ድኻም ንኣሽቱን ስድራ ቤታዊ ትካላትን ዋኒናዊ መሃዝነትን ኣብ ኤርትራ
መንግስተኣብ ተስፋዮሓንስ, Ph.D, PDS, Yohannes Mengsteab Tesfayohannes, BA, Bsc (honors)
መተሓሳሰቢ
እዚ ጽሑፍናይ ጸሓፊ ነጻ ኣታሓሳስባን መርገጽን ዝምርኮስን ዘንጸባርቕ እዩ። ናይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ኣታሓሳስባ፣ መርገጽ፣ ፍልስፍና፣ ወይድማ ናይ ፕሮግራም መርገጺታት ዝውክል ኣይኮነን
ድኻም ንኣሽቱን፣ ስድራ ቤታዊ ትካላትን፣ ዋኒናዊ መሃዝነትን ኣብ ኤርትራ
ብዙሓት ግዱሳትን፣ ለባማትን፣ ፈላጣትን ኤሪትራውያን ሃገራውያን ኣብ ብዙሕ ማሕበረ ቁጠባዊን፣ ፖሊቲካዊን፣ ባህላዊን፣ ታሪኻዊን፣ ስነፍልጠታውን ተርእዮታትኣተኲሮም ብበሊሕ ኣእምሮ ይዋስኡ ኔሮምን ኣለውን። ብቐጻሊ ድማ ብዙሕ ሃናጺን፣ ኣገዳስን፣ ርሑቕ ዝጠመተ ምኽርን፣ ትንተናን፣ ለበዋን ይህቡናን፣ ይሕብሩናን የስተምህሩናን ኔሮም ሕጂውን ይቕጽልዎ ኣለው። እቲ ዝድለን ነዚ ብሉጽ ምኽሮምን፣ ፍልጠታዊ ኣስተዋጽኤኦምን ነቲ ሓጹራትን፣ ኣደናጋሪ ህውተታን ሰጊርካ ኣብ ግብሪ ምውዓልን ካብኡ ምኽሳብን ምጥቃምን እዩ። እቲ ቀንዲ ዓላማ ድማ ምእንቲ ስልጥንትን፣ ብልጽግትን፣ ምዕብልትን ሃገር ንምፍጣርን ንምውናንን እዩ። ካልእ ብልሓትን ሚስጢርን ድማ የልቦን።ብተወሳኺ፣ ንኹሉ መዳያዊ ጸጋታትን ተኽእሎታትን ሃገሩ ብላዕለዋይ ኢድ ብብቕዓት ዝወነነ መሃዝን ዕውትን ዘብየታዊ (በዓል ዓደቦ ወይድማ በዓል መረበት) ስልጡንን፣ ተዓጻጻፍን፣ኩሩዕን፣ ብሉጽን ህዝቢ ንሓዋሩ ነታ ሃገር ምእንቲ ክህልዋ እዩ።
ኣብዚ ኣነ ብሕጽር ዝበለ ክዝትየሉ ደልየ ዘለኹ ድማ ብዛዕባ እቲ ብናእሽቱን ስድራ ቤታዊ ትካላት ዝፍለጥ (Small and family businesses or ventures) እዩ። እዚ ሓደ ዓቢ ኣካል ናይቲ መዳርግቲ ኣልቦ ተራ ዘለዎ፣ ብብሕታዊ ጽላት ዝፍለጥ ቁጠባ ሃገር እዩ።እዚ ክፍለ ጽላት እዚ ናይ ብሓቂ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክነሱ፣ ስጋብ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ብዘሕዝን፣ እቲ ዝግባእ ኣቓልቦ በቶም ዝምልከቶም ቀለስትን ወሰንትን ኣማሓደርቲ ሃገር ኢና ዝብሉ፣ በብምሕዳራዊ መሳልል ተጸፍዮም ዘለው፣ ዝተሓረመ ምዃኑ እዩ።ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ፣ እዚ ክፍለ ጽላት፣ ቀንዲ መንኮርኮር ዲናሚካዊ መስርሕ ምዕባለ ሃገራዊ ቁጠባ ምዃኑ ምርዳእ ይድለ። ተራ ናይተን ንኣሽቱን ስድራቤታውያንን ትካላትኣብ ኩለን ቁልጡፍ ምዕባለ ንምምዝጋብ ብዕቱብ ዝነጥፋን ዝጽዕታን ዘለዋ ሃገራት ዕዙዝ ምዃኑ ብብዙሕ ጭብጥታት ክፍለጥ ዝከኣል ኢዩ ። ኣዚ ዘመልክቶ ድማ እዘን ትካላት ኣብፈጣን ናህሪ ኩሉ መዳያዊ ሃገራዊ ምዕባለ፣ ብፍላይ ድማ ቁጠባዊ ምዕባለን ብራኸን ዘለወን እጃም መዳርግቲ የብሉን (Stel, et al, 2005; Acs, et al, 2008; Abor, & Quartey, 2010)።
ኣብ ብዙሓት መጽናዕትታን ምርምራዊ ስራሓትን ብንጹር ከም እተግልጸ፣ ካብ ብሕታዊ ቁጠባ ሃገር ብገፊሑ፣ እጃም ናይዘን ንእሽቱን ስድራ ቤታዊን ትካላት ካብ ተስዓ ሚእታዊ ንላዕሊ እዩ (Tesfayohannes, 1998; Edmiston, 2007; Gamidullaeva, et al, 2020)። እዚ ድማ ኣብ ዝማዕበላን ከምኡውን ኣብ ምምዕባል ዘለዋን ሃገራት ብሰፊሑ ክውንነትዊ ተርእዮ እዩ። ብኡ ምኽንያት እዩ ድማ ዳርጋ ኩለን ሃገራት ኣብቲ ቀንዲ ናይ ሃገራዊ ምዕባለ ኣጀንደአን ብፍሩይ ሰሪዔንኦ ዘለዋ። እዘን ንኣሽቱን ስድራ ቤታዊን ትካላት፣ ኣብ ሃገራዊ ቁጠባ ዝፈጥረኦ ናይ ስራሕ ዕድላትን፣ ማእቶታዊ ኣድማዕነትን፣ ድንፋዔ ሰብኣዊ ጸጋን፣ ተኽእሎን ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ዓርሞሸሽ ኣብርክቶአን ኣብ መስርሕ (ከይዲ) ሃገራዊ ህንጸት (State building process) ከኣ ዕዙዝ እዩ። ከም በዓል ደቡብ ኮረያ፣ ጀርመን፣ ታይዋን፣ ሲንጋፖር፣ መክሲኮ፣ ኣብ ፋርሳዊ ወሽመጥ ዘለዋ ንኣሽቱ ሃገራት፣ ማለዥያ፣ ወዘተ፣ ሳላ ነዘን ትካላት ዘማዕበላን መሪሕ ተራ ንኽጻወታ ስለ ዝገበራ እየን፣ ዓርሞሸሽን ዲናሚካዊን ሃገራዊ ቁጠባ ክሃንጻን፣ ሕኑን ምዕባለን ከመዝግባ ዝኸኣላ። ካለኦት ሃገራት ከም በዓል ቬትናም፣ ታይላንድ፣ ኢንዶነሽያ፣ ካምቦድያ፣ ባንግላደሽ፣ ብተወሳኺ ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳን ከምኡውን ናይ ቀደም ሕብረት ሶቭየት ኣካል ዝነበራ ሕጂ ነጻ ሃገራትን እውን ኣይሓመቓን (World Bank, UNDP, Reports, 2020)።
ኣስተዋጽኦ ናይዘን ትካላት ብሓፈሻ፣ ኣብ ድንፋዔ መሃዝነትን ማእቶታዊ ንጥፈትን ሓፋሽ ህዝቢ (grassroots) ድማ ፍሩይን ሓያልን እዩ። ብተወሳኺ፣ ኣበርክቶን ተራን ናይዘን ትካላት ኣብምስፍሕፋሕን ምስራጽን ተግባራዊ ሞያዊ ክእለትን፣ መሃዝነታዊ ምልከትን፣ ዋኒናዊ መሃዝነትን (Entrepreneurial innovation at the grassroots level)፣ ክገብር እየ በሃላይነትን (Adventurous sprit and passion)፣ ብፍላይ ኣብቲ ናይ ጽባሕ ቀላሲ መንእሰይ ወለዶ መዳርግቲ ዘይብሉ ተራ እዩ ዘለዎ።ከምቲ ኣብ ላዕሊ ብኣብነት ዝጠቐስኩዎ ድማ ብጭብጢ፣ ኣብተን ኣብ ዓለምና (እንኮላይ ኣብ ኣፍሪቃ) ዘለዋ ኣብነታውያን ዕውታት ሃገራት ጐሊሑ ይረአ ኣሎ። ካለኦት ብዙሓት ሃገራት እውን ካብተን ዝተዓወታ ኣብነታውያን ሃገራት ትምህርትን ተሞክሮን ብምቕሳም፣ ብዝተዋሃሃደን ዝተዋደደን መርሓ መንገዲ (Roadmap) ነዘን ትካላት እዚኤን ንምድንፋዕ ብቐጻሊ ይነጥፋ ኣለዋ (Abisuga-Oyekunle 2020)።
ብተወሳኺ እተን ኣብላዕሊ ዝጠቐስኩወን ኣናብር ሃገራት፣ ካብ ኣፍሪቃ እውን ከም ባዓል ጋና፣ ናይጀርያ፣ ኣልጀርያ፣ ሞዛምቢክ፣ ቦትስዋና፣ ሞርሴሽ፣ ካሜሩን፣ ሩዋንዳ፣ ኡጋንዳ፣ ሰነጋል፣ ኮት ዱቯር፣ ከንያ፣ ግብጺ፣ ሞሮኮ፣ ቱኒዝያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ናሚብያ፣ወዘተ ይጥቀሳ። ስለዚ ነዘን ትካላት ቀዳምነት ሂብካ ምትብባዕን፣ ሓጋዚ ትሕተ ቅርጽን ልዕለ ቅርጽን ኣዋዲድካን፣ ኣጣዓዒምካን፣ በቲ ዓቕሚ ዘፍቅዶ ብሕኑን ንምምዕባለን ምሕጋዝ ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ። ብዘይ ዝኾነ ቀሚሽ ኣደይ ሕንኩሉኒ፣ ውዓል ሕደር ዘየድልዮን ቀዳምነት ክዋሃቦ ዘለዎ ግድነታዊ ሃገራዊ ዕማም እዩ።
ኣብ ምዕባለ ሃገራዊ ቁጠባ ብዝምልከት፣ ጽፉፍነትን፣ ኣድማዕነትን፣ ናይ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዝወርድ ቅርጻዊን መሳልላውን መንግስታዊ ምሕደራ ዝምዘን ድማ ኣብ መትኒን መሰረትን ሓፋሽ ዝኾና ትካላት ኣብ ዝግበር ንጥፈታት እዩ። ብሓጺሩ፣ ኣድለይቲ ዓቕምታትን ጸጋታትን ሃገር በቲ ዝድለ መቓንን ዝከኣል ወፍርን ተበግሶን ክህነጽን ክስውድን እንተድኣ ዝድለ ኮይኑ፣ ኩሉ መዳያዊ ናይ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝነብር ሓፋሽ ህዝቢ ተሳታፍነት፣ ኣስተዋጽኦን ብኹሉ መድያትን መእዝናትን ክታባባዕን ናይ ግድን ክኸውን ኣለዎ። ነቲ ውላድ ሃገር እውን፣ ፖለቲካዊ መትከሉ ብዘየገድስ፣ ዲሞክራሲያዊ ማዕጾን ክኽፈተሉ ኣለዎ። ብሓጺሩ ሓፋሽ ህዝቢ ማእከል ዝገበረ፣ ነጻ ዝኾነ ኣታሓሳስባን፣ ቀላሲ ዲሞክራሲያዊ ሃዋህውን ብውሕስን ብሓልዮትን ክህሉ ኣለዎ። እዚ ምስ ዝግበር እዩ እቲ ኩልና እንትምነዮ፣ ኩሉ መዳያዊ ምዕባለ ሃገር ብሕኑን ፍጥነት ክምርሽ ዝኽእል። ኣብ ዕውታት ሃገራት ከም ዝተመስከረሉ ድማ ዝፈተወ ይፍቶ፣ ዝጸልኤውን ይጽላእ እምበር፣ እዚ እዩ እቲ እንኮ ምርጫ በቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዝሓልን ዝሕልንን ውልቀ ሰብ ይኹን እኩብ ክርዓም ዝግበኦ።
- ኩነታት ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ንእሽቱን ስድራቤታዊን ትካላት
- ዕቑር ተዋዳዳሪ ብሉጽነት ኤርትራ (The Competitive Advantage of Eritrea)
2.1. ድሕረ ባይታ
ንዋኒነ ንግድን ትካላዊ መሃዝነትን ኤርትራውያን በቲ ውድዓዊ ዓቕሚ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ብዙሕ ጊዜ ዝደጋገም ብሂል ኣሎ። ኤርትራውያን ብፍላይ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ከም ባዓል ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኬንያ፣ ኣንጎላ፣ ኡጋንዳን፣ ወዘተ ብዙሕ ይነጥፉን ኣብ ብዙሕ ትካላዊ ዋኒናት ይዋስኡ ኔሮምን ኣለውን ተባሂሉ ካብ ዝሓለፈ 85 ዓመታት ጀሚሩ ብኹርዓት ይንገርን ይጋዋሕን እዩ (Killion, 1996; Biziouras, 2013; Weldeghiorgis, 2004; African Research Bulletin, 1996; Mesghenna, 2003) ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ብመንጽር ንህዝብና ዝህቦ ጠቕሚ ክምዘን ከሎ ግን ብዙሕ ዘተሓሳስብ ኢዩ (Department of State, 2014; World Bank Report, 2020; Miner, 2022)። ካብ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ወጻኢ ኰንካ ምውንጫፍ፣ ኣብ ሃገርካ እቲ ቀንዲ ትካልካ ደኲንካ ክትነጥፍ ተመራጺ እዩ ነይሩ። ከከም ኣድላይነቱ ብዝኽፈት ዕድላት ድማ ኣብ ካለኦት ሃገራትውን ብዝተኻእለ መጠን ማልካን (ካፒታልካ) ትካላዊ ክእለትካን ኣብቲ ከርባሓኒ ይኽእል እዩ እትብሎ ካብ ሃገርካ ወጻኢ እውን ክትነጥፍ ትኽእል ይከእል እዩ። ግን እቲ ሱርካ ኣብ ዓድካ ክኸውን ኣለዎ። እዚ እዩ እቲ ዝድለ።
ግን ብሰንኪ ሕማቕ ደፋእቲ ረቛሒታት ማለት እዚ የማሓድር ኣለኹ ዝብል ዘሎ እህግደፋዊ ስርዓት፣ ንቑጠባ ሃገር በቲ ናይ ትካላዊ መሓውራቱ ፈጺሙ ንኽግብትን ክቆጻጸርን ክብል፣ ብዝተኸተሎ ኣዕናዊ ቁጠባዊ ምሕደራ ምኽንያት፣ ተሓግሒካ ካብ ዓድኻ ወጺኢካስ፣ ኣብቲ ዝተሰደድካዮ ሃገር ኮንካ ከተስፋሕፍሕን፣ ክትንቃሳቐስን፣ ከተመስርሕን ከምኡውን ኣብ ዋኒነ መሃዝነት (Entrepreneurial Innovation) ክትነጥፍን ከለኻ፣ ነተን ትነብረለን ዘለኻ ሃገራት ኣዝዩ ጠቓሚ እኳ እንተኾነ፣ ንሃገርካ ግን ከምቲ ዝድለ ኣየርብሕን (Miner, 2022)። ነቲ ዓድኻን መበቆልካን ዝኾነ ሃገር ብዙሕ መዳያዊ ሃስያ ድማ ኣለዎ። ዛጊት ኣዕናዊ ውጽኢቱን፣ ኣሉታዊ ጽልዋታቱን ድማ ብግሉጽ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ማሕበረ-ቁጠባ ኤርትራ ንርእዮ ኣሎና (Müller, 2022; Hirt, 2021)።
ንዝኾነ ትካላዊ ምንቅስቓስ ወይ ንጥፈታት ናቱ ንድሕሪትን ንቕድሚትን ተመጢጡ ዝተሓሓዝን ዝዋሃሃድን ኩሉመዳያዊ ቁጠባዊ ርክባትን ተኣሳሰርነትን ኣሎዎ (backward and forward economic link and interactions)። ንኣብነት ሓደ ናይ መገጣጠምን ሰንዓን ትካል ምስ ዝምስረት ወይ ዝጣየስ፣ ነቲ መስርሕ ዘድሊ ቀረባት ዘመስርሓ፣ ዘዳልዋ ከምኡውን ዘቕርባ ተማላላእቲ ትካላት ከድልያ እየን። ምህርታዊ ውጽኢታት ናይቲ መገጣጠሚ ትካል ዝደልያ (ገዛእቲ) ትካላትውን ክህልዋ እዬን። ነቶም ኣብተን ትካላት ዝዓዩ ሰራሕተኛታት እውን ንመነባብሮ ዘድልዮም ኩሉ ዘቕርባ ኣመስራሕትን፣ ወሃብቲ ኣገልግሎትን ትካላት ክህልዋ እየን። ንቕድሚትን ንድሕሪትን እንዳተታሓሐዘ ድማ ንኩሉ መዳያዊ ቁጠባ ሃገር ብቀጻልነት ብዘህጥር ኣገባብ ይቕጽል (Strategic Value Chain and Eco-system of the economic productivity process)። እዚ ናይ ቁጠባዊ መስርሕ ስርርዕ ምስ ዘይህሉ፣ እቲ ዝድለ ቀጻሊን ሕኑንን ቁጠባዊ ምዕባለ ኣይህሉን። እቶም ናይ ቁጠባዊ ኣድማዕነት መሃዝትን ቀለስትን እውን ከምቲ ዝድለ ኣይስስኑን። ናይ ትካላዊ መሃዝነት ብቕዓትን፣ ተመኩሮን፣ ከምኡውን ዕቑር ጸጋን ክእለትን ዝውንኑ ኣብ ሃገር ምስ ዘይህልው፣ ንኹሉ መዳያዊ ምዕባለ ማሕበረ-ቁጠባ ሃገር ኣዝዩ ጐዳኢ እዩ። እቲ ማህሰይቲ ድማ ናብቶም ተስፋ ከነንብረሎም ዝግባኣና ተካእቲ ወለዶ ይበጽሕ እሞ ውሽጣዊ ዓቕምን ብቕዓትን ጸጋን ተኽእሎን በቲ ዝድለ ከምዘይጥረ ይገብር።እዚ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ መሪር ሓሞት ብሰፍነግ ምስታይ ማለት እዩ። ነቲ ክኣሊ ኩሉ ዝኾነ ሓፋሽ ዓቕምን፣ ጸጋን፣ ተኽእሎን ብቕዓትን ንኸየጥሪ ምግባር ማለት እንታይ ማለት ምዃኑን፣ እንታይ ኣዝዩ ጎዳኢ ስምብራት ከምዝገድፍን፣ ካብ ኩሉና ዝስወር ኣይኮነን። የሕዝን ድማ።
ርኣይዎን ተዓዘብዎን እሞ፣ ናይቲ ሓፋሽ ህዝቢ (grassroots) መሃዝነትን፣ ንጥፈትን፣ ኣብተን ብስደት ንነብረለን ዘለና ርቡሓት ሃገራት፣ ዓርሞሸሽ ዕብየትን ምዕባለ ከምዝፈጠረ። ብኸመይ ማእከል ስሕበት ንክኾና ከምዝሓገዘን። ካብተን ሃገራት ኣፍሪቃ እውን ብዙሓት ብምሉእ ዓቕመን ይጽዕራ ከምዘለዋ ንዕዘብ ኣለና (Peprah,& Adekoya, 2020)። ካብቲ ዝተሓተ ዋኒናዊ መሃዝነት ንጥፈታት ከም ኣደይ ኩሉ ብሓሙሸት ሳንቲም ኣለክን ሸቐጥ ኣብ ህዝባዊ ፍኑው ዕዳጋ፣ከምኡውን ስጉርፈኦ ተሰኪሞም ገዛ ገዛ ብምኻድ ኮሚደረን ካልቕ ሸቐጥን ካብ ምሻጥ ስጋብ ዘመናውያን ንእሽቱ ትካላት ኣብ ምምስራትን ዝበጽሑ ብቋልያ ዋኒነ መሃዝቲ ኤርትራውያን (Eritrean loacal and survivalist Entrepreneurs)፣ ኣብ ዓዶም ዕድል ተነጊፉዎም፣ካብ ዓዶም ርሒቖም እንታይ እዮም ዝገብሩ ዘለው ኣብተን ዕድል ክረኽቡለን ዝኸኣሉ ሃገራት ተሰዲዶም? (Heilbrunn, & Rosenfeld, 2019)። ዕድለኛታ ከም በዓል ደቡብ ሱዳን፣ ኣንጎላ፣ ኡጋንዳ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ዱባይ ብፍሩይ ክጥቀሳ ይኽእላ። እወ፣ ህርኩታት ኤርትራውያ ኣብኤን ተቐሚጦም ይነጥፉ ስለ ዘለው። ካብዚ ዝኸፍእ በሰላ ዝገድፍ ውርሻዊ ተርእዩ ኣሎ ድዩ? ብኸምዚ እንተቐጺሉኸ እንታይ እዩ ክኸውን እቲ ናትና ነገር ኣብ ዝመጽእ ዓሰርተ ዓመትን ድሕሪኡን? ሕሰብሉ ድኣ ደቂ ሃገር። ሃገር ማለት ህዝቢን ኩሉ ምስኡ ዝኸይድ ባህሉን፣ ዘይተበረዘን ዘይተኸለሰን ታሪኹን፣ ክብሩን፣ ያትኡን ምዕባሌኡን፣ ማሕበራዊ መነባብሮኡን እዩ። ሃገር ጎቦን ስንጭሮን፣ እምንን ሓመድን ባሕርን ጥራይ ኣይኮነን።
2.2. ውርሻዊ ባህሊን ማሕበራዊ ናብራን ኣብ ኤርትራ
ከም እንፈልጦ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣን ክሊማዊ ኣቀራርጻን ምድሪ ኤርትራ ኣዝዩ ተባሃጊ እዩ። ካብ መበል 18 ክፍለ ዘበንን ቅድሚኡን ጀሚሮም ገዛእቲ ሓይልታት ብተዳጋጋሚ ኣርዑት መግዛእቶም ንኽጸውርን፣ ግዳይ ምዝመዛኦም ንኽኸውንን ንህዝብና ኣገዲደሞን፣ ኣዋርዶሞን፣ ድሂኸሞን እዮም (Lusini, 2006; Bereketeab, 2000))።ርግጽ ኢዩ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብኣጠቓላሊ ክምዘን ከሎ፣ ኣብቲ ግዝኣቱ ነበር ዝገድፎ ብዙሕ መዳያዊ ክፉእን ሕማቕን ውርሻዊ ተርእዮ ኣብ ቦትኡ እንዳሃለወ፣ ግን ሓደ ሓደ ንጽቡቕ ተወራራሲ ዝኾነ ሓድግታትውን ይገድፍ ኢዩ (Killion, 1996)። ንኣብነት ኣብ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ጥልያን ብሰፊሑ ካብ ዝተወርሱን ዝተኣታትተውን ጽቡቕ ሓድግታት ሓደ-መንቋሕቋሕታ ናይ ንኣሽቱን ስድራ ቤታውን ዋኒናዊ መሃዝነት (Small and familty Businesses and Grassroots Entrepreneurial Innovation and acumen) ኢዩ። እኹል ኣብነታት ናይዚ ሕላገታት ብቐሊሉ ኣብ ኤርትራ ይረኤ ኔሩ እዩ ።
ህዝቢ ጥልያን ካብ ነዊሕ ጊዜ ኣትሒዙ ብቐንዲ ዝፍለጠሉ ማዕበያን ባህላዊ ኣምርን ኣለዎ። ንሱ ድማ ምውናን ክእለትን ብቕዓትን ኣብ ንኣሽቱን ስድራቤታዊ ዋኒናዊ መሃዝነት ኢዩ (Ruggieri, et al, 2014; Jerven, & Weisdorf, 2021)። ኢጣልያዊያን ወለዲ ንደቆም ካብቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ከይዶም ዝመሃርዎ ዝያዳ፣ ኣብ መንበሪ ገዘኦም ዝምህርዎም ተግባራዊ ስነ ጥበባትን መሃዝነታዊ ክእለታትን ይበዝሑ። ንኣብነት እቶም ወለዲ ኣብ ስርሓት ንግዲ ዝነጥፉ ወይ ዝተዋፈሩ እንተኾይኖም፣ ነቶም ደቆም ገና ብንእስነቶም ከለዉ በቲ ዝግባእ ስልጠናዊ መንገዲን፣ ተግባራዊ ተመኩሮን ከምዝዋስኡ ይገብሩ እዮም። ብተግባር ድማ እቲ ንነዊሕ ጊዜ ዝሰልጠንሉን ዝዓበይሉን ተግባራዊ ሞያ ናብ ደቆም በቀጻሊ ከም ዝሰርጽን ከምዝውረስን ይገብሩ። ኣብ ኤርትራውን ብትሑት ዓቕሚ ድኣ ይኹን እምበር እዚ ሞያዊ ባህሊ’ዚውን በብደርጅኡ ይዓኩኽን ይትግበርን ከምዝነበረ ይፍለጥ ።
ዋኒናዊ መሃዝነትን ኢደ ጥበባዊክእለትን፣ ካብቲ ዝዓበየ ስጋብ’ቲ ዝነኣሰ፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኬድካ ኣብ ክፍሊ ኮፍ ኢልካ፣ ተማሂርካ፣ ዲፕሎማን ዲግሪን ዓቲርካ ጥራይ ዝውነን ዝመስሎምን፣ ብጌጋ ዝርድኡን ብዙሓት ሰባት ኣሎው። ዋኒናውን ሞያውን ክእለት ዝጥረን ዝሰርጽን ካብ ብዙሕ ረቛሒታት ኢዩ። ካብ ልምድን ተሞክሮን፤ ከባብያዊ ጽልዋን፣ ሓድግታትን፣ ሓፈሻዊ ስነ-ፍልጠት፣ ከምኡውን እቲ ፍሉጥ ስሩዕ ኣካዳሚያውን፣ ሞያዊ ስልጠና፣ ወዘተ። እንተስ ብማዕበያ፤ እንተስ ብውርሻ ንሕና ኤርትራዊያን’ውን ብኢደ-ጥበባዊ ዋኒነ ስራሓት ብልጫታት ኔሩና ኢዩ ብመንጽር ከባቢና ክረኤ እንከሎ። ናይዚ ሓቅነት ዝምስክሩ ብዙሓት ታሪኻዊ ጭብጥታትን ውጺኢታትን ኣለው እንተላይ ኣብ ሓርነታዊ ቃልስና።
እንተኾነ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ንምዕባለ ንኣሽቱን ስድራ ቤታዊ ትካላት ብመንግስታዊ ምሕደራ ዝተወስደ ብቑዕን ኣድላይን ስጉምቲታት ከምቲ ዝድለ ዘዕግብ ኣይኮነን (Haile, 2013; Negash, 1998; Malamulo, 2019; Belloni, & Jeffrey, 2019)። እዚ ድማ ኣብ ቀጻሊ ምድኻም እዘን ንኣሽቱን ስድራቤታዊ ትካላት ኣሉታዊ ኣስተዋጻኦ ብቐጻሊ ይገብር ኣሎ። እዚ ዘይቅቡል ዝሕታለ ድማ ነቲ ዝመጽእ ሃገር ተረካቢ ወለዶ ብብዙሕ መዳያት ጐዳኢ እዩ። እቲ ከም ወራሲ ኮይኑ ነቲ ስድርኡ ዝገደፍሉ ትካል ከማዕብል ዝግብኦ መንእሰይ ወለዶ ክወርስን ዋኒናዊ ሓድጊ ወለዱ ብዚያዳ ከማዕብልን፣ ዕድል ኣይረክብን ዘሎ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ድማ፣ ጉድእቱ ንሃገርን ህዝብን ፍሉጥ እዩ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብዘለው ሃጓፋትን፣ ዘየተባብዑ ደፋእቲ ረቛሒታትን (Internally instigated push factors) (Fitsum, et al, 2016; Müller, 2022)። ብተወሳኺ እውን፣ ካብ ሃገር ወጻኢ (ብፍላይ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት) ብሕልማዊ ምቁር ሕብስቲ ዘወናዉኑ ሰሓብቲ ረቛሒታት (Externally instigated pull factors) ምኽንያት ብዙሓት መንእሰያት ብብዝሒ ነታ ዝፈትዉዋ ዓዶም ራሕሪሖም ስለ ዝተሰደዱን ዝተበታተኑን፣ እተን ንኣሽቱን ስድራ ቤታውያን ትካላት ንግዲ ርኡይ ጉድኣት እዩ በጺሕወን። ካብቶም ትጉሃት ወለዲ ናብቲ ዝመጽእ ወለዶ ብምምሕልላፍ እንዳ ዓበያን እንዳ ሃጠራን ሰሰናን ኣብ ክንዲ ዝኸዳን ተዳኺመን። ንሃገራዊ ማሕበረ-ቁጠባዊ ዕቤት በቲ ዝድለ እውን ኣየበርክታን። ብኣንጻሩ ብዙሓት ካብአን በሪሰንን፣ ነድዬንን፣ ተዓጽየንን ከምዘይነበራ ኮይነን ኣለዋ (Hirt & Mohammad, 2013፡ Müller, 2022; Ghebremeskel & Assefaw, 2018)። ነዚ ዕንወት ባዕሎም ካብቶም ኣማሓደርቲ እንተስ ብፍላጥ፣ እንተስ ብዘይፍላጥ የፍእሙልና ኣለው። እወ እዚ ጸገም ብሓቂ ብውድዓውነት ክምዘን ከሎ፣ ከቢድ ሃስያ እዩ። ዛጊት ኣብ ባይታ ኣምጺኡዎ ዘሎ ጉድእት እውን ከቢድ እዩ።
እቲ ናይ ጽባሕ ተረካቢ ሃገር ዝኾነ መንእሰይ ወለዶ ብዝለዓለ ብቕዓት ተኸሺኑን ተዳልዩን ከምኡውን ካብቲ ቀጻሊ ዝኾነ ናይ ሕኑን ማዕበላዊ ግስጋሰ ሰኒቑን፤ ካብቲ ዓውሎማዊ መኽዘን ፍልጠት ከምቲ ዝድለ ተቛዲሱን፤ ካብኡ ተጠቒሙን እንተዘይዓብዩ፣ ብቕዓቱ ይውሕድ። ዝገብሮ ኣስትዋጽኦ እውን ምህሙን ይኸውን። ነተን ወለዱ ዝሃነጽሉን ዘጽንሑሉን ንኣሽቱን ስድራ-ቤታውያን ትካላት ብዝያዳ ኣማዕቢሉን፣ ኣህጢሩን፣ ኣስፊሑን ኣብ ሃገራዊ ቁጠባዊ ህንጸት ፍሩይ ኣስተውጽኦ ክገብር ዕድላትን ተኽእሎታትን ይውሕዶ። ብዝኾነ መንገዲ ድማ ኣየድምዕን።
2.3. ዘይምምዕባል ጸጋታትን ተኽእሎታትን ሳዕቤናቱን
ንነብስና ኣማዕቢልናን ዓቕምታትን ጸጋታት ተኽእሎን ኣጥሪና ከም ደቂ ሃገር ቀጺልና ድማ ኣጋይሽና ንቀበል ዝብል ግብራዊ ኣምር ኣብ ሓፋሽ ህዝብና ኣንተዘየስሪጽና፣ እቲ ዝህሉ ሕማቕ ኣማራጺ ድማ ንኻሎኦት (መጻእተኛ) ሰብ ዓቕምን፣ ሃብትን፣ ብሉጽ ፍልጠትን ዝበለጸ ጸጋ ምድርኻ ኣረኪብካ ኣብ ገዛእ ዓድኻ አገለጋሊኦምን ጊሊያኦምን ኮንካ ተረፍ መረፍ መኣዶምን፣ ርፍራፎምን ምጽባይ ኢዩ ። ብተወሳኺ ነቶም ብሃብቶም፣ ብትካላዊ መሃዝነቶምን ብሞያኦምን ትካላት ክምስርቱን፣ ክነብሩን፣ ክሰርሑን ምስ ዝመጽኡ ወጻእተኛታት ኣውፈርትን ሰብ ላዕለዋይ ሞያን ተወዳዲርካ፣ ካብቲ ጸጋ ሃገርካ በቲ ዝድለ ተቛዳሲ ንክትከውን ከሸግር ኢዩ። ብሰንኪ ዘይቕርዑይ ምሕደራ፣ ነዚ ኣንጸላልዩና ዘሎ ሕማቕ ውርሻዊ ተርእዮ (legacy) ንሃገሩን ንህዝቡን ዝሓልን ዝሓምምን ሃገራዊ ከሰክፍ ይግባእ።
ኣብ ገዛእ ዓድኻ ናይ በላዒ ስብሒ መሬትካ ተመልካቲ ምዃን ማለት ክጽወር ዘሸግር መሪር ኢዩሞ ካብዚ ናይ ዘመናዊ ባርነት ሂወት ኣብ ገዛእ ዓድኻን መረበትካን ይሰውረና።ንኽስውረና ድማ ኣድላይ ኩሉ መዳያዊ ስጉምቲ ምውሳድን፣ ምጽዓርን ሓባዊ ጻዕሪ ምግባርን የድልየና ኣሎ ኣብዚ እዋን እዚ። እወ ብውድዓውነት ንዘለናዮ ኩነታት ንርኣዮ። እዚ ማለት ከም ወዲ/ጓል ሃገር መጠን ኣብ ገዛእ ሃገሩ ብብቕዓት ዓብሊሉ፣ ነቲ ማሕበረ-ቁጠባዊ ጸጋታት ናይ ሃገሩ ከምቲ አብ ኩለን ሃገራት ዝድለ ብላዕለዋይ ኢድ ወኒኑን ኣማሓዲሩን ክነብርን ብናቱ ክብርታት ተማእዚዙ ኣጋይሹ ድማ ክቕበል ኣይክእልን። እዚ እንተዘይኮይኑ ድማ እቲ ሳዕቤን ንኽትሓሰቦ ዘሰቅቕ ኢዩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምኡን ኣብ ሓደ ሓደ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ሞንጎ ደቂ ዓድን፣ ዕውታት ወጻእተኛታት ዋኒናዊ መሃዝቲን ኣውፈርትን ዝተራእየ ቅንኢ ዝወለዶ ፍኑው ኣዕናዊ ተግባራት፣ ኣራሚ መጠንቀቕታ እዩ። ብፍላይ ነቶም ካብ ናይጀርያ፣ ጋና፣ ኢትዮጵያ፣ ዚምባብወ፣ ሞዛምቢክ መጺኦም ጽዒሮም ኣብ ብዙሕ ቦታታት ደቡብ ኣፍሪቃ ትካላት ዝሃነጹ ዋኒነ መሃዝቲ ኣፍሪቃውያን ኣሕዋትን ኣሓትን፣ ነቲ ጽዒሮም ዝሃነጽዎ ትካላቶም እቶም ደቂ ደቡብ ኣፍሪቃውያ ኣብ ክንዲ ምስኦም ዝጽዕሩ፣ ኣዕንየምሎም። እዚ ናይ በሓቂ ዘሕፍር ናይ ዘይቅዱስ ቅንኢ ተግባራት ኣዩ። ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ እውን ጉህይሉን ሓፊሩሉን እዩ። ብኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና እውን ብዝኸፍኤ መልክዑ ተቓሊሑ ኔሩ እዩ። ኣቐዲሙ እውንኣብ ዩጋንዳ (ኣብ ጊዜ ውልቀ መላኺ ኢዲ ኣሚን ዳዳ) ናይ ኤስያውያን ብጃምላ ናይ ምስጓግ፣ ሕማቕ ታሪክ ምስዕንወቱ ተሰኒዱ ኣሎ። እቲ ዝቐርብ ምኽንያታት ድማ ፍሉጥ እዩ። ብሰንኪ መጻእተኛታት ተወዳደርቲ፣ ናይ ተወሪስና፣ ብቑጠባ ተዓብሊልና፣ ኣብ ገዛእ መረበትና ናይ በላዒ ተመልካቲ ንኽንከውን ተፈሪድና ዝብል እዩ። እቲ ዝድለ ምግባር እዩ እምበር ነቶም ብጉልበቶምን፣ ፍልጠቶምን፣ ማሎምን ኣዋፊሮም ዕውታት ዝኾኑ ወጻእተኛታት ዋኒነ መሃዝቲ ብድንቁርናዊ ቅንኢ ምጥቓዕ፣ ብጀኻ ዕንወትን ዝሕትልና ቁጠባ ሃገር፣ ካልእ ዘምጸኦ ፋይዳ የብሉን።
እቶም ኣብ ኢትዮጵያን ካለኦት ሃገራትን ኣብ ኩሉ ሕሱርን ዘይምጥኖምን ስራሓት ተዋፊሮም ዘለው ኤርትራውያን መንእሰያት ዓቢ ናይ ኤርትራ ክሳራ እዮም። ከምኡ ዲና ኔርና ንሕና ኤርትራውያን። መን ድዩ ኣብ ኢትዮጵያ ዘመናዊ ትካላዊ መሓውራት ኣብ ምህናጽ ዓቢ ተራ ዝተዋጽኦ? ብሓቂ ሕማቕ ውርሻዊ ተርእዮ የንጸላልወና ኣሎ። ነዚ ዘንጸላልወና ዘሎ ዘሕዝን ናይ መጻኢ ተርእዮ ክንቋጻጸሮን ከነውሕዶን ንኽንክእል ሕጂ ብሓባር ምስ ሓፋሽ ህዝብና ኮይና ንትልሞን ንገብሮን ወሳኒ ቅድመ ኩነት ኢዩ።እዛ ዓለምና ኣዝያ እንዳጸበበት ትኽይድ ኣላ። ህዝቢ ዓለም ነንሕድሕዱ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ይራኸብን ይዋሳእን ኣሎ። ንኣብነት ብቁጠባ፣ ብማሕበራዊ ናብራ፣ ብፖለቲካ፣ ብተክኖሎጂካዊ ስነ-ፍልጠትን፣ ብባህሊ፣ ብዶብ ኣልቦ ሓብሬታዊ ተክኖሎጂ፣ ከምኡውን ብኻሎኦት ወሰንቲ ረቛሒታት እዚ ርክባት ኣንዳ ደንፈዔ ይኸይድ ኣሎ።እወ ሳላ ዘቀራርበና ዘሎ ዘይተኣደነ ዓውሎማዊ ናይ ሓበረታ ተክኖሎጂ፣ ኩሉ ዜናታትን ፍጻሜታትን ዓለምና ብደቓይቕ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛና ንኽብጽሓና ኩሉ ትኽእሎ ኣብ ቅድሜና ተዘርጊሑ ኣሎ። እቲ ከነማልኦ ዝግባኣና ኣድለይቲ ረቋሒታት ንረብሓና ንጠቐመሉ።
ፍልጠትን ሓበሬታን ብቐሊሉ ኣብ ኮምፒተርና ከም ወሓዚ ዛራ ይመጸና ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ግን ኮነ ኢልካ ብመንግስታዊ ምሕደራ እዚ ዕድል እዚ ብዘይ ምኽኑይ ተሓጺሩን ትኾሊፉን ኣሎ። ብስእነት ወፍሪ ከይንብሎ፣ ሎሚ ፍልጠት ንምድላብ ብዙሕ ዘኽፍሎ ዋጋ የብሉን (knowledge is cheap and ubiquitous everywhere)። እቲ ለይትን መዓልትን ክንሓስቦ ዘለና ከም ህዝቢ ድማ፣ ካብቲ ዘይተኣደነ ባሕረ ጸጋ ናይ ስልጣነን ዕብየትን ዓለምና ከምቲ ዝድለ ከመይ ጌሩ ንረብሓሉን ንኸስበሉን ኢዩ። እዚኸ መን እዩ ከዋድዶ ዝግባእ? ንሕና እውን ነቲ በዚ ስርዓት ብቐጻሊ ዝግበር ዘሎ ማሕልኾታት ንጉዳእ ኣለና ብዘይ ቃልዓለም። እቶም ዕቁር ጸጋታት ናብ ረብሓና ክንቅይሮም ክንክእል ኣለና ኢልና ብጻዕቒ ክንሓስብን ብውልቃዊ ይኹን ብእኩብ ብተግባር ክንጽዕረሉ ይግባእ። ናይ ነፍሲ ወከፍና ክእለትን ጸጋን ድማ ተደሚሩ ሃገራዊ ጸጋታት ክምዝፈጥር ፍሉጥ እዩ።
ኣቲ ጻዕርናን ተባላሓትነትናን ናብ ቅርዓት ከነውጸኦ ክንክእል ኣለና። ንገብሮዶ ኣለና? ብናተይ ውልቃዊ ትዕዝብቲ፣ ዛጊት ኣይካኣልናን ዝሕታለና’ውን ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ኮይኑ ኣሎ ኣብዚ እዋን እዚ። እዚ ድማ ብሰንኪ ናይ ነብሲ ወከፍና ዝግባእና ዘይምግባር፣ ብዓቢኡ ድማ ናይ መንግስታዊ ምሕደራ ጉድለታት፣ ብቑዕ ሰብ ኣብ ወሰንቲ መንግስታዊ ምሕደራ ትካላት ዘይምህላው፣ መጠኑ ዘሓለፈን ዘየድልን፣ ኣነ ከይፈለጥኩዋ ኣይትሕለፍ፣ ዝብል ሕሉፍ ማእከላዊ ቊጽጽርን ገባትነትን፣ ብዘምጸኦ ዘይንቡር ኩንታት ብዝተፈጥሩ ተገቲሮም ዘለው ማሕለኻታትን ሓጹራትን ድንፋዔ ውልቀ ጻዕርን መሃዝነትን ኢዩ። ኣብዚ ብዙሕ ክጥቀስን ክትንተንን ይካኣል ግን እቲ ነገር ኣብቲ ዘሎ ነባራዊ ኩነት ስለ ዝኾነ ምድጋሙን ምዝርዛሩን ኣየድልን። እዚ ዝሕዝን ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ዘምጸኦ ዘሎ ሳዕቤናት እውን ብግሉጽ ንርእዮ ኣለና። ህዝቢ ኤርትራ፣ ብጀካ ውሑዳት ካብዚ ኢና ከምዚ ኢና ዝብሉ ሰብ ፍሉይ ጉንዖ ዓንገልቲ እቲ ገባቲ ስርዓትን፣ ብኹሉ መለኪዕታት ንድሕሪት ተመሊሱ። ዝጠፍአ ዕድላትን ክሳራታትን፣ ምስቲ ድጉል ጉድኣቱን ስምብራቱን፣ ደረት ተሳኢኑዎ የሳቕየና ኣሎ።
ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፣ ንኣሽቱን ስድራ-ቤታዊ ትካላዊ መሃዝነት ድማ እቲ ቀንዲ ህዝቢ ኤርትራ ብልጭኡን ተዋዳዳሪ ብሉጽነቱን ከርእየሉን ብዘየላቡን፣ ብቐዳምነት፣ (ወላውን ኣብ በተዛማዲ ጽንኩር ኩነንታትን) ከማዕብሎ ዝግባእ ቁጠባዊ ጽላት ክኸውን ነይሩዎ። እቲ ዘሕዝን ድማ፣ ጥጡሕ ባይታ ዛጊት ብዘይምፍጣሩ፣ እቲ ማዕበያዊ ብልጹነት ህዝቢ ብቀጻሊ ብዘሰንብድን ነበረያ ነበረ ይኸውን ኣሎ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ብሰፊሑ ዝተራእየን፣ ዕውት ውጺኢት ዝሃበን፣ ዝህብ ዘሎን፣ ህዝቢ ኤርትራ እውን ምረብሓሉ። እቲ ዕቑርን፣ ውህሉልን፣ ዝተመስከረሉ ተወፋይነት ህዝቢ ኤርትራ እንብሎ እንተድኣ ዘተባብዕ ሃዋሁው ዘይተፈጥረሉ፣ ውጽኢት ኣልቦ እዩ ክኸውን። እዚ ማለት ድማ ምርማስ፣ ምዝሕታል ኣብነት ናይ ሕማቕ ሓድጊ ምዃን እዩ እቲ ካልእ ህሞት። ኣዚ ከይከውን ድማ ኣቐዲምካ ምጥንቃቕ የድሊ። ብኸመይ ነተግብሮ? ግድነታዊ ዕዮ ገዛ ኩሉ ንሕዝቢ ኤርትራ ቀጻሊ ሰናይን ምዕባለን ዝትምነን ዝደልን እዩ።
በሰላ ሕማቕ ሓድጊ ማለት ድማ፣ ከምቲ ሓደ ካብ መራሕቲ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ (African National Congress or ANC) ሲርል ራማፖዛ ሕጂ ፐረዚደንት ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘሎ ዝበሎ ኢዩ። እጠቅስ፡-“ነቲ ን400 ዓመታት ዝተወጸዔ ግን ከኣ ብቁጽሪ ብገፊሕ ዝዓብለለ ጸሊም ደቡብ ኣፍሪቃዊ መበቆላዊ ህዝቢ ብቁጠባ ምሕያል (Balanced Economic Empowerment) ዘሸግረና ኣይኰነን። እዚ እቲ ዝቐለለ ኢዩ ንዓና ነዞም መራሕቲ። እቲ ዝዓበዬ ብድሆ ኮይኑና ዘሎ ግን፣ እቲ ንኣስታት አርባዕተ ክፍላተ ዘበን ዝኣክል ነቲ ምስኪን ጸሊም ደቡብ አፍሪቃዊ፣ ምሉእ ሰብ ኣይኮንካን፣ ንዓና ንጸዓዱ ከተገልግል ኢኻ ተፈጢርካ፣ ቁጽሪ፣ ሳይንስ፣ ወዘተ ከምህረካ ዘኽእለካ ናይ ተፈጥሮ ባህርይን፣ ክእለትን ኣይተዓደልካን፣ ፍርቂ ወይ ሓውሲ ሰብ ኢኻ፣ ብስነፍስጠት ተዓጂብካ ክትምህዝን ከተማዕብልን ዘኽእል ዓቕሚ ክትውንን ብተፈጥሮ ኣይተዓደልካን፤ እንዳተባህለ ብቀጻልን፣ሰራምን፣ ነውራምን ስነ ኣእምሮኣዊ ዘመተ ተጌርሉ ዝተዳህለን ከምኡውን ወኑን ርእሰ-ተኣማንነቱን ከምዘጥፍእ ንዝተገብረ ህዝቢ፣ ሱር በተኻዊ ብዝኾነ መንገዲ፣ ነዚ ክፉእን ረማስን ዝኾነ ውርሻዊ ተርእዮ ኣወጊድካ ብኸመይ ርእሰ ተኣማንነቱ ትመልሰሉ ኢዩ።” እዚ ማለት ድማ፣ ካብቲ ጻዕዳ ዜጋ ብዘይንእስ ከድምዕን ክዳረግን ይኽእል ኢየ ኢሉ፣ ብምሉእ ርእሰ ተኣማንነት ምእንቲ ክነብር ማለት እዩ።
እዚ ንዓና ኤርትራውያን ዓቢ ምኸሪ ኢዩ። ሕማቕ ውርሻዊ ሓድጊ ነቲ ዝመጽእ ወለዶ ዓንቃፍን ጐዳእን ከምዝኾነ ፍሉጥ ኢዩ። ዓቕምን ትሕዝቶን (ጸጋታትን) ሃገር ዝድንፍዕ ድማ ናይቲ ውልቀ ሰብ ዓቕምን ዕቑር ጸጋን ምስ ዝድንፍዕ እዩ። ግን እዛ ዝበልናኩም ግበሩ ወይ ጽደፉ (Our way or the highway) እትብል ተመዛዚት ሓረግ ኣይተዋጽእን እያ እሞ፣ ነቶም ሓይልን ስልጣንን ኣለና፣ ንግብት ኢና ዝብሉ፣ ንዑ ግደፉ እንተድኣ ህዝቢ ኤርትራ ክስልጥን፣ ክነፍዕ፣ ክህብትም፣ ክኾርዕን፣ ክስውድን ዝድለ ኮይኑ፣ እቲ ዝግበር ፍሉጥ እዩ ክብሎም ኣለዎ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፣ ነዞም ዝምለከቶም ከኣልቲ ኩሉ ሰማይ ሓንፊጥና ነማሓድር ኣለና ዝብሉና ዘለው። ንሕና ኢና ክኣልቲ ኩሉ፣ ካባና ዝበልጽ የልቦን። መንግስትናን ውድብና ካብቲ ወዲ ሰብ ክሓስቦ ዝኽእል ዝተራቐቐ እዩ፣ ሕሉፍ ተመኩሮና ኢንታ ዘይርከቦ ዝበለጸ ኢዩ። ምትሃታዊ ባህልና እዩ እንታይ ክወጾ፣ ተዓዊትናሉ ኢና፣ ተኣምር ንሰርሕ ኣሎና፣ ምባል እንታይ ከም ዝወለደን ብዝግባእ ክርዳእ ዝኽእል ኤርትራዊ ይዕዘቦ ኣሎ። ብቐጻሊ ዘምጸኦ ዕንወትን፣ ብርሰትን እውን ንኽትግምቶ ዘየሸግር ስለዝኾነ፣ ካብዚ ዘይንቡር ኩነት ኣእምሮን ተግባርን፣ ናብ ንቡር ክምለሰኣለዎናይግድን። እዚ ኣማራጺ ዘይብሉ ግድነታዊ ዕማምህዝቢ ክኸውን ኣለዎ።
ልክዕ እዩ ንሕሉፍ ተመኩሮ ኣዳቒቕካ ምፍላጥን፣ ጸጽብቑ ምውሳድን፣ ሰናይን ኣወንታውን እዩ። ግን ኣብ ጊዜን፣ መንኮርኮር ምዕባለን፣ ዝተማእዘነ ዳይናሚካዊ መስርሕ ክንጎስዮ ዘይንኽእል፣ ግድነታዊ ናይ ምዕባለ ሕጊ ስለዝኾነ፣ ክንክተሎ ግድነታዊ ሓላፍነትና እዩ። ኣድማዒን፣ ዘመናውን፣ ትካላዊን፣ ዲሞክራሲያዊን መንግስታዊ ምሕደራ ካብ ላዕሊ ስጋብ ታሕቲ ኣብ ዝወርድ ጽፍሕታት ክህሉ ኣለዎ። ምስ ግዜን ዲናሚካውን ሞዕባለን ድማ ተዓጻጻፍነት ከርኢ እውን ኣለዎ። እንተ ዘይኮይኑ ግን ኣብ ክንዲ ኣሳላጢ፣ ዓንቃፊ፣ ኣብክንዲ ንጽቡቕ ውጽኢት ደፋኢ ዝኸውን፣ ሓንኳሊን ደራትን፣ ይኸውን ማለት እዩ። ስለዚ ኣብቲ ዝመጽእ ጊዜ፣ ንቡር ዝኾነ ንሕዝቢ ሓይልን ዕድልን ዝህብ ክኸውን ናይ ግድን እዩ። ካልእ ኣማራጺ የልቦን ብጀካ ንነብስኻ ምጥባርን፣ ንህዝኻን፣ ኣዝዩ ጎዳኢ ስምብራት ምግዳፍን። ንዓኻውን፣ ኣታ ብጸባብ ነዃል ትጥምት ዘላኻ ብዓል ጊዜን፣ ተበላጽን፣ ዕቡይንውዒሉ ሓዲሩ ከርክበልካ እዩ። ዘይተርፍ ዘገምታዊ ተርእዮ ስለ ዝኾነ።
ኣብ ታሪኻዊ ህቡብነትካ ተመርኲስካን ሕሉፍ ጅግንነትካ ምድማቕ ሰናይ እዩ። ግን እቲ ሕጂ ዘሎን፣ ብሕጂ ዝመጽእን ብናይ ስነፍልጠታዊን ዲያለክቲካዊን ናይ ሞዕባለ ሕግታት ተቐይዱ ስለ ዝኸይድ፣ ግድን ምስኡ ምኻድን ነቲ ዘምጸኦ ግድነታዊ ለውጢ በቲ ሓፋሽ ዝረብሓሉ መርሓ መንገዲ ምርዓምን ከድሊ እዩ። ነዚ ዘይምግባር ማለት ግን ብሃገርን ህዝብን ምጥላዕ ማለት እዩ። ውጽኢቱ ድማ ኣሹንኳይ ንፈታዊኻስ ንጸላኢኻ እኳ ዘይትትምነየሉ ብርሰት ህዝብን ሃገርን፣ ብዝኸፍኤ መልኽዑ የስዕብ።
መንኮርኮር ምዕባለ ሃገር ኣወንታዊን ኣድማዕን ዝኸውን ዝተፈላለዩ ተራጸምቲ ግን ንምዕባለ ሃገር ዝሕልኑ ኣታሓሳስባታትን ኣራኣእያታትን ምስ ዝህልውን ዝታባብዑን ጥራይ እዩ። ብሓጺሩ፣ ተዓጻጻፍነትን ውድዓውነትን ዘይጉሰ ግድነታዊ እዩ፣ ኣብ ናይ ሃገራዊ ናይ ምዕባለ መስርሕ። ደሞክራሲያዊን ንኹሉ ብማዕርነት በጽሖ ምዕባለ ዝረጋገጽ፣ ንማዕርነት ዞባታት (Promoting Regional Socio-Economic Balance)፣ ብፍላይ ብመንጽር ሕሉፍ መጉዳእቲ ናይቶም ዝተለለዩ ከባቢታት ኣለልዩን፣ ብትኩሩነት ጠሚቱን፣ ዝሰላሰል ጠርናፊ ምዕባለ ሃገር እዩ፣ ሕኑንን ኩሉ መዳያዊ ምዕባለ ሃገር ዘምጽእ። ናይ ብዙሓት ሃገራት ሕሉፍ ተመኩሮ ከም ኣብነት ምውሳዱ ካብኡ ምምሃሩን ጽቡቕ እዩ። ከምቲ ፈላስፋ ዳርዊን ዝበሎ፣ ‘እቶም ምስቲ ብቐጻሊን ተለዋዋጢን ዝኾነ ውድዓዊ ናይ ምዕባለ ተርእዮን፣ ለውጥን ብተዓጻጻፍነት ተዋሃሂዶም ዝምርሹ እዮም እቶም ዝበለጹ ዝኾኑ’። ብሓቂ ክሕሰበሉ ዘሎዎ እዩ ከም ዘይጉሰ ኣማራጺ። ንሓፋሽ ዘይምእዘዝን፣ ሓፋሽ ዘየማእከሎን፣ ዘይደሞክራሲያዊን፣ ብሓላፍ ዘላፍ ናይ ምዕባለ መቓን መስርሕ ዝዝወርን፣ ምሕደራ ሃገርስ፣ ናበይ እዩ ክበጽሕ ብጀካ ከም ዓሳ ንርእሱ ኣበስቢሱ ነቲ ካብ ላዕሊ ስጋብ ታሕቲ ዝዝርጋሕ ሰንሰለታዊ መሳልላዊ መሓውር ምሕደራ ሃገር ምምራዝን፣ ዘይጽፉፍን ዘይኣድማዕን ምግባር እንተዘይኮይኑ። ካብ ዓርሞሸሽ ጸጋን፣ ሓይልን ተኽእሎን ኣብ ኩሉ ጫፋት ሃገር ዘሎ ሓፋሽ ዘምልጥ ኣሎ ድዩ? ሕዝቢ ኤርትራ እኮ እንኮ ዝነጸፈት ሓምራ ላም ኣይኮነን፣ ብቐጻሊ ዝፍልፍል ንጹህ ዛራ ማይ እምበር።