ForeverMissed
Large image
Yohannes, today is your birthday, Nov. 8, 2023. Unfortunately, you are not with us physically. But you are always in our hearts and minds. We remember you with emotions and extreme sadness. What can we do? We missed you, which is unbearable for us. We can say only we are just WE ARE LIVING FOR YOU. Our young, no wards will not suffice for us to express our sadness. REST IN A PERFECT PEACE.

ፍቑር ወድና ዮሓንስ። ሎሚ መዓልቲ ሕዳር 8, 2023 ዕለተ ልደትካ እዩ። ወላካ ብኣካል ካባና ካብ ንፈትወካ ስድራ ቤትካ እንተተፈለኻ ኣብ ልብናን መንፈስናን ኣእምሮናን ኩሉጊዜ ምሳና ኢኻ። ዮሃና ንዕለተ ልደትካ ድማ ንብለካ። ዘሕዝን እዩ ድማ። እወ ንዓኻ ክብርን ዝኽርን ምእንቲ ክንህብ ንነብር ኣለና። እወ ንዓኻ ክንዝክር። ዘሕዝን ድማ እዩ። 



Today, November 1, 2023, is ALL SAINTS DAY. This is a Memorial Day honoring and commemorating all our children, sisters, brothers, parents, and other friends and good wishes who passed away from this complex earthly life. Let the Lord Jesus Christ bless their souls. 
Our beloved son YOHANNES, we, your parents, sisters, extended families and friends living in all places, honoring and remembering you. You are always in our hearts and minds. Rest in perfect peace.

November 1, 2023


ሎሚ
መዓልቲ ሕዳር 1, 2023, ዝኽሪ ኩሉም ካብዛ ዓለም ዝሓለፉ ነብሲሄራት ደቅና፣ ኣሓትና፣ ኣሕዋትና፣ ወለድናን ካሎኦት ፈትውትናን ንኹሎም ብልብናን ብሕልናን ንዝክረሉ ቅዱስ መዓልቲ እዩ። ወድና ዮሓንስ ድማ ብልብና፣ ሕልናናን ንዝክረና ኣልአን ንሕና በተሰብካን ፈተውትኻን፥

እዴኻ ኣቦኻ ኣሓትካን ኩሉ ቤተሰብካን
ሕዳር
1, 2023






ፍቑርን ንፉዕን ወድና ዮሃንስ እነሆ ኣብዚ መበል ሽሙናይ ዕመተ ዕረፍትኻ ንዝክረካ ኣሎና ብዝተሰብረ ሕልናን ልብን። እንታይ እሞ ዓቢ ጉድኣት ናይ ኣእምሮ ኮይኑና። እንታይ ከም እንገብር እንድዒ። ግን ከምቲ ንጉስ ዳዊት ዝበሎ። ንዓኻ ክንዝክርን we are living for you ንነብር ኣሎና። 

Yohannes, we remember the 8th year of your passing with sorrow and broken heart. Indeed we are living for you. It is very sad, The sadness will remain with us. Gone to soon.

Your Mom. Tselat, your Dad, Mengsteab, Your sisters Harerta and Ruth.
10/08/2023
ንዝኽሪ 10/09/2015
እንቲ ዓደቦ ኤርትራ ሽኮርዶ ክብለኪ
ክም ጽብቕቲ መርዓት ኩሉ ዝብህገኪ
ህርኩትን ሕያዋይን ህዝቢ ዝተዓደልኪ
በቲ ጥዑም ክሊማኺ ኩሉ ዝትምነየኪ
እንታይክ ዘይሳኣኖ እቲ ባሕርኺ መሬትኪ
ወርቂ፣ ብሩር፣ ዘይቲ፣ ምስቲ እምነበረድኪ
ክንደይ ኢልካ ክጽብጸብ እቲ ዕቑር ጽጋኺ
መጸለሊ እንዶ ኮይኑ ንኹሉ ኣማዕድዩ ዝርእየኪ
ማናዳ ምናዳ እቲ ሓየትን ሕያዋይን ህዝብኺ 
ከይተማህረ ዝተማህረ እዩ ዘህጥር ንያትኪ
ላምን ቅሳነትን፣ ራህዋን ምዕባለን ንዓኺ
ክንርእየኪ ንደሊ ከምተን ኣናብር ዓለም ኮንኪ
ሰላምን ሕወነትን ይፈጠር ኣብ ሞንጎ ድቅኺ
ካብኡ ርሒቑውን ምስቶም ኣህዛብ ጎረባብቲኺ
ይርሓሰና ይርሓሰና ንበል ኩሉና ሰሰናዩ ንዓኺ
ዓዲ ጀጋኑን ሓየታትን ኢኺ ብኹለንትናኺ
ኣሎውና ኣለዋና ደቂ ዓደቦ ንሕና ተስፋኺ
ንናይ ቀትሪ ኣዛብእ ኣይንህብን ብፍጹም ንዓኺ
መዓር ጭደናይ ኮይኮንኪ ብምዕባለ ኣብቲ ዞናኺ
መንግስተኣብ 
ንመዘከርታ 10/09/2015
10/8/2023

YOHANNES, DURING THIS HOLIDAY SEASON AND THE COMING NEW YEAR 2023 YOU ARE WITH US IN OUR HEARTS AND MINDS. YEAR GOES AND ANOTHER YEAR COMES, YOU ARE WITH US FOREVER AND EVER. REST IN PEACE. 
YOUR MOM, DAD, SISTERS, AND EXTENDED FAMILY MEMBERS
Mengsteab
12/23/2022



12/11/2022
እታ መዓልቲ እቲኣ ዝኸፍኤት ኣብ መዋእል ህይወተይ
ንዓኻ ክስእን ዝገበረት እታ መዓልቲ ክረግማ ብልበይ
ጸዊዔካ ኣለኹ ኣይበልካንን ኣበይ ኬድካ ኣንታ ወደይ
በቃ እንደገና ኣይርእየካን ማለትድዩ ብቆላሕታ ብዓይነይ
መንፍዓትካ መዚነ ኣዝዩ ዓቢ እዩ ኔሩ እቲ ትምኒተይ
እንታይዩ ኮንዩ እቲ ዝደልዮን ዝሓልሞን ዘይበርክተለይ
ንኡስ እንዲኻ ብኸምዚ ክትፍለየኒ ሕመረት ድልየተይ
ንዓ ግደፍ ኣይፋልካን ካብይ ኣይትፈለ ካብ ጎድነይ
ዕውት ሂወትካ ንቕድሚት እንድዩ ኔሩ ክብርክተለይ
ክጽዋዓካ እየ ክነብር ኣቤት በለኒ ሰሚዒኻ ጻውዕተይ
እንታይ እየ ዝገብሮ ሓርቢቱኒ እኮ ንዓኻ ብምስኣነይ
ምስሕልናይ ይበኣስ ኣለኹ ሓርቢቱኒ ኣብ ሂወተይ
ክጽዋኻ ክዳሃየካ ኣቤት እባ በለኒ ደብሶ ንሕላናይ
ንዓ ግደፍ ተመለሰኒ እባ ነዚ ዝተጎድኤ ሕልናይ
ዮሃንስ ጸዊዔካ እባ ኣቤት በለኒ ክቐስን መንፈሰይ
ብዙሕ እንድዩ ኔሩኒ ምሳኻ ዝሰርሖ ንዓኻ ንብሉጸይ
ስለምንታይ ንዓኻ ስኢነ ሕቆይ ክስበር ጨንኪንካለይ
 
ዝፈትውኻ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣሕዋትካን።
መንግስተኣብን ጽላትን ሃረርታን ሩታን።
12/11/2022

እነሆ ንፍቑር ዮሃንስ ወድና መበል ሻቡዓይ (10/09/2022) ዕለተ ዕረፍቱ ብሓዘን ንዝክሮ ኣለና። ዝኽርናን፣ ሓዘናን ይሕደሰና ኣሎ። ከምዚ ምኾነ ኔሩ እዚ ወድና እናበልና ነቲ መንፋዓትካ እናዘከርናን እንዳሓዘናን ነዛ ኣጸጋሚት ዕለተ ሕልፈትካ ንዝክር ኣለና። ዮሓንስ ኩሉ ጊዜ ኣብ ልብና ኣለኻ። እነሆ ካብ እትፈለየና ሸውዓተ ኣሕዘንቲ ዓመታት ሓሊፈን። ኩሉ ጊዜ ምሳና ትነብር ኣለኻ። ንኹልና በቀጻሊ ኣብ ልብናን ሓንጎልና ኣለኻ። እንታይ እሞ ክንገብር። እምላኽ ፈቒዱዎ። ንሕና ድኹማት ደቂ ኣዳም ንገብሮ ነገር የልቦን። እቲ ሓዘን ምኽእሉ ስኢናዮ። 
ሃቦም እግዚኦ ዕረፍቲ ዘለኣለም ኣብራሃሎም ብርሃን ዘላእለም።


We remember our beloved son Yohannes. Next Oct. 9, 2022, will be the sad day of his passing. This is the 7th year of his passing. Yohannes, you are fresh in our hearts and minds. RIP. You are always in our hearts and minds until we come to you. Very sad indeed.
Your parents
Mom Tselat and Dad  Mengsteab 

ኣድምዕ፣ ተፈላሰፍ ነቲ ሕቡእ ፋሕትር
ንመበል ሻቡዓይ ዓመተ ዕረፍቲ ወድና ዮሓንስ መንግስተኣብ መዘከርያ ዝተወፈየት
10/07/2022
ኣየ ወዲ ሰብ ክበልሕ ክህርኩትን ሓያልን እዩ ብተፈጥሮ
ዝውንንዩ ብሉጽ ክእለት ወ ፍልጠት ምስ መሃዝነት ተመኩሮ
ውጥነሉን፣ ክሰርሓሉን ከፍርየሉን፣ ከድማዓሉን ኣብዝተዋፈሮ
እወ በቲ ኩሉ ተኽእሎ ስነፍልጠት ስነ ቁጠባ ምስ ስነ ኣእምሮ
ብቕጻሊ ይባላሓት ይምህዝ ይሓስብ ንኹሉ ዝደልዮ ንመነባቦሮ

 ዮሓንስ ፍቑር ወድና

ጥበበኛ ኢኻ ኔርካ ትእምት ትትልም፣ ተተግብር ብብቕዓት
ብዕቱብ ዋሳእ፣ ትነጥፍ፣ ትኽእል በቲ ዝድለ ጥርኑፍ ኣላይነት
ትምራሕ ብኹሉ መዳያዊ ኣምርን ኣድላይነትን ምስ ኣድማዕነት
ምህርትኻ ይስስን፣ ይጽብቕ፣ ይሕይል፣ ይበዝሕ ብኹሉ መኣዝናት
ፍረ ጻዕራ ክትረክብ፣ ክሓፍስ ብሉጽ ውጽኢት ከተምጽእ ብኻዕበት
እንታይ እሞ ኩምትር በልና ገዲፍካና ኬድካ በርቲዑ ሓዘና ብትረት
ዮሓንስ ወናኒ ልዑል ፍልስፍና እኻ ኔርካ ከም በዓል ድርብ ብልሒ
እወ ምእንቲ ክትኮነልና  ናይ ምዕባለ ኣንፈት ሓባሪ ቀላሲ መራሒ
ብምኽሪ ብኣእምሮን ብጥበብን ትላፈን ምስ ናይ ምህዞ መሳርሒ
ምስቲ ዘዋደድካዮ ምህዞ ብሉጽ ናውቲ ማእቶት ንክኸውን ተረባሒ
ሓንጎልካ ሪቕ ናይ ዕቑር ጸጋታት እዩ ኔሩ ንምዕባለ ሃንዳሲ ሰራሒ
ሕፍንቲ እኳ ዘይተላዕሎ ነቲ ዓርሞሸሽ ዝተዓደሎ ባህርያዊ ብልሒ
ብቐጻሊ ትሰርሕ ትጽዕር ትምሃዝ ህርኩት ኔርካ ንምዕባለ ከምዝነብር
ከይዘንጋዕካ ነባሪ ኣስተዋጽኦ ብኣፍራይነት ንኹሉ ብዘሕጉስ ክትገብር
ኢሎም መኺሮም ህርኩታት ጀርመናውያን ንሕጊ ተፈጥሮ ብዘነጽር
ነቶም መሃዝቲ  ጻዕረኛታት ከተርክብ ከም ኣብነት ጽዒሩ ዝነብር
ለባምን ኪኖ ሓጹር ዘሕስብ ናይ መኩሮ ብሂል እዩ ሕልና ዘህጥር
ምዕባለ ቀጻሊ ምዃኑ ብፍላይ ዝእምት፣ ዝገልጽ ከምኡውን ዘዘኻክር
እወ ከተውጸኦ ጀሚርካ ኔርካ ብዝድለ ናብ ኩሉ ዓውሎማዊ ቅርዓት
ነቲ ብባህርያዊ ዝተዓደልካዮ ናትካ ዝምዘን ዘይተኣደነ ዓርሞሸሽ ብቕዓት
እይንድከ፣ ኣይንደቁር፣ ኣይንጥመ፣ ንጠቐመሉ ነቲ ዘለና ዕቁር ፍልጠት
መኺርካ ኢኻ ኩልና ደቂ ሰባት ብሰፊሑ ስለ እንውንን ሰፊሕ ዓቕምታት
ንጠቐመሉ ድኣ ኢልካ ናብራና ክማሓየሽ ጥዕናና ክሕሎ በቲ ዝድለ ብልሓት
ብፍላይ ነቶም ሰብ ጸጋ ናይ ጽባሕ ተስፋ ሃገርኩም ዝኾንኩም መንእሰያት
ገዲፍካና ኬድካ ከይትኸውን ካብቶም ናይ ጽባሕ ኣማሓደርቲ ኣፍረይቲ

ከይትኽውን ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ህቡባትን ብቑዓትን ሃገር ተረከብቲ

ግን መኺርካ ኢኻ መንእሰያት ክርብሑሉ ኽኸሰብሉ ነቲ ዕቑር ሃብቲ
እወ ነቲ ዘለዎም እንደግና ዘይርከብ ወርቃዊ ጊዜ  ክትኮኑ ተዓውቲ
ሃየ ክሰቡላ ትሓልፍ ኣላ እታ ዳግም ዘይትርከብ ጊዜ ሓባራዊት ሃብቲ
እወ እታ ቂም ቂም ትብል ካልኢት፣ እታ ደቒቕ እታ ሰዓት ወ መዓልቲ
ኣይትኽዘን ኣይትወድቕ ኣይትጸንሕ ኣይትጽበ ትሓልፍ ዘላ ጊዜ ክብርቲ

ከም እቲ ዮሓንስ ዝመኸሮ

ሉና ዝምልከተና ከምኡውን ክእለት ዘለና ወለዲ ምስ ሃገር እነማሓድር
ነወንዝፎ ጉዳይ ኣይኮነን ዓቢ ሓላፍነትን ሕድርን ኣለና ዝግባእ ክንገብር
ብዕቱብ  ተረዲእናን ነቒሕናን  መንእሰይ ምዃኑ ናይ ጽባሕ ተረካብ ሃገር
ንሓግዞም ድኣ ብኹሉ ዓቕምና በቲ ዝድለ ክስልጥን፣ ክረብሕ፣ ክዕንትር
ብብቕዓትን ብኽእለት ብፍልጠት ብሞያን ተኽእሎ ወኒኑ ሃጢሩ ክነብር
በቲ ዝድለን ብዕቱብን ክኽሸን ክዳሎ ስነ ፍልጠታዊ ተኽእሎ ክዓትር
ብጽፉፍ ብስሉጥ ክጥቀም ካብ ብቐጻሊ ዝውሕዝ ዓውሎማዊ መስተንክር
ነበርክት ኩሉና ብዝግባእ ሃገርክትስልጥን ክትሕምበብ ክትህብትም
እወ ዜጋ ቋደስ፣ ካብቲ ዓውሎማዊ መኽዘን ፍልጠት ንኹሉ ብዝጥዕም
እወ ሓፋሽ ምስዘበርክትን ዝነጥፍ ብምሉእ ሓይሉ ንሽግር ምስ ዝገጥም
ምዕባለ ሃገር ይሕምበብ፣ ይቕጽል፣ ይስውድ፣ የድምዕ ብዘሕጉስ ንለባም
ንንቃሓሉ ናይ ነፍሲወከፍ ዜጋ ኣስተዋጽኦን ኣበርክቶን ዩ ንሃገር ዘህብትም
ባሃማት ኣይንኹን ንፍለጦ ድኣ ሓፋሽ እዩ ዝፈጥር ናይ ህዝብን ሃገርን ብቕዓት
ንሓፋሽ ነማዕብሎ ነበግሶ ነተሓባብሮ ንጽዓረሉ ነተባባዓዮ ንኸርእየና ተኣምራት
ሃገርን ህዝብን ክስልጥኑ ክውደሱ ነበር ክኽውን ድኽነት ከም ኣብነት ዕውታት
ክንከውን ኣብነታውያን ከምቶም ኣናብር ምብራቕ ኤስያ ብኹሉ ውሕሉላት
እወ ኣይንኽሰሮ እቲ ዘይተኣደነ ናይ ወዲ ሰብ ፍልጠት፣ ዓቕሚ ምስ ብልሓት

ዶ/ር  መንግስተኣብ ተስፋዮሃንስ
ንዝኽሪ ሻቡዓይ ዓመተ ዕረፍቱ ንፍቑር ወድና ዮሓንስ መንግስተኣብ
10/07/2022


ንቕንዕና ኢለ ንነብሰይ ሰዊኤ

ይትረፈኒ እምበር እቲ ዘወናውን ትምኒተይ
ኣነስ ክነብር ኣይደልን ዛዊነ ብሉቕምጽናይ
ኣይገድፋን እታ ማዕበያይ ዝኾነት ቅንዕናይ
እንታይ ገደሰኒ ብቁጽሪ ንዘይተወሰነ ዕድመ
ክነብር ኣይደልን ብኣቋራጭ ዓሚጸ ቀዲመ
እጸላእ እምበር ካብ ዝኸውን ብበለጽ ዝቐደመ
ናይ በላዒ ከብደይ ረሲዔ ንሕልናይ ተገዚኤ
ዓሻ እንተበሉኒ ደሓን ይንበር ንሓቅነት ተገዚኤ
ፍቕሪ ህዝብኻ እዩ ካብ ውሽጢ ብደገ ዘይረኤ
ልቢ እኮ ይቐርብ፣ የሕጉስ ካብ ናይ ስርቂ ጁባ
እታ ትድለስ መስዋእቲ ከፊልካ ንሓቂ ምዕቃባ
ከመይ ጌርካ ክንበር  ከይለበስካ ናይ ሓቂ ካባ
ሕሰቡዎሞ ብኸመይ ክንበር ንህዝቢ ኣታሊልካ
ንሕጂ ንምኽሳብ ኣበይ ክትበጽሕ ኣታሊልካ
ይባሃል ድዩ ይርሓሰና ዓይንኻ ብጨው ሓጺብካ
ጉዶም ንርኢ ኣለና ናይዞም ሰብ በላዕቲ ክልተ ስጋ
ይትረፈኒ ብኸብደይ ካብ ዝልውጥ ናይ ሕልናይ ዋጋ
ኣይመርጽን ኣይቅበሎን ንህዝቢ ከውርድ ናብ ዕዳጋ


ኣጆኻ ጽናዕ
መዓልትኻ ኣዝዩ ክነውሓካን ክመረካን ከሎ
እታ ለይቲ እውን ትመጽእ ግድን ክትቅጽሎ  
ግን ጠጠው በል ጽናሕ ድኣ በድሃዮ ብተሎ
ሂወታዊ መስርሕ እዩ ርዒምካ ድኣ ተቐበሎ
ሃየ በዳሂ እዩ ሂይወት ንናብራኻ ኣይትኽሰሮ
ናበይ ደሊኻ ንቓሕ ፍለጦ ከምኡ እዩ መነባብሮ
ናብራ ይብድህ የጨንቕ ይጎድእ እዩ ንዝመረሮ
ብብልሓት ግጠሞ፣ብትሪ በድሃዮ ሽግር ንክትስዕሮ
ዓለማዊ ናብራ ሰፊሕዩ ንኹሉ ዘእንግድ ዘዋህልል
ኣጽቢቡ ንዝረኣዮ ድቕድቕ ዝበለ ጸልማት ይመስል
ንዘክር ድኣ ድሕሪ ጸልማት ከምዘሎ ብርሃን ጸዳል
ልብና ነትርሮ ንቕሓትና ነበርኽ ክንከውን ጽላል
ወላ ኣዝዩ ርሑቕ ዘይውዳእ ጸልማት እንተመሰለ
ጸገማት ሓላፋይ እዩ ብተስፋን ሓቦን ንዝተመልኤ
በርትዕ መንእሰይ ግበር ዓቕሊብሓቦ ዝተመልኤ
ብዙሕ ብዱል ኣሎ ሕዱር ጸገም ተሰኪሙ ዝኸፍኤ
እንቱም ኣሕዋተይ ደቀይ ጽንዕ በሉ ሓደራ በጃኹም
ሽግር፣ ምረት ንዓኹም ጥራይ ዘጋጥም ከይመስለኩም
ኣብ ኩሉ ሰብ ኣሎ ተቓለስዎ ድኣ ብምሉእ ሓይልኹም
ተቐበሉዎ ብርጋኣት ክትዕወቱ ክብርክት ናብራኹም
እወ ኣእዳው ወስ ወስ ኣይበላ ሓደራ ዘይድለ ንኽገብራ 
ዓወት ኣሎ ድሕሪ ጸግምን መከራን ንግጠሞ ብሓበራ 
ብትብዓት ግጠምዎ ንዝመጽእ ናይ ሂወት እንኪሒራ 
ኣይፋሉን በይንኹም ኣይኮንኩምን ትብድሁ ንናብራ 
ሕሰቡ ኣቱም መንእሰያት በይንኹም ኣይኮንኩምን 
ተስፋ ኣይትቑረጹ ጸገም ንዘለኣለም ነባሪ ኣይኮነን 
ድሕሪ ጸልማት ብርሃን ግድን ኣሎ ኩሉ ዝደልዮ 
ግድነታዊ መስርሕ እዩ ኣይንኽእልን ንሕና ክንጎስዮ  
መተሓሳሰቢ፥ እቲ ንስኻ ዝብል ንኽልቲኡ ጾታ ዝውክል እዩ?

We love you Yohannes, you are always in our hearts and minds.

Your Dad and Mom
september 1. 2022

My beloved son, I am here alone remembering you with agony and sorrow. Why, Why and Why, I miss you.

When your day is long
And the night, the night is yours alone
When you're sure you've had enough
Of this life, well hang on

Don't let yourself go
'Cause everybody cries
Everybody hurts sometimes

Sometimes everything is wrong
Now it's time to sing along

When your day is night alone (hold on, hold on)
If you feel like letting go (hold on)
If you think you've had too much
Of this life, well hang on

'Cause everybody hurts
Take comfort in your friends
Everybody hurts

Don't throw your hand, oh no
Don't throw your hand
If you feel like you're alone

No, no, no, you are not alone

You Dad and Mom
Mengsteab
Sept. 1, 2022

ንስኻ ዮሓንስ ሕያዋይ ፍቑር ወድና

ንብዓትናይዛሪ ኣሎ ንዓኻ ዘኪርና 
እወ ንዓኻ ቆጽሊ ኣውዲቕናልካ ኔርና
ኣይተኻእለን ዮሓንስ ንገብሮ ጠፊእና
ዋእ እሾኽ ዓጋም ኮይኑ ወጊኡና

እንታይ ክንገብር ጸሊም ተቐንቲና

እወ ሰሊዑ እዩኣምላኽ ዝዓደለካ
ኩሉ ዝሃርፍ እዩ ቆጽሊ ኣውዲቑልካ
ንፉዕ በዓል በሊሕ ኣእምሮ ተባሂልካ
እንታይ እሞ ይገበር ገዲፍካና ኬድካ
ንዓኻ ንድሃይ ኣለና ኣለኹ እዩ ዝባሃል
ዓለም ርግምቲ ዓቢ ንእሽቶይ ኣይትብል
ብሉጽ ኾኾባይ እንዲኻ ጽንሕ ዘይትብል
ኔሩካ እንድዩ ዝዕየ ካብ ንኹሉ ዝኾልል
ምኽርኻስ እምበር ስኢናዮ ክንብል ሃረር

ብናይ ሃረርታ መንፈስ ብቐጻሊ ክንብህርር  
ዮሓንስ ውድና ንዓ ምኸረና እንታይ ክንገብር

ክትበልሕ ህርኩት ሓያል ኢኻ ብተፈጥሮ
ፈላጥ እኻ ኔርካ እወ ብዓል ብሩህ እእምሮ
ምልምል መንእሰይ ዘድምዕ ኣብዝተዋፈሮ
ዝተዓደልካ ስነፍልጠት ምስ ስነኣእምሮ
ንሕና ወለድኻ ምስኩሉ ዝፈትወካ ብሕብረት
ንዝክር ንሓስብ ምስ ምስ ሓዘና ብኻዕበት
እንታይ እሞ ንገብሮ ስኢና እቲ ብልሓት 
ንዓኻ ዝመልሰልና ናብቲ ንደልዮ ቕርዓት
ዮሃንስ ወድና ኔርካ በሊሕን ለባምን ንፉዑን 
እወ ኣብ ልብና ኣለኻ ክንትስእን ክንድቅስን
ኣምላክ ኣምበር ሓሩካ እዩ ንሕና ንገብሮ የለን
ዘላኣለማዊ ዕረፍቲ ይግበረልካ ብሩህን ቅዱስን
ኩሎም ቤትሰብና ኣብ ኩሉ ዘለው ይዝክሩኻ ብሕልና
ይብሉ ኣለው ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ይሃቦ ነዚ ወድና።


ዮሃንስ ልባዊ
ንሰናይ ፈታዊ
ፈላጥ ግብራዊ
በሊሕ ተፈታዊ
ንሰብ ተበጃዊ
ናበይ ድኣ ደሊኻ
ንዓ ድኣ ብሉጽ ኢኻ
ኣካፍል እቲ ፍልጠትካ
እንታይ ተሃዊኽካ

ህርኩት ተበጃዊ
ብጹእ ዘለኣለማዊ።
ፈልፋሊ ዛራ ዕዙዛዊ።
በሊሕ ሓሳባዊ
ፍላስፋ ቀለማዊ።
ግደፍ ግን እንታዊ።
ደሓንዶ ኣለኻ ገዲፍካ ኣለኻ።
ኣብቲ ቅዱስ ስፍራኻ።
ንዝክረካ ፍቑራት ስድራኻ።
ዋእ ሕልናና ኢኻ።
ሰናይ ዕረፍቲ ንኣኻ።




ቑር ዮሓንስ ወድና

ርሑስ በዓል ልደትን ሓዲሽ ዓመትን 2022 ይግበረልና ንኹልና ምሳና ኢኻ ስጋብ ናባኻ ንመጽእ።

ፍቑር ወድና ኣብዚ ናይ ልደትን ሓዲሽ ዓመትን ናይ መበል 2022 ቅንያት ንዓኻ ብምሉእ ልብናን ሕልናና ንዝኽረካ ኣሎና። እዚ ቕንያት እዚ በዓል ልደትስ ሓዲሽ ዓመትን እዩ። ንዓኻ ንዝክረሉ ምሳና ከምዘለኻ ፍጹም ኣብ ልብናን ኣእምሮናን ሓሳብናን ንስኻኣለኻ። ምሳናውን ከም እነብዕለካ ኣለና።

Our beloved and dear son, Yohannes. This is the time we celebrate Christmas and a New Year. With great sadness, we remember you and celebrate this holiday season with you. You are always in our hearts and minds forever. We always believe that you are joining us from the above in heaven.

12/25/2021


ፍጡር ዝባሃል ካብቲ ዝለዓለ ወዲ ሰብ ጀሚሩ ስጋን እቲ ዝነኣሰ ለመምታ ንጽቡቕ ሓማቕን በቲ ዝኹእሎ ኣገባብ የርእየካን የረዳኣካን። እቲ ዘገርም ድማ እቲ ክርዳእ ክሰምዕን፣ ኣይክእልን እዩ ኢልካ ትግምቶ እውን ናቱ ግብረ መልሲ ዝህበሉ ኣገባባት ኣለዎ። እቲ ካብ ኩሉ ኣብሊጹ ነቲ ጽቡቕን ሕማቕን ጥቕሙን ጉድኣቱን ፈሊጡ ኣብ ተግባር ከውዕልን ንጽቡቕ ተግባር ክጥቀመሉ ዝግበኦ ብሰብ ዝፍለጥ ፍጥረት ግን። ነዛ ዓለምና ካብ ነዊሕ ጊዜ ጀሚሩ ተፈታቲኑ ኣብ ሽግርን መከራን ከውድቓን ብኹሉ ዓቕሙ ከባላሽዋን ክጎድእን ይርከብ ኣሎ። ሓደ ኣብነት ንምሃብ ዝኣክል ብዛዕባ ናይ ከባብያዊ ናይ ሓምላይን ተፈጥሮን ጸጋን ትዕድልቲን ኣብ ክንዲ ብጽቡቕ ኣገባብ ምሓዝን ምክንኻንን ነቲ ዝመጽእ ወለዶ ብተገዳስነት ዘኪርካን ሓሲካን ኣብ ክንዲ ምክንኻን ተሓዳሲን ኣብ ክንዲ ምግባር ብወጀሃልነት ተግባር፣ ንነበርታ ፍቑራን ለበዳ እንዳኾነት ከምእትኸይድ ይግበር ኣሎ። ዘሕዝን እዩ።

እቲ ዝበለጸ ድማ ኣብዛ ዓለም ክለኹስ እንታይ ኣስተዋጽኦ ኣበርኪተ ክሓልፍ እዬ ኢልካ ምሕሳብ ዝመስልዎ ነገር የልቦን። ኩሉ ጊዜ ድማ ተዘካሪ ይኸውን። ዮሓንስ ንሕና ወለድኻ ድማ ንኣኻ ስጋብ ካብዛ ዓለም ንፍለ እንታይ ክንገብር ፍቑር ዮሓንስ ወድና ምሳና ኣሎ ኢልና ኩሉ ጊዜ ይሕደሰና። ለካ ብሓቂ ውላድ ውላድ እዩሞ ኣይከማኻን። እንታይ ኮንካ ተሃዊኽካ ኬድካ ኣብቲ ክርስቶስ ዝደለየካ ቦታ። ግን ንብሎ የልቦን ቅዱስ ዕረፍቲ ይግበረልካ እነሆ ብስምካ ጽዋእ ነልዕል ኣለና። ርሑስ በዓል ጊዜ ይግበረልካ ይግበረልና።

It is high time to accept responsibility for taking care of our precious earthly world. God bestowed us this and advised us to protect, take care and promote it using the attained human knowledge. However, greed, machination, and evil acts are powerful impediments. We need to surmount this and promote ourselves to the higher ground.

 

12/22/2021

ForeverMissed Season's Greetings

እነሆ ንፍቑ ወድና ዮሓንስ መንግስተኣብ ንዝክሮ ኣሎና። ካብዛ ዓለም ካብ ዝሓልፍ እነሆ ሻዱሻይ ዓመቱ ኮይኑ ኣሎ። ዮሓንስ ኩሉ ጊዜ ኣብ ልብና ኣለኻ። እንታይሞ ደቂ ሰባት ድኹማት ኢና። ንዓኻ ኢና ንዓና ኢኻ። ስኢናካ። 10-09-2021.
ካብ ወለድኻ
መንግስተኣብ፣ ጽላት፣ ሃረርታ፣ ሩትህ፣ ምስኩሎም ቤተሰብ
12/25/2021


11/08/1992 – 10/09/2015
ዮሃንስ ልባዊ
ንሰናይ ፈታዊ
ፈላጥ ግብራዊ
በሊሕ ተፈታዊ
ንሰብ ተበጃዊ
ናበይ ድኣ ደሊኻ
ንዓ ድኣ ብሉጽ ኢኻ
ኣካፍል እቲ ፍልጠትካ
እንታይ ተሃዊኽካ

ህርኩት ተበጃዊ
ብጹእ ዘለኣለማዊ።
ፈልፋሊ ዛራ ዕዙዛዊ።
በሊሕ ሓሳባዊ
ፍላስፋ ቀለማዊ።
ግደፍ ግን እንታዊ።
ደሓንዶ ኣለኻ ገዲፍካ ኣለኻ።
ኣብቲ ቅዱስ ስፍራኻ።
ንዝክረካ ፍቑራት ስድራኻ።
ዋእ ሕልናና ኢኻ።
ሰናይ ዕረፍቲ ንኣኻ።
ንስለ መበል ሻዱሻይ ዓመተ ዕረፍትኻ ንዝኽርኻ ይኹነልካ። ስድራ ቤትካ ኩሉ ጊዜ ይፈትውኻ እዮም።
ዝፈትወካ ኣቦኻ፣ ኣዴኻ፣ ዝፈትዋኻ ኣሕዋትካን ኩሎም ቤተሰብካ። 
ፕሮፈሶር መንግስተኣብ፣ 

Tomorrow is the 6th memorial year of the passing of our beloved son, Yohannes Mengsteab                                       (11/08/1992 – 10/09/2015) 
WE REMEMBER HIM WITH A DEEP SORROW AND AGONY.  It is deep and deep in our hearts and minds. 
                                               10/08/2021
The sorrow, the sad the deep feeling 
You know, if you realize the bitterness
When it happens to you as a parent
Losing your beloved son or daughter
An insult to the injury what a difficult
Losing the bright in the making why
Why, Why, and Why happened the agony
Yohannes, it is better and colossal sadness
Losing a good one like you is the start in the making.
Very difficult, indeed very difficult to swallow.
The fresh memory will stay with us
We love you, our beloved son Oh, Oh
Rest in perfect, just what can we do

FOR THE 6TH MEMORIAL OF THE PASSING YOHANNES.

Never lose your temper in an argument. If you're right, you don't need to. If you're wrong, you can't afford to."  Yohannes, Mengsteab


FOOD FOR THOUGHT BY YOHANNES MENGSTEAB
ብዛዕባ ናይ ወዲ ሰብ ነጻ ኣታሓሳስባ ኣድላይነት ስጋብ ክንደይ ኣበርካቲ ምዃኑ ገለ ቁሩብ ክብል መፈትኹ። ብፍላይ ፍጡር ወዲ ሰብ ዝባሃል ኩሉ እንተተኻኢሉ ብናይ ነጻ ኣታሓስባ ክግዛእ ኣለዎ። ነዚ ግድነታዊ ዝኾነ ክውንነት ተረዲኡን ኣብኡ ርዒሙን ጥራይ እዩ ናይ ሓሳብን ካልእን ምሉእ ሰብ ዝገብሮ ነጻነት ካብ ምኽባር ሓሊፉ ነቲ ካልእ ዘይተግንዘቦ ውድዓዊ ጠበቓን ባሕረ ናይ ስነ ፍልጠት ኮይኑ ዝቃለስ። ናይ ህዝቢ ብኩሉ መዳያት ነጻ ምዃን ከምኡውን ናይ ተጻዋዋሪን ስልጡንን ነጻ ኣታሓሳስባታት ምስዋር ብሓደ ኣገዛዝኣ ወይ ሓይሊ ዝምጠው (ዝዋሃብ) ዘይኮነስ ባዕሉ ህዝቢ ከምጽኦ ዘለዎ እዩ። እወ ካብ ሓፋሽ ህዝቢ ኩሉ ጸጋታትን ክእለታትን ስለዝምንጩ። ሓደ ውለቀሰብ ኮነ እኩብ (ህዝቢ) ብናይ ባዕሉ (ብውልቁ) ተበግሶ መንነቱ ተገንዚቡ ዝዕወተሉን ዘውሕሰሉን ኮይኑ ንመሃዝነትን ንኻልእ ኩሉ መዳያዊ ናይ ስሉጥን ውጺኢታዊን ሃገር ምህናጽ መስርሕ ዘድሊ ቅድመ ኩነት ንምፍላጥ ህርድግ ዝብል ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ናይ ኣውሮጳ ናይ ሕብረተሰብ ታሪኽ ዘምህረና እንተሎ ድማ ነዚ ቀስ ብቐስ ተረጋጊጹ ብብዙሕ ኣምራት ዝግለጽ ሕጂ ዘሎ ነጻነትን ነጻ ኣታሓሳስባን፣ ተግባራዊ ንክኸውን ብዕቱብን ተጻዕሩሉን ተማሂዙሉን ስለዝኾነ፣ ኣብ ብናይ ሰነፍልጠትን ተክኖሎጅን መሃዝነትን መስርሕ ዝተነድቀን ዝተመስረተን ናይ ቁጠባዊ ዕብየት ክረኤን ክድንፍዕን ዝተኻእለ። ንሕናውን ነቲ ዘይተርፍ ናይ ምዕባለ መንኮርኮ ከይከሓድናን ብሓሳባዊ ስምዒታትን ድልየትን ከይትሰነፍና  ኣብቲ ውድዓዊን ነባራውን ኩነትን ክውንነትን ክንርዕም እንተኪኢልና፣ ካብኡ ዝዓቢ ጸጋ የልቦን።
08/12/2021
Prof. Mengsteab
             
ኣብ መዋእል ዕንኬል ህይወት፣ ግልጹነት፣ እምነት፣ ሓልዮት፣ ርእሰ ተኣማንነት፣ ብቐጻሊ ጸጽቡቑ ካብ ከባቢኻ ምምሃር፣ ብተማላላእነት ንነብስኻን ቤተሰብካን ህዝብኻን ከባቢካን ምምዕባል ይድለ። ትግባረ ድማ ብዙሕ መስዋእቲ እዩ ዝሓትት። ንዕኡ ተዓጢቕካ ምስራሕ። ኣብ ሓዳርካን ናብራኻን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብቲ ከባቢኻን ህዝብኻን ከምዝሰርጽ ኣብ ምግባር እጃምካ ምውፋይ ይጥለብ። እቲ ሕልናዊ ድልየትን ትምኒትን ጥሙሕን ድማ ንወዲ ሰብ  ኣብ ስርሑ፣ ናብርኡ፣ ማሕበራዊ ኣስተዋጽእኡ፣ ወዘተ፣ በብእጃሙ ክታሓጋገዝ ከምዘለዎ ክእምትን ክውፈን ኣለዎ። እቲ ቀጻሊ ጻዕሪ ድማ ብቐጻሊ ንነብስኻ ኣብ ምምዕባል ምንጣፍ ክፍልም ኣለዎ። ቀሊል ኣይኮነን። ብትንፈር እምበር ጤል እያ ዝሕመረቱ መትከልካ ጌርካ ምንባር መጨረሽኡ ኣይጽብቕን ነንብስኻ ኣዕኒኻ ንኻለኦት ናይ ምልካም ሳዕቤን የምጽእ። እዚጊ/ኣላህ ዝሃበካ ናይ ሓንጎል ህያብ ብብላሽ ካብ ዘይምጥቃምን ምጥፋእን ዝኸፍእ የለን። እቲ ዝኸፍኤ ድማ እቲ ናይ ሰብኣውነት መጠነ ኣልቦ ድኽነት ናብ ሃሚ ናይ ኩሉመዳያዊ ሓማቕ ናብራን ይድርብየካ። ኣብ ኩሉመድያዊ ህይወትካን ናብኻን ድማ  ነጊሱ የሳቕየካ። ነዚ ንምርዳእ ድማ ትብዓትን ናይ ትንፈር እምበር ጤል እያ ዝብል ድሑር ቅኖናዊን ዶግማውን (ብደሀ ኣልቦ ሰረተ እምነት) ኣታሓሳስባኻ ፈጺምካ ምቕያርን መቐይሮን ምግባርን ይጠልብ።
ካብ ጽሑፋት ወድና ወድና ዮሓንስ መንግስተኣብ
ብፕሮፈሰር መንግስተኣብ ተስፋዮሓንስ።
04/01/2021
እሾኽ ዓጋም ሕሰም ምስ ቀጻሊ ተስፋ
ዋእ እንታይ እዩ እዚ እሾኽ ዓጋም ኮይኑ ወጊኡና
ኣብ ገዛና እዩ ሓይሩና ሰላምን ራህዋን ክይኮነልና
ዕንወት እዩ ጉድ ሎምስ እንታይኮን ድኣ እዩ ወሪዱና
ለካ ለካ ከምዚውን ኣሎ ዘይተሓስበ ዝወርድ ዘዕንወና
 ደረት ኣልቦ ሕሰም እዋይ ንሕና ደቂ ኣዳም ዝዕሽነትና
እወ ገልታዕትዕ ሃረምረም፣ ሃተውተው ክንብል ኩሉና
ብትዕቢት ብጽልኢ ብስሰዔ ላዕልን ታሕትን እንዳበልና
ለካ ለካ ዘይትሓስበ ኣርማገዶም ከምዚውን ኣሎ ዝመጸና
ንኹላ ዓለምን ብሙሉኣ ዘሳቒ ዘጨንቕ ዘሕጽር ዕምርና
ዘይረኤ ኮቪድ 19 ኮረና ዝባሃል ረቂቕ ብደውና ዘሕምቐና
ኣቤት ኣየወ ክንፍክር ምስኩሉ ብደዔና ንሕና እንዳበልና
እንታይድእ ዋእ ብጭንቀት ብፍርሒ ፈጥፈጥ ቀጥቀጥ ኣበለና
ነደቂ ሰብ ዓቢ ደወል ናይ ምኽርን መጠንቀቕታ እዩ ንዓና
እነሆ ኣንታ ዘየዳግም ምኽሪ ደጊም ከይንነብር ብትዕቢና
እህህ እህህ ንመሬት ከቢድና ኣነ መንከማይ ኣሎ እንድበልና
መጺኣ ሕጂውን ንሳ ባዕላ እያ እታ ናይ መጠንቅቕታ ደወልና
ባዕላ እያ ምኽርን መልእክትን መጺኢኩም ኣሎ ትብለና ዘላ
እታ ኢድ እዚኣ እያ እታ ዕጫኹም ተፋቐሩ ተሓላለዩ ዝብለና
ስለምንታይ ስሰዔ ብደዔ ጭካነ እኹል ትሩፍ ዘፍሪ ዓለም ሒዝና
ምስዚኹሉ ጾሙ ዝሓድር ህዝቢ ኣሎ ንረዳዳእ ንተሓሳሰብ ኩሉና
ነዞም ክም ዮሓንስ ብፍላይ ንሕሰበሎም ንቶም መላምል መንእሰያትና
ጸጋ ኣቲ ትሕዝቶ ንዓኦም ይኹን ንምህዞ ንኸም ባዓል ዮሓንስ ወድና
 ንዓለም ነጸብቃ ንሶም እዮም ናይ ጽባሕ ዓለም ሃነጽትና መራሕትና 
ንደግፎርም ንሰልጥኖም ንሓብሕቦ ንሕለየሎም ንሓግዞም ኩሉ ገዲፍና 
ካልእ የብላን እዚእ እያ እታ ዓለምና ዘላትና ሰላም ጥዕና ንኹልና ይሃበና
መንግስተኣብ ተስፋዮሓንስ
03/18/2021


ንሕና ንሓድነትና ኣብታ ግራጭ ረጊጽና ኣለና
ክሳሃላ ባዕለይ ክሳሃላ
ክሳሃላ ነዛ ኣብ ጥቓይ ዘላ
ዘሕምቖ ኣለኒባ ኣይተምስላ
ገድሊ ኩላ ኣርሒቓ ገይሻንከላ(2)

ገይሻላ እምበር እንዶ ትህሉ ገድሊ(2)
እንታይዳእሞ ዘይትረኤ ኣብ ከውሊ(2)
ሕማቕን ጽቡቕን ከተለሊ
ግይሻላምበር ገድሊ እንተ ትህሉ
ምራእና መሰላ ክትሕሉ(2)
ምረኤና መሰልና ክትሕሉ
እንታይ ድዩ ዝብል ዘሎ ህዝቢ ኩሉ
ከምኢዱ ኣይረኸበን ከምምቃሉ
ደላይ ፍትሒ ክሰምዕ ጽን ኢሉ
ዕድመ ክልተ ጎበዝ ተመንጢሉ
እንታይ ይኸውን ኣሎ ኣቃልቡሉ(2)
ተሰዊሩ ኣይኮነን ተኸዊሉ(2)

ይኸዱዶ ኣየለውን ናይ ኣጋምሸተ
ዳሃይ ሲኢኖም ናይዞም ቆልዑተ
ይጥቀሙላ ኣለው ናይዛ ኢንተርነተ
እንታይ መረቡድኣ እንታይ ሰኪዔተ

ንሶም ይገፉለው ብዘይ መለሳ
ዓለም ከም ባሕሪ ኮንይና ንሕናኸ ዓሳ (2)
ንሕናኸ ዓሳዶ ንሕና ዓሳ (4)

ኤረይ ንሓድነትናየ ሸጥ ማዓንጣና (ድገም)
ንሕና ንሓድነትና ሸጥ መዓንጣና (ድገም)

ትርጉም ሜላ ናይ ሰላም ቅኒተ
ዕላማና ሓንቲ ሓድነተ
ይኣኽለና እዚ ሞት ወዲ ሞተ
ጸላኢና ጸሊም ይቀነተ
ኣስሙዑና ጥዑም መለኸተ
ኣይተሳእነን ኣሎ በረኸተ
እቅስኑዋ ወላዲ ሓየተ
ኢልና እንዲና ስጋ ስዋኣተ
ኢልና እንዲና ስጋ ስዋኣተ
ኣይትበደል ምድሪ ስውኣተ

ንበል ንሓድነትና ሸጥ ምዓንጣና (3)
ንሕና ንሓድነትና  ሸጥ ምዓንጣና (3)

ደቂ ባሕሪ ሰብ ከበሳን ቆላን
ኣይንበላዕ ብሽላን ቆሊባን
መንገድና ዘጋጊ የብላን
እንታይዶ ምቅር ካብ ዕረን ወለላን

ድሃይ ሰላም ጥዑም መለኸተ
ናይ ፈጣሪኳሎ በረኸተ
ከነቕስኖም ወለዲ ሓየተ
ኢልና እንዲና ስጋ ስዋኣተ
ኣይትበደል ምድሪ ስዋእተ

ንበል ንሓድነትና ሸጥ ምዕንጣና
ንበል ንሓድነትና ሸጥ ምዕንጣና(2)

ይኸዱዶ ኣየለውን ናይ ኣጋምሸተ (2)
ዳሃይ ሲኢኖም ገለ ናይዞም ቆልዑተ(2)
ይጥቀሙላ ኣለው ናይዛ ኢንተርነተ
እንታይ መረቡድኣ እንታይ ሰኪዔተ
ንሶም ይገፉለው ብዘይ መለሳ
ዓለም ከም ባሕሪ ኮንይና ንሕናኸ ዓሳ (2)
ንሕናኸ ዓሳዶ ንሕና ዓሳ (4)
 ይናኻኸሳዶ ይናኻኸሳ(5)
ይናኻኸሳዶ ይናኻኸሳ(5)

ስነጥበባዊ ዮሓንስ ትካቦ
Posted on:  March, 18, 2021



Yohannes, we remember you during this holiday time of 2020. We always remember and we love you from our hearts and minds. You are always with us. It is sad and very sad that you are not with us. However, you are always with us. As a family, the spirit of our family is always with us.  
The new replaces the old
There are episodes of life
It has its own norm of acting
Yes, it should happen normally
If  outside of the low of nature
That pains hard with no console
Yohannes, holiday time without you
It is a bitter and sad memory for us
What can we do if we are unable 
Yes, to bring back to keep you with us
It is God's decision beyond our power
We love you and we remember you
You are in our heart forever and ever
YOUR PARENTS TSELAT, MENGSTEAB, HARERTA, RUTH
ALL EXTENDED FAMILY MEMBERS AND OTHER GOOD WISHERS
REST IN PEACE OUR LOVED YOHANNES
DECEMBER 23, 2020
ፍቑር ወድና ዮሓንስ፣ ኣብዚ ናይዚ ዘሎ ዓመት መጨረሻን ናይ ዝመጽእ ሓዲሽ ዓመት መጀመርያ ዘሎ በዓላት ንዝክረካ ኣሎና። እቲ ጓሂናን ሓዘናን ድማ ድርብ ይገብሮ። ግን ኩሉ ጊዜ ኣብ ልብና ሂያው ኢኻ። ኣብቲ ኣብ ልብናን ሓንጎልናን ዘሎ መዓሙቓዊ ተዘክሮን ኢና እዚ መልእኽቲ እዚ ንሰደልካ ዘለና። ብሰላም ዕረፍ። ኩሉ ጊዜ ምሳና ኢኻ።
መዓልቲ ይመጽእ ብኻልእ ይትካእ
እወ በቲ ዘይተርፍ ሕጊ ክማላላእ
ውላድካ ስጋኻ ደምካ ካባኻ ክፍለ
መሪር ሓሞት ምስታይ እዩ ዝሓየለ
መፍትሒ ዶኾን ይርከቦ ጓሂና ዘሕጽር
ሃበና ንበሎ ዳግማይ ነቲ ንፈትዎ ፍቑር
ይኾነልና እንዶ ዝኸውን ከምቲ ንብህጎ
ክንደይከ ጽቡቕ ምኾነ ቃንዛና ምበነነ
ልብና ንዓኻ ዮሓንስ ስኢኑ ብሓዘን ዝማሰነ
 ፍቑር ወድና ዮሓንስ ንዓንዶ ኣማኽር
ኩሉ ጊዜ ኣብ ልብና ኢኻ ምሳና ትነብር
ስጋብ ናባኻ ንመጽእ ኣብቲ ዘለኻዮ ክንጽንበር
 ኣብዚ ባዓላት ዘሕለፍናዮ ብሓዘን ንዝክር
 መሪፍ ሓሞት ከምምስታይ እዩ እንታይሞ ክንገብር
ባባኻ፣ መንግስተኣብ
ማማኻ ጽላት
ፍቑራት የሕዋትካ ሃረርታ፣ ጽላት
ኩሎም ፈተውትኻን ቤተሰብካን።
We remember you Yohannes with sadness the 28th Birthday, 11/08/1992
ኩሉ ግዜ ብሓዘንን ስተሰብረ ልብን ንዝክረካ ዮሃንስ
ሎሚ ሕዳር 08, 2020 መበል 28 ዓመተ ልደትካ እዩ። እንታይ እሞ ክንገብር። ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ይግበረልካ።         
We Will Always Love You

ንፉቑርን ሕያዋይን ንፉዑን ወድና መበል ሓሙሻይ ዓመተ ሕልፈቱ

     ብሓዘንን ብዝተሰብረ ልብን ንዝክሮ

      11/08/1992 - 10/09/2015
ንብዓትና ይፈስስ ይዛሪ ኣሎ ንዓኻ ዘኪርና
እወ ንዓኻ ቆጽሊ ኣውዲቕናልካ ኔርና
ቁስልና እዩ ብፍጹም እኳ ዘይካእልና
ኣይተኻእለን ዮሓንስ ንገብሮ ጠፊእና
ሓሙሽተ ዓመት ኮይኑ ካብትፍለይና
ኣብ ልብና ኣለኻ ስጋብታ ሕልፈትና
Yohannes, Yohannes where why left us

Yes, eh, we blessed you to be our Focus

Losing you is unbearable and sad for us

We put the green leaves for you to bless

Looking forward to you to be the anointed

Please come back our dear so enlightened






With Sadness and Agony, We Remember and Honor 

Our Beloved Son Yohannes.

Yohannes, You are Always in Our Hearts and Minds Until We Come to You

11/08/1992 – 10/09/2015




ሕዳር 8, 2019

ፍቑርን፣ ንፉዕን ሕያዋይን ወድና ዮሃንስ መንግስተኣብ ዝኽርኻን ፍቕርኻን ኩሉ ጊዜ ኣብ ልብናን ኣእምሮናን ህያው ኮይኑ ክነብር እዩ።

ነፍቅረካ ስድራ ቤት



እዚ ግጥሚ እዚ ንፍቑር ወድና ዮሓንስ መንግስተኣብ ናይ ሓሙሻይ ዓመት ሕልፈቱ ንዝኽሪ ተባሂሉ ዝተበርከተ እዩ
11/08/1992 – 10/09/2015

ዮሓንስ ቆጽሊ ኣውዲቕናልካ ስኢናካ
ንስኻ ዮሓንስ ሕያዋይ ፍቑር ወድና
እነሆ ኩሉጊዜ ንዓኻ እንዳዘከርና
ድሮ ንሓሙሸት ዓመት ተፈሊኻና
ናትካ ናፍቖትሲ ምውጻእ ኣብዩና
እንታይ ክንገብር ጸሊም ተቐንቲና
እወ ሰሊዑ እዩኣምላኽ ዝዓደለካ
ኩሉ ዝሃርፍ እዩ ቆጽሊ ኣውዲቑልካ
ንፉዕ በዓል በሊሕ ኣእምሮ ተባሂልካ
እንታይ እሞ ይገበር ገዲፍካና ኬድካ
ንዓኻ ንድሃይ ኣለና ኣለኹ እዩ ዝባሃል
ዓለም ርግምቲ ዓቢ ንእሽቶይ ኣይትብል
ብሉጽ ኾኾባይ እንዲኻ ጽንሕ ዘይትብል
ኔሩካ እንድዩ ዝዕየ ካብ ንኹሉ ዝኾልል
ምኽርኻስ እምበር ስኢናዮ ክንብል ሃረር
ዓመት ከይዳን መጺኣ እንዳበልና ክንቆጽር
ብናይ ሃረርታ መንፈስ ብቐጻሊ ክንብህርር  
ዮሓንስ ውድና ንዓ ምኸረና እንታይ ክንገብር
ክትበልሕ ህርኩት ሓያል ኢኻ ብተፈጥሮ
ፈላጥ እኻ ኔርካ እወ ብዓል ብሩህ እእምሮ
ምልምል መንእሰይ ዘድምዕ ኣብዝተዋፈሮ
ዝተዓደልካ ስነፍልጠት ምስ ስነኣእምሮ
ንሕና ወለድኻ ምስኩሉ ዝፈትወካ ብሕብረት
ንዝክር ንሓስብ ምስ ምስ ሓዘና ብኻዕበት
እንታይ እሞ ንገብሮ ስኢና እቲ ብልሓት 
ንዓኻ ዝመልሰልና ናብቲ ንደልዮ ቕርዓት
ዮሃንስ ወድና ኔርካ በሊሕን ለባምን ንፉዑን 
እወ ኣብ ልብና ኣለኻ ክንትስእን ክንድቅስን
ኣምላክ ኣምበር ሓሩካ እዩ ንሕና ንገብሮ የለን
ዘላኣለማዊ ዕረፍቲ ይግበረልካ ብሩህን ቅዱስን
ኩሎም ቤትሰብና ኣብ ኩሉ ዘለው ይዝክሩኻ ብሕልና
ይብሉ ኣለው ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ይሃቦ ነዚ ወድና።

ትፈትወካ ተፍቅረካን ኣዴኻ ጽላት ተስፋዝጊ

ዝፈትወካ ዘፍቅረካን ኣቦኻ መንግስተኣብ ተስፋዮሃንስ

ዝፈትዋካን ዘፍቅራኻን ኣሕዋትካ ሃረርታን ሩታን
ምስ ኩሎም ቤተሰብካን፣ ኣሕዋትካን ኣሓትካን።

ጥቅምቲ 4, 2020

ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ




Indeed the tragic of losing your own child. How bitter is the agony. In Memory of our beloved son. We love you, you are with us. For us, you are a living legend. 


MY BELOVED SON, YOHANNES, YOU ARE ALWAYS IN MY HEART AND MIND. I MISSED YOU. THE AGONY OF LIFE CONTINUED WITHOUT YOU IN THIS GREEDY WORLD. SAD, VERY SAD. 

DAD 
Mengsteab
05/24/2020

The agony of sadness. The result is hopelessness. Yohannes, I am just living for you. It is very difficult for me to swallow. What can I do? Sadness in my everyday life.
01/24/2020

ሎሚ መዓልቲ ሕዳር 1, 2019, ዝኽሪ ኩሉም ካብዛ ዓለም ዝሓለፉ ነብሲሄራት ደቅና፣ ኣሓትና፣ ኣሕዋትና፣ ወለድናን ካሎኦት ፈትውትናን ንኹሎም ብልብናን ብሕልናን ንዝክረሉ ቅዱስ መዓልቲ እዩ። ወድና ዮሓንስ ድማ ብልብና፣ ሕልናናን ንዝክረና ኣልአን ንሕና በተሰብካን ፈተውትኻን፥
እዴኻ ኣቦኻ ኣሓትካን ኩሉ ቤተሰብካን
ሕዳር 1, 2019

Today November 1, 2019 is ALL SAINTS DAY. This is a memorial day honoring and commemorating all our children, sisters, brothers, parents, and other friends and good wishes who passed away from this complex earthly life. Let the Lord Jesus Christ bless their souls. 
Our beloved son YOHANNES, we your parents, sisters and your extended families and friends living in all places honoring and remembering you. You are always in our hearts and minds. Rest in perfect peace.
November 1, 2019


ገልጠምጠም ሃረምረም መጠኑ ዝሓለፈ። ናበይኮን ክብጻሕ እዩ። ንፈትዎም ሰባት ደቂና፣ ኣሕዋት፣ ንፉዓት ሰባት፣ ብሩኻት ሰባት፣ ንደቂ ኣዳም ጽቡቕ ዝገበሩ ዘበርከቱ ሓሊፎም። ኣይምለጥን ኣዩ ካብታ ዘይትተርፍ። እቲ ቀንዲ ዝድለ ኣብቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኣብ እትነብረሉ ጊዜ። ተዘካሪን፣ ኣበርካትን ስራሕ ሰሪሕካ ምሕላፍ እዩ እቲ ዝበለጸ። እዚ ወድና ድማ ኣብታ ንእሹተይ ዕድሜኡ ዝከኣሎ ኣበርኪቱ ንዓና ዘኹርዕን ዘሐብንን ዝኽሪ ገዲፉ። ዮሃንስ ዝገበርካዮን ዝሃቀንካዮን የኹርዓና። እቲ እትሓስቦ ዝነበርካ ጽቡቕ ተግባራት እውን ብዙሃት ከማካ ሰዓብቲ ኣለዉ። ቅሰን። ኩሉ ጊዜ ኣብ ልብና ኣለኻ። ብሰላም ዕረፍ። መንግስተ ሰማይ የወኣርስካ።

                      ዕለተ ዝኽሪ መበል ራብዓይ ዓመተ ዕረፍቲ
       ዮሃንስ መንግስተኣብ ጥቅምቲ 9, 2019

November 8, 2023
November 8, 2023
Yohannes, today is your birthday, Nov. 8, 2023. Unfortunately, you are not with us physically. But you are always in our hearts and minds. We remember you with emotions and extreme sadness. What can we do? We missed you, which is unbearable for us. We can say only we are just WE ARE LIVING FOR YOU. Our young, no wards will not suffice for us to express our sadness. REST IN A PERFECT PEACE.

ፍቑር ወድና ዮሓንስ። ሎሚ መዓልቲ ሕዳር 8, 2023 ዕለተ ልደትካ እዩ። ወላካ ብኣካል ካባና ካብ ንፈትወካ ስድራ ቤትካ እንተተፈለኻ ኣብ ልብናን መንፈስናን ኣእምሮናን ኩሉጊዜ ምሳና ኢኻ። ዮሃና ንዕለተ ልደትካ ድማ ንብለካ። ዘሕዝን እዩ ድማ። እወ ንዓኻ ክብርን ዝኽርን ምእንቲ ክንህብ ንነብር ኣለና። እወ ንዓኻ ክንዝክር። ዘሕዝን ድማ እዩ።

Today, November 1, 2023, is ALL SAINTS DAY. This is a Memorial Day honoring and commemorating all our children, sisters, brothers, parents, and other friends and good wishes who passed away from this complex earthly life. Let the Lord Jesus Christ bless their souls.
Our beloved son YOHANNES, we, your parents, sisters, extended families and friends living in all places, honoring and remembering you. You are always in our hearts and minds. Rest in perfect peace.
November 1, 2023

ሎሚ መዓልቲ ሕዳር 1, 2023, ዝኽሪ ኩሉም ካብዛ ዓለም ዝሓለፉ ነብሲሄራት ደቅና፣ ኣሓትና፣ ኣሕዋትና፣ ወለድናን ካሎኦት ፈትውትናን ንኹሎም ብልብናን ብሕልናን ንዝክረሉ ቅዱስ መዓልቲ እዩ። ወድና ዮሓንስ ድማ ብልብና፣ ሕልናናን ንዝክረና ኣልአን ንሕና በተሰብካን ፈተውትኻን፥
እዴኻ ኣቦኻ ኣሓትካን ኩሉ ቤተሰብካን
ሕዳር 1, 2023
October 9, 2022
October 9, 2022
TODAY SEVEN YEARS AGO WAS A SAD DAY OF THE PASSING AWAY OF OUR DEAR SON YOHANNES MENGSTEAB.
YOHANNES, YOU ARE ALWAYS IN OUR HEARTS AND MINDS
YOUR PARENTS, SISTERS AND EXTENDED FAMILY MEMBERS.
October 7, 2022
October 7, 2022
ፍቑር ዮሓንስ ወድና። እነሆ ብመሪር ሓዘንን ናፍቖትን ናይ መበል ሻቡዓይ ዓመተ ዕረፍትኻ ብእስተንትኖ ንዝክረካ ኣለን። ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ይሃብካ። ስጋብ ናብቲ ዘለኻዮ ንመጽእ። ኣብ ልባናን ኣእምሮና ምሳና ኢኻ።

Our loved and dear son, we are remembering you with extreme sadness in the 7th year of your passing. Yohannes, you are always with us in our hearts and minds until we come to where you are. Rest in perfect peace. God bless your spirit.
Your parents, your sisters, and our extended family members
September 1, 2022
September 1, 2022
ዮሃንስ ወድና ነፍቅረካ ንናፍቐካ። ምኽሪ ሃበና እቲ ዝኽርኻ ድቃስ ከሊኡና።
May 12, 2021
May 12, 2021
ኣድማዕነት ብፍልስፍና ኣድላይነት
ኣየ ወዲ ሰብ! ክበልሕ ክህርኩትን ሓያልን እዩ ብተፈጥሮ
ዝውንንዩ ብሉጽ ክእለት ወ ፍልጠት ምስ መሃዝነት ተመኩሮ
ክውጥነሉን፣ ክሰርሓሉን፥ ከፍርየሉን፣ ከድማዓሉን ኣብዝተዋፈሮ
እወ በቲ ኩሉ ተኽእሎ ስነፍልጠት ስነ ቁጠባ ምስ ስነ ኣእምሮ
ብቕጻሊ ይባላሓት ይምህዝ ይሓስብ ንኹሉ ዝደልዮ ንመነባቦሮ

ወዲ ሰብ ጥበበኛ እዩ ይእምት ይትልም፣ የተግብር ብብቕዓት
ብዕቱብ ክዋሳእ፣ ክነጥፍ፣ ዝኽእል በቲ ዝድለ ጥርኑፍ ኣላይነት
ዝምራሕ ብኹሉ መዳያዊ ኣምርን ኣድላይነትን ምስ ኣድማዕነት
ምህርቱ ይስስን፣ ይጽብቕ፣ ይሕይል፣ ይበዝሕ ብኹሉ መኣዝናት
ፍረ ጻዕሩ ይረክብ፣ ይሓፍስ፡ ብሉጽ ውጽኢቱ ይኸውን ብኻዕበት

ወዲሰብ ወናኒ ልዑል ፍልስፍና እዩ፡ ከም በዓል ድርብ ብልሒ
እወ ምእንቲ ክኽውን ናይ ምዕባለ ኣንፈት፡ ሓባሪ ቀላሲ መራሒ
ብምኽሪ ብኣእምሮን ብጥበብን ዝላፈን፡ ምስ ናይ ምህዞ መሳርሒ
ምስ ዘዋደዶን ዝኣርነቦን ብሉጽ ናውቲ ማእቶት ንክኸውን ተረባሒ
ሓንጎል ወዲሰብ ሪቕ ዕቑር ጸጋታት እዩ፡ ንምዕባለ ሃንዳሲ ሰራሒ
ሕፍንቲ እኳ ዘይተላዕሎ፡ ነቲ ዓርሞሸሽ ዝተዓደሎ ባህርያዊ ብልሒ

ብቐጻሊ ንስራሕ ንጽዓር ንምሃዝ ነበርክት፡ ንዘለኣለም ከም እንነብር
ኣይንዘንግዕ ከኣ፡ ጽባሕ ክንመውት ከምእንኽእል ብሕልና ንዘክር
ኢሎም መኺሮም ህርኩታት ጀርመናውያን፡ ንሕጊ ተፈጥሮ ብዘነጽር
ንስማዓዮም ድእ መሃዝቲ እዮም ጻዕረኛታት፡ ኣብነት ጽዒሩ ዝነብር
ለባምን ኪኖ ሓጹር ዘሕስብ ናይ ተመኩሮ ብሂል እዩ፡ ሕልና ዘህጥር
ምዕባለ ቀጻሊ ምዃኑ ብፍላይ ዝእምት፣ ዝገልጽ ከምኡውን ዘዘኻክር

እወ ነውጻኣዮ ድኣ ብኹሉ መኣዝናት፡ ናብ ኩሉ ዓውሎማዊ ቅርዓት፥
ነቲ ብባህርያዊ ዝተዓደለ፡ ናይ ወዲሰብ ዘይተኣደነ ዓርሞሸሽ ብቕዓት
እይንድከ፣ ኣይንደንቁር፣ ኣይንጥመ፣ ንጠቐመሉ ነቲ ዘለና ዕቁር ፍልጠት
ንፍለጦ ድእ ከም ደቂ ሰባት፡ ብሰፊሑ ስለ እንውንን ሰፊሕ ዓቕምታት
ንጠቐመሉ ድኣ ናብራና ክማሓየሽ ጥዕናና ክሕሎ፡ በቲ ዝድለ ብልሓት
ብፍላይ ንዓኹም፡ ናይ ጽባሕ ተስፋ ሃገርኩም ዝኾንኩም መንእሰያት
እወ መንእሰያት፡ ናይ ሎሚ ዕምባባ ናይ ጽባሕ ኣማሓደርቲ ኣፍረይቲ
ኣጆኹም ተባላሓቱ ንፍዑ ተማሃሩ፡ ክትኮኑ ብቑዓት ሃገር ተረከብቲ
ንቑሓት ኴንኩም ርብሑሉ ክሰቡሉ፡ ተጠቐሙሉ ነቲ ዕቑር ሃብቲ
እወ ነቲ ዘለኩም እንደግና ዘይርከብ ወርቃዊ ጊዜ፡ ክትኮኑ ተዓወትቲ
ሃየ ክሰቡላ፡ ትሓልፍ ኣላ እታ ዳግም ዘይትርከብ ጊዜ፡ ሓባራዊት ሃብቲ
እወ እታ ቂም ቂም ትብል ካልኢት፣ እታ ደቒቕ እታ ሰዓት ወ መዓልቲ
ኣይትኽዘን ኣይትወድቕ ኣይትጸንሕ ኣይትጽበ፡ ትሓልፍ ዘላ ጊዜ ክብርቲ

ኩሉና ዝምልከተና ከምኡውን ክእለት ዘለና፡ ወለዲ ምስ ሃገር እነማሓድር
ነወንዝፎ ጉዳይ ኣይኮነን፡ ዓቢ ሓላፍነትን ሕድርን ኣለና ዝግባእ ክንገብር
ብዕቱብ ተረዲእናን ነቒሕናን፡ መንእሰይ ምዃኑ ናይ ጽባሕ ተረካብ ሃገር
ንሓግዞ ድኣ ብኹሉ ዓቕምና፡ በቲ ዝድለ ክስልጥን፣ ክረብሕ፣ ክዕንትር
ብብቕዓትን ብኽእለትን ብፍልጠት ብሞያን፡ ተኽእሎ ወኒኑ ሃጢሩ ክነብር
በቲ ዝድለን ብዕቱብን ክኽሸን ክዳሎ፥ ስነ ፍልጠታዊ ተኽእሎ ክዓትር
ብጽፉፍ ብስሉጥ ክጥቀም፡ ካብ ብቐጻሊ ዝውሕዝ ዓውሎማዊ መስተንክር

ነበርክት ኩሉና ብዝግባእ፡ ሃገርና ክትስልጥን ክትሕምበብ ክትህብትም
እወ ዜጋ ንክቋደስ፣ ካብቲ ዓውሎማዊ መኽዘን ፍልጠት ንኹሉ ብዝጥዕም
እወ ሓፋሽ ምስ ዘበርክትን ዝነጥፍን፡ ብምሉእ ሓይሉ ንሽግር ምስ ዝገጥም
ምዕባለ ሃገር ይሕምበብ፣ ይቕጽል፣ ይስውድ፣ የድምዕ ብዘሕጉስ ንለባም
ናይ ነፍሲወከፍ ዜጋ ኣስተዋጽኦን ኣበርክቶን እዩ፡ ንሃገር ዘሀብትም

ባሃማት ኣይንኹን ንፍለጦ ድኣ ሓፋሽ እዩ ዝፈጥር፡ ናይ ህዝብን ሃገርን ብቕዓት
ንሓፋሽ ነማዕብሎ ነበግሶ ነተሓባብሮ ንጽዓረሉ ነተባባዓዮ፡ ንኸርእየና ተኣምራት
ሃገርን ህዝብን ክስልጥኑ ክውደሱ፡ ነበር ክኽውን ድኽነት ከም ኣብነት ዕውታት
ክንከውን ኣብነታውያን ከምቶም ኣናብር ምብራቕ ኤስያ፡ ብኹሉ ውሕሉላት
እወ ኣይንኽሰሮ እቲ ዘይተኣደነ ናይ ወዲ ሰብ ፍልጠት፣ ዓቕሚ ምስ ብልሓት።

ዶ/ር መንግስተኣብ ተስፋዮሃንስ
October 4, 2020
October 4, 2020
እዚ ግጥሚ እዚ ንፍቑር ወድና ዮሓንስ መንግስተኣብ ናይ ሓሙሻይ ዓመትው ሕልፈቱ ንዝኽሪ ተባሂሉ ዝተበርከት እዩ
11/08/1992 – 10/09/2015
ዮሓንስ ቆጽሊ ኣውዲቕናልካ
ንስኻ ዮሓንስ ሕያዋይ ፍቑር ወድና
እነሆ ኩሉጊዜ ንዓኻ እንዳዘከርና
ድሮ ንሓሙሸት ዓመት ተፈሊኻና
ናትካ ናፍቖትሲ ምውጻእ ኣቡዩና
እንታይ ክንገብር ጸሊም ተቐንቲና

እወ ሰሊዑ እዩ ኣምላኽ ዝዓደለካ
ኩሉ ዝሃርፍ እዩ ቆጽሊ ኣውዲቑልካ
ንፉዕ በዓል በሊሕ ኣእምሮ ተባሂልካ
እንታይ እሞ ይገበር ገዲፍካና ኬድካ

ንዓኻ ንድሃይ ኣለና ኣለኹ እዩ ዝባሃል
ዓለም ርግምቲ ዓቢ ንእሽቶይ ኣይትብል
ብሉጽ ኾኾባይ እንዲኻ ጽንሕ ዘይትብል
ኔሩካ እንድዩ ዝዕየ ካብ ንኹሉ ዝኾልል

ምኽርኻስ እምበር ስኢናዮ ክንብል ሃረር
ዓመት ከይዳን መጺኣ እንዳበልና ክንቆጽር
ብናይ ሃረርታ መንፈስ ምቐሳሊ ክንብህርር 
ዮሓንስ ውድና ንዓ ምኸረና እንታይ ክንገብር

ክትበልሕ ህርኩት ሓያል ኢኻ ብተፈጥሮ
ፈላጥ እኻ ኔርካ እወ ብዓል ብሩህ እእምሮ
ምልምል መንእሰይ ዘድምዕ ኣብዝተዋፈሮ
ዝተዓደልካ ስነፍልጠት ምስ ስነኣእምሮ

ንሕና ወለድኻ ምስኩ ዝፈትወካ ብሕብረት
ንዝክር ንሓስብ ምስ ምስ ሓዘና ብኻዕበት
እንታይ እሞ ንገብሮ ስኢና እቲ ብልሓት
ንዓኻ ዝመልሰልና ናብቲ ንደልዮ ቕርዓት

ዮሃንስ ወድና ኔርካ በሊሕን ለባምን ንፉዑን
እወ ኣብ ልብና ኣለኻ ክንትስእን ክንድቅስን
ኣምላክ ኣብ ሓሩካ እዩ ንሕና ንገብሮ የለን
ዘላኣለማዊ ዕረፍቲ ይግበረልካ ብሩህን ቅዱስን

ትፈትወካ ተፍቅረካን ኣዴኻ ጽላት ተስፋዝጊ
ዝፈትወካ ዘፍቅረካን ኣቦኻ መንግስተኣብ ተስፋዮሃንስ
ዝፈትዋካን ዘፍቅራኻን ኣሕዋትካ ሃረርታን ሩታን
ኩሎም ቤትሰብና ኣብ ኩሉ ዘለው ይዝክሩኻ ኣለው።

ጥቅምቲ 4, 2020
ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ
August 9, 2020
August 9, 2020
Rest in Peace Our beloved Yohanes. We can’t believe it has been four years since you left us. Life is hard without you. We love you very much & miss you terribly.

REST in PEACE

Senait & Maekele Abraha

December 20, 2019
December 20, 2019
My dear son, I always remember you. You are alive in my mind and heart.
Dad
Prof. Mengsteab
12/20/2019
November 9, 2019
November 9, 2019
ብሰላም ዕረፍ ዮሃንስ ወድና ኣብዚ መበል 27 ዓመተ ልደትካ ንዝክረካ። ኩሉ ጊዜ ኣብ ልብና ኣለካ።
ስድራ ቤትካ።

Today Nov. 8, 2019, is your 27th birthday. You are always in our hearts and minds.
Mom, dad, sisters and extended family members.

November 8, 2019
November 8, 2019
ሎመ ሕዳር 8, 2019 መበል 27 ዓመቱ ንዮሃንስ ወድና እዩ። ብከቢድ ሓዘን ድማ ንዝክሮ ኣሎና። ዮሃንስ ዝኽርካ ኩሉ ጊዜ ኣብ ልብና ኣሎ።
November 8, 2019
November 8, 2019
Today is the 27th anniversary of our son Yohannes Mengsteab's birth. We remember him with sadness.

January 22, 2018
January 22, 2018
ዮሓንስ ወድና ንዓባ በጃኻ ተዳሃየና
ግደፍባ ስምዓና ንጽዋዓካ ኣለና ኩልና
ኣቦኻ ኣዴኻ ምስተን ኣሕዋትካ ፍቑራትና
እንታይ ኢና ንገብሮ ካን በርቲዑ እቲ ሓዘና
ዝኽርኻ ንጊሱ እሎ ኣብቲ መዓሙቕ ልብና
እንድዓ እንድዓ እንታይ ምግባር ይሕሽና
ኣበይ ከደ እቲ ትኩር ሓንጎልካ ዘኹርዓና
እዋይ ኣብ ሰዊት ንእስነትካ እባ ተመንጠልና
ሕጂውን ኣይቀበጽናን ንዓ ግደፍ ተመለሰና
ናብራ ኣይካኣልናዮን ንስኻ ካብ ትፍለየና
ንዓ ግደፍ ንዓ ግደፍ ንዓናስ ኣይትጨክነልና
ክም ግዳም ሓደር ተኾርሚና ንጽበየካ ኣሎና
እይከውንን ኣይንቕበሎን ናትካ ምፍላይ ካባና
ወላዲኻ
ፕ/ር መንግስተኣብ ተስፋዮሃንነስ
1/22/2018
October 8, 2017
October 8, 2017
Today October 9, 2017, is your second-year memorial. Already two full years passed since you left us alone here in this World. Our sadness and agony continued unabated. It has become more and more unbearable for us to lose so bright and kind son like you. It has continued to mayhem us. It is indeed unbearable for us. We don't know really what to say. Sad life without you
July 7, 2017
ኹሕለይቲ መርዓት

እንቲ ዓደቦ ኤርትራ ሽኮርዶ ክብለኪ
ክም ጽብቕቲ መርዓት ኩሉ ዝብህገኪ
ህርኩትን ሕያዋይን ህዝቢ ዝተዓደልኪ
በቲ ጥዑም ክሊማኺ ኩሉ ዝትምነየኪ
እንታይክ ዘይሳኣኖ እቲ ባሕርኺ መሬትኪ
ወርቂ፣ ብሩር፣ ዘይቲ፣ ምስቲ እምነበረድኪ
ክንደይ ኢልካ ክጽብጸብ እቲ ዕቑር ጽጋኺ
መጸለሊ እንዶ ኮይኑ ንኹሉ ኣማዕድዩ ዝርእየኪ
ማናዳ ምናዳ እቲ ሓየትን ሕያዋይን ህዝብኺ
ከይተማህረ ዝተማህረ እዩ ዘህጥር ንያትኪ
ሰላምን ቅሳነትን፣ ራህዋን ምዕባለን ንዓኺ
ክንርእየኪ ንደሊ ከምተን ኣናብር ዓለም ኮንኪ
ሰላምን ሕወነትን ይፈጠር ኣብ ሞንጎ ድቅኺ
ካብኡ ርሒቑውን ምስቶም ኣህዛብ ጎረባብቲኺ
ይርሓሰና ይርሓሰና ንበል ኩሉና ሰሰናዩ ንዓኺ
ዓዲ ጀጋኑን ሓየታትን ኢኺ ብኹለንትናኺ
ዓቢ ተራ ኣሎኪ ንሰላምን ምዕባለን ናይዚ ጎደቦኺ

ዶ/ር መንግስተኣብ ተስፋዮሃንስ ንዝኽሪ ወድና ነ/ሄር ዮሓንስ መንግስተኣብ
November 8, 2016
November 8, 2016
NEW
24TH BIRTH DAY OF YOHANNES NOV, 8, 2016

Our beloved son Yohannes.
Today Nov. 8, 2016 is your 24th birthday. Your Mom, Dad, Sisters, extended family members, friends and all good wishers paid tribute to you with grief, sadness and nostalgic. You were a kind, humble, intelligent son. We miss you very much. God bless your soul in his heavenly power and rest in peace. We just look at you in our hearts and minds with big sorrow by saying, had Yohannes alive today, we could be happy and celebrate his 24th birthday. Words will not suffice for us to express how much we miss you. 

Yohannes our beloved son forever
We are remembering you with care
Today Nov., 8 is your 24th birthday
Instead of celebrating a sorrow day
What a sadness and nostalgic for us
Our hearts are missing your kindness
Good son a pride for us and others
What can we do to express our love
God gave us you like a bright light
God selected you to take you back
We pray and grace God’s decisions
Rest in in perfect peace Yohannes
You are always in our hearts and minds
We love you Yohannes forever and ever.

ፍቑር ወድና ዮሓንስ
ሎሚ መዓልቲ ሕዳር 11, 2016 መበል 24 ዓመት ልደትካ እዩ። ብሓዘን ድማ ንዝክረካ ኣሎና እወ ሰናይ ትምኒትና ኔሩ ኣብዚ ዓለምዚ መበል 24 ዓመትካ በሓጎስን ፍስሃን ምሳኻ ኰይና ብሓጐስን ባህታን ከነሕልፎን ከነብዕሎን። ሕያዋይ፣ ፍቑር፣ ንፉዕ፣ ደንጋጽን ሓላይን ኔሪካ። እንታይ እሞ ኣፍና ብኽፉቱ ልብና ብህሩፉ ገዲፍካን ኬድካ። ልብናን ኣእምሮናን ምሳኻ እዩ ዘሎ። ሪኢና ሲእናካ። ሓዘና ወሰን ዬብሉን። ንሕና ኣዴኻ፣ ኣቦኻ፣ ፍቑራት ኣሕዋትካን ኩሎም ቤተሰብካን ፈተውትኻን ይዝክሩኻ ኣሎው። ዮሓንስ፣ ኣብ ልብናን ሓሳብናን ኣእምሮናናን ክሉ ጊዜ ኣሎኻ። እንታይ እሞ ክንብል። እምላኽ ንዓኽ ክንዲ ሽሕ ሂቡና። ኣምላኽ ድማ ወሲዱካ። ፍቓድ ኣምላኽ እዩሞ ንዘላኣለም ይባረኽ።
ፍቑር ዮሓንስ እንታይ ኢና ንገብሮ
ሓዘና በርቲዑ ንዓኻ ኣንዳተዘክሮ
ሕያውነትካ መንፍዓትካን ኣንዳበራበሮ
ልብና ምሳኻ እዩ ኣብ ኩሉ መነባብሮ
እንዲዒ ናትካስ በይኑ እዩ ጌሩና ዕንኪላሎ
ክንዲ ሽሕ እንዲኻ ኔርካ ኩሉ ዝካኣሎ
ሪኢናባ ሳኣናካ ጓሂና ድርብ ኮይኑ ኣሎ
ብዓይነ ሕልና ጠሚትናካ በልና ኣበይ ኣሎ
እውይ እዛ ሞት ሕስምቲ ንኹሉ ዝይትገድፍ
ንንእሽቶይ፣ ንዓቢ ንኹሉ ትወስድ ትቐጥፍ
ንንፉዕ ኣይትብል ንሕያዋይ ንኹል ትጥርንፍ
መንጠለትናባ ነዚ ፍቑር ወድና ዘይትንሕፍ
ዮሓንስ ፍቑር ወድና ኣለኻ ኣብ ልብና
እወ ክትነብር ኢኻ ኩሉ ጊዜ ኣብ ተዝክሮና
እምላኽ ሃበ ኣምላኽ ወሰደ ንብል ኣለና
ክብሪ ንእምላኽ ንዝለኣለም ይባርኽ ንዘለውና
ንውድሶ ኣለና ብልብና ነቶም ዘለው ከሰስነልና
October 9, 2016
October 9, 2016
Today October 9, 2016 is the remembrance of our Son Yohannes Mengsteab passing. It is with sadness and grief we are remembering him. There will be a memorial mass dedicated to him at the Saint Pius X, at Selinsgrove, PA. We are intensely remembering him in our prayers. May God give his soul mercy and rest in perfect peace. We have launched a website: http://www.yohannes.mengsteab.com

His Mom and Dad, Tselat and Dr. Mengsteab, his sisters, Harerta and Ruth. His extended family members.http://yohannes-mengsteab.com/
July 6, 2016
Please Check at the STORY SECTION to read a good article written jointly by Late Yohannes and his Dad Dr. Mengsteab
March 30, 2016
March 30, 2016
ግዳም ሓደር ስደተኛ"

ግዳም ሓደር ኮይነ ስደተኛ ዕረፍቲ ዘይፈልጥ ድርብ መክረኛ
ፋሕተርተርተር ከዬቋርጽ ክውደስን ክባሃልን ብሉጽ ጻዕረኛ
ብዘይ ገደብ ይውፈ ናብዚን ናብትን ይጓዓዝ ከም መጽዓኛ

ናብራይሲ ብቐንዱ መሪር ቃልሲዩ ዝበዝሖ ላዕልን ታሕትን
ኣብዘዝኽድኩዎ ይለፍዕ ይዕሰብ ክባሃል ዝያዳ ንፉዕን ሓላልን
ካን ንዓይስ ግደይ ኮይኑ ክሓልፍ  ብሓባጥን ጎባጥን
ግዳይ ስደት ኮይነ የሕልፎ ኣለኹ ኣዋርሕን ዓመታትን

ዓንኬል ናይ ስደት ክባብ እያ ክም እትዘውር ምሬት
ዘቑጸልጽለት ዘለላ ወይኒ ትመስል ሕልማዊት መቐረት
ናብኩሉ ቦታ ኬድካስ መለሳ ዬብላን ንሳ አያ ዝመረረት
March 30, 2016
March 30, 2016
እዚ ንእሽቶ ክፋል ስነጽሑፍ ካብቲ ብነብስሄር መንእሰይ ዮሓንስ መንግስተኣብ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ተማሃራይ ከሎ ካብ ዝገብሮ “ዳግማይ ክፍጠር አቲ ነብሪ፡ ድግማ ዕውት ቁጠባዊ ምዕባለ ሲንጋፖር ኣብ ኤሪትራ (Recreating the Tiger: Replicating the Economic Success of Singapore in Eritrea) ብዝብል አርእስቲ ንኡድ ምርምራዊ ስራሕ ዝተወስደ እዩ። ዮሓንስ ኣብ ሽዊት ዕድሜኡ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ (ዝተወልደሉ ሕዳር 08, 1992 - ዝዓረፈሉ ጥቅምቲ፣ 09,2015)። ተርጓሚ ወላዲኡ ዶ/ር መንግስተኣብ ተስፋዮሓንስ።"

ዘሎ ተክኖሎጂ ንጠቐመሉ ናብራና ክማሓየሽ

ዮሓንስ መንግስተኣብ

ኣብ ምዕባሌኣዊ ታሪኽ ናይ ዓለምና፣  ሕርሻዊ ስውራ፤ ስነፍልጠታዊን ትካላዊ ሰውራ (እንዳስትሪያል ሩቮሉሽን)፤ ኤሌክትሮኒካዊ ተክኖሎጂካዊ ሰውራ እነዳበለ ኣብ ሓበሬታዊ ሰውራ (ኢንፎርመሽን ሮቮሉሽን) በጺሑ ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ ሓበሬታዊ ተክኖሎጂካዊ ምዕባለ መሳለጥያታትን ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑሉ ዘሎ ጊዜ ከምቲ ዝድለ ዘይምጥቃም እንታይ ሳዕቤን ከምዘሎዎ ንኹልና ርዱእ ይመስለኒ። እንተኾነ ግን ብዙሓት ኤሪትራውያን ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻኢን ዘለው ወላውን ናይቲ ተደላዪ ዝኾነ ንዕለታዊ ግድነታዊ ዕማማት ከይተረፈ ከምቲ ዝድለ ክጥቀምሉ ኣይርኣዩን። ስለምንታይ? ኣብዛ ዓለምና ሓደስቲ ምህዞታትን ተክኖሎጂን ብሓፈሻ ኤለትሮኒካዊ ተክኖሎጂ ድማ ብፍላይ ዳርጋ ወርሓዊ ተርእዮ እዩ ኮይኑ ዘሎ። ሓደ ካብቲ ዝዓበዬ ረብሓ ኣብ ብቁጠባን ብተክነሎጂን ዝማዕበላ ሃገራት ምንባር ማለት ካብቲ በጺሔንኦ ዘለዋ ምዕቡል ናብራን ኣሳራርሓን፣ ምውድዳርን ምቁዳስን ብኡ መሰረት ድማ ፍልጠት ምስናቕ፤ ግዜኻ ኣብቲ ዝለዓለ ከተፍርየሎ እትኽእለሉ መንገዲ ምውዓል ማለት እዩ። ብፍላይ ድማ ካብቲ ብቐሊሉ ዝርከብ ተክነሎጂካዊ ናውትታትን መሳለጥያታትን እቲ ኣብ ዕለታዊ ዕማማትካን ነዊሕ ዝጠመተ ነብሰ ምዕባለ ውጥናትካን ብዝሓሸ መንገዲ ንምትግባርን ኣብ ሽቶኡ ንምውቃዕን ክጠቕመካ ዝኽእል እንዳመረጽካ ምጥቃም ከድሊ እዩ።

ሓደ ህቡብ ኣቦ ኢንተርነት ዝጽዋዕ ናይጀርያዊ ሊቅ ከምዝበሎ፤ ኣውሮጳውያን ካብተን ጸበብትን ብባህርያዊ ጸጋታት ብዙሕ ዘይተዓደላ ሃገራቶም ብስደት የኹን ብጎነጽ ናብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም እንዳኸዱ ኣብቲ ብተፈጥሮኣዊ ዕቑር ጸጋታትን በክሊማዊ ምቹእነትን ፍሉጥ ዝኾነ ሰፋሕቲ ክፋላት ዓለም ገቢቶም ክውንንዎን፣ መግዛእታዊ ኣርዑቶም ከሰክምዎ ዝኻኣሉ በቲ ሽዑ ዝተማህዘ ተክኖሎጂ ተጠቒሞም ሓቤሬታ ብምርካብ እዩ። እዚ ማለት ድማ ትሕተ መሬታዊ (ትሕተ ባይታዊ) ኮነ ክሊማዊ ዕቘር ጸጋታት ኣበይናይ ኩርናዓት ዓለም ከም ዘሎን እንታይ ከምዘለዎን ኣቐዲሞም ብዝርዝር ከፈልጥዎን ከለልዩዎን ስለ ዝኸኣሉ ጥራይ እዩ። ንኣብነት እዘን ሕጂ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ፣ ካናዳ፣ ኣወስትራልያ፣ኒውዚላንድ፣ደቡብ ኣፍሪቃ፤ ቺለ፤ ርጀንቲና፤ብራዚል፣...ወዘተ ተባሂለን ዝጽዋዓ ዘለዋ ዓርሞሸሽ ሃገራት እኮ ከካብዓዶም ተጻዋዊዖም ኣሽሓት ኪሎሜተራት ተጓዒዞም ነቶም መሳኪን ኦሪታውያን ደቀባት (ኣቦሪጂንስ) ብምውጋንን ዝተረስተይውንን ከም ሃገራት ዘማዕበሎወንን እዩ። እነሆ እምበኣር ቀጻሊ ተባላሓትነት ደቂሰባት ኣብዚ ሕጂ እዋን ነዛ ዓለምና ብመራኸቢ ኮነ ብኻልእ ተክኖሎጂካዊ ምዕባለታት ኣጽቢቦማ ኣሎዉ። ገናውን ከጽብብዋ እዮም። ዘመናዊ ናይ ሓቤሬታ ተክኖሎጂ እንዳተጠቐምና ብዘይ ብዙሕ ወጻኢ ነንሕድሕድና ንራኸብን ንማሃሃርን ኣሎና። ኣብዬት ዝሰርሕን ዘድምዕን ሓንጎል ደቂሰባት ዝይምህዞ የብሉን።

ኣብ ናይ ሎሚ ዓለምና፣ ሰለይ ኢልና ነርክበሉ ዳሓን ደፋእ ኢልና ነርክበሉ ዝበሃሉ ጊዜ ኣይኮነን። ብፍላይ ንሕና ኤሪትራውያን ትሰንፉ ኣለኹም፤ በጃኹም እባ ክሳድ ሓዙ ኣብዛ ንቕድሚት ትሕምበብን ትውንጨፍን ዘላ ዓለም ፤ ተባሂልና እንተተሓሚና ይግባኣና እዩ። እቲ ሕሉፍ ታሪኽናን ድሕረ ባይታናን እንተ ርኢና ብዙሕ ተወዳዳሪ ብልጹነት ምሃለወና። ኣብ ጎደቦ ኣስታት ሽሕ ዝተፈላለያ መራኽብ ዕለታዊ ዝመላለሳሉ ህቡብ ቀይሕ ባሕሪ ኢና ዘሎና። እቲ መበቆልና ዝኾነ ሃገረ ኤሪትራን ከባቢኡን ብኦሪተዊ ስልጣኔ ፍሉጥ ዝነበረሉ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን። ኣብቲ ስትራትጂካዊ ዝኾነ ክፋል ኣፍሪቃ ስለዝርከብ እዩ። ብብዙሕ ምኽንያታት ነዚ ተወዳዳሪ ብሉጽነትና (Competitive Advantage) ዛጊት ክንጥቀመሉ ኣይከኣልናን ዘሎና። ግን ነባ በሎም ንኢታይ በለን እንዳበልና ናይ ሰለይ ናብራ ክንነብር ብዝኾነ መልኪዒ ምኽኑይ ኣይኮነን። ኣይግድን ኣዬዋጻኣናን ድማ። ሃዬ ድኣ ነዛ ብርኽቲ መሬት ዓደቦና ዓዲ መዓርን ጸባን፣ ፈልፋሊት ዘይደርቕ ጸጋዊ ዛራን ንግበራ። እቲ መፍትሕ ብርግጽ ኣብ ኢድና እዩ ዘሎ። ተፈቲንናዶ ኣይኮናን። ናይ ኣሸሓት ዓመታት ታሪኽና ይመስክር። ነዚውን ክንገብሮን ክንዕወትሉን ክእለትን ትግሃትን ንውንን ኢና ከምህዝቢ።

ብፍላይ ንዓና ንኤሪትራውያን ኣብዚ ዘሎናዮ ጊዜ ከም ጠለብ ተክነሎጂካዊ ምረሻ ናይ ሎሚ ዓለምና ብማዕረ ንኽንኸይድ ድኣ እንታይ እዩ ዘድለዬና ዘሎ? እወ እዚ ሕቶዚ ክሕተት እዋኑ ዝጠልቦ ቀንዲ ብደሆ እዩ። በቲ ውድዓዊ መንገዲን ስነ ፍልጠታዊ መነጽርን ክረኤ ከሎ ድማ፣ ኣብ ንቑሕነት ንተክኖሎጂካዊ ፍልጠትን ትግባረን እዩ። እቲ ዘይታኣደነ ጥቕሙ ኣብ ሓፋሽ ህዝብና ክምዝሰርጽ ምግባር ድማ ኣድላዪ እዩ ። እዚ ድማ ንተግባርዊ ንጡፍነትን ተኽእሎን ብዓቢ ዝላ ንቕድሚት የወንጭፎ። ከመይ ጌረ እዚ ብቐሊሉ ክረኸቦን ክውንኖን ክኢለ ዘሎኹ ብዝሓየለ ዓቕሚ ዬድማዓሉ? ኣብ ምንታይ ዓውዲኸ? ዝብሉ ኣገደስቲ ሕቶታት ክንምልስ ይግብኣና። ብሓጺሩ እቲ ዘይንጹርን ዝተሓላለኸን ዘሎናዮ ዓውለማዊ ኩነታት ዝእዝዞ ክንገብር ኣሎና። እዚ ማለት ድማ ዓቕምና ከነህጥር፤ ፍልጠትና ከነደንፍዕ፤ ብልጫታትና ክንዕቅብ ከምኡውን ከነስብሕ፤ ጉድለታትና
ከነውሕድ ወይ ከነማህምን (marginalize)፤ መጻኢ ዕድላትናን ጥቕምታትናን ብዝግባእ ክንምዝምዝ ኣሎና ማለት እዩ። እዚ ምግባር ድማ ነቲ ምዕባለ ዘምጽኦ ተክኖሎጂ በቲ ክውንነታዊ ትግባሬኡን ዝያዳ ከርብሓና ዝካኣለሉ መንገዲን ኣብ ወልቃዊ ኮነ ማሕበራዊ መኣዲታት ብእንኽእለሉ መሃዝነታዊ መንገዲ ክንስልጥነሉን ክንረብሓሉን ይሕግዘና። እንታይ እዩ ዘድልየና ዘሎ ኢልና ለይትን መዓልትን ክንሰርሕን፤ ክንውጥንን፤ ከምኡውን ከነድምዕን ግድነታዊ ዕለታዊ ተግባርና ክኽውን ኣሎዎ። ። ነዚ በቲ ዝጸፈፈን ዝተዓጻጸፈን መንገዲ ከነተግብር ድማ እንታይ ረቛሒታት ዬድልዩና ኢልናውን ኣብ ክሊ ነብሰ ብዱህነት ክንሓስብን ውልቃዊ ተራና ነድማዓሉ ኩነታት ክንፈጥርን እቲ ዝዓበዬ ሃገርዊ እጃምና ክኸውን አሎዎ። ብቑዓት ተዓጻጸፍትን ንኽንከውን፤ ረብሓታትና ንከነውሕስ፤ ተወዳዲርና ጸብለልትነት ንኸነርኢ ብዙሓት ረቛሒታት ብዝሰፍሔን ዝጠንከረን ሜላታት ክንብድህ ይግባኣና። ነዚ ናይ ተክኖሎጂካዊ ተጠቃምነት፤ ነወነዝፎ ጉዳይ እውን ኣይኮነን። እቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ልዑል ብቕዓትን ኣስተዋጽኦን ተድሚሩ ሃገራዊ ብቕዓትን ዕብየትን ክምዝፈጥር ክንርዳእ ኣሎና።

ሎሚ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራትስ ይትረፍ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ እኳ እቲ አብ ርሑቕ ገጠራት ከይተረፈ መርበብ ኢንተርነት ዘይኣተዎ ኣዝዩ ውሑድ እዩ እንተበልኩ ኣየጋነንኩን። ሓደ ከነስትውዕለሉ ዝግባኣና ግን ኣሎ። ኣብቲ ከም ማይ ባሕሪ ዝምብዝሑ ውህሉል ሓብሬታ ኢንተርኔት ኣዝዩ ብዙሕ ዘዬድሊን ጐዳእን ዝኾነ ሓበሬታን ተርእዮታትን ስለዝሎ፣ ብጥንቃቐን ብውሕልነትን ክንጥቅመሉ ይግባኣና። ብፍላይ ንመንእሰያት ደቅናን ኣሓትናን ኣሕዋትናን ብዝግባእ ክንመኽሮምን፣ ከነለብሞምን ክንምህሮምን ከምኡውን ክነንቀሖምን ይግባኣና እዩ። ርኣዩዎ‘ ሞ እቲ ዘሎና ጊዜ፣ ውሱን እዩ። ኣብ ሰሙን 168 ሰዓታት እዩ ዘሎና ንኹልና። እቲ ፍልልይ ድማ ከመይ ነድማዓሉ እዩ። ንኣብነት ከም በዓል ሲንጋፖር ዝኣመሰላ ኣብነት ናይ ስልጣኔ ታኣምራታዊያን ወይ ኣናብር፣ ኣብ ሓጺር ጊዜ ካብቲ ዝነበራሉ ድኽነትን ትሑት ምዕባሌኣዊ ደረጃን ወጺኤን ኣብ ዓርሞሸሽ ስልጣኔኣዊ ደረጃ ክበጽሓ ዝኽኣላ ድማ ብውሕሉልን ሓፋሽ ኣሳታፊን ምሕደራ ብምትእትታውን ንዝትዋህበንን ዝሎወንን ጊዜ ብግቡእ ብምጥቃምን እዩ ካልእ ተኣምራታዊ ምኽንያት ዬብሉን።

ብምኽንያት ወንጫፊ ምዕባለ መራኸቢ ተክኖሎጂ፣ ኩሉ መዳያዊ ስነፍልጠትን መሃዝነታዊ ኣሰራርሓ ብልሓታትን ናብ ዩኒቨርሲታት ከድካ ጥራይ ኣይኮነን ዝርከብ። ዕድመ ንሓበሬታዊ ተክኖሎጂ፣ ስነፍልጠት ካብ ዝኾነ ጊዜ ንላዕሊ ሓሲሩ እዩ። ኣብ ዝኾን ቦታን ጊዜን ኮንካ ክትረኽቦ ዘጸግም ኣይኮነን። እቲ ቀደም ኣቦታትናን ኣዴታትናን (ከም ባዓል ኣቦይ) ላዕለዋይ ትምህርቲ ንምስናቕ ናብ ሃገራት ሰሜን ኣሜሪካን ኣውሮጳን ዝትጓዕዝሉ፣ ሎሚ ብመርበብ ኢንተርነትን ካልእ ሓቤሬታዊ መሳለጥያት ኣቢሉ ናብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብቐሊሉ ይበጽሕ ኣሎ። ኣብዬት ብፍላይ ንሕና መንእሰያት ወለዶ ከመይ ዝበለ ስቡሕን ጽቡሐን ዕድል እዩ ዘሎና? እቲ ዝድለ ድማ እቲ መሳለጥያታት ምዝርጋሕን ምውህሃድን እዩ ። ንኣብነት ኣብዚ ጊዜ ኢንተርነትን ካሎኦት ናይ ናይ ሓብሬታን ርክባትን መሳለጥያታት ኣብ ብዙሕ ዓውድስራሓት ቁጠባ ይኹን ማሕበራዊ ናብራ መዳርግቲ ዘይብሉ ኣግልግሎት ይህቡ ኣሎው። ሳላ እዚ ዘይተኣደነ ተክኖሎጂካዊ ጸጋታትን ተኸእሎታትን፣ ዝኾነ ብምያው ፍልጠትን ክእለትን ክምዕብል ዝደሊን ዝግደስን ሰብ ብዙሕ ዕድላት ክምዘሎዎ እዩ ብንጹር ዝእምት። ስለዚ ነዚ ዘመን ዘምጸኦ ፈጣን ውጽኢት ዓውሎማዊ (ግሎባል) ምዕባለ ብግቡእን በቲ ዝድል መቓንን ክንጥቀመሉ ክንክእል ኣሎና። ትግሃት፣ ተባላሓትነት፣ ዘይተኣደነ ድልዬት ከምኡውን ወሳንነት ጥራይ እዩ ዘድልዬና። እቲ ዘገርም ድማ ቅድሚ ቁሩበ ዓሰርተታት ዓመታት ሚልዮናት ከፊልካን ምህርታዊ ጊዜኻ ሰዊእካ ዝርክቡ ወይድማ ዝቕሰሙ ዝነበሩ ስነ ፍልጠታት፣ ሞያታት ከምኡውን ተኽእሎታት፣ ሎሚ ኣብ ኣብ ኩሉ ትዘርጊሖም ይርከቡ ኣሎው። እቲ ዝድለ ድማ ብተዛማዲ ብውሕድ ወጻኢታት ኮምፕዩተርን ተዛማዲ ናውትን ወኒንካ፣ ዋይ ፋይ (ወይ ኢንተርነት) ምትእትታው አዩ። ነዞም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብፍላይ ኣብተን ምዕቡላት ሃገራት እንንብር ድማ ዘጸግመና ኣይኮነን። እቲ እንኮ ክንገብሮ ዘሎና ድማ ነቲ ዘሎና ግዜ ብግቡአ ምጥቃምን ምምሕዳርን እዩ፤

እዚ ንእሽቶ ክፋል ስነጽሑፍ ካብቲ ብነብስሄር መንእሰይ ዮሓንስ መንግስተኣብ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ተማሃራይ ከሎ ካብ ዝገብሮ “ዳግማይ ክፍጠር አቲ ነብሪ፡ ድግማ ዕውት ቁጠባዊ ምዕባለ ሲንጋፖር ኣብ ኤሪትራ (Recreating the Tiger: Replicating the Economic Success of Singapore in Eritrea) ብዝብል አርእስቲ ንኡድ ምርምራዊ ስራሕ ዝተወስደ እዩ። ዮሓንስ ኣብ ሽዊት ዕድሜኡ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ (ዝተወልደሉ ሕዳር 08, 1992 - ዝዓረፈሉ ጥቅምቲ፣ 09,2015)። ተርጓሚ ወላዲኡ ዶ/ር መንግስተኣብ ተስፋዮሓንስ።
March 30, 2016
March 30, 2016
Yohannes, We Miss You 

In your life you touched so many.
In your death many lives were changed and grieved.
You were an amazing young man with full of promises and resources.
It is sad, without you here, our lives will never be the same.

Yohannes, we miss you more than words could ever say.
We are missing you even more with each and every passing day
Remembering your kindness and intelligence and perfect intentions
We just hold onto the memories that we made and
All the promises God so graciously gave.

Resting assured when Jesus comes there will be no more sadness,
No more goodbyes, just life together eternally with Jesus by our side

Your Parents and your sisters
March 30, 2016
March 30, 2016
ዮሓንስ ናፊቕናካስ፣ ስኢናካ

ይመሲ ይጽልምት ይሕደር ይወግሕ ይጸብሕ ይዋዓል ከምኡ አዩ ናብራ ዓለም
ወዲ ሰብ ይውለድ ይዓቢ ይበጽሕ ይማሃር ይስልጥን ይሰርሕ እቲ ዝድለ ንኸዓምም
ደቂ ሰባት ይትምነዩ ኣብዛ ዓለም ብሕይወት ምንባሮም ክኾኖሎም ዘለዎ ትርጉም

ሓዬት ዮሓንስ ኣይፋልካን ተሃዊኽካ ናበይ ደሊኻ ንዓ ተመለስ ኣይተብለና ሕልምልም
አቲ ብሩህ ኣእምሮኻን ሓላል ጠባይካን የድልዬና እዩ እቲ ዝሓለንካዮ ሰናይ ንኽዛዝም
እግዚኣብሔር ዓዲሉካ እንድዩ ብሩህ ኣእምሮን ቅንዕናን ንኹልና ብዘደንቕ ብዝስደምም
ትጉህን በሊሕን እንዶ ኣይነበርካን ትውንን ተስንቕ ስነ ፍልጠት ንምዕባለ ውዲሰብ ዘቕድም
ትምኒትና ወሰን ኣይነበሮን ክትኮነልና ንኡድ ነባሪ ማሕዮት ኣብነት ናይ ዕውት ስራሕ ዝፍጽም

ቀጽሎ እቲ ስራሕካ ዳግም ንኽፍጠር እቲ ነብሪ ዓደቦኻ ኤሪትራ ማዕቢላ ንኽትልምልም
ኣልማዝ ኔርካ ወርቂ ልዕሊ ኩሉ ዝግመት ተኾለፍካዶ ኣብ ሸዊት ዕድመኻ ንኹሉ ብዘሕምም
ሓዘና ወሰን ዬብሉን ጉዕዞይ ወዲኤ ካብ በልካና እንታይሞ ክንብል፣ እንታይ ክንገብር ኣበይክ ከንርዕም

ግንከ ንበል እግዚኣብሔር ሃበ፤ እግዚኣብሔር ወሰደ ስም እግዚኣብሔረ እወ ይባረኽ ንዘለኣልኣለም
ኣጆኻ ዮሓንስ ሽግ ቃልስኻ ቀጻሊዩ፤ ሰናይ ተበግሶኻ ሓላል እዩ ወትሩ ንቡዝሓት ዝዕድም
እግዚኣብሔር ብርሃን የብርሃልካ፣ ኣብቲ ሰናይ ኢዱ ይቀበልካ፣ ዕረፍቲ ይሃብካ ንዘላኣለም

ካብ ዝፍቅሩኻ ኣዴኻ፣ ኣቦኻ፣ ኣሓትካ ምሰ ምሉእ ስድራ ቤት
ቀዳም 21 ሕዳር፣ 2015

Leave a Tribute

Light a Candle
Lay a Flower
Leave a Note
 
Recent Tributes
November 8, 2023
November 8, 2023
Yohannes, today is your birthday, Nov. 8, 2023. Unfortunately, you are not with us physically. But you are always in our hearts and minds. We remember you with emotions and extreme sadness. What can we do? We missed you, which is unbearable for us. We can say only we are just WE ARE LIVING FOR YOU. Our young, no wards will not suffice for us to express our sadness. REST IN A PERFECT PEACE.

ፍቑር ወድና ዮሓንስ። ሎሚ መዓልቲ ሕዳር 8, 2023 ዕለተ ልደትካ እዩ። ወላካ ብኣካል ካባና ካብ ንፈትወካ ስድራ ቤትካ እንተተፈለኻ ኣብ ልብናን መንፈስናን ኣእምሮናን ኩሉጊዜ ምሳና ኢኻ። ዮሃና ንዕለተ ልደትካ ድማ ንብለካ። ዘሕዝን እዩ ድማ። እወ ንዓኻ ክብርን ዝኽርን ምእንቲ ክንህብ ንነብር ኣለና። እወ ንዓኻ ክንዝክር። ዘሕዝን ድማ እዩ።

Today, November 1, 2023, is ALL SAINTS DAY. This is a Memorial Day honoring and commemorating all our children, sisters, brothers, parents, and other friends and good wishes who passed away from this complex earthly life. Let the Lord Jesus Christ bless their souls.
Our beloved son YOHANNES, we, your parents, sisters, extended families and friends living in all places, honoring and remembering you. You are always in our hearts and minds. Rest in perfect peace.
November 1, 2023

ሎሚ መዓልቲ ሕዳር 1, 2023, ዝኽሪ ኩሉም ካብዛ ዓለም ዝሓለፉ ነብሲሄራት ደቅና፣ ኣሓትና፣ ኣሕዋትና፣ ወለድናን ካሎኦት ፈትውትናን ንኹሎም ብልብናን ብሕልናን ንዝክረሉ ቅዱስ መዓልቲ እዩ። ወድና ዮሓንስ ድማ ብልብና፣ ሕልናናን ንዝክረና ኣልአን ንሕና በተሰብካን ፈተውትኻን፥
እዴኻ ኣቦኻ ኣሓትካን ኩሉ ቤተሰብካን
ሕዳር 1, 2023
October 9, 2022
October 9, 2022
TODAY SEVEN YEARS AGO WAS A SAD DAY OF THE PASSING AWAY OF OUR DEAR SON YOHANNES MENGSTEAB.
YOHANNES, YOU ARE ALWAYS IN OUR HEARTS AND MINDS
YOUR PARENTS, SISTERS AND EXTENDED FAMILY MEMBERS.
His Life
November 8, 2023
Yohannes, today is your birthday, Nov. 8, 2023. Unfortunately, you are not with us physically. But you are always in our hearts and minds. We remember you with emotions and extreme sadness. What can we do? We missed you, which is unbearable for us. We can say only we are just WE ARE LIVING FOR YOU. Our young, no wards will not suffice for us to express our sadness. REST IN A PERFECT PEACE.

ፍቑር ወድና ዮሓንስ። ሎሚ መዓልቲ ሕዳር 8, 2023 ዕለተ ልደትካ እዩ። ወላካ ብኣካል ካባና ካብ ንፈትወካ ስድራ ቤትካ እንተተፈለኻ ኣብ ልብናን መንፈስናን ኣእምሮናን ኩሉጊዜ ምሳና ኢኻ። ዮሃና ንዕለተ ልደትካ ድማ ንብለካ። ዘሕዝን እዩ ድማ። እወ ንዓኻ ክብርን ዝኽርን ምእንቲ ክንህብ ንነብር ኣለና። እወ ንዓኻ ክንዝክር። ዘሕዝን ድማ እዩ። 



Today, November 1, 2023, is ALL SAINTS DAY. This is a Memorial Day honoring and commemorating all our children, sisters, brothers, parents, and other friends and good wishes who passed away from this complex earthly life. Let the Lord Jesus Christ bless their souls. 
Our beloved son YOHANNES, we, your parents, sisters, extended families and friends living in all places, honoring and remembering you. You are always in our hearts and minds. Rest in perfect peace.
November 1, 2023


ሎሚ
 መዓልቲ ሕዳር 1, 2023, ዝኽሪ ኩሉም ካብዛ ዓለም ዝሓለፉ ነብሲሄራት ደቅና፣ ኣሓትና፣ ኣሕዋትና፣ ወለድናን ካሎኦት ፈትውትናን ንኹሎም ብልብናን ብሕልናን ንዝክረሉ ቅዱስ መዓልቲ እዩ። ወድና ዮሓንስ ድማ ብልብና፣ ሕልናናን ንዝክረና ኣልአን ንሕና በተሰብካን ፈተውትኻን፥

እዴኻ ኣቦኻ ኣሓትካን ኩሉ ቤተሰብካን
ሕዳር
 1, 2023

GONE TO SOON SAD

May 24, 2020
THE SADNESS, THE TERRIBLE EVENT, GONE TOO SOON. WHY? WHY? WHY? THE AGONY. YOU ARE ALWAYS FRESH IN MY SOUL AND MIND
Your dad,
Mengsteab
Recent stories
September 1, 2022

ድኻም ንኣሽቱን ስድራ ቤታዊ ትካላትን ዋኒናዊ መሃዝነትን ኣብ ኤርትራ

መንግስተኣብ ተስፋዮሓንስ, Ph.D, PDS,  Yohannes  Mengsteab Tesfayohannes, BA, Bsc (honors)

መተሓሳሰቢ
እዚ
ጽሑፍናይ ጸሓፊ ነጻ ኣታሓሳስባን መርገጽን ዝምርኮስን ዘንጸባርቕ እዩ። ናይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ኣታሓሳስባ፣ መርገጽ፣ ፍልስፍና፣ ወይድማ ናይ ፕሮግራም መርገጺታት ዝውክል ኣይኮነን

ድኻም ንኣሽቱን፣ ስድራ ቤታዊ ትካላትን፣ ዋኒናዊ መሃዝነትን ኣብ ኤርትራ

ብዙሓት ግዱሳትን፣ ለባማትን፣ ፈላጣትን ኤሪትራውያን ሃገራውያን ኣብ ብዙሕ ማሕበረ ቁጠባዊን፣ ፖሊቲካዊን፣ ባህላዊን፣ ታሪኻዊን፣ ስነፍልጠታውን ተርእዮታትኣተኲሮም ብበሊሕ ኣእምሮ ይዋስኡ ኔሮምን ኣለውን። ብቐጻሊ ድማ ብዙሕ ሃናጺን፣ ኣገዳስን፣ ርሑቕ ዝጠመተ ምኽርን፣ ትንተናን፣ ለበዋን ይህቡናን፣ ይሕብሩናን የስተምህሩናን ኔሮም ሕጂውን ይቕጽልዎ ኣለው። እቲ ዝድለን ነዚ ብሉጽ ምኽሮምን፣ ፍልጠታዊ ኣስተዋጽኤኦምን ነቲ ሓጹራትን፣ ኣደናጋሪ ህውተታን ሰጊርካ ኣብ ግብሪ ምውዓልን ካብኡ ምኽሳብን ምጥቃምን እዩ። እቲ ቀንዲ ዓላማ ድማ ምእንቲ ስልጥንትን፣ ብልጽግትን፣ ምዕብልትን ሃገር ንምፍጣርን ንምውናንን እዩ። ካልእ ብልሓትን ሚስጢርን ድማ የልቦን።ብተወሳኺ፣ ንኹሉ መዳያዊ ጸጋታትን ተኽእሎታትን ሃገሩ ብላዕለዋይ ኢድ ብብቕዓት ዝወነነ መሃዝን ዕውትን ዘብየታዊ (በዓል ዓደቦ ወይድማ በዓል መረበት) ስልጡንን፣ ተዓጻጻፍን፣ኩሩዕን፣ ብሉጽን ህዝቢ ንሓዋሩ ነታ ሃገር ምእንቲ ክህልዋ እዩ።

ኣብዚ ኣነ ብሕጽር ዝበለ ክዝትየሉ ደልየ ዘለኹ ድማ ብዛዕባ እቲ ብናእሽቱን ስድራ ቤታዊ ትካላት ዝፍለጥ (Small and family businesses or ventures) እዩ። እዚ ሓደ ዓቢ ኣካል ናይቲ መዳርግቲ ኣልቦ ተራ ዘለዎ፣ ብብሕታዊ ጽላት ዝፍለጥ ቁጠባ ሃገር እዩ።እዚ ክፍለ ጽላት እዚ ናይ ብሓቂ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክነሱ፣ ስጋብ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ብዘሕዝን፣ እቲ ዝግባእ ኣቓልቦ በቶም ዝምልከቶም ቀለስትን ወሰንትን ኣማሓደርቲ ሃገር ኢና ዝብሉ፣ በብምሕዳራዊ መሳልል ተጸፍዮም ዘለው፣ ዝተሓረመ ምዃኑ እዩ።ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ፣ እዚ ክፍለ ጽላት፣ ቀንዲ መንኮርኮር ዲናሚካዊ መስርሕ ምዕባለ ሃገራዊ ቁጠባ ምዃኑ ምርዳእ ይድለ። ተራ ናይተን ንኣሽቱን ስድራቤታውያንን ትካላትኣብ ኩለን ቁልጡፍ ምዕባለ ንምምዝጋብ ብዕቱብ ዝነጥፋን ዝጽዕታን ዘለዋ ሃገራት ዕዙዝ ምዃኑ ብብዙሕ ጭብጥታት ክፍለጥ ዝከኣል ኢዩ ። ኣዚ ዘመልክቶ ድማ እዘን ትካላት ኣብፈጣን ናህሪ ኩሉ መዳያዊ ሃገራዊ ምዕባለ፣ ብፍላይ ድማ ቁጠባዊ ምዕባለን ብራኸን ዘለወን እጃም መዳርግቲ የብሉን (Stel, et al, 2005; Acs, et al, 2008; Abor, & Quartey, 2010)።

ኣብ ብዙሓት መጽናዕትታን ምርምራዊ ስራሓትን ብንጹር ከም እተግልጸ፣ ካብ ብሕታዊ ቁጠባ ሃገር ብገፊሑ፣ እጃም ናይዘን ንእሽቱን ስድራ ቤታዊን ትካላት ካብ ተስዓ ሚእታዊ ንላዕሊ እዩ (Tesfayohannes, 1998; Edmiston, 2007; Gamidullaeva, et al, 2020)። እዚ ድማ ኣብ ዝማዕበላን ከምኡውን ኣብ ምምዕባል ዘለዋን ሃገራት ብሰፊሑ ክውንነትዊ ተርእዮ እዩ። ብኡ ምኽንያት እዩ ድማ ዳርጋ ኩለን ሃገራት ኣብቲ ቀንዲ ናይ ሃገራዊ ምዕባለ ኣጀንደአን ብፍሩይ ሰሪዔንኦ ዘለዋ። እዘን ንኣሽቱን ስድራ ቤታዊን ትካላት፣ ኣብ ሃገራዊ ቁጠባ ዝፈጥረኦ ናይ ስራሕ ዕድላትን፣ ማእቶታዊ ኣድማዕነትን፣ ድንፋዔ ሰብኣዊ ጸጋን፣ ተኽእሎን ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ዓርሞሸሽ ኣብርክቶአን ኣብ መስርሕ (ከይዲ) ሃገራዊ ህንጸት (State building process) ከኣ ዕዙዝ እዩ። ከም በዓል ደቡብ ኮረያ፣ ጀርመን፣ ታይዋን፣ ሲንጋፖር፣ መክሲኮ፣ ኣብ ፋርሳዊ ወሽመጥ ዘለዋ ንኣሽቱ ሃገራት፣ ማለዥያ፣ ወዘተ፣ ሳላ ነዘን ትካላት ዘማዕበላን መሪሕ ተራ ንኽጻወታ ስለ ዝገበራ እየን፣ ዓርሞሸሽን ዲናሚካዊን ሃገራዊ ቁጠባ ክሃንጻን፣ ሕኑን ምዕባለን ከመዝግባ ዝኸኣላ። ካለኦት ሃገራት ከም በዓል ቬትናም፣ ታይላንድ፣ ኢንዶነሽያ፣ ካምቦድያ፣ ባንግላደሽ፣ ብተወሳኺ ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳን ከምኡውን ናይ ቀደም ሕብረት ሶቭየት ኣካል ዝነበራ ሕጂ ነጻ ሃገራትን እውን ኣይሓመቓን (World Bank, UNDP, Reports, 2020)።

ኣስተዋጽኦ ናይዘን ትካላት ብሓፈሻ፣ ኣብ ድንፋዔ መሃዝነትን ማእቶታዊ ንጥፈትን ሓፋሽ ህዝቢ (grassroots) ድማ ፍሩይን ሓያልን እዩ። ብተወሳኺ፣ ኣበርክቶን ተራን ናይዘን ትካላት ኣብምስፍሕፋሕን ምስራጽን ተግባራዊ ሞያዊ ክእለትን፣ መሃዝነታዊ ምልከትን፣ ዋኒናዊ መሃዝነትን (Entrepreneurial innovation at the grassroots level)፣ ክገብር እየ በሃላይነትን (Adventurous sprit and passion)፣ ብፍላይ ኣብቲ ናይ ጽባሕ ቀላሲ መንእሰይ ወለዶ መዳርግቲ ዘይብሉ ተራ እዩ ዘለዎ።ከምቲ ኣብ ላዕሊ ብኣብነት ዝጠቐስኩዎ ድማ ብጭብጢ፣ ኣብተን ኣብ ዓለምና (እንኮላይ ኣብ ኣፍሪቃ) ዘለዋ ኣብነታውያን ዕውታት ሃገራት ጐሊሑ ይረአ ኣሎ። ካለኦት ብዙሓት ሃገራት እውን ካብተን ዝተዓወታ ኣብነታውያን ሃገራት ትምህርትን ተሞክሮን ብምቕሳም፣ ብዝተዋሃሃደን ዝተዋደደን መርሓ መንገዲ (Roadmap) ነዘን ትካላት እዚኤን ንምድንፋዕ ብቐጻሊ ይነጥፋ ኣለዋ (Abisuga-Oyekunle 2020)።

ብተወሳኺ እተን ኣብላዕሊ ዝጠቐስኩወን ኣናብር ሃገራት፣ ካብ ኣፍሪቃ እውን ከም ባዓል ጋና፣ ናይጀርያ፣ ኣልጀርያ፣ ሞዛምቢክ፣ ቦትስዋና፣ ሞርሴሽ፣ ካሜሩን፣ ሩዋንዳ፣ ኡጋንዳ፣ ሰነጋል፣ ኮት ዱቯር፣ ከንያ፣ ግብጺ፣ ሞሮኮ፣ ቱኒዝያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ናሚብያ፣ወዘተ ይጥቀሳ። ስለዚ ነዘን ትካላት ቀዳምነት ሂብካ ምትብባዕን፣ ሓጋዚ ትሕተ ቅርጽን ልዕለ ቅርጽን ኣዋዲድካን፣ ኣጣዓዒምካን፣ በቲ ዓቕሚ ዘፍቅዶ ብሕኑን ንምምዕባለን ምሕጋዝ ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ። ብዘይ ዝኾነ ቀሚሽ ኣደይ ሕንኩሉኒ፣ ውዓል ሕደር ዘየድልዮን ቀዳምነት ክዋሃቦ ዘለዎ ግድነታዊ ሃገራዊ ዕማም እዩ።

ኣብ ምዕባለ ሃገራዊ ቁጠባ ብዝምልከት፣ ጽፉፍነትን፣ ኣድማዕነትን፣ ናይ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዝወርድ ቅርጻዊን መሳልላውን መንግስታዊ ምሕደራ ዝምዘን ድማ ኣብ መትኒን መሰረትን ሓፋሽ ዝኾና ትካላት ኣብ ዝግበር ንጥፈታት እዩ። ብሓጺሩ፣ ኣድለይቲ ዓቕምታትን ጸጋታትን ሃገር በቲ ዝድለ መቓንን ዝከኣል ወፍርን ተበግሶን ክህነጽን ክስውድን እንተድኣ ዝድለ ኮይኑ፣ ኩሉ መዳያዊ ናይ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝነብር ሓፋሽ ህዝቢ ተሳታፍነት፣ ኣስተዋጽኦን ብኹሉ መድያትን መእዝናትን ክታባባዕን ናይ ግድን ክኸውን ኣለዎ። ነቲ ውላድ ሃገር እውን፣ ፖለቲካዊ መትከሉ ብዘየገድስ፣ ዲሞክራሲያዊ ማዕጾን ክኽፈተሉ ኣለዎ። ብሓጺሩ ሓፋሽ ህዝቢ ማእከል ዝገበረ፣ ነጻ ዝኾነ ኣታሓሳስባን፣ ቀላሲ ዲሞክራሲያዊ ሃዋህውን ብውሕስን ብሓልዮትን ክህሉ ኣለዎ። እዚ ምስ ዝግበር እዩ እቲ ኩልና እንትምነዮ፣ ኩሉ መዳያዊ ምዕባለ ሃገር ብሕኑን ፍጥነት ክምርሽ ዝኽእል። ኣብ ዕውታት ሃገራት ከም ዝተመስከረሉ ድማ ዝፈተወ ይፍቶ፣ ዝጸልኤውን ይጽላእ እምበር፣ እዚ እዩ እቲ እንኮ ምርጫ በቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዝሓልን ዝሕልንን ውልቀ ሰብ ይኹን እኩብ ክርዓም ዝግበኦ።

  • ኩነታት ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ንእሽቱን ስድራቤታዊን ትካላት
  • ዕቑር ተዋዳዳሪ ብሉጽነት ኤርትራ (The Competitive Advantage of Eritrea)

2.1. ድሕረ ባይታ

ንዋኒነ ንግድን ትካላዊ መሃዝነትን ኤርትራውያን በቲ ውድዓዊ ዓቕሚ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ብዙሕ ጊዜ ዝደጋገም ብሂል ኣሎ። ኤርትራውያን ብፍላይ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ከም ባዓል ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኬንያ፣ ኣንጎላ፣ ኡጋንዳን፣ ወዘተ ብዙሕ ይነጥፉን ኣብ ብዙሕ ትካላዊ ዋኒናት ይዋስኡ ኔሮምን ኣለውን ተባሂሉ ካብ ዝሓለፈ 85 ዓመታት ጀሚሩ ብኹርዓት ይንገርን ይጋዋሕን እዩ (Killion, 1996; Biziouras, 2013; Weldeghiorgis, 2004; African Research Bulletin, 1996; Mesghenna, 2003)  ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ብመንጽር ንህዝብና ዝህቦ ጠቕሚ ክምዘን ከሎ ግን ብዙሕ ዘተሓሳስብ ኢዩ (Department of State, 2014; World Bank Report, 2020; Miner, 2022)። ካብ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ወጻኢ ኰንካ ምውንጫፍ፣ ኣብ ሃገርካ እቲ ቀንዲ ትካልካ ደኲንካ ክትነጥፍ ተመራጺ እዩ ነይሩ። ከከም ኣድላይነቱ ብዝኽፈት ዕድላት ድማ ኣብ ካለኦት ሃገራትውን ብዝተኻእለ መጠን ማልካን (ካፒታልካ) ትካላዊ ክእለትካን ኣብቲ ከርባሓኒ ይኽእል እዩ እትብሎ ካብ ሃገርካ ወጻኢ እውን ክትነጥፍ ትኽእል ይከእል እዩ። ግን እቲ ሱርካ ኣብ ዓድካ ክኸውን ኣለዎ። እዚ እዩ እቲ ዝድለ።

ግን ብሰንኪ ሕማቕ ደፋእቲ ረቛሒታት ማለት እዚ የማሓድር ኣለኹ ዝብል ዘሎ እህግደፋዊ ስርዓት፣ ንቑጠባ ሃገር በቲ ናይ ትካላዊ መሓውራቱ ፈጺሙ ንኽግብትን ክቆጻጸርን ክብል፣ ብዝተኸተሎ ኣዕናዊ ቁጠባዊ ምሕደራ ምኽንያት፣ ተሓግሒካ ካብ ዓድኻ ወጺኢካስ፣ ኣብቲ ዝተሰደድካዮ ሃገር ኮንካ ከተስፋሕፍሕን፣ ክትንቃሳቐስን፣ ከተመስርሕን ከምኡውን ኣብ ዋኒነ መሃዝነት (Entrepreneurial Innovation) ክትነጥፍን ከለኻ፣ ነተን ትነብረለን ዘለኻ ሃገራት ኣዝዩ ጠቓሚ እኳ እንተኾነ፣ ንሃገርካ ግን ከምቲ ዝድለ ኣየርብሕን (Miner, 2022)። ነቲ ዓድኻን መበቆልካን ዝኾነ ሃገር ብዙሕ መዳያዊ ሃስያ ድማ ኣለዎ። ዛጊት ኣዕናዊ ውጽኢቱን፣ ኣሉታዊ ጽልዋታቱን ድማ ብግሉጽ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ማሕበረ-ቁጠባ ኤርትራ ንርእዮ ኣሎና (Müller, 2022; Hirt, 2021)።

ንዝኾነ ትካላዊ ምንቅስቓስ ወይ ንጥፈታት ናቱ ንድሕሪትን ንቕድሚትን ተመጢጡ ዝተሓሓዝን ዝዋሃሃድን ኩሉመዳያዊ ቁጠባዊ ርክባትን ተኣሳሰርነትን ኣሎዎ (backward and forward economic link and interactions)። ንኣብነት ሓደ ናይ መገጣጠምን ሰንዓን ትካል ምስ ዝምስረት ወይ ዝጣየስ፣ ነቲ መስርሕ ዘድሊ ቀረባት ዘመስርሓ፣ ዘዳልዋ ከምኡውን ዘቕርባ ተማላላእቲ ትካላት ከድልያ እየን። ምህርታዊ ውጽኢታት ናይቲ መገጣጠሚ ትካል ዝደልያ (ገዛእቲ) ትካላትውን ክህልዋ እዬን። ነቶም ኣብተን ትካላት ዝዓዩ ሰራሕተኛታት እውን ንመነባብሮ ዘድልዮም ኩሉ ዘቕርባ ኣመስራሕትን፣ ወሃብቲ ኣገልግሎትን ትካላት ክህልዋ እየን። ንቕድሚትን ንድሕሪትን እንዳተታሓሐዘ ድማ ንኩሉ መዳያዊ ቁጠባ ሃገር ብቀጻልነት ብዘህጥር ኣገባብ ይቕጽል (Strategic Value Chain and Eco-system of the economic productivity process)። እዚ ናይ ቁጠባዊ መስርሕ ስርርዕ ምስ ዘይህሉ፣ እቲ ዝድለ ቀጻሊን ሕኑንን ቁጠባዊ ምዕባለ ኣይህሉን። እቶም ናይ ቁጠባዊ ኣድማዕነት መሃዝትን ቀለስትን እውን ከምቲ ዝድለ ኣይስስኑን። ናይ ትካላዊ መሃዝነት ብቕዓትን፣ ተመኩሮን፣ ከምኡውን ዕቑር ጸጋን ክእለትን ዝውንኑ ኣብ ሃገር ምስ ዘይህልው፣ ንኹሉ መዳያዊ ምዕባለ ማሕበረ-ቁጠባ ሃገር ኣዝዩ ጐዳኢ እዩ። እቲ ማህሰይቲ ድማ ናብቶም ተስፋ ከነንብረሎም ዝግባኣና ተካእቲ ወለዶ ይበጽሕ እሞ ውሽጣዊ ዓቕምን ብቕዓትን ጸጋን ተኽእሎን በቲ ዝድለ ከምዘይጥረ ይገብር።እዚ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ መሪር ሓሞት ብሰፍነግ ምስታይ ማለት እዩ። ነቲ ክኣሊ ኩሉ ዝኾነ ሓፋሽ ዓቕምን፣ ጸጋን፣ ተኽእሎን ብቕዓትን ንኸየጥሪ ምግባር ማለት እንታይ ማለት ምዃኑን፣ እንታይ ኣዝዩ ጎዳኢ ስምብራት ከምዝገድፍን፣ ካብ ኩሉና ዝስወር ኣይኮነን። የሕዝን ድማ።

ርኣይዎን ተዓዘብዎን እሞ፣ ናይቲ ሓፋሽ ህዝቢ (grassroots) መሃዝነትን፣ ንጥፈትን፣ ኣብተን ብስደት ንነብረለን ዘለና ርቡሓት ሃገራት፣ ዓርሞሸሽ ዕብየትን ምዕባለ ከምዝፈጠረ። ብኸመይ ማእከል ስሕበት ንክኾና ከምዝሓገዘን። ካብተን ሃገራት ኣፍሪቃ እውን ብዙሓት ብምሉእ ዓቕመን ይጽዕራ ከምዘለዋ ንዕዘብ ኣለና (Peprah,& Adekoya, 2020)። ካብቲ ዝተሓተ ዋኒናዊ መሃዝነት ንጥፈታት ከም ኣደይ ኩሉ ብሓሙሸት ሳንቲም ኣለክን ሸቐጥ ኣብ ህዝባዊ ፍኑው ዕዳጋ፣ከምኡውን ስጉርፈኦ ተሰኪሞም ገዛ ገዛ ብምኻድ ኮሚደረን ካልቕ ሸቐጥን ካብ ምሻጥ ስጋብ ዘመናውያን ንእሽቱ ትካላት ኣብ ምምስራትን ዝበጽሑ ብቋልያ ዋኒነ መሃዝቲ ኤርትራውያን (Eritrean loacal and survivalist Entrepreneurs)፣ ኣብ ዓዶም ዕድል ተነጊፉዎም፣ካብ ዓዶም ርሒቖም እንታይ እዮም ዝገብሩ ዘለው ኣብተን ዕድል ክረኽቡለን ዝኸኣሉ ሃገራት ተሰዲዶም? (Heilbrunn, & Rosenfeld, 2019)። ዕድለኛታ ከም በዓል ደቡብ ሱዳን፣ ኣንጎላ፣ ኡጋንዳ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ዱባይ ብፍሩይ ክጥቀሳ ይኽእላ። እወ፣ ህርኩታት ኤርትራውያ ኣብኤን ተቐሚጦም ይነጥፉ ስለ ዘለው። ካብዚ ዝኸፍእ በሰላ ዝገድፍ ውርሻዊ ተርእዩ ኣሎ ድዩ? ብኸምዚ እንተቐጺሉኸ እንታይ እዩ ክኸውን እቲ ናትና ነገር ኣብ ዝመጽእ ዓሰርተ ዓመትን ድሕሪኡን? ሕሰብሉ ድኣ ደቂ ሃገር። ሃገር ማለት ህዝቢን ኩሉ ምስኡ ዝኸይድ ባህሉን፣ ዘይተበረዘን ዘይተኸለሰን ታሪኹን፣ ክብሩን፣ ያትኡን ምዕባሌኡን፣ ማሕበራዊ መነባብሮኡን እዩ። ሃገር ጎቦን ስንጭሮን፣ እምንን ሓመድን ባሕርን ጥራይ ኣይኮነን።

2.2. ውርሻዊ ባህሊን ማሕበራዊ ናብራን ኣብ ኤርትራ

ከም እንፈልጦ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣን ክሊማዊ ኣቀራርጻን ምድሪ ኤርትራ ኣዝዩ ተባሃጊ እዩ። ካብ መበል 18 ክፍለ ዘበንን ቅድሚኡን ጀሚሮም ገዛእቲ ሓይልታት ብተዳጋጋሚ ኣርዑት መግዛእቶም ንኽጸውርን፣ ግዳይ ምዝመዛኦም ንኽኸውንን ንህዝብና ኣገዲደሞን፣ ኣዋርዶሞን፣ ድሂኸሞን እዮም (Lusini, 2006; Bereketeab, 2000))።ርግጽ ኢዩ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብኣጠቓላሊ ክምዘን ከሎ፣ ኣብቲ ግዝኣቱ ነበር ዝገድፎ ብዙሕ መዳያዊ ክፉእን ሕማቕን ውርሻዊ ተርእዮ ኣብ ቦትኡ እንዳሃለወ፣ ግን ሓደ ሓደ ንጽቡቕ ተወራራሲ ዝኾነ ሓድግታትውን ይገድፍ ኢዩ (Killion, 1996)። ንኣብነት ኣብ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ጥልያን ብሰፊሑ ካብ ዝተወርሱን ዝተኣታትተውን ጽቡቕ ሓድግታት ሓደ-መንቋሕቋሕታ ናይ ንኣሽቱን ስድራ ቤታውን ዋኒናዊ መሃዝነት (Small and familty Businesses and Grassroots Entrepreneurial Innovation and acumen) ኢዩ። እኹል ኣብነታት ናይዚ ሕላገታት ብቐሊሉ ኣብ ኤርትራ ይረኤ ኔሩ እዩ ።

ህዝቢ ጥልያን ካብ ነዊሕ ጊዜ ኣትሒዙ ብቐንዲ ዝፍለጠሉ ማዕበያን ባህላዊ ኣምርን ኣለዎ። ንሱ ድማ ምውናን ክእለትን ብቕዓትን ኣብ ንኣሽቱን ስድራቤታዊ ዋኒናዊ መሃዝነት ኢዩ (Ruggieri, et al, 2014; Jerven, & Weisdorf, 2021)። ኢጣልያዊያን ወለዲ ንደቆም ካብቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ከይዶም ዝመሃርዎ ዝያዳ፣ ኣብ መንበሪ ገዘኦም ዝምህርዎም ተግባራዊ ስነ ጥበባትን መሃዝነታዊ ክእለታትን ይበዝሑ። ንኣብነት እቶም ወለዲ ኣብ ስርሓት ንግዲ ዝነጥፉ ወይ ዝተዋፈሩ እንተኾይኖም፣ ነቶም ደቆም ገና ብንእስነቶም ከለዉ በቲ ዝግባእ ስልጠናዊ መንገዲን፣ ተግባራዊ ተመኩሮን ከምዝዋስኡ ይገብሩ እዮም። ብተግባር ድማ እቲ ንነዊሕ ጊዜ ዝሰልጠንሉን ዝዓበይሉን ተግባራዊ ሞያ ናብ ደቆም በቀጻሊ ከም ዝሰርጽን ከምዝውረስን ይገብሩ። ኣብ ኤርትራውን ብትሑት ዓቕሚ ድኣ ይኹን እምበር እዚ ሞያዊ ባህሊ’ዚውን በብደርጅኡ ይዓኩኽን ይትግበርን ከምዝነበረ ይፍለጥ ።

ዋኒናዊ መሃዝነትን ኢደ ጥበባዊክእለትን፣ ካብቲ ዝዓበየ ስጋብ’ቲ ዝነኣሰ፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኬድካ ኣብ ክፍሊ ኮፍ ኢልካ፣ ተማሂርካ፣ ዲፕሎማን ዲግሪን ዓቲርካ ጥራይ ዝውነን ዝመስሎምን፣ ብጌጋ ዝርድኡን ብዙሓት ሰባት ኣሎው። ዋኒናውን ሞያውን ክእለት ዝጥረን ዝሰርጽን ካብ ብዙሕ ረቛሒታት ኢዩ። ካብ ልምድን ተሞክሮን፤ ከባብያዊ ጽልዋን፣ ሓድግታትን፣ ሓፈሻዊ ስነ-ፍልጠት፣ ከምኡውን እቲ ፍሉጥ ስሩዕ ኣካዳሚያውን፣ ሞያዊ ስልጠና፣ ወዘተ። እንተስ ብማዕበያ፤ እንተስ ብውርሻ ንሕና ኤርትራዊያን’ውን ብኢደ-ጥበባዊ ዋኒነ ስራሓት ብልጫታት ኔሩና ኢዩ ብመንጽር ከባቢና ክረኤ እንከሎ። ናይዚ ሓቅነት ዝምስክሩ ብዙሓት ታሪኻዊ ጭብጥታትን ውጺኢታትን ኣለው እንተላይ ኣብ ሓርነታዊ ቃልስና።

እንተኾነ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ንምዕባለ ንኣሽቱን ስድራ ቤታዊ ትካላት ብመንግስታዊ ምሕደራ ዝተወስደ ብቑዕን ኣድላይን ስጉምቲታት ከምቲ ዝድለ ዘዕግብ ኣይኮነን (Haile, 2013; Negash, 1998; Malamulo, 2019; Belloni, & Jeffrey, 2019)። እዚ ድማ ኣብ ቀጻሊ ምድኻም እዘን ንኣሽቱን ስድራቤታዊ ትካላት ኣሉታዊ ኣስተዋጻኦ ብቐጻሊ ይገብር ኣሎ። እዚ ዘይቅቡል ዝሕታለ ድማ ነቲ ዝመጽእ ሃገር ተረካቢ ወለዶ ብብዙሕ መዳያት ጐዳኢ እዩ። እቲ ከም ወራሲ ኮይኑ ነቲ ስድርኡ ዝገደፍሉ ትካል ከማዕብል ዝግብኦ መንእሰይ ወለዶ ክወርስን ዋኒናዊ ሓድጊ ወለዱ ብዚያዳ ከማዕብልን፣ ዕድል ኣይረክብን ዘሎ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ድማ፣ ጉድእቱ ንሃገርን ህዝብን ፍሉጥ እዩ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብዘለው ሃጓፋትን፣ ዘየተባብዑ ደፋእቲ ረቛሒታትን (Internally instigated push factors) (Fitsum, et al, 2016; Müller, 2022) ብተወሳኺ እውን፣ ካብ ሃገር ወጻኢ (ብፍላይ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት) ብሕልማዊ ምቁር ሕብስቲ ዘወናዉኑ ሰሓብቲ ረቛሒታት (Externally instigated pull factors) ምኽንያት ብዙሓት መንእሰያት ብብዝሒ ነታ ዝፈትዉዋ ዓዶም ራሕሪሖም ስለ ዝተሰደዱን ዝተበታተኑን፣ እተን ንኣሽቱን ስድራ ቤታውያን ትካላት ንግዲ ርኡይ ጉድኣት እዩ በጺሕወን። ካብቶም ትጉሃት ወለዲ ናብቲ ዝመጽእ ወለዶ ብምምሕልላፍ እንዳ ዓበያን እንዳ ሃጠራን ሰሰናን ኣብ ክንዲ ዝኸዳን ተዳኺመን። ንሃገራዊ ማሕበረ-ቁጠባዊ ዕቤት በቲ ዝድለ እውን ኣየበርክታን። ብኣንጻሩ ብዙሓት ካብአን በሪሰንን፣ ነድዬንን፣ ተዓጽየንን ከምዘይነበራ ኮይነን ኣለዋ (Hirt & Mohammad, 2013፡ Müller, 2022; Ghebremeskel & Assefaw, 2018)። ነዚ ዕንወት ባዕሎም ካብቶም ኣማሓደርቲ እንተስ ብፍላጥ፣ እንተስ ብዘይፍላጥ የፍእሙልና ኣለው። እወ እዚ ጸገም ብሓቂ ብውድዓውነት ክምዘን ከሎ፣ ከቢድ ሃስያ እዩ። ዛጊት ኣብ ባይታ ኣምጺኡዎ ዘሎ ጉድእት እውን ከቢድ እዩ።

እቲ ናይ ጽባሕ ተረካቢ ሃገር ዝኾነ መንእሰይ ወለዶ ብዝለዓለ ብቕዓት ተኸሺኑን ተዳልዩን ከምኡውን ካብቲ ቀጻሊ ዝኾነ ናይ ሕኑን ማዕበላዊ ግስጋሰ ሰኒቑን፤ ካብቲ ዓውሎማዊ መኽዘን ፍልጠት ከምቲ ዝድለ ተቛዲሱን፤ ካብኡ ተጠቒሙን እንተዘይዓብዩ፣ ብቕዓቱ ይውሕድ። ዝገብሮ ኣስትዋጽኦ እውን ምህሙን ይኸውን። ነተን ወለዱ ዝሃነጽሉን ዘጽንሑሉን ንኣሽቱን ስድራ-ቤታውያን ትካላት ብዝያዳ ኣማዕቢሉን፣ ኣህጢሩን፣ ኣስፊሑን ኣብ ሃገራዊ ቁጠባዊ ህንጸት ፍሩይ ኣስተውጽኦ ክገብር ዕድላትን ተኽእሎታትን ይውሕዶ። ብዝኾነ መንገዲ ድማ ኣየድምዕን።

2.3. ዘይምምዕባል ጸጋታትን ተኽእሎታትን ሳዕቤናቱን

ንነብስና ኣማዕቢልናን ዓቕምታትን ጸጋታት ተኽእሎን ኣጥሪና ከም ደቂ ሃገር ቀጺልና ድማ ኣጋይሽና ንቀበል ዝብል ግብራዊ ኣምር ኣብ ሓፋሽ ህዝብና ኣንተዘየስሪጽና፣ እቲ ዝህሉ ሕማቕ ኣማራጺ ድማ ንኻሎኦት (መጻእተኛ) ሰብ ዓቕምን፣ ሃብትን፣ ብሉጽ ፍልጠትን ዝበለጸ ጸጋ ምድርኻ ኣረኪብካ ኣብ ገዛእ ዓድኻ አገለጋሊኦምን ጊሊያኦምን ኮንካ ተረፍ መረፍ መኣዶምን፣ ርፍራፎምን ምጽባይ ኢዩ ። ብተወሳኺ ነቶም ብሃብቶም፣ ብትካላዊ መሃዝነቶምን ብሞያኦምን ትካላት ክምስርቱን፣ ክነብሩን፣ ክሰርሑን ምስ ዝመጽኡ ወጻእተኛታት ኣውፈርትን ሰብ ላዕለዋይ ሞያን ተወዳዲርካ፣ ካብቲ ጸጋ ሃገርካ በቲ ዝድለ ተቛዳሲ ንክትከውን ከሸግር ኢዩ። ብሰንኪ ዘይቕርዑይ ምሕደራ፣ ነዚ ኣንጸላልዩና ዘሎ ሕማቕ ውርሻዊ ተርእዮ (legacy) ንሃገሩን ንህዝቡን ዝሓልን ዝሓምምን ሃገራዊ ከሰክፍ ይግባእ።

ኣብ ገዛእ ዓድኻ ናይ በላዒ ስብሒ መሬትካ ተመልካቲ ምዃን ማለት ክጽወር ዘሸግር መሪር ኢዩሞ ካብዚ ናይ ዘመናዊ ባርነት ሂወት ኣብ ገዛእ ዓድኻን መረበትካን ይሰውረና።ንኽስውረና ድማ ኣድላይ ኩሉ መዳያዊ ስጉምቲ ምውሳድን፣ ምጽዓርን ሓባዊ ጻዕሪ ምግባርን የድልየና ኣሎ ኣብዚ እዋን እዚ። እወ ብውድዓውነት ንዘለናዮ ኩነታት ንርኣዮ። እዚ ማለት ከም ወዲ/ጓል ሃገር መጠን ኣብ ገዛእ ሃገሩ ብብቕዓት ዓብሊሉ፣ ነቲ ማሕበረ-ቁጠባዊ ጸጋታት ናይ ሃገሩ ከምቲ አብ ኩለን ሃገራት ዝድለ ብላዕለዋይ ኢድ ወኒኑን ኣማሓዲሩን ክነብርን ብናቱ ክብርታት ተማእዚዙ ኣጋይሹ ድማ ክቕበል ኣይክእልን። እዚ እንተዘይኮይኑ ድማ እቲ ሳዕቤን ንኽትሓሰቦ ዘሰቅቕ ኢዩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምኡን ኣብ ሓደ ሓደ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ሞንጎ ደቂ ዓድን፣ ዕውታት ወጻእተኛታት ዋኒናዊ መሃዝቲን ኣውፈርትን ዝተራእየ ቅንኢ ዝወለዶ ፍኑው ኣዕናዊ ተግባራት፣ ኣራሚ መጠንቀቕታ እዩ። ብፍላይ ነቶም  ካብ ናይጀርያ፣ ጋና፣ ኢትዮጵያ፣ ዚምባብወ፣ ሞዛምቢክ መጺኦም ጽዒሮም ኣብ ብዙሕ ቦታታት ደቡብ ኣፍሪቃ ትካላት ዝሃነጹ ዋኒነ መሃዝቲ ኣፍሪቃውያን ኣሕዋትን ኣሓትን፣ ነቲ ጽዒሮም  ዝሃነጽዎ ትካላቶም እቶም ደቂ ደቡብ ኣፍሪቃውያ ኣብ ክንዲ ምስኦም ዝጽዕሩ፣ ኣዕንየምሎም። እዚ ናይ በሓቂ ዘሕፍር ናይ ዘይቅዱስ ቅንኢ ተግባራት ኣዩ። ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ እውን ጉህይሉን ሓፊሩሉን እዩ። ብኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና እውን ብዝኸፍኤ መልክዑ ተቓሊሑ ኔሩ እዩ። ኣቐዲሙ እውንኣብ ዩጋንዳ (ኣብ ጊዜ ውልቀ መላኺ ኢዲ ኣሚን ዳዳ) ናይ ኤስያውያን ብጃምላ ናይ ምስጓግ፣ ሕማቕ ታሪክ ምስዕንወቱ ተሰኒዱ ኣሎ። እቲ ዝቐርብ ምኽንያታት ድማ ፍሉጥ እዩ። ብሰንኪ መጻእተኛታት ተወዳደርቲ፣ ናይ ተወሪስና፣ ብቑጠባ ተዓብሊልና፣ ኣብ ገዛእ መረበትና ናይ በላዒ ተመልካቲ ንኽንከውን ተፈሪድና ዝብል እዩ። እቲ ዝድለ ምግባር እዩ እምበር ነቶም ብጉልበቶምን፣ ፍልጠቶምን፣ ማሎምን ኣዋፊሮም ዕውታት ዝኾኑ ወጻእተኛታት ዋኒነ መሃዝቲ ብድንቁርናዊ ቅንኢ ምጥቓዕ፣ ብጀኻ ዕንወትን ዝሕትልና ቁጠባ ሃገር፣ ካልእ ዘምጸኦ ፋይዳ የብሉን።

 እቶም ኣብ ኢትዮጵያን ካለኦት ሃገራትን ኣብ ኩሉ ሕሱርን ዘይምጥኖምን ስራሓት ተዋፊሮም ዘለው ኤርትራውያን መንእሰያት ዓቢ ናይ ኤርትራ ክሳራ እዮም። ከምኡ ዲና ኔርና ንሕና ኤርትራውያን። መን ድዩ ኣብ ኢትዮጵያ ዘመናዊ ትካላዊ መሓውራት ኣብ ምህናጽ ዓቢ ተራ ዝተዋጽኦ? ብሓቂ ሕማቕ ውርሻዊ ተርእዮ የንጸላልወና ኣሎ። ነዚ ዘንጸላልወና ዘሎ ዘሕዝን ናይ መጻኢ ተርእዮ ክንቋጻጸሮን ከነውሕዶን ንኽንክእል ሕጂ ብሓባር ምስ ሓፋሽ ህዝብና ኮይና ንትልሞን ንገብሮን ወሳኒ ቅድመ ኩነት ኢዩ።እዛ ዓለምና ኣዝያ እንዳጸበበት ትኽይድ ኣላ። ህዝቢ ዓለም ነንሕድሕዱ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ይራኸብን ይዋሳእን ኣሎ። ንኣብነት ብቁጠባ፣ ብማሕበራዊ ናብራ፣ ብፖለቲካ፣ ብተክኖሎጂካዊ ስነ-ፍልጠትን፣ ብባህሊ፣ ብዶብ ኣልቦ ሓብሬታዊ ተክኖሎጂ፣ ከምኡውን ብኻሎኦት ወሰንቲ ረቛሒታት እዚ ርክባት ኣንዳ ደንፈዔ ይኸይድ ኣሎ።እወ ሳላ ዘቀራርበና ዘሎ ዘይተኣደነ ዓውሎማዊ ናይ ሓበረታ ተክኖሎጂ፣ ኩሉ ዜናታትን ፍጻሜታትን ዓለምና ብደቓይቕ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛና ንኽብጽሓና ኩሉ ትኽእሎ ኣብ ቅድሜና ተዘርጊሑ ኣሎ። እቲ ከነማልኦ ዝግባኣና ኣድለይቲ ረቋሒታት ንረብሓና ንጠቐመሉ።

ፍልጠትን ሓበሬታን ብቐሊሉ ኣብ ኮምፒተርና ከም ወሓዚ ዛራ ይመጸና ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ግን ኮነ ኢልካ ብመንግስታዊ ምሕደራ እዚ ዕድል እዚ ብዘይ ምኽኑይ ተሓጺሩን ትኾሊፉን ኣሎ። ብስእነት ወፍሪ ከይንብሎ፣ ሎሚ ፍልጠት ንምድላብ ብዙሕ ዘኽፍሎ ዋጋ የብሉን (knowledge is cheap and ubiquitous everywhere)። እቲ ለይትን መዓልትን ክንሓስቦ ዘለና ከም ህዝቢ ድማ፣ ካብቲ ዘይተኣደነ ባሕረ ጸጋ ናይ ስልጣነን ዕብየትን ዓለምና ከምቲ ዝድለ ከመይ ጌሩ ንረብሓሉን ንኸስበሉን ኢዩ። እዚኸ መን እዩ ከዋድዶ ዝግባእ? ንሕና እውን ነቲ በዚ ስርዓት ብቐጻሊ ዝግበር ዘሎ ማሕልኾታት ንጉዳእ ኣለና ብዘይ ቃልዓለም። እቶም ዕቁር ጸጋታት ናብ ረብሓና ክንቅይሮም ክንክእል ኣለና ኢልና ብጻዕቒ ክንሓስብን ብውልቃዊ ይኹን ብእኩብ ብተግባር ክንጽዕረሉ ይግባእ። ናይ ነፍሲ ወከፍና ክእለትን ጸጋን ድማ ተደሚሩ ሃገራዊ ጸጋታት ክምዝፈጥር ፍሉጥ እዩ።

ኣቲ ጻዕርናን ተባላሓትነትናን ናብ ቅርዓት ከነውጸኦ ክንክእል ኣለና። ንገብሮዶ ኣለና? ብናተይ ውልቃዊ ትዕዝብቲ፣ ዛጊት ኣይካኣልናን ዝሕታለና’ውን ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ኮይኑ ኣሎ ኣብዚ እዋን እዚ። እዚ ድማ ብሰንኪ ናይ ነብሲ ወከፍና ዝግባእና ዘይምግባር፣ ብዓቢኡ ድማ ናይ መንግስታዊ ምሕደራ ጉድለታት፣ ብቑዕ ሰብ ኣብ  ወሰንቲ መንግስታዊ ምሕደራ ትካላት ዘይምህላው፣ መጠኑ ዘሓለፈን ዘየድልን፣ ኣነ ከይፈለጥኩዋ ኣይትሕለፍ፣ ዝብል ሕሉፍ ማእከላዊ ቊጽጽርን ገባትነትን፣ ብዘምጸኦ ዘይንቡር ኩንታት ብዝተፈጥሩ ተገቲሮም ዘለው ማሕለኻታትን ሓጹራትን ድንፋዔ ውልቀ ጻዕርን መሃዝነትን ኢዩ። ኣብዚ ብዙሕ ክጥቀስን ክትንተንን ይካኣል ግን እቲ ነገር ኣብቲ ዘሎ ነባራዊ ኩነት ስለ ዝኾነ ምድጋሙን ምዝርዛሩን ኣየድልን። እዚ ዝሕዝን ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ዘምጸኦ ዘሎ ሳዕቤናት እውን ብግሉጽ ንርእዮ ኣለና። ህዝቢ ኤርትራ፣ ብጀካ ውሑዳት ካብዚ ኢና ከምዚ ኢና ዝብሉ ሰብ ፍሉይ ጉንዖ ዓንገልቲ እቲ ገባቲ ስርዓትን፣ ብኹሉ መለኪዕታት ንድሕሪት ተመሊሱ። ዝጠፍአ ዕድላትን ክሳራታትን፣ ምስቲ ድጉል ጉድኣቱን ስምብራቱን፣ ደረት ተሳኢኑዎ የሳቕየና ኣሎ።

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፣ ንኣሽቱን ስድራ-ቤታዊ ትካላዊ መሃዝነት ድማ እቲ ቀንዲ ህዝቢ ኤርትራ ብልጭኡን ተዋዳዳሪ ብሉጽነቱን ከርእየሉን ብዘየላቡን፣ ብቐዳምነት፣ (ወላውን ኣብ በተዛማዲ ጽንኩር ኩነንታትን) ከማዕብሎ ዝግባእ ቁጠባዊ ጽላት ክኸውን ነይሩዎ። እቲ ዘሕዝን ድማ፣ ጥጡሕ ባይታ ዛጊት ብዘይምፍጣሩ፣ እቲ ማዕበያዊ ብልጹነት ህዝቢ ብቀጻሊ ብዘሰንብድን ነበረያ ነበረ ይኸውን ኣሎ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ብሰፊሑ ዝተራእየን፣ ዕውት ውጺኢት ዝሃበን፣ ዝህብ ዘሎን፣ ህዝቢ ኤርትራ እውን ምረብሓሉ። እቲ ዕቑርን፣ ውህሉልን፣ ዝተመስከረሉ ተወፋይነት ህዝቢ ኤርትራ እንብሎ እንተድኣ ዘተባብዕ ሃዋሁው ዘይተፈጥረሉ፣ ውጽኢት ኣልቦ እዩ ክኸውን። እዚ ማለት ድማ ምርማስ፣ ምዝሕታል ኣብነት ናይ ሕማቕ ሓድጊ ምዃን እዩ እቲ ካልእ ህሞት። ኣዚ ከይከውን ድማ ኣቐዲምካ ምጥንቃቕ የድሊ። ብኸመይ ነተግብሮ? ግድነታዊ ዕዮ ገዛ ኩሉ ንሕዝቢ ኤርትራ ቀጻሊ ሰናይን ምዕባለን ዝትምነን ዝደልን እዩ።

በሰላ  ሕማቕ ሓድጊ ማለት ድማ፣ ከምቲ ሓደ ካብ መራሕቲ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ (African National Congress or ANC) ሲርል ራማፖዛ ሕጂ ፐረዚደንት ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘሎ ዝበሎ ኢዩ። እጠቅስ፡-“ነቲ ን400 ዓመታት ዝተወጸዔ ግን ከኣ ብቁጽሪ ብገፊሕ ዝዓብለለ ጸሊም ደቡብ ኣፍሪቃዊ መበቆላዊ ህዝቢ ብቁጠባ ምሕያል (Balanced Economic Empowerment) ዘሸግረና ኣይኰነን። እዚ እቲ ዝቐለለ ኢዩ ንዓና ነዞም መራሕቲ። እቲ ዝዓበዬ ብድሆ ኮይኑና ዘሎ ግን፣ እቲ ንኣስታት አርባዕተ ክፍላተ ዘበን ዝኣክል ነቲ ምስኪን ጸሊም ደቡብ አፍሪቃዊ፣ ምሉእ ሰብ ኣይኮንካን፣ ንዓና ንጸዓዱ ከተገልግል ኢኻ ተፈጢርካ፣ ቁጽሪ፣ ሳይንስ፣ ወዘተ ከምህረካ ዘኽእለካ ናይ ተፈጥሮ ባህርይን፣ ክእለትን  ኣይተዓደልካን፣ ፍርቂ ወይ ሓውሲ ሰብ ኢኻ፣ ብስነፍስጠት ተዓብካ ክትምህዝን ከተማዕብልን ዘኽእል ዓቕሚ ክትውንን ብተፈጥሮ ኣይተዓደልካን፤ እንዳተባህለ ብቀጻልንሰራምንነውራምን ስነ ኣእምሮኣዊ ዘመተ ተጌርሉ ዝተዳህለን ከምኡውን ወኑን ርእሰ-ተኣማንነቱን ከምዘጥፍእ ንዝተገብረ ህዝቢ፣ ሱር በተኻዊ ብዝኾነ መንገዲነዚ ክፉእን ረማስን ዝኾነ ውርሻዊ ተርእዮ ኣወጊድካ ብኸመይ ርእሰ ተኣማንነቱ ትመልሰሉ ኢዩ።” እዚ ማለት ድማ፣ ካብቲ ጻዕዳ ዜጋ ብዘይንእስ ከድምዕን ክዳረግን ይኽእል ኢየ ኢሉብምሉእ ርእሰ ተኣማንነት ምእንቲ ክነብር ማለት እዩ።

እዚ ንዓና ኤርትራውያን ዓቢ ምኸሪ ኢዩ። ሕማቕ ውርሻዊ ሓድጊ ነቲ ዝመጽእ ወለዶ ዓንቃፍን ጐዳእን ከምዝኾነ ፍሉጥ ኢዩ። ዓቕምን ትሕዝቶን (ጸጋታትን) ሃገር ዝድንፍዕ ድማ ናይቲ ውልቀ ሰብ ዓቕምን ዕቑር ጸጋን ምስ ዝድንፍዕ እዩ። ግን እዛ ዝበልናኩም ግበሩ ወይ ጽደፉ (Our way or the highway) እትብል ተመዛዚት ሓረግ ኣይተዋጽእን እያ እሞ፣ ነቶም ሓይልን ስልጣንን ኣለና፣ ንግብት ኢና ዝብሉ፣ ንዑ ግደፉ እንተድኣ ህዝቢ ኤርትራ ክስልጥን፣ ክነፍዕ፣ ክህብትም፣ ክኾርዕን፣ ክስውድን ዝድለ ኮይኑ፣ እቲ ዝግበር ፍሉጥ እዩ ክብሎም ኣለዎ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፣ ነዞም ዝምለከቶም ከኣልቲ ኩሉ ሰማይ ሓንፊጥና ነማሓድር ኣለና ዝብሉና ዘለው። ንሕና ኢና ክኣልቲ ኩሉ፣ ካባና ዝበልጽ የልቦን። መንግስትናን ውድብና ካብቲ ወዲ ሰብ ክሓስቦ ዝኽእል ዝተራቐቐ እዩ፣ ሕሉፍ ተመኩሮና ኢንታ ዘይርከቦ ዝበለጸ ኢዩ። ምትሃታዊ ባህልና እዩ እንታይ ክወጾ፣ ተዓዊትናሉ ኢና፣ ተኣምር ንሰርሕ ኣሎና፣ ምባል እንታይ ከም ዝወለደን ብዝግባእ ክርዳእ ዝኽእል ኤርትራዊ ይዕዘቦ ኣሎ። ብቐጻሊ ዘምጸኦ ዕንወትን፣ ብርሰትን እውን ንኽትግምቶ ዘየሸግር ስለዝኾነ፣ ካብዚ ዘይንቡር ኩነት ኣእምሮን ተግባርን፣ ናብ ንቡር ክምለሰኣለዎናይግድን። እዚ ኣማራጺ ዘይብሉ ግድነታዊ ዕማምህዝቢ ክኸውን ኣለዎ።

ልክዕ እዩ ንሕሉፍ ተመኩሮ ኣዳቒቕካ ምፍላጥን፣ ጸጽብቑ ምውሳድን፣ ሰናይን ኣወንታውን እዩ። ግን ኣብ ጊዜን፣ መንኮርኮር ምዕባለን፣ ዝተማእዘነ ዳይናሚካዊ መስርሕ ክንጎስዮ ዘይንኽእል፣ ግድነታዊ ናይ ምዕባለ ሕጊ ስለዝኾነ፣ ክንክተሎ ግድነታዊ ሓላፍነትና እዩ። ኣድማዒን፣ ዘመናውን፣ ትካላዊን፣ ዲሞክራሲያዊን መንግስታዊ ምሕደራ ካብ ላዕሊ ስጋብ ታሕቲ ኣብ ዝወርድ ጽፍሕታት ክህሉ ኣለዎ። ምስ ግዜን ዲናሚካውን ሞዕባለን ድማ ተዓጻጻፍነት ከርኢ እውን ኣለዎ። እንተ ዘይኮይኑ ግን ኣብ ክንዲ ኣሳላጢ፣ ዓንቃፊ፣ ኣብክንዲ ንጽቡቕ ውጽኢት ደፋኢ ዝኸውን፣ ሓንኳሊን ደራትን፣ ይኸውን ማለት እዩ። ስለዚ ኣብቲ ዝመጽእ ጊዜ፣ ንቡር ዝኾነ ንሕዝቢ ሓይልን ዕድልን ዝህብ ክኸውን ናይ ግድን እዩ። ካልእ ኣማራጺ የልቦን ብጀካ ንነብስኻ ምጥባርን፣ ንህዝኻን፣ ኣዝዩ ጎዳኢ ስምብራት ምግዳፍን። ንዓኻውን፣ ኣታ ብጸባብ ነዃል ትጥምት ዘላኻ ብዓል ጊዜን፣  ተበላጽን፣ ዕቡይንውዒሉ ሓዲሩ ከርክበልካ እዩ። ዘይተርፍ ዘገምታዊ ተርእዮ ስለ ዝኾነ።

ኣብ ታሪኻዊ ህቡብነትካ ተመርኲስካን ሕሉፍ ጅግንነትካ ምድማቕ ሰናይ እዩ። ግን እቲ ሕጂ ዘሎን፣ ብሕጂ ዝመጽእን ብናይ ስነፍልጠታዊን ዲያለክቲካዊን ናይ ሞዕባለ ሕግታት ተቐይዱ ስለ ዝኸይድ፣ ግድን ምስኡ ምኻድን ነቲ ዘምጸኦ ግድነታዊ ለውጢ በቲ ሓፋሽ ዝረብሓሉ መርሓ መንገዲ ምርዓምን ከድሊ እዩ። ነዚ ዘይምግባር ማለት ግን ብሃገርን ህዝብን ምጥላዕ ማለት እዩ። ውጽኢቱ ድማ ኣሹንኳይ ንፈታዊኻስ ንጸላኢኻ እኳ ዘይትትምነየሉ ብርሰት ህዝብን ሃገርን፣ ብዝኸፍኤ መልኽዑ የስዕብ።

መንኮርኮር ምዕባለ ሃገር ኣወንታዊን ኣድማዕን ዝኸውን ዝተፈላለዩ ተራጸምቲ ግን ንምዕባለ ሃገር ዝሕልኑ ኣታሓሳስባታትን ኣራኣእያታትን ምስ ዝህልውን ዝታባብዑን ጥራይ እዩ። ብሓጺሩ፣ ተዓጻጻፍነትን ውድዓውነትን ዘይጉሰ ግድነታዊ እዩ፣ ኣብ ናይ ሃገራዊ ናይ ምዕባለ መስርሕ። ደሞክራሲያዊን ንኹሉ ብማዕርነት በጽሖ ምዕባለ ዝረጋገጽ፣ ንማዕርነት ዞባታት (Promoting Regional Socio-Economic Balance)፣ ብፍላይ ብመንጽር ሕሉፍ መጉዳእቲ ናይቶም ዝተለለዩ ከባቢታት ኣለልዩን፣ ብትኩሩነት ጠሚቱን፣ ዝሰላሰል ጠርናፊ ምዕባለ ሃገር እዩ፣ ሕኑንን ኩሉ መዳያዊ ምዕባለ ሃገር ዘምጽእ። ናይ ብዙሓት ሃገራት ሕሉፍ ተመኩሮ ከም ኣብነት ምውሳዱ ካብኡ ምምሃሩን ጽቡቕ እዩ። ከምቲ ፈላስፋ ዳርዊን ዝበሎ፣ እቶም ምስቲ ብቐጻሊን ተለዋዋጢን ዝኾነ ውድዓዊ ናይ ምዕባለ ተርእዮንለውጥን ብተዓጻጻፍነት ተዋሃሂዶም ዝምርሹ እዮም እቶም ዝበለጹ ዝኾኑ’። ብሓቂ ክሕሰበሉ ዘሎዎ እዩ ከም ዘይጉሰ ኣማራጺ። ንሓፋሽ ዘይምእዘዝን፣ ሓፋሽ ዘየማእከሎን፣ ዘይደሞክራሲያዊን፣ ብሓላፍ ዘላፍ ናይ ምዕባለ መቓን መስርሕ ዝዝወርን፣ ምሕደራ ሃገርስ፣ ናበይ እዩ ክበጽሕ ብጀካ ከም ዓሳ ንርእሱ ኣበስቢሱ ነቲ ካብ ላዕሊ ስጋብ ታሕቲ ዝዝርጋሕ ሰንሰለታዊ መሳልላዊ መሓውር ምሕደራ ሃገር ምምራዝን፣ ዘይጽፉፍን ዘይኣድማዕን ምግባር እንተዘይኮይኑ። ካብ ዓርሞሸሽ ጸጋን፣ ሓይልን ተኽእሎን ኣብ ኩሉ ጫፋት ሃገር ዘሎ ሓፋሽ ዘምልጥ ኣሎ ድዩ? ሕዝቢ ኤርትራ እኮ እንኮ ዝነጸፈት ሓምራ ላም ኣይኮነን፣ ብቐጻሊ ዝፍልፍል ንጹህ ዛራ ማይ እምበር።


September 1, 2022
Contin...

ሚካኤል ፖርተር (Michael Porter) ዝተባህለ ናይ ተወዳዳሪ ስትራተጂን ትካላዊ ተወዳዳሪ ብሉጽነት ሊቅ፣ ኣብታ ናይ ሃገራት ተዋዳዳሪ ብሉጽነት (Competitive Advantage of Nations፣ 2011) እትብል ህብብቲ መጽሓፉ ከምዚ ይብል፣ እጠቅስ ተወዳዳሪ ብሉጽነት ናይ ሓደ ሃገር ዝረጋገጽ በቲ ዘማዕበለቶን ዝወነነቶን ኩሉ መድያዊ ጸጋታትን ዓቕምታትን፣ ተኽእሎታትን ብቕዓትን እዩ። ንሱ ድማ ብብዙሕ መዳያዊ መቓን (standard and objective parameters) ክምዘንን ክግለጽን ይካኣል ኣዩ እቶም ብገፊሑ ዝድለዩ ጸጋን፣ ተኽእሎን፣ ዓቕምን፣ ብቕዓትን ድማ ብንጹር ክግለጹ ኣለዎም። ናይ ሃገር ጸጋታት ዝባሃሉ ዘለው ኣብ ሽዱሸት ከፊለዮም ኣለኹ። ነንሕድሕዶም ድማ ዝተታሓሓዙን ዝማላልኡን እዮም። ሀ) ኣበርካቲ ሰብኣዊ ጸጋ (ብፍላይ ዝሰልጠነን፣ ዝተኸሸነን)። ለ) ንዋታዊ ጸጋ ኣብ ትሕቲን ልዕሊን መሬት ዘሎ ኩሉ ዝሓቖፈ። ሐ) ገንዘባዊ (ፊናንሳዊ) ጸጋ ምስኩሉ ትሕዝቶታቱ። መ) ትካላዊን ምምሕዳራውን ዋኒናውን ጸጋ። ሰ)ተክኖሎጂካውን መሃዝነታውን ስነፍልጠታውን ጸጋ። ረ) ሓበሬታዊን ህቡብነታውን ጸጋ (Reputational resources)። እዚኦም ጸጋታት ኣብ ብዙሓት ክፋላት ተኸፋፊሎምን፣ ተበቲኖምን፣ ዝግለጹን ዝትንተኑን እዮም። ምትንታኖምን ብሰፊሑ ምግላጾምን እውን ቀሊል መስርሕ ኣይኮነን። ውሁድን፣ ተማላላእን፣ ጻዕሪን ፍልጠትን ይሓትት። ብዕቱብን ብብቕዓትን ክስራሓሎም ድማ ኣለዎ።ሓንቲ ሃገር ፈጣንን ቀጻሊን ምዕባለ ከተመዝግብ እንትድኣ ደልያ፣ ነዚኦም በብጽላቶም (clustered) ተገሊጾም ዘለው ጸጋታት፣ ብልዑል ኣድማዕነትን ጽፉፍነትን፣ በቲ ዝድለን ንኹነታት ብዝጥዕምን፣ ብብልሓታዊን ውጺኢታውን መንገዲ ከተጥርዮምን ክትጥቀመሎምን ኣለዋ ማለት እዩ። ግን ብብዝሒ ናይ ዕቑር ጸጋታት ምሩቕ ወይ ዓርሞሸሽ ምዃን (abundance of endowments) ንበይኑ ኣኻሊ ኣይኮነን። ከምኡ ኔሩ እንተዝኸውንሲ፣ ከም በዓል ዲሞክራቲክ ረፓብሊክ ኮንጎ፣ በርማ (ሚያማር)፣ ዚምባብወ፣ ቨንዚወላ፣ ኣንጎላ፣ ኢትዮጵያ፣ ኣይቮሪኮስት፣ ሞንጎልያ፣ ወዘተ፣ ካብ ካለኦት ዝበለጻ ሃብታማት ምኾና። ግን ምስ እዚ ኩሉ ዕቑር ጸጋታተን ዝተረግመ ኮይኑወን (Resource curse)፣ ብድኽነት ኣይምተቛራመዳን። ስለምንታይ? እቲ ምኽንያት ፍሉጥ እዩ። ነቲ ዕቑር ጸጋታተን ብግቡእ ንምዕባለን፣ ዲናሚካዊ ሃገራዊ ቁጠባ ንምፍጣርን፣ ዘኽእለን ብቕዓትን ተኽእሎን ስለ ዘየማዕበላን ዘይወነናን እየን። ስለዚ ብቕዓትን ተኽእሎን ብሃገር ደረጃ ነቲ ሓፋሽ (grassroots) ብወለንታዊ ነጻነትን፣ ብህዝባዊ ሓልዮትን፣ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብን ኣማኢኪሉ ምስቲ ዘሎ ዕቁር ጸጋ ብጽምዶ እንተ ዘይተጠርዩ፣ ወላ ዘይተኣደነ ዕቑር ጸጋ እንተሃለው ናብ ዝተረግመ ጸጋ (destructive resource curse) እዩ ዝቕየር። ተፈጥሮ ሃጓፍ ስለዘይትፈቱ ድማ ናይ ካለኦት ሽሻይ ኮይኑ ይተርፍ። እቶም ደቀባት ድማ ይውገኑ። ኣብ ገዛእ ዓዶምን መረበቶምን ድማ ጽግዕተኛታት ወሰንተኛታት ይኾኑ። ብኣልማዝ ዕደና ቀዳመይቲ ዝኾነት ቦትስዋና፣ ነቶም ሞትስዋና (ደቀባት)፣ ኣልማዝ ሒዝኩምዶ ወይ ርኢኹምዶ ትፈልጡ ኢልካ እንተ ሓቲትካዮም፣ ሒዞምን ርእዮምን ስለዘይፈልጡ ብኣሉታ እዮም ዝምሉስልካ። እዚ ኣብዛ ዓለምና ብተግባርን ብጭቡጥን ዝረኤ ዘሎ ሕማቕ ውርሻዊ ተርእዮ እዩ። እብ ኤርትራ እውን እዚ ኣሰምባዲ ምስ ዕደና ዝተሓሓዝ ናይ ገዛእ ሃብትኻ ጓና ናይ ምዃን ሓደጋ፣ ዘድሊ ዘብየታዊ ዓቕምን ተኽእሎ እንተ ዘይተጠርዩ፣ ኣፉ ከፊቱ ይጽበየና ኣሎ፣ በዚ ዘለናዮ ኩነታትናስ ዝያዳ የሰክፍ። እወ ብርዱእ ምኽንያት። ወላውን እቶም ኣብ መሪሕነት መንበር ተቐሚጦም ዘለው መራሕቲ እውን ብንጹር ክዳረግ ዝኽእል ብቑዕ ሰብእዊ ጸጋ ከምዘይብልና ይገልጹልና ኣለው (ዝተፈላለዩ ፕረዚዳንታዊ ቃለ መሕተታት ምውካስ ይካኣል እዩ ዓላምኡ ብዘየገድስ)።

ኤርትራ ኣይኮነን’ዶ ነዚ ውሕድ ህዝባ ዝኸውን፣ ንኻልእ’ውን ምኣኸለት። ብክሊማኣ፣ ብጂኦግራፊካዊ ኣቀማምጣኣን፣ ኣንተ ማዕቢሉ ድማ ንበጻሕቲ መስሕብ ዝኸውን ተፈጥሮኣዊ መሬታዊ ኣቃማምጣኣ፣ ብታሪኻን፣ ያታኣን፣ ባህላታታን ክብርታታን፣ ብዕቑር ትሕተ መሬታውን ጸጋታታን፣ በቲ ካብ 1200 ኪሎ ሜተር ዘይንእስ ካብ ሽሕ ንላዕሊ መራኽብ ንመዓልቲ ዝማላለሳሉ መትረብ ቀይሕ ባሕሪ ስትራተጂካዊ ኣፍደገ ባሕራን፣ ምስኩሉ ዕቑር ጸጋታቱን፣ ካብ ኩሉ ድማ በቲ ዝተመስከረሉ ህርኩት ህዝባ። ካልእስ ይትረፍ፣ እቲ “ድንጋይ ነው ኣገራችሁ” ኣእማን እዩ ዓድኹም እናተባሃልና በቶም ናይ ኢትዮጵያ መስፍናውያንን ሰብ ሓለፋታት ነፍጠኛን ንሕመየሉ ዝነበርና፣ ጸሊም እምኒ ዓረን እምነ በረድን (Basalt and Ignious Rocks)፣ እኳ ክቡር ዋጋ ከውጽእ ንርእዮ ኣለና። እዞም ኣብዘን ምዕቡላት ሃገራት ንነብር ዘለና ንርእዮም ኣለና፣ ተጸሪቦም (ፋቻቢስታ) ብኣሽሓት ዶላራት ክግዝኡን ንመመላኽዒ ህንጻታት ክድለዩን። ብጠሓንቲ ጸጸር (ፈረንታዮ) ተጣሒኖም እውን እቶም ዝበለጹን ዝደልደሉን ጽርጊያታት የመስርሑ ኣለው። ንኤርትራ ድኣ ካብ ጫፍ ንጫፍ ዝዝርግሑ ገፋሕቲን ምዕባለኦም ዝሓለው ናይ ቅጥራን ጽርግያታ ብውሑድ ዋጋ ምተሃንጹ፣ በዞም ዘለውና ኣብኩሉ እምኒ ዓረ እኻውሕ። ንመንበሪ ገዛውቲን ህንጻታትን መስርሒ ዝኾኑ ከም ሑጻ፣ ምሩጽ ሓመድ፣ ኖራ፣ ወዘተ፣ ወዘተ ኣብኹሉ ቦታት ኤርትራ ኣለው። እቲ ዝዓበየ ብልጹነት ድማ ሩሑቕ ቦታ ከይተጓዓዝካን ምህላዎም እዩ። ካብቲ ንስሚንቶ ፋብሪካታት ምቹእ ዝኾነ ናይ ጥቓ ባሕሪን፣ ጎላጉልን፣ ካልእ ጥጡሕ ቦታታት እውን ንሕሰቦ። ዋእ፣ ክንደይ ኢልካ ክጽብጸብ እዩ እሞ። ብሓጺር ጊዜ ምዕብልትን ብልጽትን ክትከውን ተኽእሎ ኣለዋ ክንብል ከለና ሓቂብሓቂ። ንዓና ኣኺላስ ንኻለኦት ጎረባብቲን ኣሕዋትን ህዝቢ እውን ናይ ጽምዶን ምትሕግጋዝን ዕድላት ምስፈጠረት። ኣብዚ ዝሓለፈ 31 ዓመታት ብዘይ ምግናን፣ ካብቲ ዝነበረቶ ካብ 20-25 ዕጽፊ ንላዕሊ ክትምዕብል ምኸኣለት። ስልጡንን ተዓጻጻፍን እንካን ሃባን ዝፈልጥ፣ ናይ ሓፋሽ ልዕልነትን፣ ዲሞክራስን፣ ነጻ ኣታሓሳስባን ዝማእከሉ፣ ስልጡን መንግስታዊ፣ ምሕደራን ዲሞክራሲያዊ መንግስታዊ ትካላዊ ኣሳራርሓንስለ እትሓረማ ግን ህዝባ ብልኡምነት ናይ ብዝበልናካ ግበርን ኣፈጻሚ ትእዛዛትንግዳይ ንክኸውን ስለ ዝተፈርደ እዩ።

ካብ ክልተ ሚልዮን ዝበዝሑ ማለዥያውያን ኣብ ጎረቤቶም ሲንጋፖር ከይዶም እንዳሰርሑ ንዔኦምን፣ ነታ ኣእንጋዲት ሃገርን ዓቢ ኣበርክቶ ይገብሩ ኣለው። ደቂ ኣውስትርያ ኣብ ስዊዝዘርላንድ፣ ደቂ ሆላንድን በልጁምን ኣብ ላክሰንበርግ፣ ካብ ክልተ ሚልዮን ንላዕሊ ደቂ ካናዳ ኣብ ኣመሪካ፣ ኢጣልያውያን ኣብ ጀርመን፣ ደቂ ዚምባብወ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ደቂ ሞዛምቢክ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ደቂ ቱርኪ ኣብ ጀርመን፣ ደቂ ኢንዶነዥያ ኣብ ኣውስትራልያ፣ ወዘተ። ናይ በሓቂ ንህዝቢ ኤርትራ ክስውድ፣ ክምዕብል፣ ብግብሪ ክኾርዕ ዝደሊ ወዲ/ጓል ኤርትራ ነዚ ብዕቱብ ይሕሰበሉ። ኣብ መበል 21 ክፍላ ዘበን ብኸምዚ ምሕሳብ፣ ዘይጉሰ ምርጫና ክኸውን ኣለዎ። እንተዘይኮነ ግን ምስ መንደቕ ምግጫው እዩ። እቲ ጉድኣቱ ድማ መሪርን ኣኽሳሪን እዩ፣ ሰዓርን ተሰዓርን ዘይትኣደነ ጉድኣትን ዕንወትን ስለዝበጽሖ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝበልኩዎ፣ ክደግማ፣ ናይ ሃገሩ ጸጋን ተኽእሎን ብላዕለዋ ኢድ ወኒኑ ኣጋይሹ ዘይቅበል ህዝቢ ከመይ ጌሩ እዩ ክኾርዕ? ደሓን ንግዜ ንግደፈሉ። እቶም ለባማት ኤትራውያን ሓለይቲ ህዝቦም ግን ኣቐዲሞም ይመኽሩናን ይነግሩናን ኣለው ጊዜ ከይሓለፈ ንስማዓዮም ናብ ነብስና ንመለስ።

3.1. ኤርትራ ዘላቶ ኩነታትን ዝዋሃብ ምስምሳትን/ዘየዕግብ ዕባራ ምኽንያታትን

ተደጋጊሙ፣ ንኽትግብት ምእንቲ፣ ዝዋሃብ ዕባራንምኽንያታት ኣሎ።ልዑላውነትናን ሃገራዊ ህንጸትና መስገደላት ኔሮሙና፣ ማሕለካታት ኔሮሙና፣ እታ ናይ ትግራይ/ወያኔ መመሳመሲ ካርድ እውን ኣላ፣ ወዘተ፣ ወዘተ። ግን ኣብዛ ዓለምና ብዙሓት ንመፍትሒ ሽግራት ዝኾኑ ፍቱናትን ዝተመስከረሎምን ብልሓታት ኣለው። ካብ ብቐጻሊ ጎዳእትን ኣብረስትን ዕንደራታት ወጻኢ።እዚ ስርዓት ብዝጻሕተሮ ይኹን፣ ብዘይጻሕተሮ፣ ብሕመቕ ይኹን ብቶንኮል፣ ብምዕብላል ይኹን ሓለፋታት ብምድላይ፣ ብዘምጸኦ ሽግራትብዘሕምም ብዘየማትእ ተጎዲእና ኣለና። እዚ ግን ክቕጽል የብሉን። ጋሻ ውሕጅ እንዳስሓቐ እዩ ዝወስደካ። ዘድሊ ዓቕምን፣ ጸጋን ከይወነንካ፣ ብዳንኬራን፣ ፈኸራን ዝውጻእ ነዊሕ እምባ የልቦም።

ሕራይ እስከ፣ ልኡላውነትና ከነውሕስ ኣሎና ክባሃል ከሎ ዓቕምን ብቕዓትን ዘለዎ ሓፋሽ በታቲንካ፣ ኣዳኺምካን ካብ ሃገር ዘባርሩ ደፋእቲ ረቛሒታት ፈጢርካ ዘይኮነስ፣ ብእንጻሩ እዩ። እዚ ድማ ናይ ኩሉ ወዲ ሃገር ጉዳይ ከምዝኾነ ምፍላጥን ምቕባልን ይጥለብ። እቲ ዝበለጸ፣ ዘመናዊን፣ ብልሓታዊን ኣማራጺ ፈጢርካ ምዕያይን ምጽዓትን እዩ። ብዝኸሓነ ጽልእን፣ ሓላፍነት ዝጎደሎ እህህታን፣ ዘይኮነስ፣ ንርሑቕን ነቲ ዝመጽእ ወለዶ ሓሲብካ ምራቕካ ውሒጥካን እዩ። ናይ ስነፍልጠታዊ ናይ እንካን ሃባን ኣምራት ተኸቲልካ እዩ። እኹል ሃናጺ ተሞክሮ ኣሎ ኣብዛ ዓለምና።ካብ ኩሉ ዝድለ ድማ ንሓፋሽ ህዝቢ ንንጡፍን ኩሉ መዳያዊ ተሳታፍነት ዕድል ብገፊሑ ምኽፋት እዩ። ኣድማዒነት ናይዚ ኣካይዳ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ስኽፍታት የልቦን፣ ባዕሉ ሓፋሽ ህዝቢ እቲ ሽግር ክገጥሞን ክዕወተሉን እዩ። ሓፋሽ ዘማእከሎ ናይ ነጻነትና ተጋድሎን ውጽኢት ዓወትን እኮ ርኢናን ኣንቢብናን ኢና። ናይ ትማልን ሎምን ህያው ታሪኽ ስለዝኾን። ሓፋሽ ህዝቢ ሪቕ ናይ ኩሉ ዕቑር ጸጋታት ስለዝኾነ፣ ዕድል ሂብናዮ እንተንኸውን፣ ብናተይ ኣራኣእያ ኣብ ከም ሰንሰለት እናተታሓሓዘ ዝኽይድ ደረቱ ዝሓለፈ ብድሆን፣ ቀጻሊ ሽግርን፣ ማሕንቖታትን ኣይምኣተናን። ኣብዚ ሕጂ ኣቲናዮ ዘለና ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት እውን ኣይምበጻሕናን።

ኤርትራ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብምንታይ ኢያ ትፍለጥ፣ ትምዘን፣ ትውገን፣ ከምኡውን ትግለጽ ኢልና እንተ ሓቲትና፣ እቲ መልሲ ፍሉጥ እዩ ዳርጋ ንኹሉ ዝግደስ። ብጀካ እቶም ኣብ ርሑቕን ቀረባን ዘለው ዓይኖም ብናይ ህግደፍ ኣታሓሳስባታት (Denial, Nostalgic, Arrogance (DNA)) ዝተበከሉ ብጸባብ ነዃል ዝርእዩን ሓለፋታት ዝጽበዩን ውሕዳት ገዲፍካ። ንዓና ንኤርትራውያን ዓደቦና እያ። ግን እንታይ እሞ ክንገብር ፈቲና ጸሊኢናስ ብስነፍልጠታዊን፣ ብውድዓዊን ክትግለጽ ኣለዋ። እወ እንታይ ንግበር ኣይንሕሱን።ነቲ ሓቂስ ክንጋፈጦ ኣለና፣ ምሁራዊ ጠለብ ንሱ ስለዝኾነ። እምበእርከስ ኤርትራ በቲ ዘሎ ናይ ምዕባለ ውድዓዊ መቓንን፣ በቲ ውድዓዊ ዘይሻራዊ ሓቅታትን፣ ተርእዮታትን ብኸምዚ ትግለጽ?

a.ኣብ ዓለም ካብተን ኣዝዩ ትሑት ናይ ሰብ ጸጋ ምዕባለ ዘለወን ዓሰርተ ሃገራት ትምደብ (Extreme Low levels of human capital)። ናይ ብዙሓት ሰብኣዊ ምዕባለ ምንጪ ሓበሬታት ምውካስ ይካኣል እዩ። ናይቲ ስርዓት መራሒ እውን ብግሉጽ ብዛዕባ ሰብእዊ ጸጋ ድኽመት ዝተዛረቦ ኣኻሊ እዩ (ፕረዚዳንታዊ ቃለ መሕተታት ተመልከት)።

b.ካብ ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ኤርትራውይን ብዝሕወል ሓዋላን፣ ናይ ማዕድናዊኣቶትን፣ ከምኡውን ብኻልእ ዘይንጹር እቶትን፣ ብቀንዱ ዝተመስረተት ኮይና ተነካእን (vulnerable)፣ ውሕስና ዘይብሉ ሃገራዊ ቈጠባ እያ ትውንን ከምኡን ተንቃሳቐስን (Remittance, some  mineral extracting, and some other unidentified based economy)። እቲ ዝተረፈውን ውሕስና ዘይብሉ ዘይ ዕላዊ ቁጠባ (Informal Economy) እዩ። ዝበዝሕ ህዝቢ ኣብ ዘይዕላዊ ሃገራዊ ቁጠባ ተመርኲዙ ዝነብረሉ። እዚ ማለት ድማ ኮሚደረ፣ እንቋቁሖ ሸጥካ (ናይ ቁሩብ ቁራቦ ቁጠባ)፣ ወዘተ።

c.ሓደ ዓቢ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ፣ ብፍላይ እቲ ከበርክት ዝኽእል፣ ላህመት ሃገር ዝኾነ ክፋል፣ ካብ ሃገር ዝወጻላን ዝተሰደደላን (ዘልገሰላን)፣ካብ ዶባታ ወጻኢ ዝነብረላ እያ። ከምኡውን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ካብ ዘሎ ብፍላይ እቲ ኣብ ከባቢ ዶባትን ከምኡውን ካብኡ ንውሽጢ ብመጠኑ እቱው ዝበለ ከይተረፈ ብምዝንባል ዝሳቐ ህዝቢ ዘለዋ እያ ( Internally and externally displaced population)።

d.ሃገር ብምልእታ ናብ ወታሃደራዊ መዓስከር ዝተቐየረትሉን ብናይ ኩናት ቁጠባ ቅዲ እትካየድን (War Economic Management) እትምራሕን (Militarized population and war economy ad hoc management) ሃገር ኣብ ዝኾነትሉ ህሞት እያ ትርከብ ።

e.ኣዝዩ ዘይብቑዕ፣ ኣብ ባዶ መኽዘን ብዝተመስረተ ትዕቢትን፣ ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ንነብስኻ ምትዕብባይን ዝተመስረተ፣ ናይ ብሕመቕን፣ ተንኮልን፣ ክፍእትን፣ ኣኽሳሪ ድርቅናን ዝተማእከለ ዲፕሎማሲያዊ ኣካያድያታትን እትኽተል። (Poor, inept and reckless foreign diplomatic relations)።

f.ኣዝዩ ዘይብቑዕን፣ ዓምጻጺን፣ ዓምጣሪን፣ ገባቲን፣ ብፍጹምነት ዘማህምን፣ ካብ ንቡር ዝወጸ መንግስታዊ ስርዓተ ምሕደራን እትኽተል። ኣዝዩ ድሑር ዝኾነን ንህዝቢ ዘየሳትፍ ህንጸት ሃገረ ዳውላ ከምእተካይድ ብዕላዊ እትፍለጥ (Poor and inept governance and  nation building process)።

g.ብቐጻሊ ኣብ ጽልእን፣ ሕነ ምፍዳይን፣ ዕግርግርን፣ ነባሪ ጽልኢ ኣብ ዝዘርእ ዘፈልፍልን ጋብላ ተሸኺልካ፣ ንህዝቢ ኤርትራን ምስቲ ናይ ቀረባ ጎረባብቱ ብፍላይ ምስ ካብ ጫፍ ንጫፍ ዶባት ዝዝርጋሕ መላምንቲ ሓዊ ዝኾነ ጎረቤቱ ህዝቢ ትግራይ፣ ተሓባቢሩ ብሰላም ከይነብርን፣ ተሓጋጊዙ ኣብዚ ስትራተጂካዊ ዞባና (Economic hub) ከይምዕብልን ምትፍናን ብዝፈጥር ስርዓት እተዓብለለትን እተገበተትን።

h.ከምኡውን ብቀዳምነት ዋኒን ምዕባለ ማሕበረ ቁጠባ ኣትኩሮ ከይግበር ምእንቲ፣ ብዕንደራን ብማእለያ ዘይብሎም ምስምሳት ተዓብሊልካ ስልጣንካ ንምግባትን ንምቕጻልን፣ ብናይ ብድሕረይ ዳንዴር ኣይትብቆላ መናውራታትን ስትራተጂታትን ተማእኪልካ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክወጾ ዘይክእል ዓዘቕቲ ንምእታው ለይትን መዓልትን ናይ ዝጽዕሩ፣ ግዳይ ከምዝኾነት ሃገር እትግለጽ። (Lack of concern for peaceful coexistence and socio economic collaboration with immediate neighbors particularly with the people of Tigray)።

እቲ ኣዝዩ ከሰንብድ ዝግበኦ ድማ፣ ብኣደብ ዘይብሎምን ኣነወርትን ድሑራትን፣ ኣብ ሞንጎ ህዝብን ህዝብታትን (Inter and Intra)፣ ወላ ብማይ ቤታዊን እውን ከይተረፈ፣ ብዘይ ንቡር ጽልኢ ምዝራእ እዩ። እዚ ባህርያት ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን። እቲ ብዙሓት ምሩኻት ናይ ደርግ ወታሃደራት ነበር ኩሉ ጊዜ ከም ዝምስክርዎ፣ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ከም እካል ህዝቢ ኤርትራ ምስቲ ዝኾርዑሉ ማዕበያ ውርሸኦም ብምምርኳስ፣ ኣብ ኣታሓሕዛ ምሩኻት ናይ ደርግ ወታሃደራት ነበር ዘርኣይዎ መዳርግቲ ዘይብሉ ሕልናዊ ምሕብሓብን ሓልዮትን፣ እነሆ ንቡዙሓት ምሩኻት ነበር፣ ንኤርትራ ከምዝጋደሉን፣ ኣብ ኤርትራ እውን ከም ማንም ኤርትራዊ ክነብሩን ናብረኦም ከጣጥሑን ኣኽኢልዎም እዩ። ምስጋና ንዘይጸዓድ ህዝብና።  ህዝቢ ኤርትራ በባህሉን ክብርታቱን ንህልኽን ሕዱር ቅርሕንትን ዘሳውር ኣይኮነን። ስለዚ ናይዞም ብድንቁርና ስሚዒትን ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ነባሪ ጽልኢ ንምፍጣት ዝህንደዱ ዘለው ክእደቡ ኣለዎም። እቲ ናይ ሓዋሩ ውጺኢቱ ጎዳኢ ስለዝኾነ። ብፍላይ ኣብዚ ሕጂ፣ብፍላይ ክፋል ህዝቢ ናይዚ መናወራታት ገንሸል ከይከውን፣ ብሃገር ደርጃ ምሕሳብ ኣገዳሲ እዩ።  ወላኳ ዘሌቔታዊ እንተዘይኮነ ጊዚያዊ ጉድኣት ከኸትል ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ብቐጻሊ ንዕዘቦ ኣለና። ኣነ ኣዝዩ ዝገርመኒ ግን፣ ንሃገር ይሓልን ንልዑላውነት ይሕሉ ኣለኹ እንዳበልካ፣ እንዳእማሳመስካን፣ ብድሑራትን ቂመኛታትን ጸበብቲ ሃሱሳትን መጋበርያ እንዳተጠቐምካ እንታይ ዓይነት ቀጻልነት ዘለዎ ሰላም እዩ ክፍጠር ዝድለ ዘሎ?  ኣነስ እንድዒ ኣብ መበል 21 ክፍላ ዘበን ምህላውና ምርሳዕ እዩ። ካልእ ሽም ክወሃቦ ኣይከኣልን። እቶም ዝምልከቶም ምዕብልቲ ሃገር ክትህልወሎም ዝትምነዩ እንተ ኾይኖም ብኣንጻሩ ክሓስቡ ኣለዎም። ነቲ ህዝቢ እውን ብዘይ ሓላፍነት ከጋግይዎ የብሎምን።

ብሓፈሽኡ፣ በዚ እያ ትግለጽ ዘላ ዓደቦና ኤርትራ። ወረ ገለ ግዱሳት ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተማራመርቲስ፣ ቤተ መዘክር ናይ ዘመናዊነት ታሪኽን ብወታሃደራውነት ዝልለ ናይ ሃገርነታዊ ምዕባለ መስርሕ ተላሒጋ ዘለ ሃገር ኢሎም እዮም እጠሚቖማ ዘለው (De Waal, 2015)። እዚ ድማ ንሰማዒኡ ሃገራዊ ኣዝዩ የሰክፍ። ኣይንሕባኣዮ ድማ። ሓባእ ቁስሉ ሓባእ ፈውሱ ዝባሃል ብሂል ኣሎ። ዝተዘርበ እንተተዘርበ፣ ዝትማህዘ ተንኮል እንተተማህዘ፣ ህዝቢ ኤርትራ ከምህዝቢ ማዕቢሉን ሰዊዱን ክነብር እንተኾይኑ፣ ንሕና እዞም ሕልና ኣለና ንብል ዝበዛሕና ኤርትራውያን መፍትሒ ክንደልየሉ ኣለና ብህጹጽ። ከምቲ ዝበልኩዎ እዞም ነማሓድረኩም ዝብሉና ዘለው እውን ነቲ ዘይንቡር ናብ ንቡር ክምለስ ከምዘለዎ ግድን ምዃኑ ክፈልጡ ኣለዎም። ምኽንያቱ ናይ ሃገርን ህዝብን ህላውነትን ምዕባለን ኣብ ክንዲ እምባ ዝኸውን ምልክት ሕቶ ዘእቱ ዕንደራታት ኣብዚ እዋን እዚ ብፍሉይ ንዕዘብ ስለ ዘለና።

እቶም ደለይቲ ፍትሒ ኢና እንዳበሉ፣ ነቲ ስርዓት ዝድግፉን ዝደናገጹን፣ ቀሚሽ ኣደይ ሓንኲሉኒ ዝብሉ፣ እውን ዳሕራይ ዘመኽንይዎ ከይጠፍኦም እጂ ክሓስብሉ ብትሕትና እላወቦም። ብዝኾነ መንገዲ ዋላ ክንሸፋፍኖ እንተፈተና፣ እዛ ዓደቦና ኤርትራ ኣብዚ ደረጃ እዚ እያ ወዲቓዘላ። እቲ ዘሕዝን ድማ ይግባኣዶ ኔሩ ንዝብል ሕቶ፣ ፈጺሙ ኣይግባኣን እዩ እቲ መልሲ። እወ፣ ፈጺሙ ብዝኾነ መለክዒ ኣይግባኦን እዩ ነዚ ህርኩትን ሓላልን ህዝቢ ኤርትራ። ሕዝቢ ኤርትራ እኮ ካብ ዝሓለፈ 150 ዓመታት ብብዙሓት ውግኣት ዝሓለፈ፣ ዝሰርሖ እምበር ዝበልዖ ኣቐዲሙ ዘይጥምት ሃብሮም ህዝቢ ምዃኑ ምግንዛብ ኣድላዪ እዩ።

3.2. ስለምንታይ ኤርትራ ኣብዚ ዘላቶ ድኹም ኩነታት ወዲቓእንታይከ ክግበር ኣለዎ?

እዚ ድማ ስለምንታይ ኮይኑ ንዝብል ሕቶ እቲ ምኽንያታት ኣዝዩ ግሉጽን ፍሉጥን እዩ። ረቂቕ ስነፍልጠታዊ ትንተና ዘድልዮ እውን ኣይኮነን። እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ገምጋማት ድማ ብንጹርን፣ ርጡብን መለኪዕታትን፣ ጭብጥታትን ተሰንዩ ብግሉጽን ብሰፊሑን ክግለጽ ዝከኣል እዩ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ፣ ባዕሉ ኣቲ መራሒ ናይ ኤርትራ እውን ብግሉጽን ብዕላዊን (ስለምንታይ? እንታይ መልእኽቲ ንምምሕልላፍ እዩ ብዘየገድስ)፣ ኣብቲ ተደጋጋሚ ቃለ መሕተቱ ብንጹር ዝጋወሖን ዝገለጾን እዩ።  “ኣብነት ከምዚ ዝባሃል ኔሩ ኣበይ ኣሎ ሕጂ፣ ባጽዕ ሉል ቀይሕ ባሕሪ ኔራ፣ ሕጂ ሉል ኣይኮነት ገለ ኣይኮነት፣ ወዘተ፣ ወዘተ፣ ወዘተ። ዘገርም እዩ። እቲ ዓዲ ዝመርሕ ብግልጺ ይብለና ኣሎ ብቀጻሊ። እዞም ሃገር ሰልጢና፣ ማዕቢላ፣ እንዳበሉ ሕልማዊ ምቁር ሕብስቲ ዘቑርሱናን ዘምስሑናን ዘድሩርናን ዘለውስ እንታይ ኢና ክንብሎም? እዞም ጌሊኦም ኤርትራውያንሲ ብሕሉፍነት ነዚ ጸሓይ ዝወቕዖ ውድዓዊ ሓቂ ክከኻላኸሉሉን፣ ኩሕሊ ምሕሊ ክቐብኡዎን፣ ላሕ ምባሎም እዩ። እዚ ድማ ዘሰንብድ እዩ። እቲ ዘይርደኦም ዘሎ ግን፣ እቲ ከምዚ ሽግር ኣሎ፣ ሃገር ከምቲ ዝግባኣ ኣይኮነትን፣ ዝብል ዘሎ ኤርትራዊ ኩሉእቲ ንህልውናን ምዕባለን ህዝቡን ሃገሩን ልዕሊ ኩሉ ሰሪዑ ዝጭነቕን፣ ዝግደስን ምዃኑ እዩ። እወ ከምቲ ምስሉይ ሃገራዊ እየ እንዳበለ ኣብ ጥራይ ጎልጎል ሑሕ ዝብል ኣምሰሉ (Pseudo) ኣይኮነን። ከምቲ ስሱዕን ጸቢብን በለጸኛን ኣእምሮ ዝወነነ፣ እንታይ ገደሰኒ፣ ኣነን መቕርበይን ንርባሕ ምስቲ ገባቲ ተጸጊዕና ዝብል ኣይኮነን። እወ ንሱ እዩ እቲ ሓቀኛ ከይደቀሰ ዝሓድር ፈታው ህዝቡን፣ ዓዱን፣ መረበቱን። እንሆ ድማ ብኹሉ መስዋእቲ ከፊሉን፣ ይኸፍልን ኣሎ። እወ፣ እታ ክውንነታዊ ሓቂስ ክትመጽእ እያ።እቲ ከምዚ እንድዩ ከምቲ እንድዩ እንዳበለ ሃገር ኣብ ምዕናው ዘጣቕዕን፣ እምንን ሞደሻን (ማሳ) ዘቐብል ዘሎ ድማ ናይቲ ዘሳወሮ ውጽኢት ጽቡቕ ድዩ ሕማቕ ሓቢርና ምስጊዜ ክንርእዮ ኢና።

እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓትን ደገፍቱን እቲ ኣታሓሳስበኦም ዘገርም እዩ። ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ፣ ፖሊቲካዊ ኣራኣእይኡ ብዘየገድስ፣ ንኤርትራ ዝሓሊ ምዃኑ ምርሳዕ፣ ዘይምፍላጥ፣ ወይ ክትርዳእ ዘይምድላይ ወይ ድማ ዘይምፍታን፣ ዘምጸኦ ግጉይ ኣታሓሳስባ ዝተበከለ ኣእምሮ ዝወነኑ እዮም። የገርሙ ድማ። ኣብዚ ዘመነ ዓውሎማዊ ጉያ፣ ተክኖሎጂካዊ ሱር በተኻዊ ምህዞታት (Ground breaking killer apps) ወርሓዊ ኮይንሉ ዘሎ ጊዜ ኣብ ከምዚ ምቁምጣዕ እንታይ ኣድለየ? ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ፖለቲካዊ መትከሉን ኣራኣእያኡን ብዘየገድስ ሃገራዊ እዩ። ንሃገሩን መረበቱን ህዝቡን ካብ ኩሉ ንላዕሊ ይሓልን ይሕልውን፣ ይፈቱን ምዃኑ ምርሳዕ ማለት ዘገርም እዩ። እነሆ ድማ ብዙሓት ሆሆ ዝብሉ ኣምሰሉ ሃገርውያን፣ ናብ ዕዳ ሃገር (liability) ዝልወጥሉ ዘለውሉ መስርሕ ብምግራም ንዕዘብ ኣለና።

ኣብ ካለኦት ሃገራት ብኸምዚ ናይ ኤርትራ ዝሓለፋ ብሓንቲ እምኒ ክልተ ሽቶታት እንዳወቕዓ ኢየን በጺሔንኦ። ኣብነተን ንከተል። ከም ባዓል ጀርመን፣ ሲንጋፖር፣ ኮረያ፣ ሊባኖስ፣ ወዘተ ህልዋት ምሰክር ኢየን።  ግን ሎምስ ኣብ ኩለን ዝምዕብላ ዘለዋ ሃገራት፣ በቲ መንግስታዊ ብመሳልል ምሕደረአንን፣ ምስቲ ተዘርጋሒ ማሕውራቱ ኣቢለን ነቲ ዓርሞሸሽ ደፋኢ ናይ ሓፋሽ ሓይሊ ብዘድምዕ ከምዝሳተፍ ብምግባር፣ ንሕኑን ምዕባለን ዕብየትን ይነጥፋ ኣለዋ። እዚ ማለት ካብ ሃገራዊ ባይቶ ጀሚሩ፣ ካቢነ ምኒስተራት እንዳበለ ስጋብ እቲ ዝተሓት ኮማዊ መንግስታዊ ምሕደራ ብግሉጽ ብመራኸቢ ሓፋሽ በቲ ዝግባእ መንገዲን፣ ዲሞክራሲያዊ ኣገባብን፣ ተግባራቱን ውጥናቱን ብዕሊ ንሓፋሽ የፍልጣን ይትንትናን፣ የሳትፋን ይገልጻን ኣለዋ።ከምኡ’ውን ምኽሪ ካብ ሓፋሽ በቲ ዘሎ ትካላዊ ኣሰራርሓ ተኸቲለን ይሓታን ኣስተዋጽኦ  ይቕበላን ኣለዋ። ወላ እተን ዝሕመያ ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት፣ ከም ባዓል ናይጀርያ፣ ጋና፣ ቦትስዋና፣ ከንያ፣ ሞዛምቢክ፣ ሰነጋል፣ ሞሮኮ፣ ካሜሩን፣ ወዘተ፣ ነዚ ዲሞክራሲያዊ ሃዋህውን ንሓፋሽ ኣሳታፊ መንግስታዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ብምህናጽ፣ ብገፊሑን ብቀጻልን ይሰርሓሉ ኣለዋ። እዚ ልሙድ ተርእዮ እንዳኾነ እዩ ዝኸይድ ዘሎ ኣብ ብዙሓት ቅልጡፍ ምዕባለ ብቀጻሊ ዘመዝግባ ዘለዋ ሃገራት።

ንሕናውን በቲ ባህልናን፣ ያታናን ክብርታትናን ተሓጊዝና ክንገብሮ ክንክእል ኔሩና፣ ሕጂውን ኣይመሰየን፣ ግድን ክንገብሮ ኣለና ። ንሱ እዩ እቲ ዘዋጻኣና። ታሪኽናን ቅርስታትናን ያታዊ ዲሞክራሲያዊ ኣገባብናን ነባሪ ምስክርን ጠቓምን እዩሞ ኣይንጉሰዮ። ከምቲ ስነ ጥበባዊ በረኸት መንግስተእብ ኣብ ሓደ ቃለ መሕትት ዝበሎ እጠቅስ፣ ንኻለኦት ዘውረስናዮምን ካባና ካብ ሰሜን ንደቡብ ዝኸዱ እምበር ናባና ዝመጽኡስ ናይ ባህላውን ያታውን ናይ ምዕባለ ኣምራት ዳርጋ የለውን ዝበሎ፣ ታሪኽ መስካሪ እዩ፣ መታሕትናን ከበሳናን ነቲ ያታና፣ ክብርታትናን፣ ተቓራራቢን ቋንቋታትናን፣ ወዘተ ንሓብሕቦ፣ ነማዕብሎ፣ ንኹራዓሉን፣ ንርባሓሉን ድኣምበር ብክለሳ ታሪኽ መናወራታት ኣይህሰስ። ድርዒን ሕላገትን ናይ ህዝቢ ርእሰ ተኣማንነት ከም ዝኾነ ህዝቢ ከፈልጦን ክሕበነሉን ኣለዎ።

ኣይንረስዕ ፍልማዊ ምዕባለን ስልጣነን መሃዝነትን ካብ ጥቓ ባሕርን ቀንዲ ፈለጋትን እዩ ዝጅምር። ቀይሕባሕሪ፣ ጸሊም ባሕሪ፣ ማእከላይ ባሕሪ፣ ካስፕያን ባሕሪ፣ መጻብቦ ባሕሪ ቺና፣ ካብ ፍሊፒንስ ጀሚሩ ስጋብ ሆንግ ኮንግ ዝዝርጋሕ መጻብቦ ፓሲፊካዊ መመሓላለፊ መጻብቦ (Pacific Rim)፣ ምብራቓዊን ምዕራባውን ገማግማትን፣ ከባቢ ዓበይቲ ቀላያት ሃገረ ኣሜሪካ። መትረባት ፓናማን፣ ስወዝን፣ ደቡባዊ ምብራቕ ቺና፣ ምዕራባዊን ምብራቓውን ህንዲ። ከምኡን ናይ ቁጠባ ማእከል ስሕበት ኣፍላጋት፣ ኒል፣ ኤፍራጥስ፣ ጥግሪስ፣ ያንግተዝ፣ ብጫ (ቻይና)፣ ራይን፣ አልበ፣ ቮልጋ፣ ብራሃማፑትራ፣ ኮሎራዶ፣ ሚሲሲፒ፣ ዳንዩብ፣ ወዘተ ወዘተ። ከምቲ  ኣብ ዘበን ግርምቢጥሲ ማይ ንዓቀብ ከምዝባሃል ግን፣ ኣንጻር እቲ ክኸውን ዝግበኦ ኢና ንጓዓዝ ዘለና ሳላ ዘሰክፍ ድሕረትናን፣ ሳላ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገባቲ ስርዓት (ይቕረታ ኣበርቲዔሉ እንተኾይነ)። እወ ነዚ ሕማቕ ውርሻዊ ተርእዮን ኣዕናዊ ቀጻልነትን ንዕዘብ ኣለና።ኣየባ እዚ ቦታናስ እንታይኮን ምኾነ ኣብ ጥዑይን፣ ንሓፋሽ ዘማእከለ ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ስልጡንን ኣድማዕን መንግስታዊ ትካላትን እንደዝህሉ። እወ እዚ ቦታና ማእከልመሃዛዊን፣ ዲይናሚካዊ ቁጠባ ምኾነ እምበር። ድሓን ግን ህዝቢ ኤርትራ ለባማትን ኣርሒቖም ዝሓስቡን ደቂ ሃገር ኣለውዎ። ካብ ዘለዎ ድቕድቕ ጸልማት ናብ ጩራ ብርሃን ከምዘምርሕ ተስፋ ክንገብር ኣለና። (There will be a light at the end of the deep and dark tunnel)።

ኣነ ዝገርመንስ ክልተ ሚኢቲ ሽሕ ዝኣኽሉ ኤርትራውያን፣ ብፍላይ መንእሰያት፣ ኣብዚ ጊዜ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣለው ክባሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ? እቲ ዘገርም ድማ ነዚኦም ዝበዝሑ መንእሰያት ንምዕንጋል ኣብዛ ንህዝባ እኳ በቲ ዝግባእ ሃብታ ኣማራቒሓ ክትዕንግል ዘይከኣለት፣ “ምስተሾመ ዘይበልዔስ ካብ ሽመቱ ክእለ ይጣዕስ” ምኽነታዊ ምሕደራ ህዝባ ዝሳቐ፣ ብዕግርግርን፣ ብመን ገበተ፣ ትሕመስ ዘላ፣ ካብዝን ካብትን ተሰፋፍያ ሃገር ዝኾነት፣ ኢትዮጵያ፣ ግርም ደገፍ ኮይኖማ ኣለው። እዚ ድማ ኣብ ውጹእ ክሳራ ናይቲ መስኪናይ ለይትን መዓልትን ጽዒሩ ዝሕውለሎም ዘሎ ዲያስፖራ ኤርትራዊ እዩ።

ብርዱእ ግምታዊ ገምጋም፣ ካብ ኤርትራውያን ብዝሕወል ኣስታት $350 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ኣዛ ዕድለኛ እናት ኢትዮጵያ ዓመታዊ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ትረክብ ኣላ (ከይንርስዕ እዚ ኣሃዝ ብሕዋላ ዝለኣኽ ጥራሕ እዩ)። እቶም ካብ ኤርትራ ንሕክምና ዝማላለሱ፣ ደቆም ከመርዕው ከምኡውን ንኻልእን ዘይተኣደነ ገንዘብ ሒዞም ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝውሕዙን፣ ከምኡውን ንኤርትራ ክኣትው ዘይክእሉ ደለይቲ ፍትሒን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጥፍኡዎ ገንዘብን፣ ካብ ወጻኢ ንኢትዮጵያ ዝበጽሑ ዘለው ኣምሰሉ ሃገራውያን ኢና በሃልቲ ናይዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ተደናገጽቲን፣ ዝሕሽሽዎ ዘይተኣደነ ዶላራት ኣብ ግምት ከየእቶኻ እዩ።እቲ ናይ ሱዳንን፣ ኡጋንዳን፣ ደቡብ ሱዳንን፣ካለኦትን ተመሳሳሊ ኩነታት እውን ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ። ዋእ ክትሓስቦ ከለኻን መንጸሮር ይሕዘካ። እንታይ ኢና ክንብሎ ብጀካ ዓጀብ።

ገምትዎ እሞ ክንዲዚ ዝኣክል መጠን ገንዘብ ነታ ምጭውቲ ከተማ ክረን፣ ወይ ደቀምሓረ፣ ወይ መንደፈራ፣ ወይ ዓዲ ቐይሕ ኣፍሪሱ ከም ብሓዲሽ ብዘመናዊነት ምስ ሃነጸ። ክንደይ መንእሰያት ብዋኒነ መሃዝነት ምስተጫጭሑ (Entrepreneurial Incubation)። ሰብ ትካላትን ጸጋን ኮይኖም ተማላሊኦም ንሃገር ብኹሉ መዳያት መማዕበሉ። ንኻለኦት ናይ ዕቁር ተመኩሮ ኣብነት ምኾኑ። እዞም ሕጂ ብዓለም ደረጃ ህቡባት ኮይኖም ዘለዉ ዋኒነ መሃዝቲ (Successful Global and local Entrepreneurs) ካብ ብጣዕሚ ትሑት ዓቕሚ እዮም ጀሚሮም። ግን ዕድላት ተኸፊቱሎም ንዓለምና ኣብ ምቕያር በጺሖም።ጠምትዋ እሞ ነታ ምጭውቲ ዝነበረት ግን ናብ ዑና ተቐይራ ዘላ ዝዓበኹላን ዝተማሃርኩላን ከተማ ኣስመራ። ከምኡውን እታ ህብብቲ ባጽዕከ እንታይ ኮን ምኾነት? ብሉስከ ኣብ ዓመት ብኣማኢታት ሚልዮናት ካብ ዲያስፖራ ዘሎ ክፋል ህዝቢ ገንዘብ ፈሲሱለንስ እንታይ ኮን ምኾና? ካብ ጎላጉል ጋሽ ባርካ ጀሚሩ ስጋብ ጎላጉል ሃዞሞ፣ ለምለም ማይ ጻዕዳ ምስ ቆሓይን፣ ምርኡይ ሰመናዊ ባሕሪ፣ ህጡር ደቡባዊ ባሕሪ፣ ምስ በዓል ታሪኽ መጠራን ሰንዓፈን፣ ሊባን ሓበላን፣ ጀራዲን ሩባ ጋሽ፣ ወዘተ፣ ወዘተ እንታይ ኮን ምኾኑ? ናባኻትኩም ናብ ለባማት እገድፎ።

ሎሚ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ኢና ንነብር ዘሎና። እዛ ዓለም ብፈጣን ዳናሚካዊ መስርሕ ትሓልፍ ኣላ። ሱር በተኽ ተክኖሎጂካዊ ምዕባለ ወርሓዊ ተርእዮ ኢዩ ዝኸውን ዘሎ። ዓለምና ኣዝያ ትጸብብ ኣላ። ሕጂውን ክደግሞ፣ ህዝቢ ኣብ ወሳኒ ጉዳይ ሃገሩ ብዝለዓለ እጃም ተኻፋሊ ንክኽውን ርሒብ (ገፊሕ) ኣፍደገ ወይ ማዕጾ ክኽፈተሉ ኣለዎ። ካብዚ ወጻኢ ዘሎ ምሕደራን ኣካያይዳን ውጺኢቱ ዝሕቱል እዩ ዝኸውን። እዚ ድማ ምኽንያት ናይ ዘይተኣደነ ህዝባዊ ፍልጠትን ኣስተዋጻኦን ምኽሳር ኣዩ ካልእ ፋይዳ የብሉን። እዚ ድኹምን፣ ድሑርን፣ ኣብ ህልኽን ዝተመስረተ ምሕደራ፣ ድማ ሃገራዊ ልምሰት ንነዊሕ ከየኸትል ምጥንቃእ። ብፍላይ ኣብ ዝተፋላለያ ሃገራት ኣብ ስደት ዘሎ ህዝብና ካብቲ ዝነብረሉ ከባቢ ተጠቒሙ ኣብ ኤርትራ ማሉን (ገንዘቡ) ተኽእሎኡን ከዋፍርን፣ ብገፊሕ ኣስተዋጽኦ ክገብርን ዕድላት እንደዝኽፈተሉ ክንደይ ሰናይ ምኾነ። እዚ እዩ ተነፊጒዎ ንዓቕሚ ዘለዎ ህዝቢ ኤርትራ። ኣየባ ሓንጎፋይ ተባሂሉ ነዚ ህርኩት ህዝብና ገፊሕ ዕድላት ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ እንተ ዝኽፈተሉስ እንታይ ተኣምር ኮን ምስተሰርሔ? 

ነዚ ኣብ በዓል ኣንጎላ፣ ኢትዮጵያ፣ ኡጋንዳ፣ ሩዋንዳ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ዱባይ፣ ሱዳን፣ ሱዑዲያ፣ ቀጠር፣ ኣውሮጳ፣ ሰሜን ኣሜሪካ፣ ከምኡውን ኣብ ካልኦት እንዳነበረ ዓዲ ሃገር ዘሰልጥን ንዘሎ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ፣ ሰሓቢን ዲሞክራሲያዊ ሃዋህውን፣ ምሉእ ደገፍን እንተ ዝፈጠረሉስ፣ ኣቤት ክንደይኮን ምረብሔት እዛ ዓደቦና ኤርትራ። እቲ ዝነበረና ብልጫታትና እውን ነበረያ ነበረ ከይኮነ ምስተጠቐምናሉ።

ሓደ መንቋሕቛሕታን እንዶን ናይ ዋኒናዊ መሃዝነት (Entrepreneurial Innovation Passion) ዘሎዎ ኤርትራዊ ካብ ሃገር ምህዳም ማለት፣ ክንደይ ኣሉታዊ ሳዕቤን ንናይ ሃገር ተደላዪ ዋኒናዊ መሃዚ ዓቢ ብኽነት ከምዘለዎ ምግንዛብ የድሊ። እቲ ካብ ሀገር ዘህድሞ ዘሎ እቲ ካብ ሃገር ዝስደድ ዘሎ፣ እቲ ንዋታዊ ሃብቲ ጥራይ ዘይኮነስ፣ እቲ ናይ ዋኒናዊ መሃዚነት ተመኩሮን ተኽእሎን እዩ (National Entrepreneurial Acumen)። እዚ ንርእሱ ሕማም ርእሲ ዘኸትል ምብራስ ሃገራዊ ሃብቲ እዩ። እቲ ብዓል ተስፋ ኤርትራዊ ዋኒነ መሃዚ፣ እውን ንዕኡ ማዕቢሉስ ንኻለኦት እውን ኣራኣእያን መሃርን መጫጭሕን ምኾነ። ንሱ ኣብ ሃገር እንተዘየሎ ግን ንላዕልን ታሕትን ተመጢጡ ዝኸይድ ቁጠባዊ ማእቶታዊ ድንፋዔን ብኸቢድ ይጉዳእ። እዞም ኣብ ወጻኢ ንነብር ዲያስፖራ ብዓይንና ዕለታዊ ንርእዮ ኣለና እቲ ዘይተኣደነ እስተዋጸኦ ኣብ እዘን ንነብረለን ዘለና ሃገር ዘምጸእ።

እቲ ዛጊት ዝጠፍኤ ዕድላት ክግመት ከሎ፣ ኣብ ዓመት ሚልዮናት ዘይኮነ ቢልዮናት ርእሰ-ማል ናብ ኤርትራ ምውሓዘ ኔሩ። ብፍላይ ኣብ ደገ ዘሎ ዓቢ ክፋል ህዝብና፣ ካብታ ዝረኽባ ሓንቲ ዶላር፣ ፍርቃ ናብ ኤርትራ ሰዲዱ መዋፈራ። ብሕታዊ ትካልና እውን ብተዓጻጻፍነት ምደንፈዐ። ህዝብና እውን መሃዝን ቀጻልን ዲናሚካዊ ሃገራዊ ቁጠባ (Sustainable creative and dynamic economy) ናይ ምህናጽ ክእለት ብዝበለጸ መጥረየ። ኣብዝሓለፋ 31 ዓመታትሲ ካብዚ ዘሎ ብዝበለጸ፣ ክንደይ ህንጻ ምስተሃንጸ? ክንደይ ምዕባለ ኣብ ገጠራዊት ኤርትራ መስተራእየ። ክንደይ ትካላት ምስተተኽለ? ክንደይ ተማላላኢ፣ ተታሓሓዚ ቁጠባዊ ምዕባለ ምስተራእየ? ክንደይ ሆቴላትን ናይ ቱሪዝም ትካላት (ናይ በጻሕቲ ሃገር መስሕብ) ኣብ ዝተፈላለዩ ሰሓብቲ ቦታታት ምስተጣየሰ? ክንደይ ብቁዕ ኣብያተ ትምህርትታትን ሞያዊ መሰልጠኒታትን፣ ውልቃውያን ትካላት ምስተመስረተ። ክንደይ መንእሰያት ሰብ ዋኒን ወይ ወነንቲ ትካል (national entrepreneurs) ምስተጫጭሑ? ክንደይ መንእሰያትና መሃዛዊ ተእምር ምሰርሑ?

እዚ ኩሉ ከሎስ ቁርብ ቁራቦ ወርቂን በሩርን ክንረክብስ ጐዳጉዲ ምኹዓትን ከባቢያዊ ብከላ ምፍጣርዶ ምሓሸና (environmental degradation due to mining residuals)። ብሓቂ ንህዝቢ ኤርትራ ሰናይ ዝሓስብ ውላድ ኤርትራ ነዚ ጥፉእ ዕድል (lost opportunity) ክሓስብ ከሎስ እንታይ እዩ ክስመዖ?   ንህዝቢ ኤርትራ ንፈቱን ንሓዋሩ ነቲ መንእሰይ ወለዶ ንሓስብ እንተድኣ ኮይና፣ ነቲ ዘይንቡር ናብ ንቡር ንኽንመልሶ ድኣ ንጽዓር እምበር ከም ኣብ ንእሽቶይ ጥርሙስ ዝኣተው ዓሳ ፈንጠርጠር ምባል ውዒሉ ሓዲሩ ጎዳእን ኣብራስን ምኻኑ ንፍለጦ። ብፈኸራን፣ ዳንኬራን፣ ኩራዕ ወዲ ሃገርዶ ገለዶ እንዳበልካ ብውሑድ እኳ ዓቕምን ብቕዓትን ጸጋን ከየጥረኻን፣ ነቲ ናይ ዓርሞሸሽ ጸጋን ተኽእሎን ዝወነነ ሓፋሽ (Grassroots) ኣወጊንካስ ናበይ እዩ ክብጻሕ? እቲ ገጠራውን ከተማውን ናይ ምዕባለ መስርሕ ድማ ክልቲኡ ተታሓሒዙ፣ ተማላሊኡ፣ ተደጋጊፉ፣ ተጠራኒፉ እዩ ዝኸይድ። እቲ ዝፍጠር ጸጋን ተኽእሎን እውን ውጽኢት ናይ ክልቲኡ እዩ። ንረብሓ ክልቲኡ ድማ ይውዕል (Regionalized and Balanced Economic Growth and Development Approaches). እዚ እዩ ናይ ዝተመስከረሉ ናይ ቁጠባ ስነ ፍልጠት ኣሳራርሓ።

እቲ ናይ ማሕበረ-ቁጠባዊ ምዕባለ ስነ ፍልጠት መስርሕ ክልወጥ ኣይክእልን እዩ። ልክዕ ከም እዛ መሬትና ግድነታዊ ዑደታ ከምዘይትልውጥ፣ ካልእ ኣማራጺ የልቦን። ናይ መዋእል ዓንኬል ዳናሚካዊ መስርሕ (life cycle dynamic process) ኣብ ኩሉ ኣሎ። ግድነታዊ ኢዩ ድማ። ስለዚ ግድን እቲ ዝኣረገ ብሓድሽ ክትካእ፣ እቲ ዝሓመቐ ብዝሓሸ ክቕየር፣ እቲ ኣብቲ ግዜኡ ኣድማዕን ብቑዕን ዝነበረ ድማ በቲ ናይ ሕጂ ወድዓዊ ኩነታት ዝጠልቦ ክቕየርን ክመሓየሽን ዘይገሃስ ናይ ተፈጥሮኣዊ ዲያለክቲካዊ ሕጊ ኢዩ ። ዘይቅየር ብሉጽ ተሞክሮና፣ ብሉጻት ኢና፣ ብተሞክሮና ዘምጻእናዮ መሎኮታዊ ተኽእሎን ሓይልን ኣለና፣ ወዘተ ብዝብሉ ኣቑጸልጸልቲ ሓረጋት ብዘይ ክውንነት እንዳ ኣጋዋሕካ ምቕጻል ኣየዋጽእን። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ፣ ካብ ምስ ዘይተርፍ ተፈጥሮኣዊ ናይ ለውጢ ሕግታት ምግጫውን፣ ኣብ ሃገርን፣ ህዝብንብቐሊሉ ዘይሓውን ዘይጠፍእን ጉድኣት ካብ ምምጻእ ከምኡውን ክፉእ በሰላ ካብ ምግዳፍ ዝኸፍእ ንህዝብን ሃገርን በደል የልቦን።

ተፈጥሮ ሃጓፍ ኣይጻወርን እዩ፣ ኣንታይ ድኣ ካብ ዘምጸኤ ኣምጺኡ ይመልኦ ዝባሃል ሓቂ ኣሎ። ዝናብ (ማይ) ኣንተ ዘነበ (እንተ ሃረመ) ብመጀመርያ እቲ ማይ ኮረር እንዳበለ ነቲ ኣብቲ ጽርግያ ዘሎ ጐዳጉዲ እዩ ዝመልእ።ሕጂ ድማ ንህዝና ሰፊሕ ተኽእሎን ዕድልን ሂብና ነቲ ሃጓፍና ምምላእ እዩ ዘዋጽእ፣ እንተ ድኣ ንህዝቢ ብዘይ ሓለፋታት ከይፈላለናን፣ ነዚባ፣ ንቲባ ከይበልና፣ ነቲ ብሕታዊ ቁጠባዊ ጽላትና ንኸነማዕበሎ ዘኽእል ብዘይ ጥርጥር ዕቑር ጸጋታትን ተኽእሎታትን ኣሎ። ብፍላይ ነተን ንእሽቱን ስድራቤታዊ ትካላትን ኣንዳ ኣማዕበልና፣ ዘቤታዊ ተኽእሎናን ጸጋታትናን ምዕባይ እዩ እቲ እንኮን ኣማራጺ ኣልቦ ስጉምቲ። ዳግማይ ምፍጣር እቲ ነብሪ፥ ድግማ ዓርሞሾሻዊ ምዕባለ ሲንጋፖር ኣብ ኤርትራ ዘይድገመሉ ምኽንያት የልቦን። እታ ሓባሪት ኮምፓስና ጥራይ ነተዓራርያን። ናብ ንቡር ክውንነት ነማእዝና።

ዳሕራይ ድማ ከምቲ ኣብ ኩለን ሃገራት ክግበር ዝድለ፣ ኣጋይሽና (ናብ ዓድና ቁጠባዊን ሞያውን ወፍሪ ክገብሩ ዝመጹ ሰብ ሃብትን ፍልጠትን) ድማ በቲ ሕግታትና ስርዓትናን ዝጠልቦ መቓን ብህርፋን ንቀበል። መጺኻለይዶ፣ መጺኻለይዶ ክቕበለካ፣ ኣብዚ ለምለም ዳስና ሰቲ ረገጸ፣ እንዳበልና ብዘወናውን መስሕብ ነቲ ዘውፍር በዓል ዓቕሚ ንቀበሎ። ከምኡ እዩ ኔሩ እቲ ባህልናን፣ ክብርታትናን ማዕበያናን ብጡርኑፍ ከምህዝቢ።ነዚ ንኽንገብር ኣንተ ዘይኪእልና ወይውን እንተድኣ ተዳናጒና ግናኣቲ ኣማራጺ ፍሉጥ እዩ። ከምቲ ኣብላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ክደግማ፣ ጊልያን፣ ተቐባል ርፍራፍ ናይ ገዛእ ሃብትኻን ብመስኮት ተሰንድዩካ ምልቃም እዩ ዝኸውን። እወ፣ ካላኣይ ዜጋን ተጸባዪን ኣብ ገዛእ ዓድኻ ምዃን እዩ። ግን ንለባም ኣምተሉ ኣበይ ከይስሕቶ፣ ንዓሻ ኣንቃሓዮ ንኽፈልጦ ከምዝባሃል ንሕሰበሉ ድኣ። ዘሕዝን ተመኩሮ ኣሎ ኣብዛ ዓለምና። ናይ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ሃገራት፣ ማእከላይን ደቡብን ኣመሪካ፣ ካለኦትውን ክንውከስ ንኽእል ኢና።

በቲ ተባዕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰል ርእሰ ውሳኔ፣ ኤርትራ ነጻ ካብ እትኽውን እነሆ 31 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ብመንጽር ብምሉእ ሓይሉ ብናይ መንኮርኮር ፈጣን ምዕባለ ተወሃሂዱ፣ ተማላሊኡ፣ ምብሉእ ዲሞክራሲያዊ ሃዋሁው፣ ንዝምርሽ መንግስትን ህዝብን ሃገርን፣ 31 ዓመታት ቀሊል ኣይኮነን። ብዙሕ ኣድማዒ ስራሕ ክስርሓሉ ይካኣል ኢዩ ወላ ምስቶም ኣለው ተባሂሎም ዝንገሩና ብድሆታትውን እንተኾነ እውን።እኹላትን ውድዓውያንን ዝኾኑ ተሞኩሮታት ኣብዛ ዓለምና ኣለው። ንሶም ክዕወትሉ ዝኸኣሉ ድማ፣ በተኣምር ዘይኮነስ ብዝሓንጸጽዎን ብዘማሓደርዎን ብዘተግበርዎን ወፍርታትን፣ ነቲ ዘለዎም ዓቕምን ትሕዝቶን ጸጋታትን በቲ ዝለዓለ ብቕዓት ጌገኦም እንዳኣረሙ ምስ ህዝቦም ኢህን ሚሂን እንዳተባህሉ፣ ሰለ ዝተጠቕምሉን ኢዩ። ብዝላዓለን ዝማዕበለን ዓቐን ንህዝቦም ነንሕድሕዱ ከም ዝማሃሃርን ከም ዝስልጥንን ስለ ዝገበሩ እውን ኢዩ። ከምኡውን ንጡፍ ናይ ሓፋሽ ተሳታፍነት ኣብ ኩሉ መዳያዊ ዕማማት ስለ ዘውሓሱ እዩ። ነቲ ናይ መንእሰይ ወለዶ ዓቕሚ ንምዕባይ እውን ብዙሕ ጻዕርን ሰብኣዊ ወፍርን ስለ ዝገበሩ ኢዩ። ካብ ኩሉ ብዝበለጸ ድማ ንቐጻሊ ቁጠባዊ ዕብየትን ምዕባለን ኣገዳስነት ናይ ናኣሽቱን ስድራ-ቤታውያን ትካላት ዕዙዝን ልዑልን ኣተኩሮ ሂቦም ስለ ዝሰርሑሉን ዝተዓውትሉን ኢዩ። እተን ንኣሽቱን ስድራ-ቤታውያንን ትካላት ኣብ ዝለዓለ ብርኪ በጺሔንስ መለለዪ ኣንዱስትራያዊ ሓያልነት ናይዘን ተዓወቲ ሃገራት ኣብ ምዃን በጺሔን ገናውን ይበጽሓ ኣለዋ።

ከም በዓል ጀርመን፣ ኮረያ ሩዋንዳ፣ ካምቦድያ፣ ቬትናም ዝኣመሰላ ሃገራት ገሊኤን ካብ 85% ፍጹም ዕንወት (ካልእይ ውግእ ዓለምን ከቢድ ውግእ ሓውሲ ዴሴት ኮረያ) ገሊኤን ድማ ካብ ፍጹም ብርሰትን ዓውዲ ኩናት ናይ ተተፋናኒ ኣታሓሳስባታት (ideology) ኮይነን ዝነበራ እየን። ብዝተኸተለኦ ስልጡን፣ ተዓጻጻፊን፣ ፖሊቲካዊ ብልሓትን፣ ማሃዛዊ ትካላዊ ኣሳራርሓን፣ መንግስታዊ ምሕደራን እነሆ ናይ ዝገበረኦ ጻዕሪ ፍረ ጻመአን ረኺበንን፣ ብቐጻሊኣብ ምርካብን ኣለዋ። ንኤርትራ ድማ ካብዚ ዘለናዮ ዘይክውንነታዊ ህሞት፣ ናብ ውድዓዊ ክውንነት ለዊጥና ንዔአን ነምስላ ነዛ ከም ኩሕለይቲ መርዓት ተበሃጊት ሃገርና።መሊሰ ክደግማ፣ ንህዝቡን ሃገሩን ዝፈቱ ሰብ፣ ንህዝቡ ዝሓሊ ውላድ ሃገር፣ ን ኩሉ መዳያዊንን ዲሞክራሲያውን ምዕባላ ህዝቢ ኤርትራ ክዕጠቕን ብግብሪ ክጽዕትን እዩ ዘለዎ። ካብዚ ወጻኢ ዕዳ ህዝብን ሃገርን ምዃን እዩ። ብኣፍን ዋልታን ጭማራን ሒዝካ ብፍላጥ ኮነ፣ ብዘይ ፍላጥ፣ ወይ ድማ ንግዚያዊ ረብሓን ኣነ እበልጽ፣ ኣነ እዬ ብዓል ጊዜ እንዳበልካ ኣይኮነን። ንሱ እሞ ክንደይ ሃገራት ዘየኽሰረ። እቲ ክንገብሮ ዘለና ድማ ኣብ ተግባር ብዝከእል ምንጣፍ እዩ።

4.መደምደምታ

ኣብዚ ከተሓሳስቦ ዝደሊ ድማእቶም ብውድዓዊ ስትራተጂካዊ ቅርጽን ትሕዝቶን ተሰሪቶም፣ ብዕቱብ ክፍለጡን፣ ክልለዩን ክግለጹን፣ ዘለዎም ኣስተብህሎ ክግበረሎም ከምዝግባእ እዩ። ውድዓውያንን፣ ክውንነታውያንን ሓቅታትን፣ ጭብጢታትን፣ ዛዕባታትን ኣብኩሉ ህሞትን፣ ኣጋጣምን ኣለው። ነዚኦም ብቅርጽን ትንተናን (Contents and form) መቓን ምእንቲ ክምዘኑ ኣቲ ብኣድላይነት ዘምጽኡዎ ስትራተጂካዊ ጥቕምን ጉድኣትን ክፍተሽ ይግባእ። ነዚ ዘይምትንካፍ ማለት ድማ ካብ ሃገራዊ ናይ ሕዝቢ ሓላፍነት ምህዳምን ወይ ድማ ምጥላምን ማለት እዩ። ብፍላይ ክስትውዓል ዝግበኦ ድማ፣ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ዝብል ኣዕናዊ ኣታሓሳስባ ናብ ቅድሚት ምምጻእ እዩ። እዚ ድማ፣ ስጋብ ክንደይ ንህዝብን ሃገርን ኣጽናትን ኣዕናውን ምዃኑ ኣብ ናይ ሓፋሽ ህዝቢ ተረድኦን ፍልጠትን ንኽሰርጽ ይድለ። እዚ ድማ ሓፋሽ ከይጋገ ኣንጻር ናይ ነዊሕ ዝጠመተ ረብሕኡ፣ ብጊዚያዊ ሃልክን፣ ስምዒትን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከየእቱ ብፍላይ በቶም ዝምልከቶም ቀለስቲ ዝባሃሉ ሰብ ብቕዓትን ተኽእሎን ደቂ ህዝቢ ብቐጻሊ ክሕሰበሉ ኣለዎም።

እምበእርከስ በቶም ዛጊት ዘሎው ዓቕምታትን፣ ጸጋታትን ተኽእሎታትን ተማእኪሎም ክትግበሩን ክዕመሙን ዝግበኦም ናይ ማሕበረ-ቁጠባዊ መሰረታት (foundations) ክንብል ከለና እንታይ ማለትና እዩ? ብሓጺሩ ንሓፋሽ ህዝቢ ነሔይሎ፣ ነቲ ዓርሞሸሽ ዕቑር ኩሉ መድያዊ ዓቕምታት ሓፋሽውጺኢታዊ ጽልውኡ ንጠቐመሉ ማለት እዩ። ሃገርን ህዝብን ብዘይ እዚ ዕቑር ጸጋን ክእለትን ክምዕብሉ ኣይክእሉን እዮም። ወላ ብሃውሪ ዝፈከርና እንተፈከርና፣ ካብ መንደላይ ሓሊፍና ንጉስ ኮብራ ኢና እንዳበልና ህዝቢ እንተኣስከርና እውን እንተኾነ። እዚ ባሕረ መኽዘን ዕቑር ጸጋን ተኽእሎን ብዝግባእ ክተሓዙን ንዝያዳ ጥቕሚ ሃገር ብዘደንፍዕን ዘሕይልን ብልሓታትን ቅድታትን ንኽህነጹ መኣዲ ምፍጣርን ምውዳድን ግድነታዊ እዩ። ብኸምዚ ተግባራዊን፣ ክልሰ ሓሳባውን ሞያን ስነፍልጠትን ክጥረ ይግባእ፣ ንሱ ስለዘዋጽእ።

ነዚ ዕቑር ጸጋን ተኽእሎን ንናቱ ሓይልን ዝናን፣ ንሕሱም ውልቀ መላኽነት ከውዕሎ ዝህቅን በዓል ሓይሊ ግን ጽባሕ ንጉሆ እቲ ዕንወት ኣብቲ ውጹዕ ተበዳሊ ሓፋሽ ጥራይ ዘይኮነ ዝድረት፣ ንዕኡ ነቲ ተበላጻይን ገባታይን እውን እዩ ብሕሱም ዝልብልቦ። ንጊዜኡስልጣን ኣለኒ፣ ሓይሊ ኣለኒ፣ ብሒም ዝበለ ይተሓጎም እንዳበለ ዝህድድን ንህዝቢ ዘዕኑን ድማ ውዒሉ ሓዲሩ ዋጋ ክፉእ ተግባሩ ከምዝፍደ ፍሉጥ እዩ። ናይ ጊዜ ሕቶ ጥራይ እዩ። ነዞም ነማሓድረኩም ኣለና ዝብሉና ዘለው ሰባት ድማ ብትሕትና ብኸምዚ ከነዘኻኽሮም ግዴታና እዩ። ሓፋሽ በቲ ዝድለ ስፍሓትን ዕምቈትን ዘየሳተፈ መንግስታዊ ምሕደራ ዕዳ ሃገር እዩ። ንግዚኡ ኩሉ ገቢትካ ንሓፋሽ ህዝቢ ክትዕምጽጽ፣ ክተደንቁር፣ ከተዕሹ፣ ከተታልል፣ ክትፈላሊ፣ ክትእስር፣ ወዘተ ትኽእል ኢኻ። እቲ ውጽኢቱ ግን ፍሉጥ እዩ፣ ናይ ሃገርን ህዝብ ጥፍሽና (bankcraptcy) ምስቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ጉድኣቱን ምምጻእ እዩ። ንመን እዩ እሞ ክምሕር?

ኣብዚ ነቲ ዝምልከቶ ከተሓሳስቦ ዝደሊ ድማ እዚ እዩ። ክልተ ምርጫታት ኢየን ኣብ ቅድሜና ተገቲረን ዘለዋ። እዚአን ድማ፡ ወይ ነቲ ዝመጽእ ወለዶ ዝጠቅም ስራሕን ተመኩሮን ገዲፍካ ብሕጊ ተፈጥሮ ምሕላፍ ወይ ድማ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ዝሕመረቱ ሕማቕን ሃሳይን ኣዕናውን ሓድጊ ገዲፍካ ምሕላፍ። ንህዝቡ እሓልን እፈቱን ዝብል ናይ መንግስታዊ ምሕደራ መሪሕነት፣ ነታ ቀዳመይቲ ህዝባዊት ምርጫ ኢዩ ዝደሊ። ግን ድልየትን ክውንነትን ነንበይኖም ክኾኑ የብሎምን። ክሳነዩ ኣለዎም። ዝምልከቶ ኩሉ ነዚ ብዕቱብ ክሓስበሉ እላቦ። ተስፋይን ምንዮተይ ድማ ምእንቲ እቲ መንእሰይ ወለዶ እቲ ዘይንቡር ናብ ንቡር ክምለስ ከምዘለዎ ጸቒጠ ምትሕስሳብ እዩ። ሃገርን ህዝብን ምፍታው ድማ በዚ ዕቱብነት ኢዩ ዝምዘን።

ቀጻሊ ውግእ፣ ዕንወት፣ ድኽነት፣ ስደት፣ ጥፍኣት ይፈጥር። ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ፣ ወይ ዓመት፣ ወዘተ፣ውልዕ ውልዕ ዝብላ ዝነበራ ከም በዓል ዩክረይን ዝእመሰላ ሃገራት እንታይ ኮይነን ኣለዋ። 600 ኪሎ ሜትር ምስዝዳወበና ህዝቢ ትግራይ ተተፋኒናስ ከመይ ጌርና ኢና ክንስልጥን ንሓስብ። እዚ ክውንነት ድዩ? ህዝቢ ክጠፍእ ይኽእል ድዩ? ነባራዊ ታሪኽና እሞ ንፈትሾ። ጽልኢ ካብ ምዝራእ፣ ናብ ንቡር ኩነተ ኣእምሮ ንመለስ። ናይ ጽልኢ ዕንደራ ረመጽ ድማ እቲ ሓፋሽ ህዝቢ እዩ ክጸሮ ዝግደድ እሞ፣ እቶም ለባማት ኤርትራውያን ይሕሰብሉ ጽባሕ ዘይኮነስ ሕጂ። ነገራት ክለዋወጥ ጊዜ ኣይወስድን እዩ። ነቲ እትደልዮን ብዘሌቐታ እትዕወተሉ ዘኽእለካ ናይ ሓባራዊ ህዝባዊ ረብሓታት ዝሕመረቱ፣ ኣገባባትን ኣማራጺታት ስለ ዘሎስ ጸማም ሓደ ደርፉ ዘይምዃን።

ከምቲ ኣቶም ክቡር ደቡብ ኣፍሪቃዊ በዓል ናይ ሰላም ኖቬል ተሸላሚ ተቓላሳይ ኣቡነ ደዝሞንድ ቱቱ ኣብ ሩዋንዳ ምስበጽሑ ዝበሉዎ እጠቕስ “ህዝብታትን፣ ዓሌታትን፣ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ኣነ እበልጽ፣ ኣነባ እንዳበሉ ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ እንዳተዳራረቡ ኣብ መጨረሻን መዕለቢ ዘይብሉ መከራን ጥፍኣትን እዮም ንህዝብታትቶም ዘትርፉሉ ኢሎም። ብሓቂ ንለባም ኣምተሉ ኣበይ ከይስሕቶ፣ ንዓሻውን ኣጥቢቕካ ንገሮ ክስወጦ (ክርደኦ) እዩ። እቲ ንቀጻልነትን ምዕባለን ስውድናን ህዝቢ ኤርትራ ዝሓስብ፣ ሓቀኛን ለባምን ሃገራዊ፣ ነዚ ንርእዮ ዘለና ናይ ስነ ኣእሙራዊ ንድየት ዘምጸኦ ሓጎጽጎጽን ፕሮፖጋንድዊ ዕብላኸ፣ ዋእ፣ ከመይ እዩ እዚ ነገር እንዳበለ ብንጹህ ኣእምሮኡን፣ ብልበ ብርሃኑን ከስተንትኖ ንዕኡ አገድፈሉ።

እንደገና ኣብዚ ብኽልተ ሕንጻጽ ሓንጺጸ ክብሎ ዝደሊ ድማ፣ ነቲ ሓፋሽ ህዝቢ ብፍላይ ነቲ ብዙሕ እንጽበዮ መንእሰይ ወለዶ ከምዚ ኢኻ፣ ከምቲ ኢኻ፣ ሰማይ ክትሕንፍጥ ትኽእል ኢኻ፣ ፍሉይ ኢኻ፣ ኩሉ እትኽእል ጸሊም መልኣኽ ኢኻ፣ ወዘተ፣ እንዳበልካ ብዳንኬራን፣ ፕሮፖጋንዳን፣ ታህዲዳትን ወዛል ቃላታትን ኣንዳተጠቐምካ ዝግበር ዘሎ ናይዚ እዋን እዚ ፍሉይ ዘይውድዓዊን ዘይክውንነታዊን፣ መጠኑ ዝሓለፈን ዘመተ ዘምጸኦ ዘይሓላፍነታዊ ተግባርን መዘዙን እዩ።

እቲ ዘገርም ድማ ሃገራዊ ፈስቲቫል ክባሃል ከሎስ ንጽል ዓላማ (monolotic objective) ጥራይ ድዩ ዘለዎ? ሃገራዊ ፈስቲቫላት ክባሃል ከሎስ፣ ህዝቢ ኣብ ምዕባለ መበቆል ሃገሩ ዘሎ ኩነታት ክፈልጥ፣ ዝተፋላለዩ ውልቀ ሰባትን ውዱባትን ዝተፋላለየ ኣታሓሳስበኦም ዝማያየጥሉ፣ ብክኢላታት ብኸመይ ከም ዝሕግዝን ዘበርክትን ኣፍልጦን ኣስተምህሮን ምሃብ፣ ናይ ባህሊታትን፣ ናይ ወፍሪ ዕድላት ብዝምልከቶም ኪኢላታት ምፍላጥንምልላይን፣ ወዘተ፣ ወዘተ እዩ። ጌርና ዝባሃል እንተኾይኑ ኣይምጥንን እዩ ከምዝተዓዘብናዮ። ግን ካብ ተጀሚሩ ስጋብ ዝውዳእ ኣብ ነባሪ ጽልኢ ንምዝራእ ዘይተኣደነ ናይ ህዝቢ ሃብትን ጸጋን ኣፍሲስካ ሆ ምባልስ እንታይ ክባሃል ይካኣል? እቲ ውጽኢቱኸ እንታይ ዓይነት ንድየትን ነባሪ ቅርሕንቲ እዩ ከኸትል?ካብ ኩሉ ዘሳቕቕ ድማ ናይ ክቱርን ዘላቕን ጽልኢ ናይ ምስዋር መናውራታት፣ ንለፍሊፎም ሓደርቲ ዓዲምካን ኣምጺኢካ፣ ኣብቲ ብዙሕ ቁምነገር ክግበረሉ ዝግባእ ህዝባዊ ፈስቲቫላት ኣብ ሞንጎ ናይ ቀረባ ጎረቤት ህዝብታት መርዚ ምዝራእሲ ምስ ምንታይ ይቑጸር? እቲ ለባም ህዝቢ ኤርትራ እውን ይዕዘብ እዩ ዘሎ። ዋእ፣ ኣዚ ከም ናይዚ ሎሚ ድንቁርናን ጽላለን ከም ፍሉይ ህሞት ተቖጺሩ ዝዝከረሉን ዝሕፈረሉን ዝጠዓሰሉን ጊዜ ከምዝመጽእ ር
May 12, 2021
ኣድማዕነት ብፍልስፍና ኣድላይነትኣየ ወዲ ሰብ! ክበልሕ ክህርኩትን ሓያልን እዩ ብተፈጥሮ
ዝውንንዩ ብሉጽ ክእለት ወ ፍልጠት ምስ መሃዝነት ተመኩሮ
ክውጥነሉን፣ ክሰርሓሉን፥ ከፍርየሉን፣ ከድማዓሉን ኣብዝተዋፈሮ
እወ በቲ ኩሉ ተኽእሎ ስነፍልጠት ስነ ቁጠባ ምስ ስነ ኣእምሮ
ብቕጻሊ ይባላሓት ይምህዝ ይሓስብ ንኹሉ ዝደልዮ ንመነባቦሮ

ወዲ ሰብ ጥበበኛ እዩ ይእምት ይትልም፣ የተግብር ብብቕዓት
ብዕቱብ ክዋሳእ፣ ክነጥፍ፣ ዝኽእል በቲ ዝድለ ጥርኑፍ ኣላይነት
ዝምራሕ ብኹሉ መዳያዊ ኣምርን ኣድላይነትን ምስ ኣድማዕነት
ምህርቱ ይስስን፣ ይጽብቕ፣ ይሕይል፣ ይበዝሕ ብኹሉ መኣዝናት
ፍረ ጻዕሩ ይረክብ፣ ይሓፍስ፡ ብሉጽ ውጽኢቱ ይኸውን ብኻዕበት

ወዲሰብ ወናኒ ልዑል ፍልስፍና እዩ፡ ከም በዓል ድርብ ብልሒ
እወ ምእንቲ ክኽውን ናይ ምዕባለ ኣንፈት፡ ሓባሪ ቀላሲ መራሒ
ብምኽሪ ብኣእምሮን ብጥበብን ዝላፈን፡ ምስ ናይ ምህዞ መሳርሒ
ምስ ዘዋደዶን ዝኣርነቦን ብሉጽ ናውቲ ማእቶት ንክኸውን ተረባሒ
ሓንጎል ወዲሰብ ሪቕ ዕቑር ጸጋታት እዩ፡ ንምዕባለ ሃንዳሲ ሰራሒ
ሕፍንቲ እኳ ዘይተላዕሎ፡ ነቲ ዓርሞሸሽ ዝተዓደሎ ባህርያዊ ብልሒ

ብቐጻሊ ንስራሕ ንጽዓር ንምሃዝ ነበርክት፡ ንዘለኣለም ከም እንነብር
ኣይንዘንግዕ ከኣ፡ ጽባሕ ክንመውት ከምእንኽእል ብሕልና ንዘክር
ኢሎም መኺሮም ህርኩታት ጀርመናውያን፡ ንሕጊ ተፈጥሮ ብዘነጽር
ንስማዓዮም ድእ መሃዝቲ እዮም ጻዕረኛታት፡ ኣብነት ጽዒሩ ዝነብር
ለባምን ኪኖ ሓጹር ዘሕስብ ናይ ተመኩሮ ብሂል እዩ፡ ሕልና ዘህጥር
ምዕባለ ቀጻሊ ምዃኑ ብፍላይ ዝእምት፣ ዝገልጽ ከምኡውን ዘዘኻክር

እወ ነውጻኣዮ ድኣ ብኹሉ መኣዝናት፡ ናብ ኩሉ ዓውሎማዊ ቅርዓት፥
ነቲ ብባህርያዊ ዝተዓደለ፡ ናይ ወዲሰብ ዘይተኣደነ ዓርሞሸሽ ብቕዓት
እይንድከ፣ ኣይንደንቁር፣ ኣይንጥመ፣ ንጠቐመሉ ነቲ ዘለና ዕቁር ፍልጠት
ንፍለጦ ድእ ከም ደቂ ሰባት፡ ብሰፊሑ ስለ እንውንን ሰፊሕ ዓቕምታት
ንጠቐመሉ ድኣ ናብራና ክማሓየሽ ጥዕናና ክሕሎ፡ በቲ ዝድለ ብልሓት
ብፍላይ ንዓኹም፡ ናይ ጽባሕ ተስፋ ሃገርኩም ዝኾንኩም መንእሰያት
እወ መንእሰያት፡ ናይ ሎሚ ዕምባባ ናይ ጽባሕ ኣማሓደርቲ ኣፍረይቲ
ኣጆኹም ተባላሓቱ ንፍዑ ተማሃሩ፡ ክትኮኑ ብቑዓት ሃገር ተረከብቲ
ንቑሓት ኴንኩም ርብሑሉ ክሰቡሉ፡ ተጠቐሙሉ ነቲ ዕቑር ሃብቲ
እወ ነቲ ዘለኩም እንደግና ዘይርከብ ወርቃዊ ጊዜ፡ ክትኮኑ ተዓወትቲ
ሃየ ክሰቡላ፡ ትሓልፍ ኣላ እታ ዳግም ዘይትርከብ ጊዜ፡ ሓባራዊት ሃብቲ
እወ እታ ቂም ቂም ትብል ካልኢት፣ እታ ደቒቕ እታ ሰዓት ወ መዓልቲ
ኣይትኽዘን ኣይትወድቕ ኣይትጸንሕ ኣይትጽበ፡ ትሓልፍ ዘላ ጊዜ ክብርቲ

ኩሉና ዝምልከተና ከምኡውን ክእለት ዘለና፡ ወለዲ ምስ ሃገር እነማሓድር
ነወንዝፎ ጉዳይ ኣይኮነን፡ ዓቢ ሓላፍነትን ሕድርን ኣለና ዝግባእ ክንገብር
ብዕቱብ ተረዲእናን ነቒሕናን፡ መንእሰይ ምዃኑ ናይ ጽባሕ ተረካብ ሃገር
ንሓግዞ ድኣ ብኹሉ ዓቕምና፡ በቲ ዝድለ ክስልጥን፣ ክረብሕ፣ ክዕንትር
ብብቕዓትን ብኽእለትን ብፍልጠት ብሞያን፡ ተኽእሎ ወኒኑ ሃጢሩ ክነብር
በቲ ዝድለን ብዕቱብን ክኽሸን ክዳሎ፥ ስነ ፍልጠታዊ ተኽእሎ ክዓትር
ብጽፉፍ ብስሉጥ ክጥቀም፡ ካብ ብቐጻሊ ዝውሕዝ ዓውሎማዊ መስተንክር

ነበርክት ኩሉና ብዝግባእ፡ ሃገርና ክትስልጥን ክትሕምበብ ክትህብትም
እወ ዜጋ ንክቋደስ፣ ካብቲ ዓውሎማዊ መኽዘን ፍልጠት ንኹሉ ብዝጥዕም
እወ ሓፋሽ ምስ ዘበርክትን ዝነጥፍን፡ ብምሉእ ሓይሉ ንሽግር ምስ ዝገጥም
ምዕባለ ሃገር ይሕምበብ፣ ይቕጽል፣ ይስውድ፣ የድምዕ ብዘሕጉስ ንለባም
ናይ ነፍሲወከፍ ዜጋ ኣስተዋጽኦን ኣበርክቶን እዩ፡ ንሃገር ዘሀብትም

ባሃማት ኣይንኹን ንፍለጦ ድኣ ሓፋሽ እዩ ዝፈጥር፡ ናይ ህዝብን ሃገርን ብቕዓት
ንሓፋሽ ነማዕብሎ ነበግሶ ነተሓባብሮ ንጽዓረሉ ነተባባዓዮ፡ ንኸርእየና ተኣምራት
ሃገርን ህዝብን ክስልጥኑ ክውደሱ፡ ነበር ክኽውን ድኽነት ከም ኣብነት ዕውታት
ክንከውን ኣብነታውያን ከምቶም ኣናብር ምብራቕ ኤስያ፡ ብኹሉ ውሕሉላት
እወ ኣይንኽሰሮ እቲ ዘይተኣደነ ናይ ወዲ ሰብ ፍልጠት፣ ዓቕሚ ምስ ብልሓት።

ዶ/ር መንግስተኣብ ተስፋዮሃንስ

Invite others to Yohannes' website:

Invite by email

Post to your timeline