርጀንቲና፤ብራዚል፣...ወዘተ ተባሂለን ዝጽዋዓ ዘለዋ ዓርሞሸሽ ሃገራት እኮ ከካብዓዶም ተጻዋዊዖም ኣሽሓት ኪሎሜተራት ተጓዒዞም ነቶም መሳኪን ኦሪታውያን ደቀባት (ኣቦሪጂንስ) ብምውጋንን ዝተረስተይውንን ከም ሃገራት ዘማዕበሎወንን እዩ። እነሆ እምበኣር ቀጻሊ ተባላሓትነት ደቂሰባት ኣብዚ ሕጂ እዋን ነዛ ዓለምና ብመራኸቢ ኮነ ብኻልእ ተክኖሎጂካዊ ምዕባለታት ኣጽቢቦማ ኣሎዉ። ገናውን ከጽብብዋ እዮም። ዘመናዊ ናይ ሓቤሬታ ተክኖሎጂ እንዳተጠቐምና ብዘይ ብዙሕ ወጻኢ ነንሕድሕድና ንራኸብን ንማሃሃርን ኣሎና። ኣብዬት ዝሰርሕን ዘድምዕን ሓንጎል ደቂሰባት ዝይምህዞ የብሉን።

ኣብ ናይ ሎሚ ዓለምና፣ ሰለይ ኢልና ነርክበሉ ዳሓን ደፋእ ኢልና ነርክበሉ ዝበሃሉ ጊዜ ኣይኮነን። ብፍላይ ንሕና ኤሪትራውያን ትሰንፉ ኣለኹም፤ በጃኹም እባ ክሳድ ሓዙ ኣብዛ ንቕድሚት ትሕምበብን ትውንጨፍን ዘላ ዓለም ፤ ተባሂልና እንተተሓሚና ይግባኣና እዩ። እቲ ሕሉፍ ታሪኽናን ድሕረ ባይታናን እንተ ርኢና ብዙሕ ተወዳዳሪ ብልጹነት ምሃለወና። ኣብ ጎደቦ ኣስታት ሽሕ ዝተፈላለያ መራኽብ ዕለታዊ ዝመላለሳሉ ህቡብ ቀይሕ ባሕሪ ኢና ዘሎና። እቲ መበቆልና ዝኾነ ሃገረ ኤሪትራን ከባቢኡን ብኦሪተዊ ስልጣኔ ፍሉጥ ዝነበረሉ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን። ኣብቲ ስትራትጂካዊ ዝኾነ ክፋል ኣፍሪቃ ስለዝርከብ እዩ። ብብዙሕ ምኽንያታት ነዚ ተወዳዳሪ ብሉጽነትና (Competitive Advantage) ዛጊት ክንጥቀመሉ ኣይከኣልናን ዘሎና። ግን ነባ በሎም ንኢታይ በለን እንዳበልና ናይ ሰለይ ናብራ ክንነብር ብዝኾነ መልኪዒ ምኽኑይ ኣይኮነን። ኣይግድን ኣዬዋጻኣናን ድማ። ሃዬ ድኣ ነዛ ብርኽቲ መሬት ዓደቦና ዓዲ መዓርን ጸባን፣ ፈልፋሊት ዘይደርቕ ጸጋዊ ዛራን ንግበራ። እቲ መፍትሕ ብርግጽ ኣብ ኢድና እዩ ዘሎ። ተፈቲንናዶ ኣይኮናን። ናይ ኣሸሓት ዓመታት ታሪኽና ይመስክር። ነዚውን ክንገብሮን ክንዕወትሉን ክእለትን ትግሃትን ንውንን ኢና ከምህዝቢ።

ብፍላይ ንዓና ንኤሪትራውያን ኣብዚ ዘሎናዮ ጊዜ ከም ጠለብ ተክነሎጂካዊ ምረሻ ናይ ሎሚ ዓለምና ብማዕረ ንኽንኸይድ ድኣ እንታይ እዩ ዘድለዬና ዘሎ? እወ እዚ ሕቶዚ ክሕተት እዋኑ ዝጠልቦ ቀንዲ ብደሆ እዩ። በቲ ውድዓዊ መንገዲን ስነ ፍልጠታዊ መነጽርን ክረኤ ከሎ ድማ፣ ኣብ ንቑሕነት ንተክኖሎጂካዊ ፍልጠትን ትግባረን እዩ። እቲ ዘይታኣደነ ጥቕሙ ኣብ ሓፋሽ ህዝብና ክምዝሰርጽ ምግባር ድማ ኣድላዪ እዩ ። እዚ ድማ ንተግባርዊ ንጡፍነትን ተኽእሎን ብዓቢ ዝላ ንቕድሚት የወንጭፎ። ከመይ ጌረ እዚ ብቐሊሉ ክረኸቦን ክውንኖን ክኢለ ዘሎኹ ብዝሓየለ ዓቕሚ ዬድማዓሉ? ኣብ ምንታይ ዓውዲኸ? ዝብሉ ኣገደስቲ ሕቶታት ክንምልስ ይግብኣና። ብሓጺሩ እቲ ዘይንጹርን ዝተሓላለኸን ዘሎናዮ ዓውለማዊ ኩነታት ዝእዝዞ ክንገብር ኣሎና። እዚ ማለት ድማ ዓቕምና ከነህጥር፤ ፍልጠትና ከነደንፍዕ፤ ብልጫታትና ክንዕቅብ ከምኡውን ከነስብሕ፤ ጉድለታትና
ከነውሕድ ወይ ከነማህምን (marginalize)፤ መጻኢ ዕድላትናን ጥቕምታትናን ብዝግባእ ክንምዝምዝ ኣሎና ማለት እዩ። እዚ ምግባር ድማ ነቲ ምዕባለ ዘምጽኦ ተክኖሎጂ በቲ ክውንነታዊ ትግባሬኡን ዝያዳ ከርብሓና ዝካኣለሉ መንገዲን ኣብ ወልቃዊ ኮነ ማሕበራዊ መኣዲታት ብእንኽእለሉ መሃዝነታዊ መንገዲ ክንስልጥነሉን ክንረብሓሉን ይሕግዘና። እንታይ እዩ ዘድልየና ዘሎ ኢልና ለይትን መዓልትን ክንሰርሕን፤ ክንውጥንን፤ ከምኡውን ከነድምዕን ግድነታዊ ዕለታዊ ተግባርና ክኽውን ኣሎዎ። ። ነዚ በቲ ዝጸፈፈን ዝተዓጻጸፈን መንገዲ ከነተግብር ድማ እንታይ ረቛሒታት ዬድልዩና ኢልናውን ኣብ ክሊ ነብሰ ብዱህነት ክንሓስብን ውልቃዊ ተራና ነድማዓሉ ኩነታት ክንፈጥርን እቲ ዝዓበዬ ሃገርዊ እጃምና ክኸውን አሎዎ። ብቑዓት ተዓጻጸፍትን ንኽንከውን፤ ረብሓታትና ንከነውሕስ፤ ተወዳዲርና ጸብለልትነት ንኸነርኢ ብዙሓት ረቛሒታት ብዝሰፍሔን ዝጠንከረን ሜላታት ክንብድህ ይግባኣና። ነዚ ናይ ተክኖሎጂካዊ ተጠቃምነት፤ ነወነዝፎ ጉዳይ እውን ኣይኮነን። እቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ልዑል ብቕዓትን ኣስተዋጽኦን ተድሚሩ ሃገራዊ ብቕዓትን ዕብየትን ክምዝፈጥር ክንርዳእ ኣሎና።

ሎሚ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራትስ ይትረፍ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ እኳ እቲ አብ ርሑቕ ገጠራት ከይተረፈ መርበብ ኢንተርነት ዘይኣተዎ ኣዝዩ ውሑድ እዩ እንተበልኩ ኣየጋነንኩን። ሓደ ከነስትውዕለሉ ዝግባኣና ግን ኣሎ። ኣብቲ ከም ማይ ባሕሪ ዝምብዝሑ ውህሉል ሓብሬታ ኢንተርኔት ኣዝዩ ብዙሕ ዘዬድሊን ጐዳእን ዝኾነ ሓበሬታን ተርእዮታትን ስለዝሎ፣ ብጥንቃቐን ብውሕልነትን ክንጥቅመሉ ይግባኣና። ብፍላይ ንመንእሰያት ደቅናን ኣሓትናን ኣሕዋትናን ብዝግባእ ክንመኽሮምን፣ ከነለብሞምን ክንምህሮምን ከምኡውን ክነንቀሖምን ይግባኣና እዩ። ርኣዩዎ‘ ሞ እቲ ዘሎና ጊዜ፣ ውሱን እዩ። ኣብ ሰሙን 168 ሰዓታት እዩ ዘሎና ንኹልና። እቲ ፍልልይ ድማ ከመይ ነድማዓሉ እዩ። ንኣብነት ከም በዓል ሲንጋፖር ዝኣመሰላ ኣብነት ናይ ስልጣኔ ታኣምራታዊያን ወይ ኣናብር፣ ኣብ ሓጺር ጊዜ ካብቲ ዝነበራሉ ድኽነትን ትሑት ምዕባሌኣዊ ደረጃን ወጺኤን ኣብ ዓርሞሸሽ ስልጣኔኣዊ ደረጃ ክበጽሓ ዝኽኣላ ድማ ብውሕሉልን ሓፋሽ ኣሳታፊን ምሕደራ ብምትእትታውን ንዝትዋህበንን ዝሎወንን ጊዜ ብግቡእ ብምጥቃምን እዩ ካልእ ተኣምራታዊ ምኽንያት ዬብሉን።

ብምኽንያት ወንጫፊ ምዕባለ መራኸቢ ተክኖሎጂ፣ ኩሉ መዳያዊ ስነፍልጠትን መሃዝነታዊ ኣሰራርሓ ብልሓታትን ናብ ዩኒቨርሲታት ከድካ ጥራይ ኣይኮነን ዝርከብ። ዕድመ ንሓበሬታዊ ተክኖሎጂ፣ ስነፍልጠት ካብ ዝኾነ ጊዜ ንላዕሊ ሓሲሩ እዩ። ኣብ ዝኾን ቦታን ጊዜን ኮንካ ክትረኽቦ ዘጸግም ኣይኮነን። እቲ ቀደም ኣቦታትናን ኣዴታትናን (ከም ባዓል ኣቦይ) ላዕለዋይ ትምህርቲ ንምስናቕ ናብ ሃገራት ሰሜን ኣሜሪካን ኣውሮጳን ዝትጓዕዝሉ፣ ሎሚ ብመርበብ ኢንተርነትን ካልእ ሓቤሬታዊ መሳለጥያት ኣቢሉ ናብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብቐሊሉ ይበጽሕ ኣሎ። ኣብዬት ብፍላይ ንሕና መንእሰያት ወለዶ ከመይ ዝበለ ስቡሕን ጽቡሐን ዕድል እዩ ዘሎና? እቲ ዝድለ ድማ እቲ መሳለጥያታት ምዝርጋሕን ምውህሃድን እዩ ። ንኣብነት ኣብዚ ጊዜ ኢንተርነትን ካሎኦት ናይ ናይ ሓብሬታን ርክባትን መሳለጥያታት ኣብ ብዙሕ ዓውድስራሓት ቁጠባ ይኹን ማሕበራዊ ናብራ መዳርግቲ ዘይብሉ ኣግልግሎት ይህቡ ኣሎው። ሳላ እዚ ዘይተኣደነ ተክኖሎጂካዊ ጸጋታትን ተኸእሎታትን፣ ዝኾነ ብምያው ፍልጠትን ክእለትን ክምዕብል ዝደሊን ዝግደስን ሰብ ብዙሕ ዕድላት ክምዘሎዎ እዩ ብንጹር ዝእምት። ስለዚ ነዚ ዘመን ዘምጸኦ ፈጣን ውጽኢት ዓውሎማዊ (ግሎባል) ምዕባለ ብግቡእን በቲ ዝድል መቓንን ክንጥቀመሉ ክንክእል ኣሎና። ትግሃት፣ ተባላሓትነት፣ ዘይተኣደነ ድልዬት ከምኡውን ወሳንነት ጥራይ እዩ ዘድልዬና። እቲ ዘገርም ድማ ቅድሚ ቁሩበ ዓሰርተታት ዓመታት ሚልዮናት ከፊልካን ምህርታዊ ጊዜኻ ሰዊእካ ዝርክቡ ወይድማ ዝቕሰሙ ዝነበሩ ስነ ፍልጠታት፣ ሞያታት ከምኡውን ተኽእሎታት፣ ሎሚ ኣብ ኣብ ኩሉ ትዘርጊሖም ይርከቡ ኣሎው። እቲ ዝድለ ድማ ብተዛማዲ ብውሕድ ወጻኢታት ኮምፕዩተርን ተዛማዲ ናውትን ወኒንካ፣ ዋይ ፋይ (ወይ ኢንተርነት) ምትእትታው አዩ። ነዞም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብፍላይ ኣብተን ምዕቡላት ሃገራት እንንብር ድማ ዘጸግመና ኣይኮነን። እቲ እንኮ ክንገብሮ ዘሎና ድማ ነቲ ዘሎና ግዜ ብግቡአ ምጥቃምን ምምሕዳርን እዩ፤

እዚ ንእሽቶ ክፋል ስነጽሑፍ ካብቲ ብነብስሄር መንእሰይ ዮሓንስ መንግስተኣብ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ተማሃራይ ከሎ ካብ ዝገብሮ “ዳግማይ ክፍጠር አቲ ነብሪ፡ ድግማ ዕውት ቁጠባዊ ምዕባለ ሲንጋፖር ኣብ ኤሪትራ (Recreating the Tiger: Replicating the Economic Success of Singapore in Eritrea) ብዝብል አርእስቲ ንኡድ ምርምራዊ ስራሕ ዝተወስደ እዩ። ዮሓንስ ኣብ ሽዊት ዕድሜኡ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ (ዝተወልደሉ ሕዳር 08, 1992 - ዝዓረፈሉ ጥቅምቲ፣ 09,2015)። ተርጓሚ ወላዲኡ ዶ/ር መንግስተኣብ ተስፋዮሓንስ።

Leave a Tribute

Recent Tributes
Posted by Maekele Abraha on August 9, 2020
Rest in Peace Our beloved Yohanes. We can’t believe it has been four years since you left us. Life is hard without you. We love you very much & miss you terribly.

REST in PEACE

Senait & Maekele Abraha

Posted by Mengsteab Tesfayohannes on December 20, 2019
My dear son, I always remember you. You are alive in my mind and heart.
Dad
Prof. Mengsteab
12/20/2019
Posted by Mengsteab Tesfayohannes on November 9, 2019
ብሰላም ዕረፍ ዮሃንስ ወድና ኣብዚ መበል 27 ዓመተ ልደትካ ንዝክረካ። ኩሉ ጊዜ ኣብ ልብና ኣለካ።
ስድራ ቤትካ።

Today Nov. 8, 2019, is your 27th birthday. You are always in our hearts and minds.
Mom, dad, sisters and extended family members.

his Life

GONE TO SOON SAD

THE SADNESS, THE TERRIBLE EVENT, GONE TOO SOON. WHY? WHY? WHY? THE AGONY. YOU ARE ALWAYS FRESH IN MY SOUL AND MIND
Your dad,
Mengsteab
Recent stories
Shared by Mengsteab Tesfayohannes on December 20, 2019
መእተዊ
ብዙሓት ግዱሳትን ለባማት ፈላጣትን ኤሪትራውያን ሃገራውያን ኣብ ብዙሕ ማሕበረ ቁጠባዊን፣ ፖሊቲካዊን፣ ባህላዊን፣ ታሪኻዊን፣ ተርእዮታት ወዘተ ኣተኲሮም ብበሊሕ ኣእምሮ ይዋስኡ። ብቐጻሊ ድማ ብዙሕ ሃናጺን፣ ኣገዳስን፣ ርሑቕ ዝጠመተ ምኽርን፣ ትንተናን፣ ለበዋን ይህቡናን፣ ይሕብሩናን የስተምህሩናን ኣለው። እቲ ቀንዲ ዓላማ ድማ ምእንቲ ስልጥንትን፣ ብልጽግትን፣ ምዕብልትን ሃገር ንምፍጣርን ንምውናንን እዩ።  ብተወሳኺ ድማ ንኹሉ መዳያዊ ጸጋታትን ተኽእሎታትን ሃገሩ ብላዕለዋይ ኢድ ብብቕዓት ዝወነነ መሃዝን ዕውትን ህዝቢ ንሓዋሩ ነታ ሃገር ምእንቲ ክህልዋ እዩ። ኣብዚ ኣነ ብሕጽር ዝበለ ክዝትየሉ ደልየ ዘለኹ ድማ ብዛዕባ እቲ ብናእሽቱን ስድራ ቤታዊ ትካላት ዝፍለጥ (Small and family businesses or ventures) ኣካል ናይ ብሕታዊ ጽላት ቁጠባ ሃገር እዩ።  እዚ ክፍለ ጽላት እዚ ናይ ብሓቂ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክነሱ ስጋብ ሕጂ ኣብ ኤርትራ እቲ ዝግባእ ኣቓልቦ በቶም ዝምልከቶም ዝተሓረመ ወይ ድማ ዛጊት ዘይተዋህቦ እዩ።  ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ፣ እዚ ክፍለ ጽላት ቀንዲ መንኮርኮር ዲናሚካዊ መስርሕ ምዕባለ ሃገራዊ ቁጠባ ኢዩ። ተራ ናይተን ንኣሽቱን ስድራቤታውያንን ትካላት  ኣብ ኩለን ቁልጡፍ ምዕባለ ንምምዝጋብ ብዕቱብ ዝነጥፋን ዝጽዕታን ዘለዋ ሃገራት ዕዙዝ ኢዩ። ኣዚ ዘመልክቶ ድማ እዘን ትካላት ኣዚኤን ኣብ ናህሪ ኩሉ መዳያዊ ሃገራዊ ምዕባለ ብፍላይ ድማ ቁጠባዊ ብራኸን ዘለወን እጃም መዳርግቲ የብሉን።

ኣብ ብዙሓት መጽናዕትታን ምርምራዊ ስራሓትን ብንጹር ከም እተግልጸ፣ ካብ ብሕታዊ ቁጠባ ሃገር ብገፊሑ፣ እጃም ናይዘን ንእሽቱን ስድራ ቤታዊን ትካላት ካብ ተስዓ ሚእታዊ ንላዕሊ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ዝማዕበላን ከምኡውን ኣብ ምምዕባል ዘለዋን ሃገራትን ክውንነትዊ ተርእዩ እዩ።  እዘም ዝተጠቕሳ ትካላት ድማ ኣብ ሃገራዊ ቁጠባ ዝፈጥረኦ ናይ ስራሕ ዕድላትን፣ ማእቶታዊ ኣድማዕነትን፣ ድንፋዔ ሰብኣዊ ጸጋን ተኽእሎን ድማ ወሳኒ እዩ። ዓርሞሸሽ ኣብርክቶአን ኣብ መስርሕ (ከይዲ) ሃገራዊ ህንጸት ከኣ ዕዙዝ እዩ። ኣስተዋጽኦ ናይዘን ትካላት ብሓፈሻ ኣብ ድንፋዔ መሃዝነትን ማእቶታዊ ንጥፈትን ሓፋሽ ህዝቢ (grassroots) ድማ ፍሩይን ሓያልን እዩ። ብተወሳኺ፣ ኣበርክቶን ተራን ናይዘን ትካላት ኣብ  ምስፍሕፋሕን፣ ምስራጽን ተግባራዊ ሞያዊ ክእለትን ምልከትን ኣብቲ መንእሰይ ወለዶ ወሳኒ እዩ።  እዚ ከኣ ብጭብጢ ኣብተን ኣብ ዓለምና (እንኮላይ ኣብ ኣፍሪቃ) ዘለዋ ኣብነታውያን ሃገራት ጐሊሑ ይረአ ኣሎ። ብቐጻልነትውን ካለኦት ብዙሓት ሃገራት ካብተን ዝተዓወታ ኣብነታውያን ሃገራት ትምህርትን ተሞክሮን ብምውሳድ ብዘተዋሃሃደን ዝተዋደደን መርሓ መንገዲ (Roadmap) ነዘን ትካላት እዚኤን ንምድንፋዕ ብቐጻሊ ይነጥፋ ኣለዋ። ርሑቅ ከይከድና ካብ ኣፍሪቃ፣ ከም ባዓል ጋና፣ ሞዝምቢክ፣ ሩዋንዳ፣ ኡጋንዳ፣ ሰነጋል፣ ኮት ዱቯር፣ ከንያ፣ ግብጺ፣ ሞሮኮ ወዘተ ይጥቀሳ። ስለዚ ነዘን ትካላት ቀዳምነት ሂብካ ምትብባዕን፣ ሓጋዚ ትሕተ ቅርጽን ልዕለ ቅርጽን ኣዋዲድካ በቲ ዝከኣልን ዝድለን ምምዕባል ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ። ብዘይ ዝኾነ ምስምስ፣ ውዓል ሕደር ዘየድልዮን ቀዳምነት ክዋሃቦ ዘለዎ ግድነታዊ ሃገራዊ ዕማም እዩ።  ኣድለይቲ ዓቕምታትን ጸጋታትን ሃገር በቲ ዝድለ መቓንን ዝከኣል ወፍርን ተበግሶን ክህነጽን ክስውድን እንተድኣ ዝድለ ኮይኑ፣ ኩሉ መዳያዊ ናይ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዘሎ ሓፋሽ ህዝቢ ተሳታፍነት፣ ናይ ፖለቲካዎ ኣራኣእያ ብዘየገድስ፣ ክጉሰ የብሉን። እዚ ምስ ዝግበር እዩ እቲ ኩልና እንትምነዮ ኩሉ መዳያዊ ምዕባለ ሃገር ብሕኑን ፍጥነት ክምርሽ ዝኽእል።

ኩነታት ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ንእሽቱን ስድራቤታዊን ትካላት

ንዋኒነ ንግድን ትካላዊ መሃዝነትን ኤርትራውያን በቲ ውድዓዊ ዓቕሚ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ብዙሕ ጊዜ ዝደጋገም ብሂል ኣሎ። ኤርትራውያን ብፍላይ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ከም ባዓል ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ኬንያ፣ ኣንጎላ፣ ኡጋንዳን፣ ወዘተ ብዙሕ ይነጥፉን ኣብ ብዙሕ ትካላዊ ዋኒናት ይዋስኡ ኔሮምን ኣለውን ተባሂሉ ብኹርዓት ክንገርን ክጋዋሕን ንሰምዕን ንዕዘብን ኢና። ብመንጽር ንህዝብና ዝህቦ ጠቕሚ ክምዘን ከሎ ግን ብዙሕ ዘተሓሳስብ ኢዩ። ካብ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ወጻኢ ኰንካ ምውንጫፍ፣ ኣብ ሃገርካ እቲ ቀንዲ ትካልካ ደኲንካ ክትነጥፍ ተመራጺ እዩ። ከከም ኣድላይነቱ ብዝኽፈት ዕድላት ድማ ኣብ ካለኦት ሃገራትውን ብዝተኻእለ መጠን ማልካን (ካፒታልካ) ትካላዊ ክእለትካን ኣብቲ ከርባሓኒ ይኽእል እዩ ኣትብሎ ካብ ሃገርካ ወጻኢ እውን ክትነጥፍ ትኽእል። ግን እቲች ሱርካ ኣብ ዓድካ ክኸውን ኣለዎ። ግን ተሓግሒካ ካብ ዓድኻ ወጺኢካስ ኣብቲ ዘለካዮ ሃገር ኮንካ ከተስፋሕፍሕን ክትንቃሳቐስን፣ ከተመስርሕን ከምኡውን ኣብ ዋኒነ መሃዝነት (Entrepreneurial Innovation) ክትነጥፍን ከለኻ ይከኣል እዩ ግን ንሃገርካ ከምቲ ዝድለ ኣይርብሕን።  ነቲ ዓድኻን መበቆልካን ዝኾነ ሃገር ብዙሕ መዳያዊ ሃስያ ኣለዎ። ዛጊት ውጽኢትን ኣሉታዊ ጽልዋታቱን ድማ ብግሉጽ ኣብ ቁጠባ ኤርትራ ንርእዮ ኣሎና። ንዝኾነ ትካላዊ ምንቅስቓስ ወይ ንጥፈታት ናቱ ንድሕሪትን ንቕድሚትን ተመጢጡ ዝተሓሓዝን ዝዋሃሃድን ኩሉመዳያዊ ቁጠባዊ ርክባትን ተኣሳሰርነትን ኣሎዎ (backward and forward economic link and interaction)። ንኣብነት ሓደ ናይ መገጣጠሚ ትካል ምስ ዝምስረት ወይ ዝጣየስ፣ ነቲ መስርሕ ዘድሊ ቀረባት ዘመስርሓ፣ ዘዳልዋ ከምኡውን ዘቕርባ ተማላላእቲ ትካላት ከድልያ እየን። ነቶም ኣብተን ትካላት ዝዓዩ ሰራሕተኛታት እውን ንመነባብሮ ዘድልዮም ኩሉ ዘቕርባ ኣመስራሕትን ወሃብቲ ኣገልግሎትን ትካላት ክህልዋ እየን። ከምኡ እንዳበለ ድማ ንኩሉ መዳያዊ ቁጠባ ሃገር ብቀጻልነት ብዘህጥር ኣገባብ ይቕጽል። ስለዚ ናይ ትካላዊ መሃዝነት ብቕዓትን፣ ተመኩሮን ከምኡውን ዕቑር ጸጋን ክእለትን ዝውንኑ ኣብ ሃገር ምስ ዘይህልው ንኹሉ መዳያዊ ምዕባለ ቁጠባ ሃገር ኣዝዩ ጐዳኢ እዩ። እቲ ምህሰይቲ ድማ ናብቶም ተስፋ ዝንበረሎም ተካእቲ ወለዶ ክበጽሕ ይኽእል።  እዚ ድማ ጎሲኻ ዝሕለፍ ኣይኮነን።
ከም እንፈልጦ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣን ክሊማዊ ኣቀራርጻን ምድሪ ኤርትራ ኣዝዩ ተባሃጊ እዩ። ካብ መበል 18 ክፍለ ዘበንን ቅድሚኡን  ጀሚሮም ገዛእቲ ሓይልታት ብተዳጋጋሚ ኣርዑት መግዛእቶም ንኽጸውር ግዳይ ምዝመዛኦም ንኽኸውን ንህዝብና ኣገዲደሞን፣ ኣዋርዶሞን፣ ድሂኸሞን እዮም።  ርግጽ ኢዩ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብኣጠቓላሊ ክምዘን ከሎ ኣብቲ ግዝኣቱ ነበር ዝገድፎ ብዙሕ መዳያዊ ክፉእን ሕማቕን ውርሻዊ ተርእዮ ኣብ ቦትኡ እንዳሃለወ፣ ግን ሓደ ሓደ ኣዝዩ ጽቡቕ ዝኾን ሓድግታትውን ይገድፍ ኢዩ። ንኣብነት ኣብ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ጥልያን ብሰፊሑ ካብ ዝተወርሱን ዝተኣታትተውን ጽቡቕ ሓድግታት ሓደ-መንቋሕቋሕታ ናይ ንኣሽቱን ስድራ ቤታውን ትካላዊ (ወይ ዋኒናዊ) መሃዝነት (Small and familty Businesses and Entrepreneurial Innovation and acumen) ኢዩ። እኹል ኣብነታት ናይዚ ሕላገታት ብቐሊሉ ኣብ ኤርትራ ይረኤ ኔሩ እዩ።
ህዝቢ ጥልያን ካብ ነዊሕ ጊዜ ኣትሒዙ ብቐንዲ ዝፍለጠሉ ማዕበያን ባህላዊ ኣምርን ኣለዎ። ንሱ ድማ ምውናን ክእለትን ብቕዓትን ኣብ ንኣሽቱን ስድራቤታዊ ትካላዊ (ዋኒናዊ) መሃዝነት ኢዩ ። ኢጣልያዊያን ወለዲ ንደቆም ካብቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ከይዶም ዝመሃርዎ ዝያዳ ኣብ ገዛ ዝምህርዎም ተግባራዊ ስነ ጥበባትን መሃዝነታዊ ክእለታትን ይበዝሑ። ንኣብነት እቶም ወለዲ ኣብ ስርሓት ንግዲ ዝነጥፉ ወይ ዝተዋፈሩ እንተኾይኖም፣ ነቶም ደቆም ገና ብንእስነቶም ከለዉ በቲ ዝግባእ ስልጠናዊ መንገዲን ተግባራዊ ተመኩሮን ከምዝዋስኡ ይገብሩ እዮም። ብተግባር ድማ እቲ ንነዊሕ ጊዜ ዝሰልጠንሉን ዝዓበይሉን ተግባራዊ ሞያ ናብ ደቆም በቀጻሊ ከም ዝሰርጽ ይገብሩ። ኣብ ኤርትራውን ብትሑት ዓቕሚ ድኣ ይኹን እምበር እዚ ሞያዊ ባህሊ’ዚውን በብደርጅኡ ይዓኩኽን ይትግበርን ከምዝነበረ ይፍለጥ። ዋኒናዊ መሃዝነትን ኢደ ጥበባዊ  ክእለትን ካብቲ ዝዓበየ ስጋብ’ቲ ዝነኣሰ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኬድካ ኣብ ክፍሊ ኮፍ ኢልካ ተማሂርካ ዲፕሎማን ዲግሪን ዓቲርካ ጥራይ ዝውነን ዝመስሎም ብዙሓት ሰባት ኣሎው። ዋኒናውን ሞያውን ክእለት ዝጥረን ዝሰርጽን ካብ ብዙሕ ረቛሒታት ኢዩ። ካብ ልምድን ተሞክሮን፤ ከባብያዊ ጽልዋ፣ ሓድግታት፣ ሓፈሻዊ ስነ-ፍልጠት፣ ከምኡውን እቲ ፍሉጥ ስሩዕ ሞያዊ ስልጠና፣ ወዘተ። እንተስ ብማዕበያ፤ እንተስ ብውርሻ ንሕና ኤርትራዊያን’ውን ብኢደ-ጥበባዊ ዋኒነ ስራሓት ብልጫታት ኔሩና ኢዩ ብመንጽር ከባቢና ክረኤ እንከሎ ማለት ኢዩ። ናይዚ ሓቅነት ዝምስክሩ ብዙሓት ታሪኻዊ ጭብጥታትን ውጺኢታትን ኣለው እንተላይ ኣብ ሓርነታዊ ቃልስና። እንተኾነ ኣብ ዝሓለፉ 28 ዓመታት ንምዕባለ ንኣሽቱን ስድራ ቤታዊ ትካላት ብመንግስታዊ ምሕደራ ዝተወስደ ብቑዕን ኣድላይን ስጉምቲታት ከምቲ ዝድለ ዘዕግብ ኣይኮነን። እዚ ኣብ ቀጻሊ ምድኻም እዘን ንኣሽቱን ስድራቤታዊ ትካላት ኣሉታዊ ኣስተዋጻኦ ብቐጻሊ ይገብር ኣሎ። እዚ ዘይቅቡል ዝሕታለ ድማ ነቲ ዝመጽእ ሃገር ተረካቢ ወለዶ ብብዙሕ መዳያት ጐዳኢ እዩ። እቲ ከም ወራሲ ኮይኑ ነቲ ስድርኡ ዝገደፍሉ ትካል ከማዕብል ዝግብኦ መንእሰይ ወለዶ ክወርስን ዋኒናዊ ሓድጊ ወለዱ ብዚያዳ ከማዕብልን፣ ዕድል ኣይረክብን ዘሎ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ድማ ጉድእቱ ንሃገርን ህዝብን ፍሉጥ እዩ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብዘለው ሃጓፋትን፣ ዘየተባብዑ ደፋእቲ ረቛሒታትን (Internally instigated push factors)፡ ከምኡውን ካብ ሃገር ወጻኢ (ብፍላይ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት) ብሕልማዊ ምቁር ሕብስቲ ዘወናዉኑ ሰሓብቲ ረቛሒታት (Externally instigated pull factors) ምኽንያት ብዙሓት መንእሰያት ብብዝሒ ነታ ዝፈትዉዋ ዓዶም ራሕሪሖም ስለ ዝተሰዱን ዝተበታተኑን፣ እተን ንኣሽቱን ስድራ ቤታውያን ትካላት ንግዲ ርኡይ ጉድኣት እዩ በጺሕወን።  ካብቶም ትጉሃት ወለዲ ናብቲ ዝመጽእ ወለዶ ብምምሕልላፍ እንዳ ዓበያን እንዳ ሰሰናን ኣብ ክንዲ ዝኸዳን፣ ንሃገራዊ ማሕበረ-ቁጠባዊ ዕቤት በቲ ዝድለ ዘበርክታን፣ ብኣንጻሩ ብዙሓት ካብአን በሪሰንን፣ ነድዬንን፣ ተዓጽየንን ከምዘይነበራ ኮይነን ኣለዋ። ብሓቂ ብውድዓውነት ክምዘን ከሎ፣ ከቢድ ሃስያ እዩ። ዛጊት ኣብ ባይታ ኣምጺኡዎ ዘሎ ጉድእት እውን ከቢድ እዩ።
እቲ ናይ ጽባሕ ተረካቢ ሃገር ዝኾነ መንእሰይ ወለዶ ብዝለዓለ ብቕዓት ተኸሺኑን ተዳልዩን ከምኡውን ካብቲ ቀጻሊ ዝኾነ ናይ ሕኑን ማዕበላዊ ግስጋሰ ሰኒቑን፤ ካብቲ ዓውሎማዊ መኽዘን ፍልጠት ከምቲ ዝድለ ተቛዲሱን፤ ካብኡ ተጠቒሙን እንተዘይዓብዩ፣ ብቕዓቱ ይውሕድ። ዝገብሮ ኣስትዋጽኦ እውን ምህሙን ይኸውን። ነተን ወለዱ ዝሃነጽሉን ዘጽንሑሉን ንኣሽቱን ስድራ-ቤታውያን ትካላት ብዝያዳ ኣማዕቢሉን፣ ኣህጢሩን፣ ኣስፊሑን ኣብ ሃገራዊ ቁጠባዊ ህንጸት ፍሩይ ኣስተውጽኦ ክገብር ዕድላትን ተኽእሎታትን ይስእን። ብዝኾነ መንገዲ ድማ ኣየድምዕን። እዚ ማለት ከም ወዲ ሃገር መጠን ኣብ ገዛእ ሃገሩ ብብቕዓት ዓብሊሉ፣ ነቲ ማሕበረ-ቁጠባዊ ጸጋታት ናይ ሃገሩ ከምቲ አብ ኩለን ሃገራት ዝድለ ብላዕለዋይ ኢድ ወኒኑን ኣማሓዲሩን ክነብር ኣይክእልን። እዚ እንተዘይኮይኑ ድማ እቲ ሳዕቤን ንኽትሓሰቦ ዘሰቅቕ ኢዩ። በቲ ሕጁ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝረኤ ዘሎ ብሰንኪ መጻእተኛታት ናይ ተወሪስና፣ ብቑጠባ ተዓብሊልና፣ ተወጊና ዝብል ብዙሕ ሽግርን ዘይምርግጋእን ከየምጽእ ጥንቃቐ ካብ ሕጂ ጀሚሩ ከድልዮ እዩ። እወ ዕቱብ ጥንቃቐ ብሰንኪ ኤርትራ ዝኣተወቶ ሓድሽ መድረኽ።   ነብስና ኣማዕቢልና ኣጋይሽና ንቀበል ዝብል ዓቕሚ ኣብ ሓፋሽ ህዝብና ኣንተዘየስሪጽና፣ እቲ ዝህሉ ሕማቕ ኣማራጺ ድማ ንኻሎኦት (መጻእተኛ) ሰብ ዓቕምን፣ ሃብትን፣ ብሉጽ ፍልጠትን ስብሒ ምድርኻ ኣረኪብካ ኣብ ገዛእ ዓድኻ አገለጋሊኦምን ጊሊያኦምን ኮንካ ተረፍ መረፍ መኣዶምን፣ ርፍራፎምን ምልቃም ኢዩ ። ብተወሳኺ ነቶም በሃብቶም፣ ብትካላዊ መሃዝነቶምን ብሞያኦምን ትካላት ክምስርቱን፣ ክነብሩን፣ ክሰርሑን ምስ ዝመጽኡ ወጻእተኛታት ኣውፈርትን ሰብ ላዕለዋይ ሞያን ተወዳዲርካ ካብቲ ጸጋ ሃገርካ በቲ ዝድለ ተቛዳሲ  ንክትከውን ከሸግር ኢዩ። ነዚ ኣንጸላልዩና ዘሎ ሕማቕ ውርሻዊ ተርእዮ (legacy) ንሃገሩን ንህዝቡን ዝሓልን ዝሓምምን ሃገራዊ ከሰክፍ ይግባእ። ኣብ ገዛእ ዓድኻ ናይ በላዒ ስብሒ መሬትካ ተመልካቲ ምዃን ማለት መሪር ሓሞት ብሰፍነግ ምስታይ ኢዩሞ ካብዚ ናይ ዘመናዊ ባርነት ሂወት ኣብ ገዛእ ዓድኻን መረበትካን ይሰውረና።  ንኽስውረና ድማ ኣድላይ ኩሉ መዳያዊ ስጉምቲ ምውሳድን፣ ምጽዓርን ሓባዊ ጻዕሪ ምግባርን የድልየና። እወ ብውድዓውነት ንዘለናዮ ኩነታት ንርእዮ። ሕማቕ ውርሻዊ ተርእዮ የንጸላልወና ኣሎ። ነዚ ዘንጸላልወና ዘሎ ዘሕዝን ናይ መጻኢ ተርእዮ ክንቋጻጸሮን ከንውሕዶን ንኽንክእል ሕጂ ብሓባር ምስ ሓፋሽ ህዝብና ኮይና ንትልሞን ንገብሮን ወሳኒ ቅድመ ኩነት ኢዩ። እዛ ዓለምና ኣዝያ እንዳጸበበት ትኽይድ ኣላ። ህዝቢ ዓለም ነንሕድሕዱ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ይራኸብ ኣሎ ።ንኣብነት ብቁጠባ፣ ብማሕበራዊ ናብራ፣ ብፖለቲካ፣ ብተክኖሎጂካዊ ስነ-ፍልጠትን፣ ብባህሊ፣ ብዶብ ኣልቦ ሓብሬታዊ ተክኖሎጂ፣ ከምኡውን ብኻሎኦት ወሰንቲ ረቛሒታት ክባሃል ይከኣል። እወ ሳላ ዘቀራርበና ዘሎ ዘይተኣደነ ዓውሎማዊ ናይ ሓበረታ ተክኖሎጂ፣ ኩሉ ዜናታትን ፍጻሜታትን ዓለምና ብደቓይቕ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ንኽብጽሓና ኩሉ ትኽእሎ ኣሎ።

ፍልጠትን ሓበሬታን ብቐሊሉ ኣብ ኮምፒተርና ከም ወሓዚ ዛራ ይመጸና ኣሎ። ኮነ እልካ ብመንግስታዊ ምሕደራ እንተ ዝይተሓጺሩ ወይ እንተ ዘይተደልዩ ሎሚ ፍልጠት ንምድላብ ብዙሕ ዘኽፍሎ ዋጋ የብሉን (knowledge is cheap and ubiquitous everywhere)። እቲ ለይትን መዓልትን ክንሓስቦ ዘለና ከም ህዝቢ ድማ፣ ካብቲ ዘይተኣደነ ባሕረ ጸጋ ናይ ስልጣነን ዕብየትን ዓለምና ከምቲ ዝድለ ከመይ ጌሩ ንረብሓሉን ንኸስበሉን ኢዩ። እዚ ማለት ብኸመይ ጌርናኸ ናብ ረብሓና ክንቅይሮ ንኽእል ኢልና ብጻዕቒ ክንሓስብን ብውልቃዊ ይኹን ብእኩብ ክንጽዕረሉ ይግባእ። ናይ ነፍሲ ወከፍና ክእለትን ጸጋን ድማ ተደሚሩ ሃገራዊ ጸጋታት ክምዝፈጥር ፍሉጥ እዩ። ኣቲ ጻዕርናን ተባላሓትነትናን ናብ ቅርዓት ከነውጸኦ ክንክእል ኣለና። ንገብሮዶ ኣለና? ብናተይ ውልቃዊ ትዕዝብቲ፣ ዛጊት ኣይካኣልናን ዝሕታለና’ውን ዘተሓሳስብ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ድማ ብሰንኪ ናይ ነብሲ ወከፍና ዝግባእና ዘይምግባር፣ ናይ መንግስታዊ ምሕደራ ጉድለታት፣ ብቑዕ ሰብ ኣብ ብቑዕ ቦታ ዘይምህላው፣ መጠኑ ዘሓለፈን ዘየድልን ቊጽጽርን ብዘምጸኦ ዘይንቡር ኩንታት ብዝተፈጥሩ ማሕለኻታት ናይ ውልቀ ጻዕርን መሃዝነትን፣ ወዘተ ኢዩ። ኣብዚ ብዙሕ ክጥቀስን ክትንተንን ይካኣል። እዚ ዝሕዝን ኩነታትና ዘምጸኦ ዘሎ ሳዕቤናት እውን ብግሉጽ ንርእዮ ኣለና። ህዝብና ብኹሉ መለኪዕታት ንድሕሪት ተመሊሱ። ዝጠፍአ ዕድላትን ክሳራታትን ደረት ተሳኢኑዎ። ንኣብነት ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፣ ንኣሽቱ ስድራ-ቤታዊ ትካላዊ መሃዝነት ድማ እቲ ቀንዲ ብልጫናን ተዋዳዳሪ ብሉጽነትና ከንርእየሉን ብዘየላቡ ብቐዳምነት (ወላውን ኣብ በተዛማዲ ጽንኩር ኩነንታንት) ከነማዕብሎ ዝግባእ ቁጠባዊ ጽላት ክኸውን ነይሩዎ። እቲ ዘሕዝን ድማ ጥጡሕ ባይታ ዛጊት ዘይምፍጣሩ ድማ ኣቲ ማዕበያዊ ብልጹነትና ብቀጻሊ ነጥፍእ ኣለና። ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልእ ሃገራት ብሰፊሑ ዝተራእየን ዕውት ውጺኢት ዝሃበን ዝህብ ዘሎን ንሕናውን ምረባሕናሉ። ውህሉልን ዝተመስከረሉን ተወፋይነትና እንብሎ እንተድኣ ዘተባብዕ ሃዋሁው ዘይተፈጢርሉ ዋጋ የብሉን። ብኣንጻሩ፣ እዩ ዝኸውን ማለት ምርማስ፣ ምዝሕታል ኣብነት ናይ ሕማቕ ሓድጊ ምዃን። ኣቐዲምካ ምጥንቃቕ የድሊ። ብኸመይ ንገብሮ? ዕዮ ገዛና እዩ።
በሰላ ናይዚ ሕማቕ ሓድጊ ድማ ከምቲ ሓደ ካብ መራሕቲ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ (African National Congress or ANC) ሲርል ራማፖዛ ሕጂ ፐረዚዳነተ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘሎ ዝበሎ ኢዩ። እጠቅስ፡-“ነቲ 400 ዓመታት ዝተወጸዔ ግን ከኣ ብቁጽሪ ብገፊሕ ዝዓብለለ ጸሊም ደቡብ ኣፍሪቃዊ ህዝቢ ብቁጠባ ምሕያል (Economic Empowerment) ዘሸግረና ኣይኰነን። እዚ እቲ ዝቐለለ ኢዩ። ንዓና እቲ ዝዓበዬ ብድሆ ኮይኑና ዘሎ፣ እቲ ንኣስታት አርባዕተ ክፍላተ ዘበን ዝኣክል ነቲ ምስኪን ጸሊም ደቡብ አፍሪቃዊ፣ ምሉእ ሰብ ኣይኮንካን፣ ንዓና ንጸዓዱ ከተገልግል ኢኻ ተፈጢርካ፣ ቁጽሪ፣ ሳይንስ፣ ወዘተ ንክትማሃር ብተፈጥሮ ኣይተዓደልካን፣ ፍርቂ ወይ ሓውሲ ሰብ ኢኻ፣ ብስነፍስጠት ተዓጅብካ ክትምህዝን ከተማዕብልን ዘኽእል ዓቕሚ ክትውንን ብተፈጥሮ ኣይተዓደልካን፤ እንዳተባህለ ብቀጻሊ ዝኾነ ሰራምን ነውራምን ስነ ኣእምሮኣዊ ዘመተ ዝተሓጽበን፣ ዝተዳህለን ከምኡውን ወኑን ርእሰ-ተኣማንነቱን ከምዘጥፍእ ንዝተገብረ ህዝቢ፣ ሱር በተኻዊ ብዝኾነ መንገዲ ነዚ ክፉእን ረማስን ዝኾነ ውርሻዊ ተርእዮ ኣወጊድካ ብኸመይ ርእሰ ተኣማንነቱ ትመልሰሉ ኢዩ።” እዚ ማለት ካብቲ ጻዕዳ ዜጋ ብዘይንእስ ከድምዕን ክዳረግን ይኽእል ኢየ ኢሉ ብምሉእ ርእሰ ተኣማንነት ምእንቲ ክነብር ማለት እዩ። እዚ ንዓናውን ዓቢ ምኸሪ ኢዩ። ሕማቕ ውርሻዊ ሓድጊ ነቲ ዝመጽእ ወለዶ ዓንቃፍን ጐዳእን ከምዝኾነ ፍሉጥ ኢዩ። ዓቕምን ትሕዝቶን (ጸጋታትን) ሃገር ዝድንፍዕ ድማ ናይቲ ውልቀ ሰብ ዓቕምን ዕቑር ጸጋን ምስ ዝድንፍዕ እዩ። ግን እዛ ዝበልናኩም ግበሩ ((Our way or the highway) እትብል ተመዛዚት ሓረግ ዳግም ክሕሰበላ ኣለዎ በቶም ዝምለከቶም።, ንሕና ኢና ክኣልቲ ኩሉ፣ ካባና ዝበልጽ የልቦን። ሕሉፍ ተመኩሮና ዝበለጸ ኢዩ። ባህልና እዩ እንታይ ክወጾ፣ ተዓዊትናሉ ኢና፣ ተኣምር ንሰርሕ ኣሎና፣ ምባል እንተ ኣጉደልናዮ እቲ ዝበለጸን ዝሓሸን ኣማራጺ ኢዩ። ልክዕ እዩ ንሕሉፍ ተመኩሮ ኣድቂቕካ ምፍላጥን ጸጽብቑ ምውሳድ ሰናይን ሃናጺን እዩ። ግን ኣብ ጊዜን፣ መንኮርኮር ምዕባለን ዝተማእዘነ ዳይናሚካዊ መስርሕ ክንጎስዮ ዘይንኽእል ግድነታዊ ናይ ምዕባለ ሕጊ ስለዝኾነ ክንክተሎ ድማ ይግባእ። ኣድማዒ ትካላዊን ዲሞክራሲያዊን መንግስታዊ ምሕደራ ካብ ላዕሊ ስጋብ ታሕቲ ኣብ ዝወርድ ጽፍሕታት ክህሉ ኣለዎ።  ምስ ግዜን ዲናሚካውን ሞዕባለ ተዓጻጻፊ ክኸውን እውን ኣለዎ። እንተ ዘይኮይኑ ድማ ኣብ ክንዲ ኣሳላጢ ዓንቃፊ፣ ኣብክንዲ ንጽቡቕ ውጽኢት ደፋኢ ሓንኳሊ ይኸውን ማለት እዩ።  ስለዚ ምስ ቀጻሊ ለውጥታት ኣሳራርሓናን፣ ምሕደራናን፣ ኣታሓሳስባና ክንልውጥን ከነማሓይሽን ናይ ግድን ይኸውን። ካልእ ኣማራጺ የልቦን ብጀካ ንነብስኻ ምጥባርን ንህዝኻን ኣዝዩ ጎዳኢ ስምብራት ምግዳፍን። ኣብ ታሪኻዊ ህቡብነትካ ተመርኲስካን ሕሉፍ ጅግንነትካ ምድማቕ ሰናይ እዩ። ግን እቲ ሕጂ ዘሎን፣ ብሕጂ ዝመጽእን ብናይ ዲያለክቲካዊ ናይ ሞዕባለ ሕግታት ተቐይዱ ስለ ዝኸይድ ግድን ምስኡ ምካድን ነቲዘምጸኦ ግድነታዊ ለውጢ በቲ ሓፋሽ  ዝረብሓሉ መርሓ መንገዲ ምርዓም ከድሊ እዩ። መንኮርኮር ምዕባለ ሃገር  ኣወንታዊን ኣድማዕን ዝኸውን ዝተፈላለዩ  ተራጻምቲ ግን ንምዕባለ ሃገር ዝሕልኑ ኣታሓሳስባታትን ኣራኣእያታትን ምስ ዝህልውን ዝታባብዑን እዩ። ብሓጺሩ፣ ተዓጻጻፍነትን ውድዓውነትን ዘይጉሰ ግድነታዊ እዩ ኣብ መዋእል ቀጻሊ ምዕባለ። ከምቲ ፈላስፋ ዳርዊን ዝበሎ፣ ‘እቶም ኣብ ንጥፈታቶም ዕውታት ኮይኖም ዝቕጽሉን ዝስውዱን ኣቶም ዝበለጹ ዝይኮንኑስ፣ እቶም ምስቲ ብቐጻሊ ተለዋዋጢ ዝኾነ ውድዓዊ ናይ ምዕባለ ተርእዮን ለውጥን ብተዓጻጻፍነት ተዋሃሂዶም ዝምርሹ እዮም’። ብሕቂ ክሕሰበሉ ዘሎዎ እዩ ከም ዘይጉሰ ኣማራጺ።
ዕቑር ተዋዳዳሪ ብሉጽነት ኤርትራ
ኤርትራ ኣይኮነን’ዶ ነዚ ውሕድ ህዝባ ዝኸውን፣ ንኻልእ’ውን ምኻኣለት። ብክሊማኣ፣ ብጂኦግራፊካዊ ኣቀማምጣኣ፣ ብታሪኻን ባህላን፣ ብዕቑር ጸጋታታ፣ በቲ ካብ 1200 ኪሎ ሜተር ዘይንእስ ካብ ሽሕ ንላዕሊ መራኽብ ንመዓልቲ ዝማላለሳሉ ስትራተጂካዊ ኣፍደገ ባሕራ ምስኩሉ ዕቑር ጸጋታቱ፣ ካብ ኩሉ ድማ በቲ ዝተመስከረሉ ህርኩት ህዝባ። ብሓጺር ጊዜ ምዕብልትን ብልጽትን ክትከውን ተኽእሎ ኣለዋ ብሓቂ።  ኣብዚ ዝሓለፈ 28 ዓመታት ካብቲ ዝነበረቶ ካብ 20 ዕጽፊ ንላዕሊ ክትምዕብል ኔሩዋ። ተደጋጊሙ ዝዋሃብ ምኽንያት ኣሎ። እዚ ፍሉጥ ኢዩ። ልዑላውነትናን ሃገራዊ ህንጸትና መስገደላት ኣይነበሩናን፣ ማሕለካታት ኣይነበሩናን፣ ኣይተጐዳእናን ማለትውን ኣይኮነን። ልኡላውነትና ከነውሕስ ኣሎና ብቐዳምነት፣ ሃገር ካብ ባዶ ኢያ ጀሚራ፣  ወዘተ ይባሃል እዩ። እወ እዚ ግን ናይ ኩሉ ወዲ ሃገር ጉዳይ ክኸውን ኣለዎ። ሓፋሽ ህዝቢ ንንጡፍ ኩሉ መዳያዊ ተሳታፍነት ዕድል ኽኽፈተሉ ኔሩዎ፣ ሓፋሽ ህዝቢ ሪቕ ናይ ኩሉ ዕቑር ጸጋታት ስለዝኾነ፣ ዕድል ሂብናዮ እንተንኸውን፣ ብናተይ ኣራኣእያ ኣብ ከም ሰንሰለት እናተታሓሓዘ ዝኽይድ ደረቱ ዝሓለፈ ብድሆን፣ ቀጻሊ ሽግርን፣ ማሕንቖታትን ኣይምኣተናን። እዚ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ፣ ፖሊቲካዊ ኣራኣእይኡ ብዘየገድስ፣ ንኤርትራ ዝሓሊ ምዃኑ ምርሳዕ፣ ወይ ክትርዳእ ዘይምድላይ ወይውን ዘይምፍታን፣ ዘምጸኦ ግጉይ ኣታሓሳስባ እውን ስለ ዝነበረን ዝሎን እዩ። ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ፖለቲካዊ መትከሉን ኣራኣእያኡን ብዘየገድስ ሃገራዊ እዩ፣ ንሃገሩን መረበቱን ካብ ኩሉ ንላዕሊ ይሓልን ይሕልውን፣ ይፈቱን ምዃኑ ክርሳዕን ክውገንን የብሉን። ኣብ ካለኦት ሃገራት ብኸምዚ ናይ ኤርትራ ዝሓለፋ ብሓንቲ እምኒ ክልተ ሽቶታት እንዳወቕዓ ኢየን በጺሔንኦ። ኣብነተን ንከተል። ከም ባዓል ጀርመን፣ ሲንጋፖር፣ ኮረያ፣ ሊባኖስ፣ ወዘተ ህልዋት ምሰክር ኢየን። ሎምስ ኣብ ኩለን ዝምዕብላ ዘለዋ ሃገራት እኳ እቲ መንግስታዊ ምሕደራአን ብመሳልል ምሕደራዊ ማሕውራቱ ኣቢሉ ዓርሞሸሽ ደፋኢ ሓይሊንምዕባለ ኮይኑ የገልግለን ኣሎ። እዚ ማለት ካብ ሃገራዊ ባይቶ ጀሚሩ፣ ካቢነ ምኒስተራት እንዳበለ ስጋብ እቲ ዝተሓት ኮማዊ መንግስታዊ ምሕደራ ብግሉጽ ብመራኸቢ ሓፋሽ በቲ ዝግባእ መንገዲን ዲሞክራሲያዊ ኣገባብን ተግባራቱን ውጥናቱን ብዕሊ ንሓፋሽ የፍልጥ ይትንትን፣ ይገልጽን ከምኡ’ውን ምኽሪ ካብ ሓፋሽ ይሓትትን እጃም ሓፋሽ ይጽበን ኣሎ። እዚ ልሙድ ተርእዮ እንዳኾነ እዩ ዝኸይድ ዘሎ ኣብ ብዙሓት ቅልጡፍ ምዕባለ ብቀጻሊ ዘመዝግባ ዘለዋ ሃገራት። ንሕናውን በቲ ባህልናን፣ ያታናን ክብርታትናን ተሓጊዝና ክንገብሮ ክንክእል ኔሩና ሕጂውን ክንገብሮ ኣለና። ታሪኽናን ቅርስታትናን ያታዊ ዲሞክራሲያዊ ኣገባብናን ነባሪ ምስክር እዩ ኣይንጉሰዮ። ኣብዚ ዘለናዩ ጎደቦ ኣንተርኢና፣ ከምቲ ስነ ጥበባዊ በረኸት መንግስተእብ ኣብ ሓደ ቃለ መሕትት ፣ “ንኻለኦት ዘውረስናዮም ካባና ካብ ሰሜን ንደቡን ዝኸዱ እምበር ናባና ዝመጽኡስ ዳርጋ የለውን” ዝበሎ፣ ታሪኽ መስካሪ እዩ፣ ንኹራዓሉ ንርባሓሉን ድኣምበር ኣይህሰስ ድርዒን ሕላገተን ናይ ህዝቢ ርእሰ ተኣማንነት እዩ።
ሎሚ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ኢና ንነብር ዘሎና። እዛ ዓለም ብፈጣን ዳናሚካዊ መስርሕ ትሓልፍ ኣላ። ሱር በተኽ ተክኖሎጂካዊ ምዕባለ ወርሓዊ ተርእዮ ኢዩ ዝኸውን ዘሎ። ዓለምና ኣዝያ ትጸብብ ኣላ። ህዝቢ ኣብ ወሳኒ ጉዳይ ሃገሩ ብዝለዓለ እጃም ተኻፋሊ ክኽውን ርሒብ (ገፊሕ) ኣፍደገ ወይ ማዕጾ ክኽፈተሉ ኣለዎ። ካብዚ ወጻኢ ዘሎ ምሕደራን ኣካያይዳን ውጺኢቱ ዝሕቱል ይኸውን። እዚ ድማ ምኽንያት ናይ ዘይተኣደነ ህዝባዊ ፍልጠትን ኣስተዋጻኦን ምኽሳር ኣዩ ዝኸውን። ሃገራዊ ልምሰት ድማ የስዕብ። ብፍላይ ኣብ ዝተፋላለያ ሃገራት ኣብ ስደት ዘሎ ህዝብና ካብቲ ዝነብረሉ ከባቢ ተጠቒሙ ኣብ ኤርትራ ማሉን (ገንዘቡ) ተኽእሎኡን ከዋፍርን፣ ብገፊሕ ኣስተዋጽኦ ክገብርን ነባ በሎም ንኢታይ በለን ከይበልና ዕድላት ንኽፈተሉ፣ እወ ተቢዕና ንሕናን ንሶምን ከይበልናን ቁስልና ከይሓኸኽናን። እወ ከም ደቂ ሃገር ሓንጎፋይ ኢልና፣ ዕድላት ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ንኽፈተሉ ንኹሉ።  እወ ንጽዓረሉ፣ ሰሓቢ ሃዋሁው ንፈጠረሉንስ። ኣቤት ክንደይኮን ምረብሔት እዛ ዓደቦና ኤርትራ። እቲ ዝነበረና ብልጫታትና እውን ነበረያ ነበረ ከይከድ ምስተጠቐምናሉ። ንህዝብና ምቹእ ባይታ እንዶ እደንፍጠረሉ። ኣብ ዓመት ሚልዮናት ዘይኮነ ቢልዮናት ርእሰ-ማል ናብ ኤርትራ ምውሓዘ ኔሩ። ብፍላይ ኣብ ደገ ዘሎ ዓቢ ክፋል ህዝብና ካብታ ዝረኽባ ሓንቲ ዶላር፣ ፍርቃ ናብ ኤርትራ ሰዲዱ መዋፈራ። ብሕታዊ ትካልና እውን ብተዓጻጻፍነት ምደንፈዐ። ህዝብና እውን መሃዝን ቀጻልን ሃገራዊ ቁጠባ (creative economy) ናይ ምህናጽ ክእለት ብዝበለጸ መጥረየ። ኣብዝሓለፋ 28 ዓመታትሲ ካብዚ ዘሎ ብዝበለጸ፣ ክንደይ ህንጻ ምስተሃንጸ? ክንደይ ትካላት ምስተተኽለ? ክንደይ ትማላላኢ፣ ተታሓሓዚ ቁጠባዊ ምዕባለ ምስተራእየ? ክንደይ ሆቴላትን ናይ ቱሪዝም ትካላት (ናይ በጻሕቲ ሃገር መስሕብ) ምስተጣየሰ? ክንደይ ብቁዕ ኣብያተ ትምህርትታትን ሞያዊ መሰልጠኒ ውልቃውያን ትካላት ምስተመስረተ። ክንደይ መንእሰያት ሰብ ዋኒን ወይ ወነንቲ ትካል (national entrepreneurs) ምስተጫጭሑ? ክንደይ መንእሰያትና ተእምር ምሰርሑ? እዚ ኩሉ ከሎስ ቁርብ ቁራቦ ወርቂን በሩርን ክንረክብስ ጐዳጉዲ ምኹዓትን ከባቢያዊ ብከላ ምፍጣርዶ ምሓሸና (environmental degradation due to mining residuals)። ንሕሰበሉ ድኣ። ንህዝቢ ኤርትራ ንፈቱን ንሓዋሩ ነቲ መንእሰይ ወለዶ ንሓስብ እንተድኣ ኮይና፣ ነቲ ዘይንቡር ናብ ንቡር ንኽንመልሶ ድኣ ንጽዓር እምበር ከም ኣብ ንእሽቶይ ጥርሙስ ዝኣተው ዓሳ ፈንጠርጠር ምባል ውዒሉ ሓዲሩ ጎዳእን ኣብራስን ምኻኑ ንፍለጦ።
ናይ መዋእል ዓንኬል ዳናሚካዊ መስርሕ (life cycle dynamic process) ኣብ ኩሉ ኣሎ። ግድነታዊ ኢዩ ድማ። ስለዚ ግድን እቲ ዝኣረገ ብሓድሽ ክትካእ፣ እቲ ዝሓመቐ ብዝሓሸ ክቕየር፣ እቲ ኣብቲ ግዜኡ ኣድማዕን ብቑዕን ዝነበረ ድማ በቲ ናይ ሕጂ ወድዓዊ ኩነታት ዝጠልቦ ክቕየርን ክመሓየሽን ዘይገሃስ ናይ ተፈጥሮኣዊ ዲያለክቲካዊ ሕጊ ኢዩ ። ዘይቅየር ተሞክሮና እንዳበልካ ካብ ምስ ዘይተርፍ ተፈጥሮኣዊ ናይ ለውጢ ሕግታት ምግጫውን ኣብ ነብስና፣ ህዝብናን ሃገርናን ብቐሊሉ ዘይሓውን ዘይጠፍእን ጉድኣት ካብ ምምጻእ በሰላ ካብ ምግዳፍን ዝሓሸ እንተገበርና ይምረጽ። ተፈጥሮ ሃጓፍ ኣይጻወርን እዩ ኣንታይ ድኣ ካብ ዘምጸኤ ኣምጺኡ ይመልኦ ዝባሃል ሓቂ ኣሎ። ሕጂ ድማ ንህዝና ሰፊሕ ተኽእሎን ዕድልን ሂብና ነቲ ሃጓፍና ንምላኣዮ። ነቲ ብሕታዊ ቁጠባዊ ጽላትና ነተን ንእሽቱን ስድራቤታዊ ትካላትን ኣንዳ ኣማዕበላና ዘቤታዊ ተኽእሎናን ጸጋታትናን ንዕቢ። ድሕራይ ከምቲ ኣብ ኩለን ሃገራት ክግበር ዝድለ፣ ኣጋይሽና (ናብ ዓድና ቁጠባዊን ሞያውን ወፍሪ ክገብሩ ዝመጹ) ድማ በቲ ሕግታትና ስርዓትናን ዝጠልቦ መቓን ንቕበል።  ነዚ ንኽንገብር ኣንተ ዘይኪእልና ወይውን እንተዳናጒናን ግና  ኣቲ ኣማራጺ ፍሉጥ እዩ። ጊልያን ካላእይ ዜጋን ኣብ ገዛእ ዓድካ ምዃን እዩ። ግን ንለባም ኣምተሉ ኣበይ ከይስሕቶ፣ ንዓሻ ኣንቃሓዮ ንኽፈልጦ ከምዝባሃል ንሕሰበሉ ድኣ።
በቲ ተባዕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰል ርእሰ ውሳኔ፣ ኤርትራ ነጻ ካብ እትኽውን እነሆ 28 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ብመንጽር ብምሉእ ሓይሉ ብናይ መንኮርኮር ፈጣን ምዕባለ ንዝምርሽ መንግስትን ህዝብን ሃገርን፣ 28 ዓመታት ቀሊል ኣይኮነን። ብዙሕ ኣድማዒ ስራሕ ክስርሓሉ ይካኣል ኢዩ ወላ ምስቶም ዘለዊ ብድሆታትውን እንተኾነ። እኹላትን ውድዓውያንን ዝኾኑ ተሞኩሮታት ኣብዛ ዓለምና ኣለው። ንሶም ክዕወትሉ ዝኸኣሉ ድማ በተእምር ዘይኮነስ ብዝሓንጸጽዎን ብዘማሓደርዎን ብዘተግበርዎን ወፍርታትን፣ ነቲ ዘለዎም ዓቕምን ትሕዝቶን ጸጋታትን በቲ ዝለዓለ ብቕዓት ሰለ ዝተጠቕምሉን ኢዩ። ብፍላይ ብዝላዓለን ዝማዕበለን ዓቐን ንህዝቦም ነንሕድሕዱ ከም ዝማሃሃርን ከም ዝስልጥንን ስለ ዝገበሩ እውን ኢዩ። ከምኡውን ንጡፍ ናይ ሓፋሽ ተሳታፍነት ኣብ ኩሉ መዳያዊ ዕማማት ስለ ዘውሓሱ እዩ። ነቲ ናይ መንእሰይ ወለዶ ዓቕሚ ንምዕባይ እውን ብዙሕ ጻዕርን ሰብኣዊ ወፍርን ስለ ዝገበሩ ኢዩ። ካብ ኩሉ ብዝበለጸ ድማ ንቐጻሊ ቁጠባዊ ዕብየትን ምዕባለን ኣገዳስነት ናይ ናኣሽቱን ስድራ-ቤታውያን ትካላት ዕዙዝን ልዑልን ኣተኩሮ ሂቦም ስለ ዝሰርሑሉን ዝተዓውትሉን ኢዩ። እተን ንኣሽቱን ስድራ-ቤታውያንን ትካላት ኣብ ዝለዓለ ብርኪ በጺሔንስ መለለዪ ኣንዱስትራያዊ ሓያልነት ናይዘን ተዓወቲ ሃገራት ኣብ ምዃን በጺሔን ገናውን ይበጽሓ ኣለዋ።
መደምደምታ
ኣብ መደምደምታ ክብሎ ዝደልን፣ነዞም ክቡራት ኣማሓደርትና ድማ ብትሕትናን ከዘኻኽሮም ዝፍትን ድማ፣ ሓፋሽ በቲ ዝድለ ስፍሓትን ዕምቈትን ዘየሳተፈ መንግስታዊ ምሕደራ ብዙሕ ናይ ሃገር ምዕባለ ዝሕትልናን ጉድኣትን ከምዘምጽእ ኢዩ። ዓይኒ ሓፋሽ ህዝቢ ዓይኒ ምስሪ (ኢግል) ኢዩ። ልቢ ህዝቢ ካብ መዓሙቕ ውቅያኖስ ይስፍሕ። ፍልጠትን ብስለትን ሓፋሽ ህዝቢ ሪቕ ኢዩ ከም ማይ ባሕሪ ደረት ኣልቦ። ነዚ ጎስዮም ንሕና ዝበልናኩም ግበሩ። ኣታ ወርቃዊ መፍትሕ ኣብ ኢድና እያ ዘላ፣ ዝብል ሕመረት መሪሕነት መንግስቲ ከም ኣብ ሑጻ ዝተሃንጸ መንበሪ ገዛ ኢዩ። ሓፋሽ ኣሳታፊ ዝኾነ ስትራተጂካዊን፣ ሓይለ ዕማማዊ ከምኡውን ግብራዊ ዝኾነ መንግስታዊ ምሕደራ ኣድላዪ ጥራይ ዘይኮነስ ግድነታዊ ኢዩ። ክልተ ምርጫታት ኢየን ኣብ ቅድሜና ተገቲረን ዘለዋ። እዚአን ድማ፡- ወይ ነቲ ዝመጽእ ወለዶ ዝጠቅም ስራሕን ተመኩሮን ገዲፍካ ምሕላፍ ወይ ድማ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ዝሕመረቱ ሕማቕን ሃሳይን ሓድጊ ምግዳፍ። ንህዝቡ ይሓልን ይፈቱን ዝብል መንግስታዊ ምሕደራ ነታ ቀዳመይቲ ምርጫ ኢዩ ዝደሊ። ግን ድልየትን ክውንነትን ነንበይኖም ክኾኑ የብሎምን። ክሳነዩ ኣለዎም። እዞም ክቡራት ኣማሓደርትና ነዚ ብዕቱብ ክሓስቡሉ እላበዎም። ተስፋይን ምንዮተይ ድማ ምእንቲ እቲ መንእሰይ ወለዶ እቲ ዘይንቡር ናብ ንቡር ክምለስ ከምዘለዎ እዩ። ሃገርን ህዝብን ምፍታው ድማ በዚ ዕቱብነት ኢዩ ዝምዘን።
መታሓሳሰቢ፥
ገለ ካብዚ ጽሑፍዚ ካብቲ ወድና ነፍሲሄር ዮሓንስ መንግስተኣብ (08.11.1992 -10.09.2015) ካብቲ ብ “ዳግማይ ንኽፍጠር እቲ ነብሪ፣ ድግማ ዕውት ማሕበረ ቑጠባዊ ምዕባለ ሲንጋፖር ኣብ ኤርትራ”፣ ብዝብል ኣርእስቲ ካብ ዝተጽሕፈ ናይ ኣካዳሚያዊ ምርምር ጽሑፍ ዝተወስደ እዩ። ብሰላም ይዕረፍ፣ ክብርን ምስጋናን ይኹኖ ኣብቲ ንእስነቱ ንኤርትራ ሓልዩን ተገዲሱን ነዚ ዘበርከተ። ሓበን ናይ ኤርትራ ስለ ዝኾነ ኩሉጊዜ ኣብ ልብና ኣሎ።
እዚ ጽሑፍ እዚ ድማ ንዝኽሪ ዮሃንስ ወደና ይኹነልና።
ወለዱ ወ’ሮ ጽላት ተስፋዝጊን ዶ/ር መንግስተእብ ተስፋዮሃንስ
ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ
ጥቅምቲ 09, 2019

The pleasant day with my kids

Shared by Mengsteab Tesfayohannes on March 19, 2018
Yes, indeed, oh  let us use the time that we have now
That is the time that is  given to us not to consider below
We need to realize and to be aware that we live only once
We need to remember what we need to do and achieve
Yes something good that can give us the good memory
Here is a young and bright son confronted with the bitter agony
Died at his very young age with a bright future and creative stormy
He left us with sadness stuck like a stamp on our memory
Comeback our son, we love you and love you forever 
Why Why? all these to us weren't you energetic dreamer

I love you Yohannes,
Your Dad,
Prof. Mengsteab

Shared by Mengsteab Tesfayohannes on October 5, 2019

                          ድኻም ንኣሽቱን ስድራ ቤታዊ ትካላትን ዋኒናዊ መሃዝነትን ኣብ ኤርትራ

       ብዶ/ር መንግስተኣብ ተስፋዮሓንስ፡ ዮሃንስ መንግስተኣብ (Nov./08/1992 – Oct./09/2015)

ገለ ካብዚ ጽሑፍዚ ካብቲ ወድና ነፍሲሄር ዮሓንስ መንግስተኣብ (08.11.1992 -10.15.2015) ካብቲ ብ “ዳግማይ ንኽፍጠር እቲ ነብሪ፣ ድግማ ዕውት ማሕበረ ቑጠባዊ ምዕባለ ሲንጋፖር ኣብ ኤርትራ”፣ ብዝብል ኣርእስቲ ካብ ዝተጽሕፈ ናይ ኣካዳሚያዊ ምርምር ጽሑፍ ዝተወስደ እዩ። ብሰላም ይዕረፍ፣ ክብርን ምስጋናን ይኹኖ ኣብቲ ንእስነቱ ንኤርትራ ሓልዩን ተገዲሱን ነዚ ዘበርከተ። ሓበን ናይ ኤርትራ ስለ ዝኾነ ኩሉጊዜ ኣብ ልብና ኣሎ።

እዚ ጽሑፍ እዚ ድማ ንዝኽሪ ዮሃንስ ወደና ይኹነልና።
ወለዱ ወ’ሮ ጽላት ተስፋዝጊን ዶ/ር መንግስተእብ ተስፋዮሃንስ
ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ