ForeverMissed
Large image
Stories

Share a special moment from Yohannes's life.

Write a story
September 1, 2022

ድኻም ንኣሽቱን ስድራ ቤታዊ ትካላትን ዋኒናዊ መሃዝነትን ኣብ ኤርትራ

መንግስተኣብ ተስፋዮሓንስ, Ph.D, PDS,  Yohannes  Mengsteab Tesfayohannes, BA, Bsc (honors)

መተሓሳሰቢ
እዚ
ጽሑፍናይ ጸሓፊ ነጻ ኣታሓሳስባን መርገጽን ዝምርኮስን ዘንጸባርቕ እዩ። ናይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ኣታሓሳስባ፣ መርገጽ፣ ፍልስፍና፣ ወይድማ ናይ ፕሮግራም መርገጺታት ዝውክል ኣይኮነን

ድኻም ንኣሽቱን፣ ስድራ ቤታዊ ትካላትን፣ ዋኒናዊ መሃዝነትን ኣብ ኤርትራ

ብዙሓት ግዱሳትን፣ ለባማትን፣ ፈላጣትን ኤሪትራውያን ሃገራውያን ኣብ ብዙሕ ማሕበረ ቁጠባዊን፣ ፖሊቲካዊን፣ ባህላዊን፣ ታሪኻዊን፣ ስነፍልጠታውን ተርእዮታትኣተኲሮም ብበሊሕ ኣእምሮ ይዋስኡ ኔሮምን ኣለውን። ብቐጻሊ ድማ ብዙሕ ሃናጺን፣ ኣገዳስን፣ ርሑቕ ዝጠመተ ምኽርን፣ ትንተናን፣ ለበዋን ይህቡናን፣ ይሕብሩናን የስተምህሩናን ኔሮም ሕጂውን ይቕጽልዎ ኣለው። እቲ ዝድለን ነዚ ብሉጽ ምኽሮምን፣ ፍልጠታዊ ኣስተዋጽኤኦምን ነቲ ሓጹራትን፣ ኣደናጋሪ ህውተታን ሰጊርካ ኣብ ግብሪ ምውዓልን ካብኡ ምኽሳብን ምጥቃምን እዩ። እቲ ቀንዲ ዓላማ ድማ ምእንቲ ስልጥንትን፣ ብልጽግትን፣ ምዕብልትን ሃገር ንምፍጣርን ንምውናንን እዩ። ካልእ ብልሓትን ሚስጢርን ድማ የልቦን።ብተወሳኺ፣ ንኹሉ መዳያዊ ጸጋታትን ተኽእሎታትን ሃገሩ ብላዕለዋይ ኢድ ብብቕዓት ዝወነነ መሃዝን ዕውትን ዘብየታዊ (በዓል ዓደቦ ወይድማ በዓል መረበት) ስልጡንን፣ ተዓጻጻፍን፣ኩሩዕን፣ ብሉጽን ህዝቢ ንሓዋሩ ነታ ሃገር ምእንቲ ክህልዋ እዩ።

ኣብዚ ኣነ ብሕጽር ዝበለ ክዝትየሉ ደልየ ዘለኹ ድማ ብዛዕባ እቲ ብናእሽቱን ስድራ ቤታዊ ትካላት ዝፍለጥ (Small and family businesses or ventures) እዩ። እዚ ሓደ ዓቢ ኣካል ናይቲ መዳርግቲ ኣልቦ ተራ ዘለዎ፣ ብብሕታዊ ጽላት ዝፍለጥ ቁጠባ ሃገር እዩ።እዚ ክፍለ ጽላት እዚ ናይ ብሓቂ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክነሱ፣ ስጋብ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ብዘሕዝን፣ እቲ ዝግባእ ኣቓልቦ በቶም ዝምልከቶም ቀለስትን ወሰንትን ኣማሓደርቲ ሃገር ኢና ዝብሉ፣ በብምሕዳራዊ መሳልል ተጸፍዮም ዘለው፣ ዝተሓረመ ምዃኑ እዩ።ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ፣ እዚ ክፍለ ጽላት፣ ቀንዲ መንኮርኮር ዲናሚካዊ መስርሕ ምዕባለ ሃገራዊ ቁጠባ ምዃኑ ምርዳእ ይድለ። ተራ ናይተን ንኣሽቱን ስድራቤታውያንን ትካላትኣብ ኩለን ቁልጡፍ ምዕባለ ንምምዝጋብ ብዕቱብ ዝነጥፋን ዝጽዕታን ዘለዋ ሃገራት ዕዙዝ ምዃኑ ብብዙሕ ጭብጥታት ክፍለጥ ዝከኣል ኢዩ ። ኣዚ ዘመልክቶ ድማ እዘን ትካላት ኣብፈጣን ናህሪ ኩሉ መዳያዊ ሃገራዊ ምዕባለ፣ ብፍላይ ድማ ቁጠባዊ ምዕባለን ብራኸን ዘለወን እጃም መዳርግቲ የብሉን (Stel, et al, 2005; Acs, et al, 2008; Abor, & Quartey, 2010)።

ኣብ ብዙሓት መጽናዕትታን ምርምራዊ ስራሓትን ብንጹር ከም እተግልጸ፣ ካብ ብሕታዊ ቁጠባ ሃገር ብገፊሑ፣ እጃም ናይዘን ንእሽቱን ስድራ ቤታዊን ትካላት ካብ ተስዓ ሚእታዊ ንላዕሊ እዩ (Tesfayohannes, 1998; Edmiston, 2007; Gamidullaeva, et al, 2020)። እዚ ድማ ኣብ ዝማዕበላን ከምኡውን ኣብ ምምዕባል ዘለዋን ሃገራት ብሰፊሑ ክውንነትዊ ተርእዮ እዩ። ብኡ ምኽንያት እዩ ድማ ዳርጋ ኩለን ሃገራት ኣብቲ ቀንዲ ናይ ሃገራዊ ምዕባለ ኣጀንደአን ብፍሩይ ሰሪዔንኦ ዘለዋ። እዘን ንኣሽቱን ስድራ ቤታዊን ትካላት፣ ኣብ ሃገራዊ ቁጠባ ዝፈጥረኦ ናይ ስራሕ ዕድላትን፣ ማእቶታዊ ኣድማዕነትን፣ ድንፋዔ ሰብኣዊ ጸጋን፣ ተኽእሎን ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ዓርሞሸሽ ኣብርክቶአን ኣብ መስርሕ (ከይዲ) ሃገራዊ ህንጸት (State building process) ከኣ ዕዙዝ እዩ። ከም በዓል ደቡብ ኮረያ፣ ጀርመን፣ ታይዋን፣ ሲንጋፖር፣ መክሲኮ፣ ኣብ ፋርሳዊ ወሽመጥ ዘለዋ ንኣሽቱ ሃገራት፣ ማለዥያ፣ ወዘተ፣ ሳላ ነዘን ትካላት ዘማዕበላን መሪሕ ተራ ንኽጻወታ ስለ ዝገበራ እየን፣ ዓርሞሸሽን ዲናሚካዊን ሃገራዊ ቁጠባ ክሃንጻን፣ ሕኑን ምዕባለን ከመዝግባ ዝኸኣላ። ካለኦት ሃገራት ከም በዓል ቬትናም፣ ታይላንድ፣ ኢንዶነሽያ፣ ካምቦድያ፣ ባንግላደሽ፣ ብተወሳኺ ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳን ከምኡውን ናይ ቀደም ሕብረት ሶቭየት ኣካል ዝነበራ ሕጂ ነጻ ሃገራትን እውን ኣይሓመቓን (World Bank, UNDP, Reports, 2020)።

ኣስተዋጽኦ ናይዘን ትካላት ብሓፈሻ፣ ኣብ ድንፋዔ መሃዝነትን ማእቶታዊ ንጥፈትን ሓፋሽ ህዝቢ (grassroots) ድማ ፍሩይን ሓያልን እዩ። ብተወሳኺ፣ ኣበርክቶን ተራን ናይዘን ትካላት ኣብምስፍሕፋሕን ምስራጽን ተግባራዊ ሞያዊ ክእለትን፣ መሃዝነታዊ ምልከትን፣ ዋኒናዊ መሃዝነትን (Entrepreneurial innovation at the grassroots level)፣ ክገብር እየ በሃላይነትን (Adventurous sprit and passion)፣ ብፍላይ ኣብቲ ናይ ጽባሕ ቀላሲ መንእሰይ ወለዶ መዳርግቲ ዘይብሉ ተራ እዩ ዘለዎ።ከምቲ ኣብ ላዕሊ ብኣብነት ዝጠቐስኩዎ ድማ ብጭብጢ፣ ኣብተን ኣብ ዓለምና (እንኮላይ ኣብ ኣፍሪቃ) ዘለዋ ኣብነታውያን ዕውታት ሃገራት ጐሊሑ ይረአ ኣሎ። ካለኦት ብዙሓት ሃገራት እውን ካብተን ዝተዓወታ ኣብነታውያን ሃገራት ትምህርትን ተሞክሮን ብምቕሳም፣ ብዝተዋሃሃደን ዝተዋደደን መርሓ መንገዲ (Roadmap) ነዘን ትካላት እዚኤን ንምድንፋዕ ብቐጻሊ ይነጥፋ ኣለዋ (Abisuga-Oyekunle 2020)።

ብተወሳኺ እተን ኣብላዕሊ ዝጠቐስኩወን ኣናብር ሃገራት፣ ካብ ኣፍሪቃ እውን ከም ባዓል ጋና፣ ናይጀርያ፣ ኣልጀርያ፣ ሞዛምቢክ፣ ቦትስዋና፣ ሞርሴሽ፣ ካሜሩን፣ ሩዋንዳ፣ ኡጋንዳ፣ ሰነጋል፣ ኮት ዱቯር፣ ከንያ፣ ግብጺ፣ ሞሮኮ፣ ቱኒዝያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ናሚብያ፣ወዘተ ይጥቀሳ። ስለዚ ነዘን ትካላት ቀዳምነት ሂብካ ምትብባዕን፣ ሓጋዚ ትሕተ ቅርጽን ልዕለ ቅርጽን ኣዋዲድካን፣ ኣጣዓዒምካን፣ በቲ ዓቕሚ ዘፍቅዶ ብሕኑን ንምምዕባለን ምሕጋዝ ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ። ብዘይ ዝኾነ ቀሚሽ ኣደይ ሕንኩሉኒ፣ ውዓል ሕደር ዘየድልዮን ቀዳምነት ክዋሃቦ ዘለዎ ግድነታዊ ሃገራዊ ዕማም እዩ።

ኣብ ምዕባለ ሃገራዊ ቁጠባ ብዝምልከት፣ ጽፉፍነትን፣ ኣድማዕነትን፣ ናይ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዝወርድ ቅርጻዊን መሳልላውን መንግስታዊ ምሕደራ ዝምዘን ድማ ኣብ መትኒን መሰረትን ሓፋሽ ዝኾና ትካላት ኣብ ዝግበር ንጥፈታት እዩ። ብሓጺሩ፣ ኣድለይቲ ዓቕምታትን ጸጋታትን ሃገር በቲ ዝድለ መቓንን ዝከኣል ወፍርን ተበግሶን ክህነጽን ክስውድን እንተድኣ ዝድለ ኮይኑ፣ ኩሉ መዳያዊ ናይ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝነብር ሓፋሽ ህዝቢ ተሳታፍነት፣ ኣስተዋጽኦን ብኹሉ መድያትን መእዝናትን ክታባባዕን ናይ ግድን ክኸውን ኣለዎ። ነቲ ውላድ ሃገር እውን፣ ፖለቲካዊ መትከሉ ብዘየገድስ፣ ዲሞክራሲያዊ ማዕጾን ክኽፈተሉ ኣለዎ። ብሓጺሩ ሓፋሽ ህዝቢ ማእከል ዝገበረ፣ ነጻ ዝኾነ ኣታሓሳስባን፣ ቀላሲ ዲሞክራሲያዊ ሃዋህውን ብውሕስን ብሓልዮትን ክህሉ ኣለዎ። እዚ ምስ ዝግበር እዩ እቲ ኩልና እንትምነዮ፣ ኩሉ መዳያዊ ምዕባለ ሃገር ብሕኑን ፍጥነት ክምርሽ ዝኽእል። ኣብ ዕውታት ሃገራት ከም ዝተመስከረሉ ድማ ዝፈተወ ይፍቶ፣ ዝጸልኤውን ይጽላእ እምበር፣ እዚ እዩ እቲ እንኮ ምርጫ በቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዝሓልን ዝሕልንን ውልቀ ሰብ ይኹን እኩብ ክርዓም ዝግበኦ።

  • ኩነታት ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ንእሽቱን ስድራቤታዊን ትካላት
  • ዕቑር ተዋዳዳሪ ብሉጽነት ኤርትራ (The Competitive Advantage of Eritrea)

2.1. ድሕረ ባይታ

ንዋኒነ ንግድን ትካላዊ መሃዝነትን ኤርትራውያን በቲ ውድዓዊ ዓቕሚ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ብዙሕ ጊዜ ዝደጋገም ብሂል ኣሎ። ኤርትራውያን ብፍላይ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ከም ባዓል ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኬንያ፣ ኣንጎላ፣ ኡጋንዳን፣ ወዘተ ብዙሕ ይነጥፉን ኣብ ብዙሕ ትካላዊ ዋኒናት ይዋስኡ ኔሮምን ኣለውን ተባሂሉ ካብ ዝሓለፈ 85 ዓመታት ጀሚሩ ብኹርዓት ይንገርን ይጋዋሕን እዩ (Killion, 1996; Biziouras, 2013; Weldeghiorgis, 2004; African Research Bulletin, 1996; Mesghenna, 2003)  ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ብመንጽር ንህዝብና ዝህቦ ጠቕሚ ክምዘን ከሎ ግን ብዙሕ ዘተሓሳስብ ኢዩ (Department of State, 2014; World Bank Report, 2020; Miner, 2022)። ካብ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ወጻኢ ኰንካ ምውንጫፍ፣ ኣብ ሃገርካ እቲ ቀንዲ ትካልካ ደኲንካ ክትነጥፍ ተመራጺ እዩ ነይሩ። ከከም ኣድላይነቱ ብዝኽፈት ዕድላት ድማ ኣብ ካለኦት ሃገራትውን ብዝተኻእለ መጠን ማልካን (ካፒታልካ) ትካላዊ ክእለትካን ኣብቲ ከርባሓኒ ይኽእል እዩ እትብሎ ካብ ሃገርካ ወጻኢ እውን ክትነጥፍ ትኽእል ይከእል እዩ። ግን እቲ ሱርካ ኣብ ዓድካ ክኸውን ኣለዎ። እዚ እዩ እቲ ዝድለ።

ግን ብሰንኪ ሕማቕ ደፋእቲ ረቛሒታት ማለት እዚ የማሓድር ኣለኹ ዝብል ዘሎ እህግደፋዊ ስርዓት፣ ንቑጠባ ሃገር በቲ ናይ ትካላዊ መሓውራቱ ፈጺሙ ንኽግብትን ክቆጻጸርን ክብል፣ ብዝተኸተሎ ኣዕናዊ ቁጠባዊ ምሕደራ ምኽንያት፣ ተሓግሒካ ካብ ዓድኻ ወጺኢካስ፣ ኣብቲ ዝተሰደድካዮ ሃገር ኮንካ ከተስፋሕፍሕን፣ ክትንቃሳቐስን፣ ከተመስርሕን ከምኡውን ኣብ ዋኒነ መሃዝነት (Entrepreneurial Innovation) ክትነጥፍን ከለኻ፣ ነተን ትነብረለን ዘለኻ ሃገራት ኣዝዩ ጠቓሚ እኳ እንተኾነ፣ ንሃገርካ ግን ከምቲ ዝድለ ኣየርብሕን (Miner, 2022)። ነቲ ዓድኻን መበቆልካን ዝኾነ ሃገር ብዙሕ መዳያዊ ሃስያ ድማ ኣለዎ። ዛጊት ኣዕናዊ ውጽኢቱን፣ ኣሉታዊ ጽልዋታቱን ድማ ብግሉጽ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ማሕበረ-ቁጠባ ኤርትራ ንርእዮ ኣሎና (Müller, 2022; Hirt, 2021)።

ንዝኾነ ትካላዊ ምንቅስቓስ ወይ ንጥፈታት ናቱ ንድሕሪትን ንቕድሚትን ተመጢጡ ዝተሓሓዝን ዝዋሃሃድን ኩሉመዳያዊ ቁጠባዊ ርክባትን ተኣሳሰርነትን ኣሎዎ (backward and forward economic link and interactions)። ንኣብነት ሓደ ናይ መገጣጠምን ሰንዓን ትካል ምስ ዝምስረት ወይ ዝጣየስ፣ ነቲ መስርሕ ዘድሊ ቀረባት ዘመስርሓ፣ ዘዳልዋ ከምኡውን ዘቕርባ ተማላላእቲ ትካላት ከድልያ እየን። ምህርታዊ ውጽኢታት ናይቲ መገጣጠሚ ትካል ዝደልያ (ገዛእቲ) ትካላትውን ክህልዋ እዬን። ነቶም ኣብተን ትካላት ዝዓዩ ሰራሕተኛታት እውን ንመነባብሮ ዘድልዮም ኩሉ ዘቕርባ ኣመስራሕትን፣ ወሃብቲ ኣገልግሎትን ትካላት ክህልዋ እየን። ንቕድሚትን ንድሕሪትን እንዳተታሓሐዘ ድማ ንኩሉ መዳያዊ ቁጠባ ሃገር ብቀጻልነት ብዘህጥር ኣገባብ ይቕጽል (Strategic Value Chain and Eco-system of the economic productivity process)። እዚ ናይ ቁጠባዊ መስርሕ ስርርዕ ምስ ዘይህሉ፣ እቲ ዝድለ ቀጻሊን ሕኑንን ቁጠባዊ ምዕባለ ኣይህሉን። እቶም ናይ ቁጠባዊ ኣድማዕነት መሃዝትን ቀለስትን እውን ከምቲ ዝድለ ኣይስስኑን። ናይ ትካላዊ መሃዝነት ብቕዓትን፣ ተመኩሮን፣ ከምኡውን ዕቑር ጸጋን ክእለትን ዝውንኑ ኣብ ሃገር ምስ ዘይህልው፣ ንኹሉ መዳያዊ ምዕባለ ማሕበረ-ቁጠባ ሃገር ኣዝዩ ጐዳኢ እዩ። እቲ ማህሰይቲ ድማ ናብቶም ተስፋ ከነንብረሎም ዝግባኣና ተካእቲ ወለዶ ይበጽሕ እሞ ውሽጣዊ ዓቕምን ብቕዓትን ጸጋን ተኽእሎን በቲ ዝድለ ከምዘይጥረ ይገብር።እዚ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ መሪር ሓሞት ብሰፍነግ ምስታይ ማለት እዩ። ነቲ ክኣሊ ኩሉ ዝኾነ ሓፋሽ ዓቕምን፣ ጸጋን፣ ተኽእሎን ብቕዓትን ንኸየጥሪ ምግባር ማለት እንታይ ማለት ምዃኑን፣ እንታይ ኣዝዩ ጎዳኢ ስምብራት ከምዝገድፍን፣ ካብ ኩሉና ዝስወር ኣይኮነን። የሕዝን ድማ።

ርኣይዎን ተዓዘብዎን እሞ፣ ናይቲ ሓፋሽ ህዝቢ (grassroots) መሃዝነትን፣ ንጥፈትን፣ ኣብተን ብስደት ንነብረለን ዘለና ርቡሓት ሃገራት፣ ዓርሞሸሽ ዕብየትን ምዕባለ ከምዝፈጠረ። ብኸመይ ማእከል ስሕበት ንክኾና ከምዝሓገዘን። ካብተን ሃገራት ኣፍሪቃ እውን ብዙሓት ብምሉእ ዓቕመን ይጽዕራ ከምዘለዋ ንዕዘብ ኣለና (Peprah,& Adekoya, 2020)። ካብቲ ዝተሓተ ዋኒናዊ መሃዝነት ንጥፈታት ከም ኣደይ ኩሉ ብሓሙሸት ሳንቲም ኣለክን ሸቐጥ ኣብ ህዝባዊ ፍኑው ዕዳጋ፣ከምኡውን ስጉርፈኦ ተሰኪሞም ገዛ ገዛ ብምኻድ ኮሚደረን ካልቕ ሸቐጥን ካብ ምሻጥ ስጋብ ዘመናውያን ንእሽቱ ትካላት ኣብ ምምስራትን ዝበጽሑ ብቋልያ ዋኒነ መሃዝቲ ኤርትራውያን (Eritrean loacal and survivalist Entrepreneurs)፣ ኣብ ዓዶም ዕድል ተነጊፉዎም፣ካብ ዓዶም ርሒቖም እንታይ እዮም ዝገብሩ ዘለው ኣብተን ዕድል ክረኽቡለን ዝኸኣሉ ሃገራት ተሰዲዶም? (Heilbrunn, & Rosenfeld, 2019)። ዕድለኛታ ከም በዓል ደቡብ ሱዳን፣ ኣንጎላ፣ ኡጋንዳ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ዱባይ ብፍሩይ ክጥቀሳ ይኽእላ። እወ፣ ህርኩታት ኤርትራውያ ኣብኤን ተቐሚጦም ይነጥፉ ስለ ዘለው። ካብዚ ዝኸፍእ በሰላ ዝገድፍ ውርሻዊ ተርእዩ ኣሎ ድዩ? ብኸምዚ እንተቐጺሉኸ እንታይ እዩ ክኸውን እቲ ናትና ነገር ኣብ ዝመጽእ ዓሰርተ ዓመትን ድሕሪኡን? ሕሰብሉ ድኣ ደቂ ሃገር። ሃገር ማለት ህዝቢን ኩሉ ምስኡ ዝኸይድ ባህሉን፣ ዘይተበረዘን ዘይተኸለሰን ታሪኹን፣ ክብሩን፣ ያትኡን ምዕባሌኡን፣ ማሕበራዊ መነባብሮኡን እዩ። ሃገር ጎቦን ስንጭሮን፣ እምንን ሓመድን ባሕርን ጥራይ ኣይኮነን።

2.2. ውርሻዊ ባህሊን ማሕበራዊ ናብራን ኣብ ኤርትራ

ከም እንፈልጦ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣን ክሊማዊ ኣቀራርጻን ምድሪ ኤርትራ ኣዝዩ ተባሃጊ እዩ። ካብ መበል 18 ክፍለ ዘበንን ቅድሚኡን ጀሚሮም ገዛእቲ ሓይልታት ብተዳጋጋሚ ኣርዑት መግዛእቶም ንኽጸውርን፣ ግዳይ ምዝመዛኦም ንኽኸውንን ንህዝብና ኣገዲደሞን፣ ኣዋርዶሞን፣ ድሂኸሞን እዮም (Lusini, 2006; Bereketeab, 2000))።ርግጽ ኢዩ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብኣጠቓላሊ ክምዘን ከሎ፣ ኣብቲ ግዝኣቱ ነበር ዝገድፎ ብዙሕ መዳያዊ ክፉእን ሕማቕን ውርሻዊ ተርእዮ ኣብ ቦትኡ እንዳሃለወ፣ ግን ሓደ ሓደ ንጽቡቕ ተወራራሲ ዝኾነ ሓድግታትውን ይገድፍ ኢዩ (Killion, 1996)። ንኣብነት ኣብ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ጥልያን ብሰፊሑ ካብ ዝተወርሱን ዝተኣታትተውን ጽቡቕ ሓድግታት ሓደ-መንቋሕቋሕታ ናይ ንኣሽቱን ስድራ ቤታውን ዋኒናዊ መሃዝነት (Small and familty Businesses and Grassroots Entrepreneurial Innovation and acumen) ኢዩ። እኹል ኣብነታት ናይዚ ሕላገታት ብቐሊሉ ኣብ ኤርትራ ይረኤ ኔሩ እዩ ።

ህዝቢ ጥልያን ካብ ነዊሕ ጊዜ ኣትሒዙ ብቐንዲ ዝፍለጠሉ ማዕበያን ባህላዊ ኣምርን ኣለዎ። ንሱ ድማ ምውናን ክእለትን ብቕዓትን ኣብ ንኣሽቱን ስድራቤታዊ ዋኒናዊ መሃዝነት ኢዩ (Ruggieri, et al, 2014; Jerven, & Weisdorf, 2021)። ኢጣልያዊያን ወለዲ ንደቆም ካብቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ከይዶም ዝመሃርዎ ዝያዳ፣ ኣብ መንበሪ ገዘኦም ዝምህርዎም ተግባራዊ ስነ ጥበባትን መሃዝነታዊ ክእለታትን ይበዝሑ። ንኣብነት እቶም ወለዲ ኣብ ስርሓት ንግዲ ዝነጥፉ ወይ ዝተዋፈሩ እንተኾይኖም፣ ነቶም ደቆም ገና ብንእስነቶም ከለዉ በቲ ዝግባእ ስልጠናዊ መንገዲን፣ ተግባራዊ ተመኩሮን ከምዝዋስኡ ይገብሩ እዮም። ብተግባር ድማ እቲ ንነዊሕ ጊዜ ዝሰልጠንሉን ዝዓበይሉን ተግባራዊ ሞያ ናብ ደቆም በቀጻሊ ከም ዝሰርጽን ከምዝውረስን ይገብሩ። ኣብ ኤርትራውን ብትሑት ዓቕሚ ድኣ ይኹን እምበር እዚ ሞያዊ ባህሊ’ዚውን በብደርጅኡ ይዓኩኽን ይትግበርን ከምዝነበረ ይፍለጥ ።

ዋኒናዊ መሃዝነትን ኢደ ጥበባዊክእለትን፣ ካብቲ ዝዓበየ ስጋብ’ቲ ዝነኣሰ፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኬድካ ኣብ ክፍሊ ኮፍ ኢልካ፣ ተማሂርካ፣ ዲፕሎማን ዲግሪን ዓቲርካ ጥራይ ዝውነን ዝመስሎምን፣ ብጌጋ ዝርድኡን ብዙሓት ሰባት ኣሎው። ዋኒናውን ሞያውን ክእለት ዝጥረን ዝሰርጽን ካብ ብዙሕ ረቛሒታት ኢዩ። ካብ ልምድን ተሞክሮን፤ ከባብያዊ ጽልዋን፣ ሓድግታትን፣ ሓፈሻዊ ስነ-ፍልጠት፣ ከምኡውን እቲ ፍሉጥ ስሩዕ ኣካዳሚያውን፣ ሞያዊ ስልጠና፣ ወዘተ። እንተስ ብማዕበያ፤ እንተስ ብውርሻ ንሕና ኤርትራዊያን’ውን ብኢደ-ጥበባዊ ዋኒነ ስራሓት ብልጫታት ኔሩና ኢዩ ብመንጽር ከባቢና ክረኤ እንከሎ። ናይዚ ሓቅነት ዝምስክሩ ብዙሓት ታሪኻዊ ጭብጥታትን ውጺኢታትን ኣለው እንተላይ ኣብ ሓርነታዊ ቃልስና።

እንተኾነ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ንምዕባለ ንኣሽቱን ስድራ ቤታዊ ትካላት ብመንግስታዊ ምሕደራ ዝተወስደ ብቑዕን ኣድላይን ስጉምቲታት ከምቲ ዝድለ ዘዕግብ ኣይኮነን (Haile, 2013; Negash, 1998; Malamulo, 2019; Belloni, & Jeffrey, 2019)። እዚ ድማ ኣብ ቀጻሊ ምድኻም እዘን ንኣሽቱን ስድራቤታዊ ትካላት ኣሉታዊ ኣስተዋጻኦ ብቐጻሊ ይገብር ኣሎ። እዚ ዘይቅቡል ዝሕታለ ድማ ነቲ ዝመጽእ ሃገር ተረካቢ ወለዶ ብብዙሕ መዳያት ጐዳኢ እዩ። እቲ ከም ወራሲ ኮይኑ ነቲ ስድርኡ ዝገደፍሉ ትካል ከማዕብል ዝግብኦ መንእሰይ ወለዶ ክወርስን ዋኒናዊ ሓድጊ ወለዱ ብዚያዳ ከማዕብልን፣ ዕድል ኣይረክብን ዘሎ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ድማ፣ ጉድእቱ ንሃገርን ህዝብን ፍሉጥ እዩ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብዘለው ሃጓፋትን፣ ዘየተባብዑ ደፋእቲ ረቛሒታትን (Internally instigated push factors) (Fitsum, et al, 2016; Müller, 2022) ብተወሳኺ እውን፣ ካብ ሃገር ወጻኢ (ብፍላይ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት) ብሕልማዊ ምቁር ሕብስቲ ዘወናዉኑ ሰሓብቲ ረቛሒታት (Externally instigated pull factors) ምኽንያት ብዙሓት መንእሰያት ብብዝሒ ነታ ዝፈትዉዋ ዓዶም ራሕሪሖም ስለ ዝተሰደዱን ዝተበታተኑን፣ እተን ንኣሽቱን ስድራ ቤታውያን ትካላት ንግዲ ርኡይ ጉድኣት እዩ በጺሕወን። ካብቶም ትጉሃት ወለዲ ናብቲ ዝመጽእ ወለዶ ብምምሕልላፍ እንዳ ዓበያን እንዳ ሃጠራን ሰሰናን ኣብ ክንዲ ዝኸዳን ተዳኺመን። ንሃገራዊ ማሕበረ-ቁጠባዊ ዕቤት በቲ ዝድለ እውን ኣየበርክታን። ብኣንጻሩ ብዙሓት ካብአን በሪሰንን፣ ነድዬንን፣ ተዓጽየንን ከምዘይነበራ ኮይነን ኣለዋ (Hirt & Mohammad, 2013፡ Müller, 2022; Ghebremeskel & Assefaw, 2018)። ነዚ ዕንወት ባዕሎም ካብቶም ኣማሓደርቲ እንተስ ብፍላጥ፣ እንተስ ብዘይፍላጥ የፍእሙልና ኣለው። እወ እዚ ጸገም ብሓቂ ብውድዓውነት ክምዘን ከሎ፣ ከቢድ ሃስያ እዩ። ዛጊት ኣብ ባይታ ኣምጺኡዎ ዘሎ ጉድእት እውን ከቢድ እዩ።

እቲ ናይ ጽባሕ ተረካቢ ሃገር ዝኾነ መንእሰይ ወለዶ ብዝለዓለ ብቕዓት ተኸሺኑን ተዳልዩን ከምኡውን ካብቲ ቀጻሊ ዝኾነ ናይ ሕኑን ማዕበላዊ ግስጋሰ ሰኒቑን፤ ካብቲ ዓውሎማዊ መኽዘን ፍልጠት ከምቲ ዝድለ ተቛዲሱን፤ ካብኡ ተጠቒሙን እንተዘይዓብዩ፣ ብቕዓቱ ይውሕድ። ዝገብሮ ኣስትዋጽኦ እውን ምህሙን ይኸውን። ነተን ወለዱ ዝሃነጽሉን ዘጽንሑሉን ንኣሽቱን ስድራ-ቤታውያን ትካላት ብዝያዳ ኣማዕቢሉን፣ ኣህጢሩን፣ ኣስፊሑን ኣብ ሃገራዊ ቁጠባዊ ህንጸት ፍሩይ ኣስተውጽኦ ክገብር ዕድላትን ተኽእሎታትን ይውሕዶ። ብዝኾነ መንገዲ ድማ ኣየድምዕን።

2.3. ዘይምምዕባል ጸጋታትን ተኽእሎታትን ሳዕቤናቱን

ንነብስና ኣማዕቢልናን ዓቕምታትን ጸጋታት ተኽእሎን ኣጥሪና ከም ደቂ ሃገር ቀጺልና ድማ ኣጋይሽና ንቀበል ዝብል ግብራዊ ኣምር ኣብ ሓፋሽ ህዝብና ኣንተዘየስሪጽና፣ እቲ ዝህሉ ሕማቕ ኣማራጺ ድማ ንኻሎኦት (መጻእተኛ) ሰብ ዓቕምን፣ ሃብትን፣ ብሉጽ ፍልጠትን ዝበለጸ ጸጋ ምድርኻ ኣረኪብካ ኣብ ገዛእ ዓድኻ አገለጋሊኦምን ጊሊያኦምን ኮንካ ተረፍ መረፍ መኣዶምን፣ ርፍራፎምን ምጽባይ ኢዩ ። ብተወሳኺ ነቶም ብሃብቶም፣ ብትካላዊ መሃዝነቶምን ብሞያኦምን ትካላት ክምስርቱን፣ ክነብሩን፣ ክሰርሑን ምስ ዝመጽኡ ወጻእተኛታት ኣውፈርትን ሰብ ላዕለዋይ ሞያን ተወዳዲርካ፣ ካብቲ ጸጋ ሃገርካ በቲ ዝድለ ተቛዳሲ ንክትከውን ከሸግር ኢዩ። ብሰንኪ ዘይቕርዑይ ምሕደራ፣ ነዚ ኣንጸላልዩና ዘሎ ሕማቕ ውርሻዊ ተርእዮ (legacy) ንሃገሩን ንህዝቡን ዝሓልን ዝሓምምን ሃገራዊ ከሰክፍ ይግባእ።

ኣብ ገዛእ ዓድኻ ናይ በላዒ ስብሒ መሬትካ ተመልካቲ ምዃን ማለት ክጽወር ዘሸግር መሪር ኢዩሞ ካብዚ ናይ ዘመናዊ ባርነት ሂወት ኣብ ገዛእ ዓድኻን መረበትካን ይሰውረና።ንኽስውረና ድማ ኣድላይ ኩሉ መዳያዊ ስጉምቲ ምውሳድን፣ ምጽዓርን ሓባዊ ጻዕሪ ምግባርን የድልየና ኣሎ ኣብዚ እዋን እዚ። እወ ብውድዓውነት ንዘለናዮ ኩነታት ንርኣዮ። እዚ ማለት ከም ወዲ/ጓል ሃገር መጠን ኣብ ገዛእ ሃገሩ ብብቕዓት ዓብሊሉ፣ ነቲ ማሕበረ-ቁጠባዊ ጸጋታት ናይ ሃገሩ ከምቲ አብ ኩለን ሃገራት ዝድለ ብላዕለዋይ ኢድ ወኒኑን ኣማሓዲሩን ክነብርን ብናቱ ክብርታት ተማእዚዙ ኣጋይሹ ድማ ክቕበል ኣይክእልን። እዚ እንተዘይኮይኑ ድማ እቲ ሳዕቤን ንኽትሓሰቦ ዘሰቅቕ ኢዩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምኡን ኣብ ሓደ ሓደ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ሞንጎ ደቂ ዓድን፣ ዕውታት ወጻእተኛታት ዋኒናዊ መሃዝቲን ኣውፈርትን ዝተራእየ ቅንኢ ዝወለዶ ፍኑው ኣዕናዊ ተግባራት፣ ኣራሚ መጠንቀቕታ እዩ። ብፍላይ ነቶም  ካብ ናይጀርያ፣ ጋና፣ ኢትዮጵያ፣ ዚምባብወ፣ ሞዛምቢክ መጺኦም ጽዒሮም ኣብ ብዙሕ ቦታታት ደቡብ ኣፍሪቃ ትካላት ዝሃነጹ ዋኒነ መሃዝቲ ኣፍሪቃውያን ኣሕዋትን ኣሓትን፣ ነቲ ጽዒሮም  ዝሃነጽዎ ትካላቶም እቶም ደቂ ደቡብ ኣፍሪቃውያ ኣብ ክንዲ ምስኦም ዝጽዕሩ፣ ኣዕንየምሎም። እዚ ናይ በሓቂ ዘሕፍር ናይ ዘይቅዱስ ቅንኢ ተግባራት ኣዩ። ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ እውን ጉህይሉን ሓፊሩሉን እዩ። ብኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና እውን ብዝኸፍኤ መልክዑ ተቓሊሑ ኔሩ እዩ። ኣቐዲሙ እውንኣብ ዩጋንዳ (ኣብ ጊዜ ውልቀ መላኺ ኢዲ ኣሚን ዳዳ) ናይ ኤስያውያን ብጃምላ ናይ ምስጓግ፣ ሕማቕ ታሪክ ምስዕንወቱ ተሰኒዱ ኣሎ። እቲ ዝቐርብ ምኽንያታት ድማ ፍሉጥ እዩ። ብሰንኪ መጻእተኛታት ተወዳደርቲ፣ ናይ ተወሪስና፣ ብቑጠባ ተዓብሊልና፣ ኣብ ገዛእ መረበትና ናይ በላዒ ተመልካቲ ንኽንከውን ተፈሪድና ዝብል እዩ። እቲ ዝድለ ምግባር እዩ እምበር ነቶም ብጉልበቶምን፣ ፍልጠቶምን፣ ማሎምን ኣዋፊሮም ዕውታት ዝኾኑ ወጻእተኛታት ዋኒነ መሃዝቲ ብድንቁርናዊ ቅንኢ ምጥቓዕ፣ ብጀኻ ዕንወትን ዝሕትልና ቁጠባ ሃገር፣ ካልእ ዘምጸኦ ፋይዳ የብሉን።

 እቶም ኣብ ኢትዮጵያን ካለኦት ሃገራትን ኣብ ኩሉ ሕሱርን ዘይምጥኖምን ስራሓት ተዋፊሮም ዘለው ኤርትራውያን መንእሰያት ዓቢ ናይ ኤርትራ ክሳራ እዮም። ከምኡ ዲና ኔርና ንሕና ኤርትራውያን። መን ድዩ ኣብ ኢትዮጵያ ዘመናዊ ትካላዊ መሓውራት ኣብ ምህናጽ ዓቢ ተራ ዝተዋጽኦ? ብሓቂ ሕማቕ ውርሻዊ ተርእዮ የንጸላልወና ኣሎ። ነዚ ዘንጸላልወና ዘሎ ዘሕዝን ናይ መጻኢ ተርእዮ ክንቋጻጸሮን ከነውሕዶን ንኽንክእል ሕጂ ብሓባር ምስ ሓፋሽ ህዝብና ኮይና ንትልሞን ንገብሮን ወሳኒ ቅድመ ኩነት ኢዩ።እዛ ዓለምና ኣዝያ እንዳጸበበት ትኽይድ ኣላ። ህዝቢ ዓለም ነንሕድሕዱ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ይራኸብን ይዋሳእን ኣሎ። ንኣብነት ብቁጠባ፣ ብማሕበራዊ ናብራ፣ ብፖለቲካ፣ ብተክኖሎጂካዊ ስነ-ፍልጠትን፣ ብባህሊ፣ ብዶብ ኣልቦ ሓብሬታዊ ተክኖሎጂ፣ ከምኡውን ብኻሎኦት ወሰንቲ ረቛሒታት እዚ ርክባት ኣንዳ ደንፈዔ ይኸይድ ኣሎ።እወ ሳላ ዘቀራርበና ዘሎ ዘይተኣደነ ዓውሎማዊ ናይ ሓበረታ ተክኖሎጂ፣ ኩሉ ዜናታትን ፍጻሜታትን ዓለምና ብደቓይቕ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛና ንኽብጽሓና ኩሉ ትኽእሎ ኣብ ቅድሜና ተዘርጊሑ ኣሎ። እቲ ከነማልኦ ዝግባኣና ኣድለይቲ ረቋሒታት ንረብሓና ንጠቐመሉ።

ፍልጠትን ሓበሬታን ብቐሊሉ ኣብ ኮምፒተርና ከም ወሓዚ ዛራ ይመጸና ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ግን ኮነ ኢልካ ብመንግስታዊ ምሕደራ እዚ ዕድል እዚ ብዘይ ምኽኑይ ተሓጺሩን ትኾሊፉን ኣሎ። ብስእነት ወፍሪ ከይንብሎ፣ ሎሚ ፍልጠት ንምድላብ ብዙሕ ዘኽፍሎ ዋጋ የብሉን (knowledge is cheap and ubiquitous everywhere)። እቲ ለይትን መዓልትን ክንሓስቦ ዘለና ከም ህዝቢ ድማ፣ ካብቲ ዘይተኣደነ ባሕረ ጸጋ ናይ ስልጣነን ዕብየትን ዓለምና ከምቲ ዝድለ ከመይ ጌሩ ንረብሓሉን ንኸስበሉን ኢዩ። እዚኸ መን እዩ ከዋድዶ ዝግባእ? ንሕና እውን ነቲ በዚ ስርዓት ብቐጻሊ ዝግበር ዘሎ ማሕልኾታት ንጉዳእ ኣለና ብዘይ ቃልዓለም። እቶም ዕቁር ጸጋታት ናብ ረብሓና ክንቅይሮም ክንክእል ኣለና ኢልና ብጻዕቒ ክንሓስብን ብውልቃዊ ይኹን ብእኩብ ብተግባር ክንጽዕረሉ ይግባእ። ናይ ነፍሲ ወከፍና ክእለትን ጸጋን ድማ ተደሚሩ ሃገራዊ ጸጋታት ክምዝፈጥር ፍሉጥ እዩ።

ኣቲ ጻዕርናን ተባላሓትነትናን ናብ ቅርዓት ከነውጸኦ ክንክእል ኣለና። ንገብሮዶ ኣለና? ብናተይ ውልቃዊ ትዕዝብቲ፣ ዛጊት ኣይካኣልናን ዝሕታለና’ውን ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ኮይኑ ኣሎ ኣብዚ እዋን እዚ። እዚ ድማ ብሰንኪ ናይ ነብሲ ወከፍና ዝግባእና ዘይምግባር፣ ብዓቢኡ ድማ ናይ መንግስታዊ ምሕደራ ጉድለታት፣ ብቑዕ ሰብ ኣብ  ወሰንቲ መንግስታዊ ምሕደራ ትካላት ዘይምህላው፣ መጠኑ ዘሓለፈን ዘየድልን፣ ኣነ ከይፈለጥኩዋ ኣይትሕለፍ፣ ዝብል ሕሉፍ ማእከላዊ ቊጽጽርን ገባትነትን፣ ብዘምጸኦ ዘይንቡር ኩንታት ብዝተፈጥሩ ተገቲሮም ዘለው ማሕለኻታትን ሓጹራትን ድንፋዔ ውልቀ ጻዕርን መሃዝነትን ኢዩ። ኣብዚ ብዙሕ ክጥቀስን ክትንተንን ይካኣል ግን እቲ ነገር ኣብቲ ዘሎ ነባራዊ ኩነት ስለ ዝኾነ ምድጋሙን ምዝርዛሩን ኣየድልን። እዚ ዝሕዝን ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ዘምጸኦ ዘሎ ሳዕቤናት እውን ብግሉጽ ንርእዮ ኣለና። ህዝቢ ኤርትራ፣ ብጀካ ውሑዳት ካብዚ ኢና ከምዚ ኢና ዝብሉ ሰብ ፍሉይ ጉንዖ ዓንገልቲ እቲ ገባቲ ስርዓትን፣ ብኹሉ መለኪዕታት ንድሕሪት ተመሊሱ። ዝጠፍአ ዕድላትን ክሳራታትን፣ ምስቲ ድጉል ጉድኣቱን ስምብራቱን፣ ደረት ተሳኢኑዎ የሳቕየና ኣሎ።

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፣ ንኣሽቱን ስድራ-ቤታዊ ትካላዊ መሃዝነት ድማ እቲ ቀንዲ ህዝቢ ኤርትራ ብልጭኡን ተዋዳዳሪ ብሉጽነቱን ከርእየሉን ብዘየላቡን፣ ብቐዳምነት፣ (ወላውን ኣብ በተዛማዲ ጽንኩር ኩነንታትን) ከማዕብሎ ዝግባእ ቁጠባዊ ጽላት ክኸውን ነይሩዎ። እቲ ዘሕዝን ድማ፣ ጥጡሕ ባይታ ዛጊት ብዘይምፍጣሩ፣ እቲ ማዕበያዊ ብልጹነት ህዝቢ ብቀጻሊ ብዘሰንብድን ነበረያ ነበረ ይኸውን ኣሎ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ብሰፊሑ ዝተራእየን፣ ዕውት ውጺኢት ዝሃበን፣ ዝህብ ዘሎን፣ ህዝቢ ኤርትራ እውን ምረብሓሉ። እቲ ዕቑርን፣ ውህሉልን፣ ዝተመስከረሉ ተወፋይነት ህዝቢ ኤርትራ እንብሎ እንተድኣ ዘተባብዕ ሃዋሁው ዘይተፈጥረሉ፣ ውጽኢት ኣልቦ እዩ ክኸውን። እዚ ማለት ድማ ምርማስ፣ ምዝሕታል ኣብነት ናይ ሕማቕ ሓድጊ ምዃን እዩ እቲ ካልእ ህሞት። ኣዚ ከይከውን ድማ ኣቐዲምካ ምጥንቃቕ የድሊ። ብኸመይ ነተግብሮ? ግድነታዊ ዕዮ ገዛ ኩሉ ንሕዝቢ ኤርትራ ቀጻሊ ሰናይን ምዕባለን ዝትምነን ዝደልን እዩ።

በሰላ  ሕማቕ ሓድጊ ማለት ድማ፣ ከምቲ ሓደ ካብ መራሕቲ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ (African National Congress or ANC) ሲርል ራማፖዛ ሕጂ ፐረዚደንት ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘሎ ዝበሎ ኢዩ። እጠቅስ፡-“ነቲ ን400 ዓመታት ዝተወጸዔ ግን ከኣ ብቁጽሪ ብገፊሕ ዝዓብለለ ጸሊም ደቡብ ኣፍሪቃዊ መበቆላዊ ህዝቢ ብቁጠባ ምሕያል (Balanced Economic Empowerment) ዘሸግረና ኣይኰነን። እዚ እቲ ዝቐለለ ኢዩ ንዓና ነዞም መራሕቲ። እቲ ዝዓበዬ ብድሆ ኮይኑና ዘሎ ግን፣ እቲ ንኣስታት አርባዕተ ክፍላተ ዘበን ዝኣክል ነቲ ምስኪን ጸሊም ደቡብ አፍሪቃዊ፣ ምሉእ ሰብ ኣይኮንካን፣ ንዓና ንጸዓዱ ከተገልግል ኢኻ ተፈጢርካ፣ ቁጽሪ፣ ሳይንስ፣ ወዘተ ከምህረካ ዘኽእለካ ናይ ተፈጥሮ ባህርይን፣ ክእለትን  ኣይተዓደልካን፣ ፍርቂ ወይ ሓውሲ ሰብ ኢኻ፣ ብስነፍስጠት ተዓብካ ክትምህዝን ከተማዕብልን ዘኽእል ዓቕሚ ክትውንን ብተፈጥሮ ኣይተዓደልካን፤ እንዳተባህለ ብቀጻልንሰራምንነውራምን ስነ ኣእምሮኣዊ ዘመተ ተጌርሉ ዝተዳህለን ከምኡውን ወኑን ርእሰ-ተኣማንነቱን ከምዘጥፍእ ንዝተገብረ ህዝቢ፣ ሱር በተኻዊ ብዝኾነ መንገዲነዚ ክፉእን ረማስን ዝኾነ ውርሻዊ ተርእዮ ኣወጊድካ ብኸመይ ርእሰ ተኣማንነቱ ትመልሰሉ ኢዩ።” እዚ ማለት ድማ፣ ካብቲ ጻዕዳ ዜጋ ብዘይንእስ ከድምዕን ክዳረግን ይኽእል ኢየ ኢሉብምሉእ ርእሰ ተኣማንነት ምእንቲ ክነብር ማለት እዩ።

እዚ ንዓና ኤርትራውያን ዓቢ ምኸሪ ኢዩ። ሕማቕ ውርሻዊ ሓድጊ ነቲ ዝመጽእ ወለዶ ዓንቃፍን ጐዳእን ከምዝኾነ ፍሉጥ ኢዩ። ዓቕምን ትሕዝቶን (ጸጋታትን) ሃገር ዝድንፍዕ ድማ ናይቲ ውልቀ ሰብ ዓቕምን ዕቑር ጸጋን ምስ ዝድንፍዕ እዩ። ግን እዛ ዝበልናኩም ግበሩ ወይ ጽደፉ (Our way or the highway) እትብል ተመዛዚት ሓረግ ኣይተዋጽእን እያ እሞ፣ ነቶም ሓይልን ስልጣንን ኣለና፣ ንግብት ኢና ዝብሉ፣ ንዑ ግደፉ እንተድኣ ህዝቢ ኤርትራ ክስልጥን፣ ክነፍዕ፣ ክህብትም፣ ክኾርዕን፣ ክስውድን ዝድለ ኮይኑ፣ እቲ ዝግበር ፍሉጥ እዩ ክብሎም ኣለዎ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፣ ነዞም ዝምለከቶም ከኣልቲ ኩሉ ሰማይ ሓንፊጥና ነማሓድር ኣለና ዝብሉና ዘለው። ንሕና ኢና ክኣልቲ ኩሉ፣ ካባና ዝበልጽ የልቦን። መንግስትናን ውድብና ካብቲ ወዲ ሰብ ክሓስቦ ዝኽእል ዝተራቐቐ እዩ፣ ሕሉፍ ተመኩሮና ኢንታ ዘይርከቦ ዝበለጸ ኢዩ። ምትሃታዊ ባህልና እዩ እንታይ ክወጾ፣ ተዓዊትናሉ ኢና፣ ተኣምር ንሰርሕ ኣሎና፣ ምባል እንታይ ከም ዝወለደን ብዝግባእ ክርዳእ ዝኽእል ኤርትራዊ ይዕዘቦ ኣሎ። ብቐጻሊ ዘምጸኦ ዕንወትን፣ ብርሰትን እውን ንኽትግምቶ ዘየሸግር ስለዝኾነ፣ ካብዚ ዘይንቡር ኩነት ኣእምሮን ተግባርን፣ ናብ ንቡር ክምለሰኣለዎናይግድን። እዚ ኣማራጺ ዘይብሉ ግድነታዊ ዕማምህዝቢ ክኸውን ኣለዎ።

ልክዕ እዩ ንሕሉፍ ተመኩሮ ኣዳቒቕካ ምፍላጥን፣ ጸጽብቑ ምውሳድን፣ ሰናይን ኣወንታውን እዩ። ግን ኣብ ጊዜን፣ መንኮርኮር ምዕባለን፣ ዝተማእዘነ ዳይናሚካዊ መስርሕ ክንጎስዮ ዘይንኽእል፣ ግድነታዊ ናይ ምዕባለ ሕጊ ስለዝኾነ፣ ክንክተሎ ግድነታዊ ሓላፍነትና እዩ። ኣድማዒን፣ ዘመናውን፣ ትካላዊን፣ ዲሞክራሲያዊን መንግስታዊ ምሕደራ ካብ ላዕሊ ስጋብ ታሕቲ ኣብ ዝወርድ ጽፍሕታት ክህሉ ኣለዎ። ምስ ግዜን ዲናሚካውን ሞዕባለን ድማ ተዓጻጻፍነት ከርኢ እውን ኣለዎ። እንተ ዘይኮይኑ ግን ኣብ ክንዲ ኣሳላጢ፣ ዓንቃፊ፣ ኣብክንዲ ንጽቡቕ ውጽኢት ደፋኢ ዝኸውን፣ ሓንኳሊን ደራትን፣ ይኸውን ማለት እዩ። ስለዚ ኣብቲ ዝመጽእ ጊዜ፣ ንቡር ዝኾነ ንሕዝቢ ሓይልን ዕድልን ዝህብ ክኸውን ናይ ግድን እዩ። ካልእ ኣማራጺ የልቦን ብጀካ ንነብስኻ ምጥባርን፣ ንህዝኻን፣ ኣዝዩ ጎዳኢ ስምብራት ምግዳፍን። ንዓኻውን፣ ኣታ ብጸባብ ነዃል ትጥምት ዘላኻ ብዓል ጊዜን፣  ተበላጽን፣ ዕቡይንውዒሉ ሓዲሩ ከርክበልካ እዩ። ዘይተርፍ ዘገምታዊ ተርእዮ ስለ ዝኾነ።

ኣብ ታሪኻዊ ህቡብነትካ ተመርኲስካን ሕሉፍ ጅግንነትካ ምድማቕ ሰናይ እዩ። ግን እቲ ሕጂ ዘሎን፣ ብሕጂ ዝመጽእን ብናይ ስነፍልጠታዊን ዲያለክቲካዊን ናይ ሞዕባለ ሕግታት ተቐይዱ ስለ ዝኸይድ፣ ግድን ምስኡ ምኻድን ነቲ ዘምጸኦ ግድነታዊ ለውጢ በቲ ሓፋሽ ዝረብሓሉ መርሓ መንገዲ ምርዓምን ከድሊ እዩ። ነዚ ዘይምግባር ማለት ግን ብሃገርን ህዝብን ምጥላዕ ማለት እዩ። ውጽኢቱ ድማ ኣሹንኳይ ንፈታዊኻስ ንጸላኢኻ እኳ ዘይትትምነየሉ ብርሰት ህዝብን ሃገርን፣ ብዝኸፍኤ መልኽዑ የስዕብ።

መንኮርኮር ምዕባለ ሃገር ኣወንታዊን ኣድማዕን ዝኸውን ዝተፈላለዩ ተራጸምቲ ግን ንምዕባለ ሃገር ዝሕልኑ ኣታሓሳስባታትን ኣራኣእያታትን ምስ ዝህልውን ዝታባብዑን ጥራይ እዩ። ብሓጺሩ፣ ተዓጻጻፍነትን ውድዓውነትን ዘይጉሰ ግድነታዊ እዩ፣ ኣብ ናይ ሃገራዊ ናይ ምዕባለ መስርሕ። ደሞክራሲያዊን ንኹሉ ብማዕርነት በጽሖ ምዕባለ ዝረጋገጽ፣ ንማዕርነት ዞባታት (Promoting Regional Socio-Economic Balance)፣ ብፍላይ ብመንጽር ሕሉፍ መጉዳእቲ ናይቶም ዝተለለዩ ከባቢታት ኣለልዩን፣ ብትኩሩነት ጠሚቱን፣ ዝሰላሰል ጠርናፊ ምዕባለ ሃገር እዩ፣ ሕኑንን ኩሉ መዳያዊ ምዕባለ ሃገር ዘምጽእ። ናይ ብዙሓት ሃገራት ሕሉፍ ተመኩሮ ከም ኣብነት ምውሳዱ ካብኡ ምምሃሩን ጽቡቕ እዩ። ከምቲ ፈላስፋ ዳርዊን ዝበሎ፣ እቶም ምስቲ ብቐጻሊን ተለዋዋጢን ዝኾነ ውድዓዊ ናይ ምዕባለ ተርእዮንለውጥን ብተዓጻጻፍነት ተዋሃሂዶም ዝምርሹ እዮም እቶም ዝበለጹ ዝኾኑ’። ብሓቂ ክሕሰበሉ ዘሎዎ እዩ ከም ዘይጉሰ ኣማራጺ። ንሓፋሽ ዘይምእዘዝን፣ ሓፋሽ ዘየማእከሎን፣ ዘይደሞክራሲያዊን፣ ብሓላፍ ዘላፍ ናይ ምዕባለ መቓን መስርሕ ዝዝወርን፣ ምሕደራ ሃገርስ፣ ናበይ እዩ ክበጽሕ ብጀካ ከም ዓሳ ንርእሱ ኣበስቢሱ ነቲ ካብ ላዕሊ ስጋብ ታሕቲ ዝዝርጋሕ ሰንሰለታዊ መሳልላዊ መሓውር ምሕደራ ሃገር ምምራዝን፣ ዘይጽፉፍን ዘይኣድማዕን ምግባር እንተዘይኮይኑ። ካብ ዓርሞሸሽ ጸጋን፣ ሓይልን ተኽእሎን ኣብ ኩሉ ጫፋት ሃገር ዘሎ ሓፋሽ ዘምልጥ ኣሎ ድዩ? ሕዝቢ ኤርትራ እኮ እንኮ ዝነጸፈት ሓምራ ላም ኣይኮነን፣ ብቐጻሊ ዝፍልፍል ንጹህ ዛራ ማይ እምበር።

September 1, 2022
Contin...

ሚካኤል ፖርተር (Michael Porter) ዝተባህለ ናይ ተወዳዳሪ ስትራተጂን ትካላዊ ተወዳዳሪ ብሉጽነት ሊቅ፣ ኣብታ ናይ ሃገራት ተዋዳዳሪ ብሉጽነት (Competitive Advantage of Nations፣ 2011) እትብል ህብብቲ መጽሓፉ ከምዚ ይብል፣ እጠቅስ ተወዳዳሪ ብሉጽነት ናይ ሓደ ሃገር ዝረጋገጽ በቲ ዘማዕበለቶን ዝወነነቶን ኩሉ መድያዊ ጸጋታትን ዓቕምታትን፣ ተኽእሎታትን ብቕዓትን እዩ። ንሱ ድማ ብብዙሕ መዳያዊ መቓን (standard and objective parameters) ክምዘንን ክግለጽን ይካኣል ኣዩ እቶም ብገፊሑ ዝድለዩ ጸጋን፣ ተኽእሎን፣ ዓቕምን፣ ብቕዓትን ድማ ብንጹር ክግለጹ ኣለዎም። ናይ ሃገር ጸጋታት ዝባሃሉ ዘለው ኣብ ሽዱሸት ከፊለዮም ኣለኹ። ነንሕድሕዶም ድማ ዝተታሓሓዙን ዝማላልኡን እዮም። ሀ) ኣበርካቲ ሰብኣዊ ጸጋ (ብፍላይ ዝሰልጠነን፣ ዝተኸሸነን)። ለ) ንዋታዊ ጸጋ ኣብ ትሕቲን ልዕሊን መሬት ዘሎ ኩሉ ዝሓቖፈ። ሐ) ገንዘባዊ (ፊናንሳዊ) ጸጋ ምስኩሉ ትሕዝቶታቱ። መ) ትካላዊን ምምሕዳራውን ዋኒናውን ጸጋ። ሰ)ተክኖሎጂካውን መሃዝነታውን ስነፍልጠታውን ጸጋ። ረ) ሓበሬታዊን ህቡብነታውን ጸጋ (Reputational resources)። እዚኦም ጸጋታት ኣብ ብዙሓት ክፋላት ተኸፋፊሎምን፣ ተበቲኖምን፣ ዝግለጹን ዝትንተኑን እዮም። ምትንታኖምን ብሰፊሑ ምግላጾምን እውን ቀሊል መስርሕ ኣይኮነን። ውሁድን፣ ተማላላእን፣ ጻዕሪን ፍልጠትን ይሓትት። ብዕቱብን ብብቕዓትን ክስራሓሎም ድማ ኣለዎ።ሓንቲ ሃገር ፈጣንን ቀጻሊን ምዕባለ ከተመዝግብ እንትድኣ ደልያ፣ ነዚኦም በብጽላቶም (clustered) ተገሊጾም ዘለው ጸጋታት፣ ብልዑል ኣድማዕነትን ጽፉፍነትን፣ በቲ ዝድለን ንኹነታት ብዝጥዕምን፣ ብብልሓታዊን ውጺኢታውን መንገዲ ከተጥርዮምን ክትጥቀመሎምን ኣለዋ ማለት እዩ። ግን ብብዝሒ ናይ ዕቑር ጸጋታት ምሩቕ ወይ ዓርሞሸሽ ምዃን (abundance of endowments) ንበይኑ ኣኻሊ ኣይኮነን። ከምኡ ኔሩ እንተዝኸውንሲ፣ ከም በዓል ዲሞክራቲክ ረፓብሊክ ኮንጎ፣ በርማ (ሚያማር)፣ ዚምባብወ፣ ቨንዚወላ፣ ኣንጎላ፣ ኢትዮጵያ፣ ኣይቮሪኮስት፣ ሞንጎልያ፣ ወዘተ፣ ካብ ካለኦት ዝበለጻ ሃብታማት ምኾና። ግን ምስ እዚ ኩሉ ዕቑር ጸጋታተን ዝተረግመ ኮይኑወን (Resource curse)፣ ብድኽነት ኣይምተቛራመዳን። ስለምንታይ? እቲ ምኽንያት ፍሉጥ እዩ። ነቲ ዕቑር ጸጋታተን ብግቡእ ንምዕባለን፣ ዲናሚካዊ ሃገራዊ ቁጠባ ንምፍጣርን፣ ዘኽእለን ብቕዓትን ተኽእሎን ስለ ዘየማዕበላን ዘይወነናን እየን። ስለዚ ብቕዓትን ተኽእሎን ብሃገር ደረጃ ነቲ ሓፋሽ (grassroots) ብወለንታዊ ነጻነትን፣ ብህዝባዊ ሓልዮትን፣ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብን ኣማኢኪሉ ምስቲ ዘሎ ዕቁር ጸጋ ብጽምዶ እንተ ዘይተጠርዩ፣ ወላ ዘይተኣደነ ዕቑር ጸጋ እንተሃለው ናብ ዝተረግመ ጸጋ (destructive resource curse) እዩ ዝቕየር። ተፈጥሮ ሃጓፍ ስለዘይትፈቱ ድማ ናይ ካለኦት ሽሻይ ኮይኑ ይተርፍ። እቶም ደቀባት ድማ ይውገኑ። ኣብ ገዛእ ዓዶምን መረበቶምን ድማ ጽግዕተኛታት ወሰንተኛታት ይኾኑ። ብኣልማዝ ዕደና ቀዳመይቲ ዝኾነት ቦትስዋና፣ ነቶም ሞትስዋና (ደቀባት)፣ ኣልማዝ ሒዝኩምዶ ወይ ርኢኹምዶ ትፈልጡ ኢልካ እንተ ሓቲትካዮም፣ ሒዞምን ርእዮምን ስለዘይፈልጡ ብኣሉታ እዮም ዝምሉስልካ። እዚ ኣብዛ ዓለምና ብተግባርን ብጭቡጥን ዝረኤ ዘሎ ሕማቕ ውርሻዊ ተርእዮ እዩ። እብ ኤርትራ እውን እዚ ኣሰምባዲ ምስ ዕደና ዝተሓሓዝ ናይ ገዛእ ሃብትኻ ጓና ናይ ምዃን ሓደጋ፣ ዘድሊ ዘብየታዊ ዓቕምን ተኽእሎ እንተ ዘይተጠርዩ፣ ኣፉ ከፊቱ ይጽበየና ኣሎ፣ በዚ ዘለናዮ ኩነታትናስ ዝያዳ የሰክፍ። እወ ብርዱእ ምኽንያት። ወላውን እቶም ኣብ መሪሕነት መንበር ተቐሚጦም ዘለው መራሕቲ እውን ብንጹር ክዳረግ ዝኽእል ብቑዕ ሰብእዊ ጸጋ ከምዘይብልና ይገልጹልና ኣለው (ዝተፈላለዩ ፕረዚዳንታዊ ቃለ መሕተታት ምውካስ ይካኣል እዩ ዓላምኡ ብዘየገድስ)።

ኤርትራ ኣይኮነን’ዶ ነዚ ውሕድ ህዝባ ዝኸውን፣ ንኻልእ’ውን ምኣኸለት። ብክሊማኣ፣ ብጂኦግራፊካዊ ኣቀማምጣኣን፣ ኣንተ ማዕቢሉ ድማ ንበጻሕቲ መስሕብ ዝኸውን ተፈጥሮኣዊ መሬታዊ ኣቃማምጣኣ፣ ብታሪኻን፣ ያታኣን፣ ባህላታታን ክብርታታን፣ ብዕቑር ትሕተ መሬታውን ጸጋታታን፣ በቲ ካብ 1200 ኪሎ ሜተር ዘይንእስ ካብ ሽሕ ንላዕሊ መራኽብ ንመዓልቲ ዝማላለሳሉ መትረብ ቀይሕ ባሕሪ ስትራተጂካዊ ኣፍደገ ባሕራን፣ ምስኩሉ ዕቑር ጸጋታቱን፣ ካብ ኩሉ ድማ በቲ ዝተመስከረሉ ህርኩት ህዝባ። ካልእስ ይትረፍ፣ እቲ “ድንጋይ ነው ኣገራችሁ” ኣእማን እዩ ዓድኹም እናተባሃልና በቶም ናይ ኢትዮጵያ መስፍናውያንን ሰብ ሓለፋታት ነፍጠኛን ንሕመየሉ ዝነበርና፣ ጸሊም እምኒ ዓረን እምነ በረድን (Basalt and Ignious Rocks)፣ እኳ ክቡር ዋጋ ከውጽእ ንርእዮ ኣለና። እዞም ኣብዘን ምዕቡላት ሃገራት ንነብር ዘለና ንርእዮም ኣለና፣ ተጸሪቦም (ፋቻቢስታ) ብኣሽሓት ዶላራት ክግዝኡን ንመመላኽዒ ህንጻታት ክድለዩን። ብጠሓንቲ ጸጸር (ፈረንታዮ) ተጣሒኖም እውን እቶም ዝበለጹን ዝደልደሉን ጽርጊያታት የመስርሑ ኣለው። ንኤርትራ ድኣ ካብ ጫፍ ንጫፍ ዝዝርግሑ ገፋሕቲን ምዕባለኦም ዝሓለው ናይ ቅጥራን ጽርግያታ ብውሑድ ዋጋ ምተሃንጹ፣ በዞም ዘለውና ኣብኩሉ እምኒ ዓረ እኻውሕ። ንመንበሪ ገዛውቲን ህንጻታትን መስርሒ ዝኾኑ ከም ሑጻ፣ ምሩጽ ሓመድ፣ ኖራ፣ ወዘተ፣ ወዘተ ኣብኹሉ ቦታት ኤርትራ ኣለው። እቲ ዝዓበየ ብልጹነት ድማ ሩሑቕ ቦታ ከይተጓዓዝካን ምህላዎም እዩ። ካብቲ ንስሚንቶ ፋብሪካታት ምቹእ ዝኾነ ናይ ጥቓ ባሕሪን፣ ጎላጉልን፣ ካልእ ጥጡሕ ቦታታት እውን ንሕሰቦ። ዋእ፣ ክንደይ ኢልካ ክጽብጸብ እዩ እሞ። ብሓጺር ጊዜ ምዕብልትን ብልጽትን ክትከውን ተኽእሎ ኣለዋ ክንብል ከለና ሓቂብሓቂ። ንዓና ኣኺላስ ንኻለኦት ጎረባብቲን ኣሕዋትን ህዝቢ እውን ናይ ጽምዶን ምትሕግጋዝን ዕድላት ምስፈጠረት። ኣብዚ ዝሓለፈ 31 ዓመታት ብዘይ ምግናን፣ ካብቲ ዝነበረቶ ካብ 20-25 ዕጽፊ ንላዕሊ ክትምዕብል ምኸኣለት። ስልጡንን ተዓጻጻፍን እንካን ሃባን ዝፈልጥ፣ ናይ ሓፋሽ ልዕልነትን፣ ዲሞክራስን፣ ነጻ ኣታሓሳስባን ዝማእከሉ፣ ስልጡን መንግስታዊ፣ ምሕደራን ዲሞክራሲያዊ መንግስታዊ ትካላዊ ኣሳራርሓንስለ እትሓረማ ግን ህዝባ ብልኡምነት ናይ ብዝበልናካ ግበርን ኣፈጻሚ ትእዛዛትንግዳይ ንክኸውን ስለ ዝተፈርደ እዩ።

ካብ ክልተ ሚልዮን ዝበዝሑ ማለዥያውያን ኣብ ጎረቤቶም ሲንጋፖር ከይዶም እንዳሰርሑ ንዔኦምን፣ ነታ ኣእንጋዲት ሃገርን ዓቢ ኣበርክቶ ይገብሩ ኣለው። ደቂ ኣውስትርያ ኣብ ስዊዝዘርላንድ፣ ደቂ ሆላንድን በልጁምን ኣብ ላክሰንበርግ፣ ካብ ክልተ ሚልዮን ንላዕሊ ደቂ ካናዳ ኣብ ኣመሪካ፣ ኢጣልያውያን ኣብ ጀርመን፣ ደቂ ዚምባብወ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ደቂ ሞዛምቢክ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ደቂ ቱርኪ ኣብ ጀርመን፣ ደቂ ኢንዶነዥያ ኣብ ኣውስትራልያ፣ ወዘተ። ናይ በሓቂ ንህዝቢ ኤርትራ ክስውድ፣ ክምዕብል፣ ብግብሪ ክኾርዕ ዝደሊ ወዲ/ጓል ኤርትራ ነዚ ብዕቱብ ይሕሰበሉ። ኣብ መበል 21 ክፍላ ዘበን ብኸምዚ ምሕሳብ፣ ዘይጉሰ ምርጫና ክኸውን ኣለዎ። እንተዘይኮነ ግን ምስ መንደቕ ምግጫው እዩ። እቲ ጉድኣቱ ድማ መሪርን ኣኽሳሪን እዩ፣ ሰዓርን ተሰዓርን ዘይትኣደነ ጉድኣትን ዕንወትን ስለዝበጽሖ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝበልኩዎ፣ ክደግማ፣ ናይ ሃገሩ ጸጋን ተኽእሎን ብላዕለዋ ኢድ ወኒኑ ኣጋይሹ ዘይቅበል ህዝቢ ከመይ ጌሩ እዩ ክኾርዕ? ደሓን ንግዜ ንግደፈሉ። እቶም ለባማት ኤትራውያን ሓለይቲ ህዝቦም ግን ኣቐዲሞም ይመኽሩናን ይነግሩናን ኣለው ጊዜ ከይሓለፈ ንስማዓዮም ናብ ነብስና ንመለስ።

3.1. ኤርትራ ዘላቶ ኩነታትን ዝዋሃብ ምስምሳትን/ዘየዕግብ ዕባራ ምኽንያታትን

ተደጋጊሙ፣ ንኽትግብት ምእንቲ፣ ዝዋሃብ ዕባራንምኽንያታት ኣሎ።ልዑላውነትናን ሃገራዊ ህንጸትና መስገደላት ኔሮሙና፣ ማሕለካታት ኔሮሙና፣ እታ ናይ ትግራይ/ወያኔ መመሳመሲ ካርድ እውን ኣላ፣ ወዘተ፣ ወዘተ። ግን ኣብዛ ዓለምና ብዙሓት ንመፍትሒ ሽግራት ዝኾኑ ፍቱናትን ዝተመስከረሎምን ብልሓታት ኣለው። ካብ ብቐጻሊ ጎዳእትን ኣብረስትን ዕንደራታት ወጻኢ።እዚ ስርዓት ብዝጻሕተሮ ይኹን፣ ብዘይጻሕተሮ፣ ብሕመቕ ይኹን ብቶንኮል፣ ብምዕብላል ይኹን ሓለፋታት ብምድላይ፣ ብዘምጸኦ ሽግራትብዘሕምም ብዘየማትእ ተጎዲእና ኣለና። እዚ ግን ክቕጽል የብሉን። ጋሻ ውሕጅ እንዳስሓቐ እዩ ዝወስደካ። ዘድሊ ዓቕምን፣ ጸጋን ከይወነንካ፣ ብዳንኬራን፣ ፈኸራን ዝውጻእ ነዊሕ እምባ የልቦም።

ሕራይ እስከ፣ ልኡላውነትና ከነውሕስ ኣሎና ክባሃል ከሎ ዓቕምን ብቕዓትን ዘለዎ ሓፋሽ በታቲንካ፣ ኣዳኺምካን ካብ ሃገር ዘባርሩ ደፋእቲ ረቛሒታት ፈጢርካ ዘይኮነስ፣ ብእንጻሩ እዩ። እዚ ድማ ናይ ኩሉ ወዲ ሃገር ጉዳይ ከምዝኾነ ምፍላጥን ምቕባልን ይጥለብ። እቲ ዝበለጸ፣ ዘመናዊን፣ ብልሓታዊን ኣማራጺ ፈጢርካ ምዕያይን ምጽዓትን እዩ። ብዝኸሓነ ጽልእን፣ ሓላፍነት ዝጎደሎ እህህታን፣ ዘይኮነስ፣ ንርሑቕን ነቲ ዝመጽእ ወለዶ ሓሲብካ ምራቕካ ውሒጥካን እዩ። ናይ ስነፍልጠታዊ ናይ እንካን ሃባን ኣምራት ተኸቲልካ እዩ። እኹል ሃናጺ ተሞክሮ ኣሎ ኣብዛ ዓለምና።ካብ ኩሉ ዝድለ ድማ ንሓፋሽ ህዝቢ ንንጡፍን ኩሉ መዳያዊ ተሳታፍነት ዕድል ብገፊሑ ምኽፋት እዩ። ኣድማዒነት ናይዚ ኣካይዳ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ስኽፍታት የልቦን፣ ባዕሉ ሓፋሽ ህዝቢ እቲ ሽግር ክገጥሞን ክዕወተሉን እዩ። ሓፋሽ ዘማእከሎ ናይ ነጻነትና ተጋድሎን ውጽኢት ዓወትን እኮ ርኢናን ኣንቢብናን ኢና። ናይ ትማልን ሎምን ህያው ታሪኽ ስለዝኾን። ሓፋሽ ህዝቢ ሪቕ ናይ ኩሉ ዕቑር ጸጋታት ስለዝኾነ፣ ዕድል ሂብናዮ እንተንኸውን፣ ብናተይ ኣራኣእያ ኣብ ከም ሰንሰለት እናተታሓሓዘ ዝኽይድ ደረቱ ዝሓለፈ ብድሆን፣ ቀጻሊ ሽግርን፣ ማሕንቖታትን ኣይምኣተናን። ኣብዚ ሕጂ ኣቲናዮ ዘለና ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት እውን ኣይምበጻሕናን።

ኤርትራ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብምንታይ ኢያ ትፍለጥ፣ ትምዘን፣ ትውገን፣ ከምኡውን ትግለጽ ኢልና እንተ ሓቲትና፣ እቲ መልሲ ፍሉጥ እዩ ዳርጋ ንኹሉ ዝግደስ። ብጀካ እቶም ኣብ ርሑቕን ቀረባን ዘለው ዓይኖም ብናይ ህግደፍ ኣታሓሳስባታት (Denial, Nostalgic, Arrogance (DNA)) ዝተበከሉ ብጸባብ ነዃል ዝርእዩን ሓለፋታት ዝጽበዩን ውሕዳት ገዲፍካ። ንዓና ንኤርትራውያን ዓደቦና እያ። ግን እንታይ እሞ ክንገብር ፈቲና ጸሊኢናስ ብስነፍልጠታዊን፣ ብውድዓዊን ክትግለጽ ኣለዋ። እወ እንታይ ንግበር ኣይንሕሱን።ነቲ ሓቂስ ክንጋፈጦ ኣለና፣ ምሁራዊ ጠለብ ንሱ ስለዝኾነ። እምበእርከስ ኤርትራ በቲ ዘሎ ናይ ምዕባለ ውድዓዊ መቓንን፣ በቲ ውድዓዊ ዘይሻራዊ ሓቅታትን፣ ተርእዮታትን ብኸምዚ ትግለጽ?

a.ኣብ ዓለም ካብተን ኣዝዩ ትሑት ናይ ሰብ ጸጋ ምዕባለ ዘለወን ዓሰርተ ሃገራት ትምደብ (Extreme Low levels of human capital)። ናይ ብዙሓት ሰብኣዊ ምዕባለ ምንጪ ሓበሬታት ምውካስ ይካኣል እዩ። ናይቲ ስርዓት መራሒ እውን ብግሉጽ ብዛዕባ ሰብእዊ ጸጋ ድኽመት ዝተዛረቦ ኣኻሊ እዩ (ፕረዚዳንታዊ ቃለ መሕተታት ተመልከት)።

b.ካብ ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ኤርትራውይን ብዝሕወል ሓዋላን፣ ናይ ማዕድናዊኣቶትን፣ ከምኡውን ብኻልእ ዘይንጹር እቶትን፣ ብቀንዱ ዝተመስረተት ኮይና ተነካእን (vulnerable)፣ ውሕስና ዘይብሉ ሃገራዊ ቈጠባ እያ ትውንን ከምኡን ተንቃሳቐስን (Remittance, some  mineral extracting, and some other unidentified based economy)። እቲ ዝተረፈውን ውሕስና ዘይብሉ ዘይ ዕላዊ ቁጠባ (Informal Economy) እዩ። ዝበዝሕ ህዝቢ ኣብ ዘይዕላዊ ሃገራዊ ቁጠባ ተመርኲዙ ዝነብረሉ። እዚ ማለት ድማ ኮሚደረ፣ እንቋቁሖ ሸጥካ (ናይ ቁሩብ ቁራቦ ቁጠባ)፣ ወዘተ።

c.ሓደ ዓቢ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ፣ ብፍላይ እቲ ከበርክት ዝኽእል፣ ላህመት ሃገር ዝኾነ ክፋል፣ ካብ ሃገር ዝወጻላን ዝተሰደደላን (ዘልገሰላን)፣ካብ ዶባታ ወጻኢ ዝነብረላ እያ። ከምኡውን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ካብ ዘሎ ብፍላይ እቲ ኣብ ከባቢ ዶባትን ከምኡውን ካብኡ ንውሽጢ ብመጠኑ እቱው ዝበለ ከይተረፈ ብምዝንባል ዝሳቐ ህዝቢ ዘለዋ እያ ( Internally and externally displaced population)።

d.ሃገር ብምልእታ ናብ ወታሃደራዊ መዓስከር ዝተቐየረትሉን ብናይ ኩናት ቁጠባ ቅዲ እትካየድን (War Economic Management) እትምራሕን (Militarized population and war economy ad hoc management) ሃገር ኣብ ዝኾነትሉ ህሞት እያ ትርከብ ።

e.ኣዝዩ ዘይብቑዕ፣ ኣብ ባዶ መኽዘን ብዝተመስረተ ትዕቢትን፣ ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ንነብስኻ ምትዕብባይን ዝተመስረተ፣ ናይ ብሕመቕን፣ ተንኮልን፣ ክፍእትን፣ ኣኽሳሪ ድርቅናን ዝተማእከለ ዲፕሎማሲያዊ ኣካያድያታትን እትኽተል። (Poor, inept and reckless foreign diplomatic relations)።

f.ኣዝዩ ዘይብቑዕን፣ ዓምጻጺን፣ ዓምጣሪን፣ ገባቲን፣ ብፍጹምነት ዘማህምን፣ ካብ ንቡር ዝወጸ መንግስታዊ ስርዓተ ምሕደራን እትኽተል። ኣዝዩ ድሑር ዝኾነን ንህዝቢ ዘየሳትፍ ህንጸት ሃገረ ዳውላ ከምእተካይድ ብዕላዊ እትፍለጥ (Poor and inept governance and  nation building process)።

g.ብቐጻሊ ኣብ ጽልእን፣ ሕነ ምፍዳይን፣ ዕግርግርን፣ ነባሪ ጽልኢ ኣብ ዝዘርእ ዘፈልፍልን ጋብላ ተሸኺልካ፣ ንህዝቢ ኤርትራን ምስቲ ናይ ቀረባ ጎረባብቱ ብፍላይ ምስ ካብ ጫፍ ንጫፍ ዶባት ዝዝርጋሕ መላምንቲ ሓዊ ዝኾነ ጎረቤቱ ህዝቢ ትግራይ፣ ተሓባቢሩ ብሰላም ከይነብርን፣ ተሓጋጊዙ ኣብዚ ስትራተጂካዊ ዞባና (Economic hub) ከይምዕብልን ምትፍናን ብዝፈጥር ስርዓት እተዓብለለትን እተገበተትን።

h.ከምኡውን ብቀዳምነት ዋኒን ምዕባለ ማሕበረ ቁጠባ ኣትኩሮ ከይግበር ምእንቲ፣ ብዕንደራን ብማእለያ ዘይብሎም ምስምሳት ተዓብሊልካ ስልጣንካ ንምግባትን ንምቕጻልን፣ ብናይ ብድሕረይ ዳንዴር ኣይትብቆላ መናውራታትን ስትራተጂታትን ተማእኪልካ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክወጾ ዘይክእል ዓዘቕቲ ንምእታው ለይትን መዓልትን ናይ ዝጽዕሩ፣ ግዳይ ከምዝኾነት ሃገር እትግለጽ። (Lack of concern for peaceful coexistence and socio economic collaboration with immediate neighbors particularly with the people of Tigray)።

እቲ ኣዝዩ ከሰንብድ ዝግበኦ ድማ፣ ብኣደብ ዘይብሎምን ኣነወርትን ድሑራትን፣ ኣብ ሞንጎ ህዝብን ህዝብታትን (Inter and Intra)፣ ወላ ብማይ ቤታዊን እውን ከይተረፈ፣ ብዘይ ንቡር ጽልኢ ምዝራእ እዩ። እዚ ባህርያት ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን። እቲ ብዙሓት ምሩኻት ናይ ደርግ ወታሃደራት ነበር ኩሉ ጊዜ ከም ዝምስክርዎ፣ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ከም እካል ህዝቢ ኤርትራ ምስቲ ዝኾርዑሉ ማዕበያ ውርሸኦም ብምምርኳስ፣ ኣብ ኣታሓሕዛ ምሩኻት ናይ ደርግ ወታሃደራት ነበር ዘርኣይዎ መዳርግቲ ዘይብሉ ሕልናዊ ምሕብሓብን ሓልዮትን፣ እነሆ ንቡዙሓት ምሩኻት ነበር፣ ንኤርትራ ከምዝጋደሉን፣ ኣብ ኤርትራ እውን ከም ማንም ኤርትራዊ ክነብሩን ናብረኦም ከጣጥሑን ኣኽኢልዎም እዩ። ምስጋና ንዘይጸዓድ ህዝብና።  ህዝቢ ኤርትራ በባህሉን ክብርታቱን ንህልኽን ሕዱር ቅርሕንትን ዘሳውር ኣይኮነን። ስለዚ ናይዞም ብድንቁርና ስሚዒትን ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ነባሪ ጽልኢ ንምፍጣት ዝህንደዱ ዘለው ክእደቡ ኣለዎም። እቲ ናይ ሓዋሩ ውጺኢቱ ጎዳኢ ስለዝኾነ። ብፍላይ ኣብዚ ሕጂ፣ብፍላይ ክፋል ህዝቢ ናይዚ መናወራታት ገንሸል ከይከውን፣ ብሃገር ደርጃ ምሕሳብ ኣገዳሲ እዩ።  ወላኳ ዘሌቔታዊ እንተዘይኮነ ጊዚያዊ ጉድኣት ከኸትል ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ብቐጻሊ ንዕዘቦ ኣለና። ኣነ ኣዝዩ ዝገርመኒ ግን፣ ንሃገር ይሓልን ንልዑላውነት ይሕሉ ኣለኹ እንዳበልካ፣ እንዳእማሳመስካን፣ ብድሑራትን ቂመኛታትን ጸበብቲ ሃሱሳትን መጋበርያ እንዳተጠቐምካ እንታይ ዓይነት ቀጻልነት ዘለዎ ሰላም እዩ ክፍጠር ዝድለ ዘሎ?  ኣነስ እንድዒ ኣብ መበል 21 ክፍላ ዘበን ምህላውና ምርሳዕ እዩ። ካልእ ሽም ክወሃቦ ኣይከኣልን። እቶም ዝምልከቶም ምዕብልቲ ሃገር ክትህልወሎም ዝትምነዩ እንተ ኾይኖም ብኣንጻሩ ክሓስቡ ኣለዎም። ነቲ ህዝቢ እውን ብዘይ ሓላፍነት ከጋግይዎ የብሎምን።

ብሓፈሽኡ፣ በዚ እያ ትግለጽ ዘላ ዓደቦና ኤርትራ። ወረ ገለ ግዱሳት ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተማራመርቲስ፣ ቤተ መዘክር ናይ ዘመናዊነት ታሪኽን ብወታሃደራውነት ዝልለ ናይ ሃገርነታዊ ምዕባለ መስርሕ ተላሒጋ ዘለ ሃገር ኢሎም እዮም እጠሚቖማ ዘለው (De Waal, 2015)። እዚ ድማ ንሰማዒኡ ሃገራዊ ኣዝዩ የሰክፍ። ኣይንሕባኣዮ ድማ። ሓባእ ቁስሉ ሓባእ ፈውሱ ዝባሃል ብሂል ኣሎ። ዝተዘርበ እንተተዘርበ፣ ዝትማህዘ ተንኮል እንተተማህዘ፣ ህዝቢ ኤርትራ ከምህዝቢ ማዕቢሉን ሰዊዱን ክነብር እንተኾይኑ፣ ንሕና እዞም ሕልና ኣለና ንብል ዝበዛሕና ኤርትራውያን መፍትሒ ክንደልየሉ ኣለና ብህጹጽ። ከምቲ ዝበልኩዎ እዞም ነማሓድረኩም ዝብሉና ዘለው እውን ነቲ ዘይንቡር ናብ ንቡር ክምለስ ከምዘለዎ ግድን ምዃኑ ክፈልጡ ኣለዎም። ምኽንያቱ ናይ ሃገርን ህዝብን ህላውነትን ምዕባለን ኣብ ክንዲ እምባ ዝኸውን ምልክት ሕቶ ዘእቱ ዕንደራታት ኣብዚ እዋን እዚ ብፍሉይ ንዕዘብ ስለ ዘለና።

እቶም ደለይቲ ፍትሒ ኢና እንዳበሉ፣ ነቲ ስርዓት ዝድግፉን ዝደናገጹን፣ ቀሚሽ ኣደይ ሓንኲሉኒ ዝብሉ፣ እውን ዳሕራይ ዘመኽንይዎ ከይጠፍኦም እጂ ክሓስብሉ ብትሕትና እላወቦም። ብዝኾነ መንገዲ ዋላ ክንሸፋፍኖ እንተፈተና፣ እዛ ዓደቦና ኤርትራ ኣብዚ ደረጃ እዚ እያ ወዲቓዘላ። እቲ ዘሕዝን ድማ ይግባኣዶ ኔሩ ንዝብል ሕቶ፣ ፈጺሙ ኣይግባኣን እዩ እቲ መልሲ። እወ፣ ፈጺሙ ብዝኾነ መለክዒ ኣይግባኦን እዩ ነዚ ህርኩትን ሓላልን ህዝቢ ኤርትራ። ሕዝቢ ኤርትራ እኮ ካብ ዝሓለፈ 150 ዓመታት ብብዙሓት ውግኣት ዝሓለፈ፣ ዝሰርሖ እምበር ዝበልዖ ኣቐዲሙ ዘይጥምት ሃብሮም ህዝቢ ምዃኑ ምግንዛብ ኣድላዪ እዩ።

3.2. ስለምንታይ ኤርትራ ኣብዚ ዘላቶ ድኹም ኩነታት ወዲቓእንታይከ ክግበር ኣለዎ?

እዚ ድማ ስለምንታይ ኮይኑ ንዝብል ሕቶ እቲ ምኽንያታት ኣዝዩ ግሉጽን ፍሉጥን እዩ። ረቂቕ ስነፍልጠታዊ ትንተና ዘድልዮ እውን ኣይኮነን። እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ገምጋማት ድማ ብንጹርን፣ ርጡብን መለኪዕታትን፣ ጭብጥታትን ተሰንዩ ብግሉጽን ብሰፊሑን ክግለጽ ዝከኣል እዩ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ፣ ባዕሉ ኣቲ መራሒ ናይ ኤርትራ እውን ብግሉጽን ብዕላዊን (ስለምንታይ? እንታይ መልእኽቲ ንምምሕልላፍ እዩ ብዘየገድስ)፣ ኣብቲ ተደጋጋሚ ቃለ መሕተቱ ብንጹር ዝጋወሖን ዝገለጾን እዩ።  “ኣብነት ከምዚ ዝባሃል ኔሩ ኣበይ ኣሎ ሕጂ፣ ባጽዕ ሉል ቀይሕ ባሕሪ ኔራ፣ ሕጂ ሉል ኣይኮነት ገለ ኣይኮነት፣ ወዘተ፣ ወዘተ፣ ወዘተ። ዘገርም እዩ። እቲ ዓዲ ዝመርሕ ብግልጺ ይብለና ኣሎ ብቀጻሊ። እዞም ሃገር ሰልጢና፣ ማዕቢላ፣ እንዳበሉ ሕልማዊ ምቁር ሕብስቲ ዘቑርሱናን ዘምስሑናን ዘድሩርናን ዘለውስ እንታይ ኢና ክንብሎም? እዞም ጌሊኦም ኤርትራውያንሲ ብሕሉፍነት ነዚ ጸሓይ ዝወቕዖ ውድዓዊ ሓቂ ክከኻላኸሉሉን፣ ኩሕሊ ምሕሊ ክቐብኡዎን፣ ላሕ ምባሎም እዩ። እዚ ድማ ዘሰንብድ እዩ። እቲ ዘይርደኦም ዘሎ ግን፣ እቲ ከምዚ ሽግር ኣሎ፣ ሃገር ከምቲ ዝግባኣ ኣይኮነትን፣ ዝብል ዘሎ ኤርትራዊ ኩሉእቲ ንህልውናን ምዕባለን ህዝቡን ሃገሩን ልዕሊ ኩሉ ሰሪዑ ዝጭነቕን፣ ዝግደስን ምዃኑ እዩ። እወ ከምቲ ምስሉይ ሃገራዊ እየ እንዳበለ ኣብ ጥራይ ጎልጎል ሑሕ ዝብል ኣምሰሉ (Pseudo) ኣይኮነን። ከምቲ ስሱዕን ጸቢብን በለጸኛን ኣእምሮ ዝወነነ፣ እንታይ ገደሰኒ፣ ኣነን መቕርበይን ንርባሕ ምስቲ ገባቲ ተጸጊዕና ዝብል ኣይኮነን። እወ ንሱ እዩ እቲ ሓቀኛ ከይደቀሰ ዝሓድር ፈታው ህዝቡን፣ ዓዱን፣ መረበቱን። እንሆ ድማ ብኹሉ መስዋእቲ ከፊሉን፣ ይኸፍልን ኣሎ። እወ፣ እታ ክውንነታዊ ሓቂስ ክትመጽእ እያ።እቲ ከምዚ እንድዩ ከምቲ እንድዩ እንዳበለ ሃገር ኣብ ምዕናው ዘጣቕዕን፣ እምንን ሞደሻን (ማሳ) ዘቐብል ዘሎ ድማ ናይቲ ዘሳወሮ ውጽኢት ጽቡቕ ድዩ ሕማቕ ሓቢርና ምስጊዜ ክንርእዮ ኢና።

እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓትን ደገፍቱን እቲ ኣታሓሳስበኦም ዘገርም እዩ። ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ፣ ፖሊቲካዊ ኣራኣእይኡ ብዘየገድስ፣ ንኤርትራ ዝሓሊ ምዃኑ ምርሳዕ፣ ዘይምፍላጥ፣ ወይ ክትርዳእ ዘይምድላይ ወይ ድማ ዘይምፍታን፣ ዘምጸኦ ግጉይ ኣታሓሳስባ ዝተበከለ ኣእምሮ ዝወነኑ እዮም። የገርሙ ድማ። ኣብዚ ዘመነ ዓውሎማዊ ጉያ፣ ተክኖሎጂካዊ ሱር በተኻዊ ምህዞታት (Ground breaking killer apps) ወርሓዊ ኮይንሉ ዘሎ ጊዜ ኣብ ከምዚ ምቁምጣዕ እንታይ ኣድለየ? ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ፖለቲካዊ መትከሉን ኣራኣእያኡን ብዘየገድስ ሃገራዊ እዩ። ንሃገሩን መረበቱን ህዝቡን ካብ ኩሉ ንላዕሊ ይሓልን ይሕልውን፣ ይፈቱን ምዃኑ ምርሳዕ ማለት ዘገርም እዩ። እነሆ ድማ ብዙሓት ሆሆ ዝብሉ ኣምሰሉ ሃገርውያን፣ ናብ ዕዳ ሃገር (liability) ዝልወጥሉ ዘለውሉ መስርሕ ብምግራም ንዕዘብ ኣለና።

ኣብ ካለኦት ሃገራት ብኸምዚ ናይ ኤርትራ ዝሓለፋ ብሓንቲ እምኒ ክልተ ሽቶታት እንዳወቕዓ ኢየን በጺሔንኦ። ኣብነተን ንከተል። ከም ባዓል ጀርመን፣ ሲንጋፖር፣ ኮረያ፣ ሊባኖስ፣ ወዘተ ህልዋት ምሰክር ኢየን።  ግን ሎምስ ኣብ ኩለን ዝምዕብላ ዘለዋ ሃገራት፣ በቲ መንግስታዊ ብመሳልል ምሕደረአንን፣ ምስቲ ተዘርጋሒ ማሕውራቱ ኣቢለን ነቲ ዓርሞሸሽ ደፋኢ ናይ ሓፋሽ ሓይሊ ብዘድምዕ ከምዝሳተፍ ብምግባር፣ ንሕኑን ምዕባለን ዕብየትን ይነጥፋ ኣለዋ። እዚ ማለት ካብ ሃገራዊ ባይቶ ጀሚሩ፣ ካቢነ ምኒስተራት እንዳበለ ስጋብ እቲ ዝተሓት ኮማዊ መንግስታዊ ምሕደራ ብግሉጽ ብመራኸቢ ሓፋሽ በቲ ዝግባእ መንገዲን፣ ዲሞክራሲያዊ ኣገባብን፣ ተግባራቱን ውጥናቱን ብዕሊ ንሓፋሽ የፍልጣን ይትንትናን፣ የሳትፋን ይገልጻን ኣለዋ።ከምኡ’ውን ምኽሪ ካብ ሓፋሽ በቲ ዘሎ ትካላዊ ኣሰራርሓ ተኸቲለን ይሓታን ኣስተዋጽኦ  ይቕበላን ኣለዋ። ወላ እተን ዝሕመያ ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት፣ ከም ባዓል ናይጀርያ፣ ጋና፣ ቦትስዋና፣ ከንያ፣ ሞዛምቢክ፣ ሰነጋል፣ ሞሮኮ፣ ካሜሩን፣ ወዘተ፣ ነዚ ዲሞክራሲያዊ ሃዋህውን ንሓፋሽ ኣሳታፊ መንግስታዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ብምህናጽ፣ ብገፊሑን ብቀጻልን ይሰርሓሉ ኣለዋ። እዚ ልሙድ ተርእዮ እንዳኾነ እዩ ዝኸይድ ዘሎ ኣብ ብዙሓት ቅልጡፍ ምዕባለ ብቀጻሊ ዘመዝግባ ዘለዋ ሃገራት።

ንሕናውን በቲ ባህልናን፣ ያታናን ክብርታትናን ተሓጊዝና ክንገብሮ ክንክእል ኔሩና፣ ሕጂውን ኣይመሰየን፣ ግድን ክንገብሮ ኣለና ። ንሱ እዩ እቲ ዘዋጻኣና። ታሪኽናን ቅርስታትናን ያታዊ ዲሞክራሲያዊ ኣገባብናን ነባሪ ምስክርን ጠቓምን እዩሞ ኣይንጉሰዮ። ከምቲ ስነ ጥበባዊ በረኸት መንግስተእብ ኣብ ሓደ ቃለ መሕትት ዝበሎ እጠቅስ፣ ንኻለኦት ዘውረስናዮምን ካባና ካብ ሰሜን ንደቡብ ዝኸዱ እምበር ናባና ዝመጽኡስ ናይ ባህላውን ያታውን ናይ ምዕባለ ኣምራት ዳርጋ የለውን ዝበሎ፣ ታሪኽ መስካሪ እዩ፣ መታሕትናን ከበሳናን ነቲ ያታና፣ ክብርታትናን፣ ተቓራራቢን ቋንቋታትናን፣ ወዘተ ንሓብሕቦ፣ ነማዕብሎ፣ ንኹራዓሉን፣ ንርባሓሉን ድኣምበር ብክለሳ ታሪኽ መናወራታት ኣይህሰስ። ድርዒን ሕላገትን ናይ ህዝቢ ርእሰ ተኣማንነት ከም ዝኾነ ህዝቢ ከፈልጦን ክሕበነሉን ኣለዎ።

ኣይንረስዕ ፍልማዊ ምዕባለን ስልጣነን መሃዝነትን ካብ ጥቓ ባሕርን ቀንዲ ፈለጋትን እዩ ዝጅምር። ቀይሕባሕሪ፣ ጸሊም ባሕሪ፣ ማእከላይ ባሕሪ፣ ካስፕያን ባሕሪ፣ መጻብቦ ባሕሪ ቺና፣ ካብ ፍሊፒንስ ጀሚሩ ስጋብ ሆንግ ኮንግ ዝዝርጋሕ መጻብቦ ፓሲፊካዊ መመሓላለፊ መጻብቦ (Pacific Rim)፣ ምብራቓዊን ምዕራባውን ገማግማትን፣ ከባቢ ዓበይቲ ቀላያት ሃገረ ኣሜሪካ። መትረባት ፓናማን፣ ስወዝን፣ ደቡባዊ ምብራቕ ቺና፣ ምዕራባዊን ምብራቓውን ህንዲ። ከምኡን ናይ ቁጠባ ማእከል ስሕበት ኣፍላጋት፣ ኒል፣ ኤፍራጥስ፣ ጥግሪስ፣ ያንግተዝ፣ ብጫ (ቻይና)፣ ራይን፣ አልበ፣ ቮልጋ፣ ብራሃማፑትራ፣ ኮሎራዶ፣ ሚሲሲፒ፣ ዳንዩብ፣ ወዘተ ወዘተ። ከምቲ  ኣብ ዘበን ግርምቢጥሲ ማይ ንዓቀብ ከምዝባሃል ግን፣ ኣንጻር እቲ ክኸውን ዝግበኦ ኢና ንጓዓዝ ዘለና ሳላ ዘሰክፍ ድሕረትናን፣ ሳላ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገባቲ ስርዓት (ይቕረታ ኣበርቲዔሉ እንተኾይነ)። እወ ነዚ ሕማቕ ውርሻዊ ተርእዮን ኣዕናዊ ቀጻልነትን ንዕዘብ ኣለና።ኣየባ እዚ ቦታናስ እንታይኮን ምኾነ ኣብ ጥዑይን፣ ንሓፋሽ ዘማእከለ ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ስልጡንን ኣድማዕን መንግስታዊ ትካላትን እንደዝህሉ። እወ እዚ ቦታና ማእከልመሃዛዊን፣ ዲይናሚካዊ ቁጠባ ምኾነ እምበር። ድሓን ግን ህዝቢ ኤርትራ ለባማትን ኣርሒቖም ዝሓስቡን ደቂ ሃገር ኣለውዎ። ካብ ዘለዎ ድቕድቕ ጸልማት ናብ ጩራ ብርሃን ከምዘምርሕ ተስፋ ክንገብር ኣለና። (There will be a light at the end of the deep and dark tunnel)።

ኣነ ዝገርመንስ ክልተ ሚኢቲ ሽሕ ዝኣኽሉ ኤርትራውያን፣ ብፍላይ መንእሰያት፣ ኣብዚ ጊዜ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣለው ክባሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ? እቲ ዘገርም ድማ ነዚኦም ዝበዝሑ መንእሰያት ንምዕንጋል ኣብዛ ንህዝባ እኳ በቲ ዝግባእ ሃብታ ኣማራቒሓ ክትዕንግል ዘይከኣለት፣ “ምስተሾመ ዘይበልዔስ ካብ ሽመቱ ክእለ ይጣዕስ” ምኽነታዊ ምሕደራ ህዝባ ዝሳቐ፣ ብዕግርግርን፣ ብመን ገበተ፣ ትሕመስ ዘላ፣ ካብዝን ካብትን ተሰፋፍያ ሃገር ዝኾነት፣ ኢትዮጵያ፣ ግርም ደገፍ ኮይኖማ ኣለው። እዚ ድማ ኣብ ውጹእ ክሳራ ናይቲ መስኪናይ ለይትን መዓልትን ጽዒሩ ዝሕውለሎም ዘሎ ዲያስፖራ ኤርትራዊ እዩ።

ብርዱእ ግምታዊ ገምጋም፣ ካብ ኤርትራውያን ብዝሕወል ኣስታት $350 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ኣዛ ዕድለኛ እናት ኢትዮጵያ ዓመታዊ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ትረክብ ኣላ (ከይንርስዕ እዚ ኣሃዝ ብሕዋላ ዝለኣኽ ጥራሕ እዩ)። እቶም ካብ ኤርትራ ንሕክምና ዝማላለሱ፣ ደቆም ከመርዕው ከምኡውን ንኻልእን ዘይተኣደነ ገንዘብ ሒዞም ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝውሕዙን፣ ከምኡውን ንኤርትራ ክኣትው ዘይክእሉ ደለይቲ ፍትሒን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጥፍኡዎ ገንዘብን፣ ካብ ወጻኢ ንኢትዮጵያ ዝበጽሑ ዘለው ኣምሰሉ ሃገራውያን ኢና በሃልቲ ናይዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ተደናገጽቲን፣ ዝሕሽሽዎ ዘይተኣደነ ዶላራት ኣብ ግምት ከየእቶኻ እዩ።እቲ ናይ ሱዳንን፣ ኡጋንዳን፣ ደቡብ ሱዳንን፣ካለኦትን ተመሳሳሊ ኩነታት እውን ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ። ዋእ ክትሓስቦ ከለኻን መንጸሮር ይሕዘካ። እንታይ ኢና ክንብሎ ብጀካ ዓጀብ።

ገምትዎ እሞ ክንዲዚ ዝኣክል መጠን ገንዘብ ነታ ምጭውቲ ከተማ ክረን፣ ወይ ደቀምሓረ፣ ወይ መንደፈራ፣ ወይ ዓዲ ቐይሕ ኣፍሪሱ ከም ብሓዲሽ ብዘመናዊነት ምስ ሃነጸ። ክንደይ መንእሰያት ብዋኒነ መሃዝነት ምስተጫጭሑ (Entrepreneurial Incubation)። ሰብ ትካላትን ጸጋን ኮይኖም ተማላሊኦም ንሃገር ብኹሉ መዳያት መማዕበሉ። ንኻለኦት ናይ ዕቁር ተመኩሮ ኣብነት ምኾኑ። እዞም ሕጂ ብዓለም ደረጃ ህቡባት ኮይኖም ዘለዉ ዋኒነ መሃዝቲ (Successful Global and local Entrepreneurs) ካብ ብጣዕሚ ትሑት ዓቕሚ እዮም ጀሚሮም። ግን ዕድላት ተኸፊቱሎም ንዓለምና ኣብ ምቕያር በጺሖም።ጠምትዋ እሞ ነታ ምጭውቲ ዝነበረት ግን ናብ ዑና ተቐይራ ዘላ ዝዓበኹላን ዝተማሃርኩላን ከተማ ኣስመራ። ከምኡውን እታ ህብብቲ ባጽዕከ እንታይ ኮን ምኾነት? ብሉስከ ኣብ ዓመት ብኣማኢታት ሚልዮናት ካብ ዲያስፖራ ዘሎ ክፋል ህዝቢ ገንዘብ ፈሲሱለንስ እንታይ ኮን ምኾና? ካብ ጎላጉል ጋሽ ባርካ ጀሚሩ ስጋብ ጎላጉል ሃዞሞ፣ ለምለም ማይ ጻዕዳ ምስ ቆሓይን፣ ምርኡይ ሰመናዊ ባሕሪ፣ ህጡር ደቡባዊ ባሕሪ፣ ምስ በዓል ታሪኽ መጠራን ሰንዓፈን፣ ሊባን ሓበላን፣ ጀራዲን ሩባ ጋሽ፣ ወዘተ፣ ወዘተ እንታይ ኮን ምኾኑ? ናባኻትኩም ናብ ለባማት እገድፎ።

ሎሚ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ኢና ንነብር ዘሎና። እዛ ዓለም ብፈጣን ዳናሚካዊ መስርሕ ትሓልፍ ኣላ። ሱር በተኽ ተክኖሎጂካዊ ምዕባለ ወርሓዊ ተርእዮ ኢዩ ዝኸውን ዘሎ። ዓለምና ኣዝያ ትጸብብ ኣላ። ሕጂውን ክደግሞ፣ ህዝቢ ኣብ ወሳኒ ጉዳይ ሃገሩ ብዝለዓለ እጃም ተኻፋሊ ንክኽውን ርሒብ (ገፊሕ) ኣፍደገ ወይ ማዕጾ ክኽፈተሉ ኣለዎ። ካብዚ ወጻኢ ዘሎ ምሕደራን ኣካያይዳን ውጺኢቱ ዝሕቱል እዩ ዝኸውን። እዚ ድማ ምኽንያት ናይ ዘይተኣደነ ህዝባዊ ፍልጠትን ኣስተዋጻኦን ምኽሳር ኣዩ ካልእ ፋይዳ የብሉን። እዚ ድኹምን፣ ድሑርን፣ ኣብ ህልኽን ዝተመስረተ ምሕደራ፣ ድማ ሃገራዊ ልምሰት ንነዊሕ ከየኸትል ምጥንቃእ። ብፍላይ ኣብ ዝተፋላለያ ሃገራት ኣብ ስደት ዘሎ ህዝብና ካብቲ ዝነብረሉ ከባቢ ተጠቒሙ ኣብ ኤርትራ ማሉን (ገንዘቡ) ተኽእሎኡን ከዋፍርን፣ ብገፊሕ ኣስተዋጽኦ ክገብርን ዕድላት እንደዝኽፈተሉ ክንደይ ሰናይ ምኾነ። እዚ እዩ ተነፊጒዎ ንዓቕሚ ዘለዎ ህዝቢ ኤርትራ። ኣየባ ሓንጎፋይ ተባሂሉ ነዚ ህርኩት ህዝብና ገፊሕ ዕድላት ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ እንተ ዝኽፈተሉስ እንታይ ተኣምር ኮን ምስተሰርሔ? 

ነዚ ኣብ በዓል ኣንጎላ፣ ኢትዮጵያ፣ ኡጋንዳ፣ ሩዋንዳ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ዱባይ፣ ሱዳን፣ ሱዑዲያ፣ ቀጠር፣ ኣውሮጳ፣ ሰሜን ኣሜሪካ፣ ከምኡውን ኣብ ካልኦት እንዳነበረ ዓዲ ሃገር ዘሰልጥን ንዘሎ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ፣ ሰሓቢን ዲሞክራሲያዊ ሃዋህውን፣ ምሉእ ደገፍን እንተ ዝፈጠረሉስ፣ ኣቤት ክንደይኮን ምረብሔት እዛ ዓደቦና ኤርትራ። እቲ ዝነበረና ብልጫታትና እውን ነበረያ ነበረ ከይኮነ ምስተጠቐምናሉ።

ሓደ መንቋሕቛሕታን እንዶን ናይ ዋኒናዊ መሃዝነት (Entrepreneurial Innovation Passion) ዘሎዎ ኤርትራዊ ካብ ሃገር ምህዳም ማለት፣ ክንደይ ኣሉታዊ ሳዕቤን ንናይ ሃገር ተደላዪ ዋኒናዊ መሃዚ ዓቢ ብኽነት ከምዘለዎ ምግንዛብ የድሊ። እቲ ካብ ሀገር ዘህድሞ ዘሎ እቲ ካብ ሃገር ዝስደድ ዘሎ፣ እቲ ንዋታዊ ሃብቲ ጥራይ ዘይኮነስ፣ እቲ ናይ ዋኒናዊ መሃዚነት ተመኩሮን ተኽእሎን እዩ (National Entrepreneurial Acumen)። እዚ ንርእሱ ሕማም ርእሲ ዘኸትል ምብራስ ሃገራዊ ሃብቲ እዩ። እቲ ብዓል ተስፋ ኤርትራዊ ዋኒነ መሃዚ፣ እውን ንዕኡ ማዕቢሉስ ንኻለኦት እውን ኣራኣእያን መሃርን መጫጭሕን ምኾነ። ንሱ ኣብ ሃገር እንተዘየሎ ግን ንላዕልን ታሕትን ተመጢጡ ዝኸይድ ቁጠባዊ ማእቶታዊ ድንፋዔን ብኸቢድ ይጉዳእ። እዞም ኣብ ወጻኢ ንነብር ዲያስፖራ ብዓይንና ዕለታዊ ንርእዮ ኣለና እቲ ዘይተኣደነ እስተዋጸኦ ኣብ እዘን ንነብረለን ዘለና ሃገር ዘምጸእ።

እቲ ዛጊት ዝጠፍኤ ዕድላት ክግመት ከሎ፣ ኣብ ዓመት ሚልዮናት ዘይኮነ ቢልዮናት ርእሰ-ማል ናብ ኤርትራ ምውሓዘ ኔሩ። ብፍላይ ኣብ ደገ ዘሎ ዓቢ ክፋል ህዝብና፣ ካብታ ዝረኽባ ሓንቲ ዶላር፣ ፍርቃ ናብ ኤርትራ ሰዲዱ መዋፈራ። ብሕታዊ ትካልና እውን ብተዓጻጻፍነት ምደንፈዐ። ህዝብና እውን መሃዝን ቀጻልን ዲናሚካዊ ሃገራዊ ቁጠባ (Sustainable creative and dynamic economy) ናይ ምህናጽ ክእለት ብዝበለጸ መጥረየ። ኣብዝሓለፋ 31 ዓመታትሲ ካብዚ ዘሎ ብዝበለጸ፣ ክንደይ ህንጻ ምስተሃንጸ? ክንደይ ምዕባለ ኣብ ገጠራዊት ኤርትራ መስተራእየ። ክንደይ ትካላት ምስተተኽለ? ክንደይ ተማላላኢ፣ ተታሓሓዚ ቁጠባዊ ምዕባለ ምስተራእየ? ክንደይ ሆቴላትን ናይ ቱሪዝም ትካላት (ናይ በጻሕቲ ሃገር መስሕብ) ኣብ ዝተፈላለዩ ሰሓብቲ ቦታታት ምስተጣየሰ? ክንደይ ብቁዕ ኣብያተ ትምህርትታትን ሞያዊ መሰልጠኒታትን፣ ውልቃውያን ትካላት ምስተመስረተ። ክንደይ መንእሰያት ሰብ ዋኒን ወይ ወነንቲ ትካል (national entrepreneurs) ምስተጫጭሑ? ክንደይ መንእሰያትና መሃዛዊ ተእምር ምሰርሑ?

እዚ ኩሉ ከሎስ ቁርብ ቁራቦ ወርቂን በሩርን ክንረክብስ ጐዳጉዲ ምኹዓትን ከባቢያዊ ብከላ ምፍጣርዶ ምሓሸና (environmental degradation due to mining residuals)። ብሓቂ ንህዝቢ ኤርትራ ሰናይ ዝሓስብ ውላድ ኤርትራ ነዚ ጥፉእ ዕድል (lost opportunity) ክሓስብ ከሎስ እንታይ እዩ ክስመዖ?   ንህዝቢ ኤርትራ ንፈቱን ንሓዋሩ ነቲ መንእሰይ ወለዶ ንሓስብ እንተድኣ ኮይና፣ ነቲ ዘይንቡር ናብ ንቡር ንኽንመልሶ ድኣ ንጽዓር እምበር ከም ኣብ ንእሽቶይ ጥርሙስ ዝኣተው ዓሳ ፈንጠርጠር ምባል ውዒሉ ሓዲሩ ጎዳእን ኣብራስን ምኻኑ ንፍለጦ። ብፈኸራን፣ ዳንኬራን፣ ኩራዕ ወዲ ሃገርዶ ገለዶ እንዳበልካ ብውሑድ እኳ ዓቕምን ብቕዓትን ጸጋን ከየጥረኻን፣ ነቲ ናይ ዓርሞሸሽ ጸጋን ተኽእሎን ዝወነነ ሓፋሽ (Grassroots) ኣወጊንካስ ናበይ እዩ ክብጻሕ? እቲ ገጠራውን ከተማውን ናይ ምዕባለ መስርሕ ድማ ክልቲኡ ተታሓሒዙ፣ ተማላሊኡ፣ ተደጋጊፉ፣ ተጠራኒፉ እዩ ዝኸይድ። እቲ ዝፍጠር ጸጋን ተኽእሎን እውን ውጽኢት ናይ ክልቲኡ እዩ። ንረብሓ ክልቲኡ ድማ ይውዕል (Regionalized and Balanced Economic Growth and Development Approaches). እዚ እዩ ናይ ዝተመስከረሉ ናይ ቁጠባ ስነ ፍልጠት ኣሳራርሓ።

እቲ ናይ ማሕበረ-ቁጠባዊ ምዕባለ ስነ ፍልጠት መስርሕ ክልወጥ ኣይክእልን እዩ። ልክዕ ከም እዛ መሬትና ግድነታዊ ዑደታ ከምዘይትልውጥ፣ ካልእ ኣማራጺ የልቦን። ናይ መዋእል ዓንኬል ዳናሚካዊ መስርሕ (life cycle dynamic process) ኣብ ኩሉ ኣሎ። ግድነታዊ ኢዩ ድማ። ስለዚ ግድን እቲ ዝኣረገ ብሓድሽ ክትካእ፣ እቲ ዝሓመቐ ብዝሓሸ ክቕየር፣ እቲ ኣብቲ ግዜኡ ኣድማዕን ብቑዕን ዝነበረ ድማ በቲ ናይ ሕጂ ወድዓዊ ኩነታት ዝጠልቦ ክቕየርን ክመሓየሽን ዘይገሃስ ናይ ተፈጥሮኣዊ ዲያለክቲካዊ ሕጊ ኢዩ ። ዘይቅየር ብሉጽ ተሞክሮና፣ ብሉጻት ኢና፣ ብተሞክሮና ዘምጻእናዮ መሎኮታዊ ተኽእሎን ሓይልን ኣለና፣ ወዘተ ብዝብሉ ኣቑጸልጸልቲ ሓረጋት ብዘይ ክውንነት እንዳ ኣጋዋሕካ ምቕጻል ኣየዋጽእን። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ፣ ካብ ምስ ዘይተርፍ ተፈጥሮኣዊ ናይ ለውጢ ሕግታት ምግጫውን፣ ኣብ ሃገርን፣ ህዝብንብቐሊሉ ዘይሓውን ዘይጠፍእን ጉድኣት ካብ ምምጻእ ከምኡውን ክፉእ በሰላ ካብ ምግዳፍ ዝኸፍእ ንህዝብን ሃገርን በደል የልቦን።

ተፈጥሮ ሃጓፍ ኣይጻወርን እዩ፣ ኣንታይ ድኣ ካብ ዘምጸኤ ኣምጺኡ ይመልኦ ዝባሃል ሓቂ ኣሎ። ዝናብ (ማይ) ኣንተ ዘነበ (እንተ ሃረመ) ብመጀመርያ እቲ ማይ ኮረር እንዳበለ ነቲ ኣብቲ ጽርግያ ዘሎ ጐዳጉዲ እዩ ዝመልእ።ሕጂ ድማ ንህዝና ሰፊሕ ተኽእሎን ዕድልን ሂብና ነቲ ሃጓፍና ምምላእ እዩ ዘዋጽእ፣ እንተ ድኣ ንህዝቢ ብዘይ ሓለፋታት ከይፈላለናን፣ ነዚባ፣ ንቲባ ከይበልና፣ ነቲ ብሕታዊ ቁጠባዊ ጽላትና ንኸነማዕበሎ ዘኽእል ብዘይ ጥርጥር ዕቑር ጸጋታትን ተኽእሎታትን ኣሎ። ብፍላይ ነተን ንእሽቱን ስድራቤታዊ ትካላትን ኣንዳ ኣማዕበልና፣ ዘቤታዊ ተኽእሎናን ጸጋታትናን ምዕባይ እዩ እቲ እንኮን ኣማራጺ ኣልቦ ስጉምቲ። ዳግማይ ምፍጣር እቲ ነብሪ፥ ድግማ ዓርሞሾሻዊ ምዕባለ ሲንጋፖር ኣብ ኤርትራ ዘይድገመሉ ምኽንያት የልቦን። እታ ሓባሪት ኮምፓስና ጥራይ ነተዓራርያን። ናብ ንቡር ክውንነት ነማእዝና።

ዳሕራይ ድማ ከምቲ ኣብ ኩለን ሃገራት ክግበር ዝድለ፣ ኣጋይሽና (ናብ ዓድና ቁጠባዊን ሞያውን ወፍሪ ክገብሩ ዝመጹ ሰብ ሃብትን ፍልጠትን) ድማ በቲ ሕግታትና ስርዓትናን ዝጠልቦ መቓን ብህርፋን ንቀበል። መጺኻለይዶ፣ መጺኻለይዶ ክቕበለካ፣ ኣብዚ ለምለም ዳስና ሰቲ ረገጸ፣ እንዳበልና ብዘወናውን መስሕብ ነቲ ዘውፍር በዓል ዓቕሚ ንቀበሎ። ከምኡ እዩ ኔሩ እቲ ባህልናን፣ ክብርታትናን ማዕበያናን ብጡርኑፍ ከምህዝቢ።ነዚ ንኽንገብር ኣንተ ዘይኪእልና ወይውን እንተድኣ ተዳናጒና ግናኣቲ ኣማራጺ ፍሉጥ እዩ። ከምቲ ኣብላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ክደግማ፣ ጊልያን፣ ተቐባል ርፍራፍ ናይ ገዛእ ሃብትኻን ብመስኮት ተሰንድዩካ ምልቃም እዩ ዝኸውን። እወ፣ ካላኣይ ዜጋን ተጸባዪን ኣብ ገዛእ ዓድኻ ምዃን እዩ። ግን ንለባም ኣምተሉ ኣበይ ከይስሕቶ፣ ንዓሻ ኣንቃሓዮ ንኽፈልጦ ከምዝባሃል ንሕሰበሉ ድኣ። ዘሕዝን ተመኩሮ ኣሎ ኣብዛ ዓለምና። ናይ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ሃገራት፣ ማእከላይን ደቡብን ኣመሪካ፣ ካለኦትውን ክንውከስ ንኽእል ኢና።

በቲ ተባዕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰል ርእሰ ውሳኔ፣ ኤርትራ ነጻ ካብ እትኽውን እነሆ 31 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ብመንጽር ብምሉእ ሓይሉ ብናይ መንኮርኮር ፈጣን ምዕባለ ተወሃሂዱ፣ ተማላሊኡ፣ ምብሉእ ዲሞክራሲያዊ ሃዋሁው፣ ንዝምርሽ መንግስትን ህዝብን ሃገርን፣ 31 ዓመታት ቀሊል ኣይኮነን። ብዙሕ ኣድማዒ ስራሕ ክስርሓሉ ይካኣል ኢዩ ወላ ምስቶም ኣለው ተባሂሎም ዝንገሩና ብድሆታትውን እንተኾነ እውን።እኹላትን ውድዓውያንን ዝኾኑ ተሞኩሮታት ኣብዛ ዓለምና ኣለው። ንሶም ክዕወትሉ ዝኸኣሉ ድማ፣ በተኣምር ዘይኮነስ ብዝሓንጸጽዎን ብዘማሓደርዎን ብዘተግበርዎን ወፍርታትን፣ ነቲ ዘለዎም ዓቕምን ትሕዝቶን ጸጋታትን በቲ ዝለዓለ ብቕዓት ጌገኦም እንዳኣረሙ ምስ ህዝቦም ኢህን ሚሂን እንዳተባህሉ፣ ሰለ ዝተጠቕምሉን ኢዩ። ብዝላዓለን ዝማዕበለን ዓቐን ንህዝቦም ነንሕድሕዱ ከም ዝማሃሃርን ከም ዝስልጥንን ስለ ዝገበሩ እውን ኢዩ። ከምኡውን ንጡፍ ናይ ሓፋሽ ተሳታፍነት ኣብ ኩሉ መዳያዊ ዕማማት ስለ ዘውሓሱ እዩ። ነቲ ናይ መንእሰይ ወለዶ ዓቕሚ ንምዕባይ እውን ብዙሕ ጻዕርን ሰብኣዊ ወፍርን ስለ ዝገበሩ ኢዩ። ካብ ኩሉ ብዝበለጸ ድማ ንቐጻሊ ቁጠባዊ ዕብየትን ምዕባለን ኣገዳስነት ናይ ናኣሽቱን ስድራ-ቤታውያን ትካላት ዕዙዝን ልዑልን ኣተኩሮ ሂቦም ስለ ዝሰርሑሉን ዝተዓውትሉን ኢዩ። እተን ንኣሽቱን ስድራ-ቤታውያንን ትካላት ኣብ ዝለዓለ ብርኪ በጺሔንስ መለለዪ ኣንዱስትራያዊ ሓያልነት ናይዘን ተዓወቲ ሃገራት ኣብ ምዃን በጺሔን ገናውን ይበጽሓ ኣለዋ።

ከም በዓል ጀርመን፣ ኮረያ ሩዋንዳ፣ ካምቦድያ፣ ቬትናም ዝኣመሰላ ሃገራት ገሊኤን ካብ 85% ፍጹም ዕንወት (ካልእይ ውግእ ዓለምን ከቢድ ውግእ ሓውሲ ዴሴት ኮረያ) ገሊኤን ድማ ካብ ፍጹም ብርሰትን ዓውዲ ኩናት ናይ ተተፋናኒ ኣታሓሳስባታት (ideology) ኮይነን ዝነበራ እየን። ብዝተኸተለኦ ስልጡን፣ ተዓጻጻፊን፣ ፖሊቲካዊ ብልሓትን፣ ማሃዛዊ ትካላዊ ኣሳራርሓን፣ መንግስታዊ ምሕደራን እነሆ ናይ ዝገበረኦ ጻዕሪ ፍረ ጻመአን ረኺበንን፣ ብቐጻሊኣብ ምርካብን ኣለዋ። ንኤርትራ ድማ ካብዚ ዘለናዮ ዘይክውንነታዊ ህሞት፣ ናብ ውድዓዊ ክውንነት ለዊጥና ንዔአን ነምስላ ነዛ ከም ኩሕለይቲ መርዓት ተበሃጊት ሃገርና።መሊሰ ክደግማ፣ ንህዝቡን ሃገሩን ዝፈቱ ሰብ፣ ንህዝቡ ዝሓሊ ውላድ ሃገር፣ ን ኩሉ መዳያዊንን ዲሞክራሲያውን ምዕባላ ህዝቢ ኤርትራ ክዕጠቕን ብግብሪ ክጽዕትን እዩ ዘለዎ። ካብዚ ወጻኢ ዕዳ ህዝብን ሃገርን ምዃን እዩ። ብኣፍን ዋልታን ጭማራን ሒዝካ ብፍላጥ ኮነ፣ ብዘይ ፍላጥ፣ ወይ ድማ ንግዚያዊ ረብሓን ኣነ እበልጽ፣ ኣነ እዬ ብዓል ጊዜ እንዳበልካ ኣይኮነን። ንሱ እሞ ክንደይ ሃገራት ዘየኽሰረ። እቲ ክንገብሮ ዘለና ድማ ኣብ ተግባር ብዝከእል ምንጣፍ እዩ።

4.መደምደምታ

ኣብዚ ከተሓሳስቦ ዝደሊ ድማእቶም ብውድዓዊ ስትራተጂካዊ ቅርጽን ትሕዝቶን ተሰሪቶም፣ ብዕቱብ ክፍለጡን፣ ክልለዩን ክግለጹን፣ ዘለዎም ኣስተብህሎ ክግበረሎም ከምዝግባእ እዩ። ውድዓውያንን፣ ክውንነታውያንን ሓቅታትን፣ ጭብጢታትን፣ ዛዕባታትን ኣብኩሉ ህሞትን፣ ኣጋጣምን ኣለው። ነዚኦም ብቅርጽን ትንተናን (Contents and form) መቓን ምእንቲ ክምዘኑ ኣቲ ብኣድላይነት ዘምጽኡዎ ስትራተጂካዊ ጥቕምን ጉድኣትን ክፍተሽ ይግባእ። ነዚ ዘይምትንካፍ ማለት ድማ ካብ ሃገራዊ ናይ ሕዝቢ ሓላፍነት ምህዳምን ወይ ድማ ምጥላምን ማለት እዩ። ብፍላይ ክስትውዓል ዝግበኦ ድማ፣ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ዝብል ኣዕናዊ ኣታሓሳስባ ናብ ቅድሚት ምምጻእ እዩ። እዚ ድማ፣ ስጋብ ክንደይ ንህዝብን ሃገርን ኣጽናትን ኣዕናውን ምዃኑ ኣብ ናይ ሓፋሽ ህዝቢ ተረድኦን ፍልጠትን ንኽሰርጽ ይድለ። እዚ ድማ ሓፋሽ ከይጋገ ኣንጻር ናይ ነዊሕ ዝጠመተ ረብሕኡ፣ ብጊዚያዊ ሃልክን፣ ስምዒትን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከየእቱ ብፍላይ በቶም ዝምልከቶም ቀለስቲ ዝባሃሉ ሰብ ብቕዓትን ተኽእሎን ደቂ ህዝቢ ብቐጻሊ ክሕሰበሉ ኣለዎም።

እምበእርከስ በቶም ዛጊት ዘሎው ዓቕምታትን፣ ጸጋታትን ተኽእሎታትን ተማእኪሎም ክትግበሩን ክዕመሙን ዝግበኦም ናይ ማሕበረ-ቁጠባዊ መሰረታት (foundations) ክንብል ከለና እንታይ ማለትና እዩ? ብሓጺሩ ንሓፋሽ ህዝቢ ነሔይሎ፣ ነቲ ዓርሞሸሽ ዕቑር ኩሉ መድያዊ ዓቕምታት ሓፋሽውጺኢታዊ ጽልውኡ ንጠቐመሉ ማለት እዩ። ሃገርን ህዝብን ብዘይ እዚ ዕቑር ጸጋን ክእለትን ክምዕብሉ ኣይክእሉን እዮም። ወላ ብሃውሪ ዝፈከርና እንተፈከርና፣ ካብ መንደላይ ሓሊፍና ንጉስ ኮብራ ኢና እንዳበልና ህዝቢ እንተኣስከርና እውን እንተኾነ። እዚ ባሕረ መኽዘን ዕቑር ጸጋን ተኽእሎን ብዝግባእ ክተሓዙን ንዝያዳ ጥቕሚ ሃገር ብዘደንፍዕን ዘሕይልን ብልሓታትን ቅድታትን ንኽህነጹ መኣዲ ምፍጣርን ምውዳድን ግድነታዊ እዩ። ብኸምዚ ተግባራዊን፣ ክልሰ ሓሳባውን ሞያን ስነፍልጠትን ክጥረ ይግባእ፣ ንሱ ስለዘዋጽእ።

ነዚ ዕቑር ጸጋን ተኽእሎን ንናቱ ሓይልን ዝናን፣ ንሕሱም ውልቀ መላኽነት ከውዕሎ ዝህቅን በዓል ሓይሊ ግን ጽባሕ ንጉሆ እቲ ዕንወት ኣብቲ ውጹዕ ተበዳሊ ሓፋሽ ጥራይ ዘይኮነ ዝድረት፣ ንዕኡ ነቲ ተበላጻይን ገባታይን እውን እዩ ብሕሱም ዝልብልቦ። ንጊዜኡስልጣን ኣለኒ፣ ሓይሊ ኣለኒ፣ ብሒም ዝበለ ይተሓጎም እንዳበለ ዝህድድን ንህዝቢ ዘዕኑን ድማ ውዒሉ ሓዲሩ ዋጋ ክፉእ ተግባሩ ከምዝፍደ ፍሉጥ እዩ። ናይ ጊዜ ሕቶ ጥራይ እዩ። ነዞም ነማሓድረኩም ኣለና ዝብሉና ዘለው ሰባት ድማ ብትሕትና ብኸምዚ ከነዘኻኽሮም ግዴታና እዩ። ሓፋሽ በቲ ዝድለ ስፍሓትን ዕምቈትን ዘየሳተፈ መንግስታዊ ምሕደራ ዕዳ ሃገር እዩ። ንግዚኡ ኩሉ ገቢትካ ንሓፋሽ ህዝቢ ክትዕምጽጽ፣ ክተደንቁር፣ ከተዕሹ፣ ከተታልል፣ ክትፈላሊ፣ ክትእስር፣ ወዘተ ትኽእል ኢኻ። እቲ ውጽኢቱ ግን ፍሉጥ እዩ፣ ናይ ሃገርን ህዝብ ጥፍሽና (bankcraptcy) ምስቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ጉድኣቱን ምምጻእ እዩ። ንመን እዩ እሞ ክምሕር?

ኣብዚ ነቲ ዝምልከቶ ከተሓሳስቦ ዝደሊ ድማ እዚ እዩ። ክልተ ምርጫታት ኢየን ኣብ ቅድሜና ተገቲረን ዘለዋ። እዚአን ድማ፡ ወይ ነቲ ዝመጽእ ወለዶ ዝጠቅም ስራሕን ተመኩሮን ገዲፍካ ብሕጊ ተፈጥሮ ምሕላፍ ወይ ድማ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ዝሕመረቱ ሕማቕን ሃሳይን ኣዕናውን ሓድጊ ገዲፍካ ምሕላፍ። ንህዝቡ እሓልን እፈቱን ዝብል ናይ መንግስታዊ ምሕደራ መሪሕነት፣ ነታ ቀዳመይቲ ህዝባዊት ምርጫ ኢዩ ዝደሊ። ግን ድልየትን ክውንነትን ነንበይኖም ክኾኑ የብሎምን። ክሳነዩ ኣለዎም። ዝምልከቶ ኩሉ ነዚ ብዕቱብ ክሓስበሉ እላቦ። ተስፋይን ምንዮተይ ድማ ምእንቲ እቲ መንእሰይ ወለዶ እቲ ዘይንቡር ናብ ንቡር ክምለስ ከምዘለዎ ጸቒጠ ምትሕስሳብ እዩ። ሃገርን ህዝብን ምፍታው ድማ በዚ ዕቱብነት ኢዩ ዝምዘን።

ቀጻሊ ውግእ፣ ዕንወት፣ ድኽነት፣ ስደት፣ ጥፍኣት ይፈጥር። ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ፣ ወይ ዓመት፣ ወዘተ፣ውልዕ ውልዕ ዝብላ ዝነበራ ከም በዓል ዩክረይን ዝእመሰላ ሃገራት እንታይ ኮይነን ኣለዋ። 600 ኪሎ ሜትር ምስዝዳወበና ህዝቢ ትግራይ ተተፋኒናስ ከመይ ጌርና ኢና ክንስልጥን ንሓስብ። እዚ ክውንነት ድዩ? ህዝቢ ክጠፍእ ይኽእል ድዩ? ነባራዊ ታሪኽና እሞ ንፈትሾ። ጽልኢ ካብ ምዝራእ፣ ናብ ንቡር ኩነተ ኣእምሮ ንመለስ። ናይ ጽልኢ ዕንደራ ረመጽ ድማ እቲ ሓፋሽ ህዝቢ እዩ ክጸሮ ዝግደድ እሞ፣ እቶም ለባማት ኤርትራውያን ይሕሰብሉ ጽባሕ ዘይኮነስ ሕጂ። ነገራት ክለዋወጥ ጊዜ ኣይወስድን እዩ። ነቲ እትደልዮን ብዘሌቐታ እትዕወተሉ ዘኽእለካ ናይ ሓባራዊ ህዝባዊ ረብሓታት ዝሕመረቱ፣ ኣገባባትን ኣማራጺታት ስለ ዘሎስ ጸማም ሓደ ደርፉ ዘይምዃን።

ከምቲ ኣቶም ክቡር ደቡብ ኣፍሪቃዊ በዓል ናይ ሰላም ኖቬል ተሸላሚ ተቓላሳይ ኣቡነ ደዝሞንድ ቱቱ ኣብ ሩዋንዳ ምስበጽሑ ዝበሉዎ እጠቕስ “ህዝብታትን፣ ዓሌታትን፣ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ኣነ እበልጽ፣ ኣነባ እንዳበሉ ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ እንዳተዳራረቡ ኣብ መጨረሻን መዕለቢ ዘይብሉ መከራን ጥፍኣትን እዮም ንህዝብታትቶም ዘትርፉሉ ኢሎም። ብሓቂ ንለባም ኣምተሉ ኣበይ ከይስሕቶ፣ ንዓሻውን ኣጥቢቕካ ንገሮ ክስወጦ (ክርደኦ) እዩ። እቲ ንቀጻልነትን ምዕባለን ስውድናን ህዝቢ ኤርትራ ዝሓስብ፣ ሓቀኛን ለባምን ሃገራዊ፣ ነዚ ንርእዮ ዘለና ናይ ስነ ኣእሙራዊ ንድየት ዘምጸኦ ሓጎጽጎጽን ፕሮፖጋንድዊ ዕብላኸ፣ ዋእ፣ ከመይ እዩ እዚ ነገር እንዳበለ ብንጹህ ኣእምሮኡን፣ ብልበ ብርሃኑን ከስተንትኖ ንዕኡ አገድፈሉ።

እንደገና ኣብዚ ብኽልተ ሕንጻጽ ሓንጺጸ ክብሎ ዝደሊ ድማ፣ ነቲ ሓፋሽ ህዝቢ ብፍላይ ነቲ ብዙሕ እንጽበዮ መንእሰይ ወለዶ ከምዚ ኢኻ፣ ከምቲ ኢኻ፣ ሰማይ ክትሕንፍጥ ትኽእል ኢኻ፣ ፍሉይ ኢኻ፣ ኩሉ እትኽእል ጸሊም መልኣኽ ኢኻ፣ ወዘተ፣ እንዳበልካ ብዳንኬራን፣ ፕሮፖጋንዳን፣ ታህዲዳትን ወዛል ቃላታትን ኣንዳተጠቐምካ ዝግበር ዘሎ ናይዚ እዋን እዚ ፍሉይ ዘይውድዓዊን ዘይክውንነታዊን፣ መጠኑ ዝሓለፈን ዘመተ ዘምጸኦ ዘይሓላፍነታዊ ተግባርን መዘዙን እዩ።

እቲ ዘገርም ድማ ሃገራዊ ፈስቲቫል ክባሃል ከሎስ ንጽል ዓላማ (monolotic objective) ጥራይ ድዩ ዘለዎ? ሃገራዊ ፈስቲቫላት ክባሃል ከሎስ፣ ህዝቢ ኣብ ምዕባለ መበቆል ሃገሩ ዘሎ ኩነታት ክፈልጥ፣ ዝተፋላለዩ ውልቀ ሰባትን ውዱባትን ዝተፋላለየ ኣታሓሳስበኦም ዝማያየጥሉ፣ ብክኢላታት ብኸመይ ከም ዝሕግዝን ዘበርክትን ኣፍልጦን ኣስተምህሮን ምሃብ፣ ናይ ባህሊታትን፣ ናይ ወፍሪ ዕድላት ብዝምልከቶም ኪኢላታት ምፍላጥንምልላይን፣ ወዘተ፣ ወዘተ እዩ። ጌርና ዝባሃል እንተኾይኑ ኣይምጥንን እዩ ከምዝተዓዘብናዮ። ግን ካብ ተጀሚሩ ስጋብ ዝውዳእ ኣብ ነባሪ ጽልኢ ንምዝራእ ዘይተኣደነ ናይ ህዝቢ ሃብትን ጸጋን ኣፍሲስካ ሆ ምባልስ እንታይ ክባሃል ይካኣል? እቲ ውጽኢቱኸ እንታይ ዓይነት ንድየትን ነባሪ ቅርሕንቲ እዩ ከኸትል?ካብ ኩሉ ዘሳቕቕ ድማ ናይ ክቱርን ዘላቕን ጽልኢ ናይ ምስዋር መናውራታት፣ ንለፍሊፎም ሓደርቲ ዓዲምካን ኣምጺኢካ፣ ኣብቲ ብዙሕ ቁምነገር ክግበረሉ ዝግባእ ህዝባዊ ፈስቲቫላት ኣብ ሞንጎ ናይ ቀረባ ጎረቤት ህዝብታት መርዚ ምዝራእሲ ምስ ምንታይ ይቑጸር? እቲ ለባም ህዝቢ ኤርትራ እውን ይዕዘብ እዩ ዘሎ። ዋእ፣ ኣዚ ከም ናይዚ ሎሚ ድንቁርናን ጽላለን ከም ፍሉይ ህሞት ተቖጺሩ ዝዝከረሉን ዝሕፈረሉን ዝጠዓሰሉን ጊዜ ከምዝመጽእ ር
May 12, 2021
ኣድማዕነት ብፍልስፍና ኣድላይነትኣየ ወዲ ሰብ! ክበልሕ ክህርኩትን ሓያልን እዩ ብተፈጥሮ
ዝውንንዩ ብሉጽ ክእለት ወ ፍልጠት ምስ መሃዝነት ተመኩሮ
ክውጥነሉን፣ ክሰርሓሉን፥ ከፍርየሉን፣ ከድማዓሉን ኣብዝተዋፈሮ
እወ በቲ ኩሉ ተኽእሎ ስነፍልጠት ስነ ቁጠባ ምስ ስነ ኣእምሮ
ብቕጻሊ ይባላሓት ይምህዝ ይሓስብ ንኹሉ ዝደልዮ ንመነባቦሮ

ወዲ ሰብ ጥበበኛ እዩ ይእምት ይትልም፣ የተግብር ብብቕዓት
ብዕቱብ ክዋሳእ፣ ክነጥፍ፣ ዝኽእል በቲ ዝድለ ጥርኑፍ ኣላይነት
ዝምራሕ ብኹሉ መዳያዊ ኣምርን ኣድላይነትን ምስ ኣድማዕነት
ምህርቱ ይስስን፣ ይጽብቕ፣ ይሕይል፣ ይበዝሕ ብኹሉ መኣዝናት
ፍረ ጻዕሩ ይረክብ፣ ይሓፍስ፡ ብሉጽ ውጽኢቱ ይኸውን ብኻዕበት

ወዲሰብ ወናኒ ልዑል ፍልስፍና እዩ፡ ከም በዓል ድርብ ብልሒ
እወ ምእንቲ ክኽውን ናይ ምዕባለ ኣንፈት፡ ሓባሪ ቀላሲ መራሒ
ብምኽሪ ብኣእምሮን ብጥበብን ዝላፈን፡ ምስ ናይ ምህዞ መሳርሒ
ምስ ዘዋደዶን ዝኣርነቦን ብሉጽ ናውቲ ማእቶት ንክኸውን ተረባሒ
ሓንጎል ወዲሰብ ሪቕ ዕቑር ጸጋታት እዩ፡ ንምዕባለ ሃንዳሲ ሰራሒ
ሕፍንቲ እኳ ዘይተላዕሎ፡ ነቲ ዓርሞሸሽ ዝተዓደሎ ባህርያዊ ብልሒ

ብቐጻሊ ንስራሕ ንጽዓር ንምሃዝ ነበርክት፡ ንዘለኣለም ከም እንነብር
ኣይንዘንግዕ ከኣ፡ ጽባሕ ክንመውት ከምእንኽእል ብሕልና ንዘክር
ኢሎም መኺሮም ህርኩታት ጀርመናውያን፡ ንሕጊ ተፈጥሮ ብዘነጽር
ንስማዓዮም ድእ መሃዝቲ እዮም ጻዕረኛታት፡ ኣብነት ጽዒሩ ዝነብር
ለባምን ኪኖ ሓጹር ዘሕስብ ናይ ተመኩሮ ብሂል እዩ፡ ሕልና ዘህጥር
ምዕባለ ቀጻሊ ምዃኑ ብፍላይ ዝእምት፣ ዝገልጽ ከምኡውን ዘዘኻክር

እወ ነውጻኣዮ ድኣ ብኹሉ መኣዝናት፡ ናብ ኩሉ ዓውሎማዊ ቅርዓት፥
ነቲ ብባህርያዊ ዝተዓደለ፡ ናይ ወዲሰብ ዘይተኣደነ ዓርሞሸሽ ብቕዓት
እይንድከ፣ ኣይንደንቁር፣ ኣይንጥመ፣ ንጠቐመሉ ነቲ ዘለና ዕቁር ፍልጠት
ንፍለጦ ድእ ከም ደቂ ሰባት፡ ብሰፊሑ ስለ እንውንን ሰፊሕ ዓቕምታት
ንጠቐመሉ ድኣ ናብራና ክማሓየሽ ጥዕናና ክሕሎ፡ በቲ ዝድለ ብልሓት
ብፍላይ ንዓኹም፡ ናይ ጽባሕ ተስፋ ሃገርኩም ዝኾንኩም መንእሰያት
እወ መንእሰያት፡ ናይ ሎሚ ዕምባባ ናይ ጽባሕ ኣማሓደርቲ ኣፍረይቲ
ኣጆኹም ተባላሓቱ ንፍዑ ተማሃሩ፡ ክትኮኑ ብቑዓት ሃገር ተረከብቲ
ንቑሓት ኴንኩም ርብሑሉ ክሰቡሉ፡ ተጠቐሙሉ ነቲ ዕቑር ሃብቲ
እወ ነቲ ዘለኩም እንደግና ዘይርከብ ወርቃዊ ጊዜ፡ ክትኮኑ ተዓወትቲ
ሃየ ክሰቡላ፡ ትሓልፍ ኣላ እታ ዳግም ዘይትርከብ ጊዜ፡ ሓባራዊት ሃብቲ
እወ እታ ቂም ቂም ትብል ካልኢት፣ እታ ደቒቕ እታ ሰዓት ወ መዓልቲ
ኣይትኽዘን ኣይትወድቕ ኣይትጸንሕ ኣይትጽበ፡ ትሓልፍ ዘላ ጊዜ ክብርቲ

ኩሉና ዝምልከተና ከምኡውን ክእለት ዘለና፡ ወለዲ ምስ ሃገር እነማሓድር
ነወንዝፎ ጉዳይ ኣይኮነን፡ ዓቢ ሓላፍነትን ሕድርን ኣለና ዝግባእ ክንገብር
ብዕቱብ ተረዲእናን ነቒሕናን፡ መንእሰይ ምዃኑ ናይ ጽባሕ ተረካብ ሃገር
ንሓግዞ ድኣ ብኹሉ ዓቕምና፡ በቲ ዝድለ ክስልጥን፣ ክረብሕ፣ ክዕንትር
ብብቕዓትን ብኽእለትን ብፍልጠት ብሞያን፡ ተኽእሎ ወኒኑ ሃጢሩ ክነብር
በቲ ዝድለን ብዕቱብን ክኽሸን ክዳሎ፥ ስነ ፍልጠታዊ ተኽእሎ ክዓትር
ብጽፉፍ ብስሉጥ ክጥቀም፡ ካብ ብቐጻሊ ዝውሕዝ ዓውሎማዊ መስተንክር

ነበርክት ኩሉና ብዝግባእ፡ ሃገርና ክትስልጥን ክትሕምበብ ክትህብትም
እወ ዜጋ ንክቋደስ፣ ካብቲ ዓውሎማዊ መኽዘን ፍልጠት ንኹሉ ብዝጥዕም
እወ ሓፋሽ ምስ ዘበርክትን ዝነጥፍን፡ ብምሉእ ሓይሉ ንሽግር ምስ ዝገጥም
ምዕባለ ሃገር ይሕምበብ፣ ይቕጽል፣ ይስውድ፣ የድምዕ ብዘሕጉስ ንለባም
ናይ ነፍሲወከፍ ዜጋ ኣስተዋጽኦን ኣበርክቶን እዩ፡ ንሃገር ዘሀብትም

ባሃማት ኣይንኹን ንፍለጦ ድኣ ሓፋሽ እዩ ዝፈጥር፡ ናይ ህዝብን ሃገርን ብቕዓት
ንሓፋሽ ነማዕብሎ ነበግሶ ነተሓባብሮ ንጽዓረሉ ነተባባዓዮ፡ ንኸርእየና ተኣምራት
ሃገርን ህዝብን ክስልጥኑ ክውደሱ፡ ነበር ክኽውን ድኽነት ከም ኣብነት ዕውታት
ክንከውን ኣብነታውያን ከምቶም ኣናብር ምብራቕ ኤስያ፡ ብኹሉ ውሕሉላት
እወ ኣይንኽሰሮ እቲ ዘይተኣደነ ናይ ወዲ ሰብ ፍልጠት፣ ዓቕሚ ምስ ብልሓት።

ዶ/ር መንግስተኣብ ተስፋዮሃንስ

December 20, 2019
መእተዊ
ብዙሓት ግዱሳትን ለባማት ፈላጣትን ኤሪትራውያን ሃገራውያን ኣብ ብዙሕ ማሕበረ ቁጠባዊን፣ ፖሊቲካዊን፣ ባህላዊን፣ ታሪኻዊን፣ ተርእዮታት ወዘተ ኣተኲሮም ብበሊሕ ኣእምሮ ይዋስኡ። ብቐጻሊ ድማ ብዙሕ ሃናጺን፣ ኣገዳስን፣ ርሑቕ ዝጠመተ ምኽርን፣ ትንተናን፣ ለበዋን ይህቡናን፣ ይሕብሩናን የስተምህሩናን ኣለው። እቲ ቀንዲ ዓላማ ድማ ምእንቲ ስልጥንትን፣ ብልጽግትን፣ ምዕብልትን ሃገር ንምፍጣርን ንምውናንን እዩ።  ብተወሳኺ ድማ ንኹሉ መዳያዊ ጸጋታትን ተኽእሎታትን ሃገሩ ብላዕለዋይ ኢድ ብብቕዓት ዝወነነ መሃዝን ዕውትን ህዝቢ ንሓዋሩ ነታ ሃገር ምእንቲ ክህልዋ እዩ። ኣብዚ ኣነ ብሕጽር ዝበለ ክዝትየሉ ደልየ ዘለኹ ድማ ብዛዕባ እቲ ብናእሽቱን ስድራ ቤታዊ ትካላት ዝፍለጥ (Small and family businesses or ventures) ኣካል ናይ ብሕታዊ ጽላት ቁጠባ ሃገር እዩ።  እዚ ክፍለ ጽላት እዚ ናይ ብሓቂ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክነሱ ስጋብ ሕጂ ኣብ ኤርትራ እቲ ዝግባእ ኣቓልቦ በቶም ዝምልከቶም ዝተሓረመ ወይ ድማ ዛጊት ዘይተዋህቦ እዩ።  ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ፣ እዚ ክፍለ ጽላት ቀንዲ መንኮርኮር ዲናሚካዊ መስርሕ ምዕባለ ሃገራዊ ቁጠባ ኢዩ። ተራ ናይተን ንኣሽቱን ስድራቤታውያንን ትካላት  ኣብ ኩለን ቁልጡፍ ምዕባለ ንምምዝጋብ ብዕቱብ ዝነጥፋን ዝጽዕታን ዘለዋ ሃገራት ዕዙዝ ኢዩ። ኣዚ ዘመልክቶ ድማ እዘን ትካላት ኣዚኤን ኣብ ናህሪ ኩሉ መዳያዊ ሃገራዊ ምዕባለ ብፍላይ ድማ ቁጠባዊ ብራኸን ዘለወን እጃም መዳርግቲ የብሉን።

ኣብ ብዙሓት መጽናዕትታን ምርምራዊ ስራሓትን ብንጹር ከም እተግልጸ፣ ካብ ብሕታዊ ቁጠባ ሃገር ብገፊሑ፣ እጃም ናይዘን ንእሽቱን ስድራ ቤታዊን ትካላት ካብ ተስዓ ሚእታዊ ንላዕሊ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ዝማዕበላን ከምኡውን ኣብ ምምዕባል ዘለዋን ሃገራትን ክውንነትዊ ተርእዩ እዩ።  እዘም ዝተጠቕሳ ትካላት ድማ ኣብ ሃገራዊ ቁጠባ ዝፈጥረኦ ናይ ስራሕ ዕድላትን፣ ማእቶታዊ ኣድማዕነትን፣ ድንፋዔ ሰብኣዊ ጸጋን ተኽእሎን ድማ ወሳኒ እዩ። ዓርሞሸሽ ኣብርክቶአን ኣብ መስርሕ (ከይዲ) ሃገራዊ ህንጸት ከኣ ዕዙዝ እዩ። ኣስተዋጽኦ ናይዘን ትካላት ብሓፈሻ ኣብ ድንፋዔ መሃዝነትን ማእቶታዊ ንጥፈትን ሓፋሽ ህዝቢ (grassroots) ድማ ፍሩይን ሓያልን እዩ። ብተወሳኺ፣ ኣበርክቶን ተራን ናይዘን ትካላት ኣብ  ምስፍሕፋሕን፣ ምስራጽን ተግባራዊ ሞያዊ ክእለትን ምልከትን ኣብቲ መንእሰይ ወለዶ ወሳኒ እዩ።  እዚ ከኣ ብጭብጢ ኣብተን ኣብ ዓለምና (እንኮላይ ኣብ ኣፍሪቃ) ዘለዋ ኣብነታውያን ሃገራት ጐሊሑ ይረአ ኣሎ። ብቐጻልነትውን ካለኦት ብዙሓት ሃገራት ካብተን ዝተዓወታ ኣብነታውያን ሃገራት ትምህርትን ተሞክሮን ብምውሳድ ብዘተዋሃሃደን ዝተዋደደን መርሓ መንገዲ (Roadmap) ነዘን ትካላት እዚኤን ንምድንፋዕ ብቐጻሊ ይነጥፋ ኣለዋ። ርሑቅ ከይከድና ካብ ኣፍሪቃ፣ ከም ባዓል ጋና፣ ሞዝምቢክ፣ ሩዋንዳ፣ ኡጋንዳ፣ ሰነጋል፣ ኮት ዱቯር፣ ከንያ፣ ግብጺ፣ ሞሮኮ ወዘተ ይጥቀሳ። ስለዚ ነዘን ትካላት ቀዳምነት ሂብካ ምትብባዕን፣ ሓጋዚ ትሕተ ቅርጽን ልዕለ ቅርጽን ኣዋዲድካ በቲ ዝከኣልን ዝድለን ምምዕባል ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ። ብዘይ ዝኾነ ምስምስ፣ ውዓል ሕደር ዘየድልዮን ቀዳምነት ክዋሃቦ ዘለዎ ግድነታዊ ሃገራዊ ዕማም እዩ።  ኣድለይቲ ዓቕምታትን ጸጋታትን ሃገር በቲ ዝድለ መቓንን ዝከኣል ወፍርን ተበግሶን ክህነጽን ክስውድን እንተድኣ ዝድለ ኮይኑ፣ ኩሉ መዳያዊ ናይ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዘሎ ሓፋሽ ህዝቢ ተሳታፍነት፣ ናይ ፖለቲካዎ ኣራኣእያ ብዘየገድስ፣ ክጉሰ የብሉን። እዚ ምስ ዝግበር እዩ እቲ ኩልና እንትምነዮ ኩሉ መዳያዊ ምዕባለ ሃገር ብሕኑን ፍጥነት ክምርሽ ዝኽእል።

ኩነታት ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ንእሽቱን ስድራቤታዊን ትካላት

ንዋኒነ ንግድን ትካላዊ መሃዝነትን ኤርትራውያን በቲ ውድዓዊ ዓቕሚ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ብዙሕ ጊዜ ዝደጋገም ብሂል ኣሎ። ኤርትራውያን ብፍላይ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ከም ባዓል ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ኬንያ፣ ኣንጎላ፣ ኡጋንዳን፣ ወዘተ ብዙሕ ይነጥፉን ኣብ ብዙሕ ትካላዊ ዋኒናት ይዋስኡ ኔሮምን ኣለውን ተባሂሉ ብኹርዓት ክንገርን ክጋዋሕን ንሰምዕን ንዕዘብን ኢና። ብመንጽር ንህዝብና ዝህቦ ጠቕሚ ክምዘን ከሎ ግን ብዙሕ ዘተሓሳስብ ኢዩ። ካብ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ወጻኢ ኰንካ ምውንጫፍ፣ ኣብ ሃገርካ እቲ ቀንዲ ትካልካ ደኲንካ ክትነጥፍ ተመራጺ እዩ። ከከም ኣድላይነቱ ብዝኽፈት ዕድላት ድማ ኣብ ካለኦት ሃገራትውን ብዝተኻእለ መጠን ማልካን (ካፒታልካ) ትካላዊ ክእለትካን ኣብቲ ከርባሓኒ ይኽእል እዩ ኣትብሎ ካብ ሃገርካ ወጻኢ እውን ክትነጥፍ ትኽእል። ግን እቲች ሱርካ ኣብ ዓድካ ክኸውን ኣለዎ። ግን ተሓግሒካ ካብ ዓድኻ ወጺኢካስ ኣብቲ ዘለካዮ ሃገር ኮንካ ከተስፋሕፍሕን ክትንቃሳቐስን፣ ከተመስርሕን ከምኡውን ኣብ ዋኒነ መሃዝነት (Entrepreneurial Innovation) ክትነጥፍን ከለኻ ይከኣል እዩ ግን ንሃገርካ ከምቲ ዝድለ ኣይርብሕን።  ነቲ ዓድኻን መበቆልካን ዝኾነ ሃገር ብዙሕ መዳያዊ ሃስያ ኣለዎ። ዛጊት ውጽኢትን ኣሉታዊ ጽልዋታቱን ድማ ብግሉጽ ኣብ ቁጠባ ኤርትራ ንርእዮ ኣሎና። ንዝኾነ ትካላዊ ምንቅስቓስ ወይ ንጥፈታት ናቱ ንድሕሪትን ንቕድሚትን ተመጢጡ ዝተሓሓዝን ዝዋሃሃድን ኩሉመዳያዊ ቁጠባዊ ርክባትን ተኣሳሰርነትን ኣሎዎ (backward and forward economic link and interaction)። ንኣብነት ሓደ ናይ መገጣጠሚ ትካል ምስ ዝምስረት ወይ ዝጣየስ፣ ነቲ መስርሕ ዘድሊ ቀረባት ዘመስርሓ፣ ዘዳልዋ ከምኡውን ዘቕርባ ተማላላእቲ ትካላት ከድልያ እየን። ነቶም ኣብተን ትካላት ዝዓዩ ሰራሕተኛታት እውን ንመነባብሮ ዘድልዮም ኩሉ ዘቕርባ ኣመስራሕትን ወሃብቲ ኣገልግሎትን ትካላት ክህልዋ እየን። ከምኡ እንዳበለ ድማ ንኩሉ መዳያዊ ቁጠባ ሃገር ብቀጻልነት ብዘህጥር ኣገባብ ይቕጽል። ስለዚ ናይ ትካላዊ መሃዝነት ብቕዓትን፣ ተመኩሮን ከምኡውን ዕቑር ጸጋን ክእለትን ዝውንኑ ኣብ ሃገር ምስ ዘይህልው ንኹሉ መዳያዊ ምዕባለ ቁጠባ ሃገር ኣዝዩ ጐዳኢ እዩ። እቲ ምህሰይቲ ድማ ናብቶም ተስፋ ዝንበረሎም ተካእቲ ወለዶ ክበጽሕ ይኽእል።  እዚ ድማ ጎሲኻ ዝሕለፍ ኣይኮነን።
ከም እንፈልጦ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣን ክሊማዊ ኣቀራርጻን ምድሪ ኤርትራ ኣዝዩ ተባሃጊ እዩ። ካብ መበል 18 ክፍለ ዘበንን ቅድሚኡን  ጀሚሮም ገዛእቲ ሓይልታት ብተዳጋጋሚ ኣርዑት መግዛእቶም ንኽጸውር ግዳይ ምዝመዛኦም ንኽኸውን ንህዝብና ኣገዲደሞን፣ ኣዋርዶሞን፣ ድሂኸሞን እዮም።  ርግጽ ኢዩ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብኣጠቓላሊ ክምዘን ከሎ ኣብቲ ግዝኣቱ ነበር ዝገድፎ ብዙሕ መዳያዊ ክፉእን ሕማቕን ውርሻዊ ተርእዮ ኣብ ቦትኡ እንዳሃለወ፣ ግን ሓደ ሓደ ኣዝዩ ጽቡቕ ዝኾን ሓድግታትውን ይገድፍ ኢዩ። ንኣብነት ኣብ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ጥልያን ብሰፊሑ ካብ ዝተወርሱን ዝተኣታትተውን ጽቡቕ ሓድግታት ሓደ-መንቋሕቋሕታ ናይ ንኣሽቱን ስድራ ቤታውን ትካላዊ (ወይ ዋኒናዊ) መሃዝነት (Small and familty Businesses and Entrepreneurial Innovation and acumen) ኢዩ። እኹል ኣብነታት ናይዚ ሕላገታት ብቐሊሉ ኣብ ኤርትራ ይረኤ ኔሩ እዩ።
ህዝቢ ጥልያን ካብ ነዊሕ ጊዜ ኣትሒዙ ብቐንዲ ዝፍለጠሉ ማዕበያን ባህላዊ ኣምርን ኣለዎ። ንሱ ድማ ምውናን ክእለትን ብቕዓትን ኣብ ንኣሽቱን ስድራቤታዊ ትካላዊ (ዋኒናዊ) መሃዝነት ኢዩ ። ኢጣልያዊያን ወለዲ ንደቆም ካብቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ከይዶም ዝመሃርዎ ዝያዳ ኣብ ገዛ ዝምህርዎም ተግባራዊ ስነ ጥበባትን መሃዝነታዊ ክእለታትን ይበዝሑ። ንኣብነት እቶም ወለዲ ኣብ ስርሓት ንግዲ ዝነጥፉ ወይ ዝተዋፈሩ እንተኾይኖም፣ ነቶም ደቆም ገና ብንእስነቶም ከለዉ በቲ ዝግባእ ስልጠናዊ መንገዲን ተግባራዊ ተመኩሮን ከምዝዋስኡ ይገብሩ እዮም። ብተግባር ድማ እቲ ንነዊሕ ጊዜ ዝሰልጠንሉን ዝዓበይሉን ተግባራዊ ሞያ ናብ ደቆም በቀጻሊ ከም ዝሰርጽ ይገብሩ። ኣብ ኤርትራውን ብትሑት ዓቕሚ ድኣ ይኹን እምበር እዚ ሞያዊ ባህሊ’ዚውን በብደርጅኡ ይዓኩኽን ይትግበርን ከምዝነበረ ይፍለጥ። ዋኒናዊ መሃዝነትን ኢደ ጥበባዊ  ክእለትን ካብቲ ዝዓበየ ስጋብ’ቲ ዝነኣሰ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኬድካ ኣብ ክፍሊ ኮፍ ኢልካ ተማሂርካ ዲፕሎማን ዲግሪን ዓቲርካ ጥራይ ዝውነን ዝመስሎም ብዙሓት ሰባት ኣሎው። ዋኒናውን ሞያውን ክእለት ዝጥረን ዝሰርጽን ካብ ብዙሕ ረቛሒታት ኢዩ። ካብ ልምድን ተሞክሮን፤ ከባብያዊ ጽልዋ፣ ሓድግታት፣ ሓፈሻዊ ስነ-ፍልጠት፣ ከምኡውን እቲ ፍሉጥ ስሩዕ ሞያዊ ስልጠና፣ ወዘተ። እንተስ ብማዕበያ፤ እንተስ ብውርሻ ንሕና ኤርትራዊያን’ውን ብኢደ-ጥበባዊ ዋኒነ ስራሓት ብልጫታት ኔሩና ኢዩ ብመንጽር ከባቢና ክረኤ እንከሎ ማለት ኢዩ። ናይዚ ሓቅነት ዝምስክሩ ብዙሓት ታሪኻዊ ጭብጥታትን ውጺኢታትን ኣለው እንተላይ ኣብ ሓርነታዊ ቃልስና። እንተኾነ ኣብ ዝሓለፉ 28 ዓመታት ንምዕባለ ንኣሽቱን ስድራ ቤታዊ ትካላት ብመንግስታዊ ምሕደራ ዝተወስደ ብቑዕን ኣድላይን ስጉምቲታት ከምቲ ዝድለ ዘዕግብ ኣይኮነን። እዚ ኣብ ቀጻሊ ምድኻም እዘን ንኣሽቱን ስድራቤታዊ ትካላት ኣሉታዊ ኣስተዋጻኦ ብቐጻሊ ይገብር ኣሎ። እዚ ዘይቅቡል ዝሕታለ ድማ ነቲ ዝመጽእ ሃገር ተረካቢ ወለዶ ብብዙሕ መዳያት ጐዳኢ እዩ። እቲ ከም ወራሲ ኮይኑ ነቲ ስድርኡ ዝገደፍሉ ትካል ከማዕብል ዝግብኦ መንእሰይ ወለዶ ክወርስን ዋኒናዊ ሓድጊ ወለዱ ብዚያዳ ከማዕብልን፣ ዕድል ኣይረክብን ዘሎ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ድማ ጉድእቱ ንሃገርን ህዝብን ፍሉጥ እዩ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብዘለው ሃጓፋትን፣ ዘየተባብዑ ደፋእቲ ረቛሒታትን (Internally instigated push factors)፡ ከምኡውን ካብ ሃገር ወጻኢ (ብፍላይ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት) ብሕልማዊ ምቁር ሕብስቲ ዘወናዉኑ ሰሓብቲ ረቛሒታት (Externally instigated pull factors) ምኽንያት ብዙሓት መንእሰያት ብብዝሒ ነታ ዝፈትዉዋ ዓዶም ራሕሪሖም ስለ ዝተሰዱን ዝተበታተኑን፣ እተን ንኣሽቱን ስድራ ቤታውያን ትካላት ንግዲ ርኡይ ጉድኣት እዩ በጺሕወን።  ካብቶም ትጉሃት ወለዲ ናብቲ ዝመጽእ ወለዶ ብምምሕልላፍ እንዳ ዓበያን እንዳ ሰሰናን ኣብ ክንዲ ዝኸዳን፣ ንሃገራዊ ማሕበረ-ቁጠባዊ ዕቤት በቲ ዝድለ ዘበርክታን፣ ብኣንጻሩ ብዙሓት ካብአን በሪሰንን፣ ነድዬንን፣ ተዓጽየንን ከምዘይነበራ ኮይነን ኣለዋ። ብሓቂ ብውድዓውነት ክምዘን ከሎ፣ ከቢድ ሃስያ እዩ። ዛጊት ኣብ ባይታ ኣምጺኡዎ ዘሎ ጉድእት እውን ከቢድ እዩ።
እቲ ናይ ጽባሕ ተረካቢ ሃገር ዝኾነ መንእሰይ ወለዶ ብዝለዓለ ብቕዓት ተኸሺኑን ተዳልዩን ከምኡውን ካብቲ ቀጻሊ ዝኾነ ናይ ሕኑን ማዕበላዊ ግስጋሰ ሰኒቑን፤ ካብቲ ዓውሎማዊ መኽዘን ፍልጠት ከምቲ ዝድለ ተቛዲሱን፤ ካብኡ ተጠቒሙን እንተዘይዓብዩ፣ ብቕዓቱ ይውሕድ። ዝገብሮ ኣስትዋጽኦ እውን ምህሙን ይኸውን። ነተን ወለዱ ዝሃነጽሉን ዘጽንሑሉን ንኣሽቱን ስድራ-ቤታውያን ትካላት ብዝያዳ ኣማዕቢሉን፣ ኣህጢሩን፣ ኣስፊሑን ኣብ ሃገራዊ ቁጠባዊ ህንጸት ፍሩይ ኣስተውጽኦ ክገብር ዕድላትን ተኽእሎታትን ይስእን። ብዝኾነ መንገዲ ድማ ኣየድምዕን። እዚ ማለት ከም ወዲ ሃገር መጠን ኣብ ገዛእ ሃገሩ ብብቕዓት ዓብሊሉ፣ ነቲ ማሕበረ-ቁጠባዊ ጸጋታት ናይ ሃገሩ ከምቲ አብ ኩለን ሃገራት ዝድለ ብላዕለዋይ ኢድ ወኒኑን ኣማሓዲሩን ክነብር ኣይክእልን። እዚ እንተዘይኮይኑ ድማ እቲ ሳዕቤን ንኽትሓሰቦ ዘሰቅቕ ኢዩ። በቲ ሕጁ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝረኤ ዘሎ ብሰንኪ መጻእተኛታት ናይ ተወሪስና፣ ብቑጠባ ተዓብሊልና፣ ተወጊና ዝብል ብዙሕ ሽግርን ዘይምርግጋእን ከየምጽእ ጥንቃቐ ካብ ሕጂ ጀሚሩ ከድልዮ እዩ። እወ ዕቱብ ጥንቃቐ ብሰንኪ ኤርትራ ዝኣተወቶ ሓድሽ መድረኽ።   ነብስና ኣማዕቢልና ኣጋይሽና ንቀበል ዝብል ዓቕሚ ኣብ ሓፋሽ ህዝብና ኣንተዘየስሪጽና፣ እቲ ዝህሉ ሕማቕ ኣማራጺ ድማ ንኻሎኦት (መጻእተኛ) ሰብ ዓቕምን፣ ሃብትን፣ ብሉጽ ፍልጠትን ስብሒ ምድርኻ ኣረኪብካ ኣብ ገዛእ ዓድኻ አገለጋሊኦምን ጊሊያኦምን ኮንካ ተረፍ መረፍ መኣዶምን፣ ርፍራፎምን ምልቃም ኢዩ ። ብተወሳኺ ነቶም በሃብቶም፣ ብትካላዊ መሃዝነቶምን ብሞያኦምን ትካላት ክምስርቱን፣ ክነብሩን፣ ክሰርሑን ምስ ዝመጽኡ ወጻእተኛታት ኣውፈርትን ሰብ ላዕለዋይ ሞያን ተወዳዲርካ ካብቲ ጸጋ ሃገርካ በቲ ዝድለ ተቛዳሲ  ንክትከውን ከሸግር ኢዩ። ነዚ ኣንጸላልዩና ዘሎ ሕማቕ ውርሻዊ ተርእዮ (legacy) ንሃገሩን ንህዝቡን ዝሓልን ዝሓምምን ሃገራዊ ከሰክፍ ይግባእ። ኣብ ገዛእ ዓድኻ ናይ በላዒ ስብሒ መሬትካ ተመልካቲ ምዃን ማለት መሪር ሓሞት ብሰፍነግ ምስታይ ኢዩሞ ካብዚ ናይ ዘመናዊ ባርነት ሂወት ኣብ ገዛእ ዓድኻን መረበትካን ይሰውረና።  ንኽስውረና ድማ ኣድላይ ኩሉ መዳያዊ ስጉምቲ ምውሳድን፣ ምጽዓርን ሓባዊ ጻዕሪ ምግባርን የድልየና። እወ ብውድዓውነት ንዘለናዮ ኩነታት ንርእዮ። ሕማቕ ውርሻዊ ተርእዮ የንጸላልወና ኣሎ። ነዚ ዘንጸላልወና ዘሎ ዘሕዝን ናይ መጻኢ ተርእዮ ክንቋጻጸሮን ከንውሕዶን ንኽንክእል ሕጂ ብሓባር ምስ ሓፋሽ ህዝብና ኮይና ንትልሞን ንገብሮን ወሳኒ ቅድመ ኩነት ኢዩ። እዛ ዓለምና ኣዝያ እንዳጸበበት ትኽይድ ኣላ። ህዝቢ ዓለም ነንሕድሕዱ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ይራኸብ ኣሎ ።ንኣብነት ብቁጠባ፣ ብማሕበራዊ ናብራ፣ ብፖለቲካ፣ ብተክኖሎጂካዊ ስነ-ፍልጠትን፣ ብባህሊ፣ ብዶብ ኣልቦ ሓብሬታዊ ተክኖሎጂ፣ ከምኡውን ብኻሎኦት ወሰንቲ ረቛሒታት ክባሃል ይከኣል። እወ ሳላ ዘቀራርበና ዘሎ ዘይተኣደነ ዓውሎማዊ ናይ ሓበረታ ተክኖሎጂ፣ ኩሉ ዜናታትን ፍጻሜታትን ዓለምና ብደቓይቕ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ንኽብጽሓና ኩሉ ትኽእሎ ኣሎ።

ፍልጠትን ሓበሬታን ብቐሊሉ ኣብ ኮምፒተርና ከም ወሓዚ ዛራ ይመጸና ኣሎ። ኮነ እልካ ብመንግስታዊ ምሕደራ እንተ ዝይተሓጺሩ ወይ እንተ ዘይተደልዩ ሎሚ ፍልጠት ንምድላብ ብዙሕ ዘኽፍሎ ዋጋ የብሉን (knowledge is cheap and ubiquitous everywhere)። እቲ ለይትን መዓልትን ክንሓስቦ ዘለና ከም ህዝቢ ድማ፣ ካብቲ ዘይተኣደነ ባሕረ ጸጋ ናይ ስልጣነን ዕብየትን ዓለምና ከምቲ ዝድለ ከመይ ጌሩ ንረብሓሉን ንኸስበሉን ኢዩ። እዚ ማለት ብኸመይ ጌርናኸ ናብ ረብሓና ክንቅይሮ ንኽእል ኢልና ብጻዕቒ ክንሓስብን ብውልቃዊ ይኹን ብእኩብ ክንጽዕረሉ ይግባእ። ናይ ነፍሲ ወከፍና ክእለትን ጸጋን ድማ ተደሚሩ ሃገራዊ ጸጋታት ክምዝፈጥር ፍሉጥ እዩ። ኣቲ ጻዕርናን ተባላሓትነትናን ናብ ቅርዓት ከነውጸኦ ክንክእል ኣለና። ንገብሮዶ ኣለና? ብናተይ ውልቃዊ ትዕዝብቲ፣ ዛጊት ኣይካኣልናን ዝሕታለና’ውን ዘተሓሳስብ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ድማ ብሰንኪ ናይ ነብሲ ወከፍና ዝግባእና ዘይምግባር፣ ናይ መንግስታዊ ምሕደራ ጉድለታት፣ ብቑዕ ሰብ ኣብ ብቑዕ ቦታ ዘይምህላው፣ መጠኑ ዘሓለፈን ዘየድልን ቊጽጽርን ብዘምጸኦ ዘይንቡር ኩንታት ብዝተፈጥሩ ማሕለኻታት ናይ ውልቀ ጻዕርን መሃዝነትን፣ ወዘተ ኢዩ። ኣብዚ ብዙሕ ክጥቀስን ክትንተንን ይካኣል። እዚ ዝሕዝን ኩነታትና ዘምጸኦ ዘሎ ሳዕቤናት እውን ብግሉጽ ንርእዮ ኣለና። ህዝብና ብኹሉ መለኪዕታት ንድሕሪት ተመሊሱ። ዝጠፍአ ዕድላትን ክሳራታትን ደረት ተሳኢኑዎ። ንኣብነት ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፣ ንኣሽቱ ስድራ-ቤታዊ ትካላዊ መሃዝነት ድማ እቲ ቀንዲ ብልጫናን ተዋዳዳሪ ብሉጽነትና ከንርእየሉን ብዘየላቡ ብቐዳምነት (ወላውን ኣብ በተዛማዲ ጽንኩር ኩነንታንት) ከነማዕብሎ ዝግባእ ቁጠባዊ ጽላት ክኸውን ነይሩዎ። እቲ ዘሕዝን ድማ ጥጡሕ ባይታ ዛጊት ዘይምፍጣሩ ድማ ኣቲ ማዕበያዊ ብልጹነትና ብቀጻሊ ነጥፍእ ኣለና። ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልእ ሃገራት ብሰፊሑ ዝተራእየን ዕውት ውጺኢት ዝሃበን ዝህብ ዘሎን ንሕናውን ምረባሕናሉ። ውህሉልን ዝተመስከረሉን ተወፋይነትና እንብሎ እንተድኣ ዘተባብዕ ሃዋሁው ዘይተፈጢርሉ ዋጋ የብሉን። ብኣንጻሩ፣ እዩ ዝኸውን ማለት ምርማስ፣ ምዝሕታል ኣብነት ናይ ሕማቕ ሓድጊ ምዃን። ኣቐዲምካ ምጥንቃቕ የድሊ። ብኸመይ ንገብሮ? ዕዮ ገዛና እዩ።
በሰላ ናይዚ ሕማቕ ሓድጊ ድማ ከምቲ ሓደ ካብ መራሕቲ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ (African National Congress or ANC) ሲርል ራማፖዛ ሕጂ ፐረዚዳነተ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘሎ ዝበሎ ኢዩ። እጠቅስ፡-“ነቲ 400 ዓመታት ዝተወጸዔ ግን ከኣ ብቁጽሪ ብገፊሕ ዝዓብለለ ጸሊም ደቡብ ኣፍሪቃዊ ህዝቢ ብቁጠባ ምሕያል (Economic Empowerment) ዘሸግረና ኣይኰነን። እዚ እቲ ዝቐለለ ኢዩ። ንዓና እቲ ዝዓበዬ ብድሆ ኮይኑና ዘሎ፣ እቲ ንኣስታት አርባዕተ ክፍላተ ዘበን ዝኣክል ነቲ ምስኪን ጸሊም ደቡብ አፍሪቃዊ፣ ምሉእ ሰብ ኣይኮንካን፣ ንዓና ንጸዓዱ ከተገልግል ኢኻ ተፈጢርካ፣ ቁጽሪ፣ ሳይንስ፣ ወዘተ ንክትማሃር ብተፈጥሮ ኣይተዓደልካን፣ ፍርቂ ወይ ሓውሲ ሰብ ኢኻ፣ ብስነፍስጠት ተዓጅብካ ክትምህዝን ከተማዕብልን ዘኽእል ዓቕሚ ክትውንን ብተፈጥሮ ኣይተዓደልካን፤ እንዳተባህለ ብቀጻሊ ዝኾነ ሰራምን ነውራምን ስነ ኣእምሮኣዊ ዘመተ ዝተሓጽበን፣ ዝተዳህለን ከምኡውን ወኑን ርእሰ-ተኣማንነቱን ከምዘጥፍእ ንዝተገብረ ህዝቢ፣ ሱር በተኻዊ ብዝኾነ መንገዲ ነዚ ክፉእን ረማስን ዝኾነ ውርሻዊ ተርእዮ ኣወጊድካ ብኸመይ ርእሰ ተኣማንነቱ ትመልሰሉ ኢዩ።” እዚ ማለት ካብቲ ጻዕዳ ዜጋ ብዘይንእስ ከድምዕን ክዳረግን ይኽእል ኢየ ኢሉ ብምሉእ ርእሰ ተኣማንነት ምእንቲ ክነብር ማለት እዩ። እዚ ንዓናውን ዓቢ ምኸሪ ኢዩ። ሕማቕ ውርሻዊ ሓድጊ ነቲ ዝመጽእ ወለዶ ዓንቃፍን ጐዳእን ከምዝኾነ ፍሉጥ ኢዩ። ዓቕምን ትሕዝቶን (ጸጋታትን) ሃገር ዝድንፍዕ ድማ ናይቲ ውልቀ ሰብ ዓቕምን ዕቑር ጸጋን ምስ ዝድንፍዕ እዩ። ግን እዛ ዝበልናኩም ግበሩ ((Our way or the highway) እትብል ተመዛዚት ሓረግ ዳግም ክሕሰበላ ኣለዎ በቶም ዝምለከቶም።, ንሕና ኢና ክኣልቲ ኩሉ፣ ካባና ዝበልጽ የልቦን። ሕሉፍ ተመኩሮና ዝበለጸ ኢዩ። ባህልና እዩ እንታይ ክወጾ፣ ተዓዊትናሉ ኢና፣ ተኣምር ንሰርሕ ኣሎና፣ ምባል እንተ ኣጉደልናዮ እቲ ዝበለጸን ዝሓሸን ኣማራጺ ኢዩ። ልክዕ እዩ ንሕሉፍ ተመኩሮ ኣድቂቕካ ምፍላጥን ጸጽብቑ ምውሳድ ሰናይን ሃናጺን እዩ። ግን ኣብ ጊዜን፣ መንኮርኮር ምዕባለን ዝተማእዘነ ዳይናሚካዊ መስርሕ ክንጎስዮ ዘይንኽእል ግድነታዊ ናይ ምዕባለ ሕጊ ስለዝኾነ ክንክተሎ ድማ ይግባእ። ኣድማዒ ትካላዊን ዲሞክራሲያዊን መንግስታዊ ምሕደራ ካብ ላዕሊ ስጋብ ታሕቲ ኣብ ዝወርድ ጽፍሕታት ክህሉ ኣለዎ።  ምስ ግዜን ዲናሚካውን ሞዕባለ ተዓጻጻፊ ክኸውን እውን ኣለዎ። እንተ ዘይኮይኑ ድማ ኣብ ክንዲ ኣሳላጢ ዓንቃፊ፣ ኣብክንዲ ንጽቡቕ ውጽኢት ደፋኢ ሓንኳሊ ይኸውን ማለት እዩ።  ስለዚ ምስ ቀጻሊ ለውጥታት ኣሳራርሓናን፣ ምሕደራናን፣ ኣታሓሳስባና ክንልውጥን ከነማሓይሽን ናይ ግድን ይኸውን። ካልእ ኣማራጺ የልቦን ብጀካ ንነብስኻ ምጥባርን ንህዝኻን ኣዝዩ ጎዳኢ ስምብራት ምግዳፍን። ኣብ ታሪኻዊ ህቡብነትካ ተመርኲስካን ሕሉፍ ጅግንነትካ ምድማቕ ሰናይ እዩ። ግን እቲ ሕጂ ዘሎን፣ ብሕጂ ዝመጽእን ብናይ ዲያለክቲካዊ ናይ ሞዕባለ ሕግታት ተቐይዱ ስለ ዝኸይድ ግድን ምስኡ ምካድን ነቲዘምጸኦ ግድነታዊ ለውጢ በቲ ሓፋሽ  ዝረብሓሉ መርሓ መንገዲ ምርዓም ከድሊ እዩ። መንኮርኮር ምዕባለ ሃገር  ኣወንታዊን ኣድማዕን ዝኸውን ዝተፈላለዩ  ተራጻምቲ ግን ንምዕባለ ሃገር ዝሕልኑ ኣታሓሳስባታትን ኣራኣእያታትን ምስ ዝህልውን ዝታባብዑን እዩ። ብሓጺሩ፣ ተዓጻጻፍነትን ውድዓውነትን ዘይጉሰ ግድነታዊ እዩ ኣብ መዋእል ቀጻሊ ምዕባለ። ከምቲ ፈላስፋ ዳርዊን ዝበሎ፣ ‘እቶም ኣብ ንጥፈታቶም ዕውታት ኮይኖም ዝቕጽሉን ዝስውዱን ኣቶም ዝበለጹ ዝይኮንኑስ፣ እቶም ምስቲ ብቐጻሊ ተለዋዋጢ ዝኾነ ውድዓዊ ናይ ምዕባለ ተርእዮን ለውጥን ብተዓጻጻፍነት ተዋሃሂዶም ዝምርሹ እዮም’። ብሕቂ ክሕሰበሉ ዘሎዎ እዩ ከም ዘይጉሰ ኣማራጺ።
ዕቑር ተዋዳዳሪ ብሉጽነት ኤርትራ
ኤርትራ ኣይኮነን’ዶ ነዚ ውሕድ ህዝባ ዝኸውን፣ ንኻልእ’ውን ምኻኣለት። ብክሊማኣ፣ ብጂኦግራፊካዊ ኣቀማምጣኣ፣ ብታሪኻን ባህላን፣ ብዕቑር ጸጋታታ፣ በቲ ካብ 1200 ኪሎ ሜተር ዘይንእስ ካብ ሽሕ ንላዕሊ መራኽብ ንመዓልቲ ዝማላለሳሉ ስትራተጂካዊ ኣፍደገ ባሕራ ምስኩሉ ዕቑር ጸጋታቱ፣ ካብ ኩሉ ድማ በቲ ዝተመስከረሉ ህርኩት ህዝባ። ብሓጺር ጊዜ ምዕብልትን ብልጽትን ክትከውን ተኽእሎ ኣለዋ ብሓቂ።  ኣብዚ ዝሓለፈ 28 ዓመታት ካብቲ ዝነበረቶ ካብ 20 ዕጽፊ ንላዕሊ ክትምዕብል ኔሩዋ። ተደጋጊሙ ዝዋሃብ ምኽንያት ኣሎ። እዚ ፍሉጥ ኢዩ። ልዑላውነትናን ሃገራዊ ህንጸትና መስገደላት ኣይነበሩናን፣ ማሕለካታት ኣይነበሩናን፣ ኣይተጐዳእናን ማለትውን ኣይኮነን። ልኡላውነትና ከነውሕስ ኣሎና ብቐዳምነት፣ ሃገር ካብ ባዶ ኢያ ጀሚራ፣  ወዘተ ይባሃል እዩ። እወ እዚ ግን ናይ ኩሉ ወዲ ሃገር ጉዳይ ክኸውን ኣለዎ። ሓፋሽ ህዝቢ ንንጡፍ ኩሉ መዳያዊ ተሳታፍነት ዕድል ኽኽፈተሉ ኔሩዎ፣ ሓፋሽ ህዝቢ ሪቕ ናይ ኩሉ ዕቑር ጸጋታት ስለዝኾነ፣ ዕድል ሂብናዮ እንተንኸውን፣ ብናተይ ኣራኣእያ ኣብ ከም ሰንሰለት እናተታሓሓዘ ዝኽይድ ደረቱ ዝሓለፈ ብድሆን፣ ቀጻሊ ሽግርን፣ ማሕንቖታትን ኣይምኣተናን። እዚ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ፣ ፖሊቲካዊ ኣራኣእይኡ ብዘየገድስ፣ ንኤርትራ ዝሓሊ ምዃኑ ምርሳዕ፣ ወይ ክትርዳእ ዘይምድላይ ወይውን ዘይምፍታን፣ ዘምጸኦ ግጉይ ኣታሓሳስባ እውን ስለ ዝነበረን ዝሎን እዩ። ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ፖለቲካዊ መትከሉን ኣራኣእያኡን ብዘየገድስ ሃገራዊ እዩ፣ ንሃገሩን መረበቱን ካብ ኩሉ ንላዕሊ ይሓልን ይሕልውን፣ ይፈቱን ምዃኑ ክርሳዕን ክውገንን የብሉን። ኣብ ካለኦት ሃገራት ብኸምዚ ናይ ኤርትራ ዝሓለፋ ብሓንቲ እምኒ ክልተ ሽቶታት እንዳወቕዓ ኢየን በጺሔንኦ። ኣብነተን ንከተል። ከም ባዓል ጀርመን፣ ሲንጋፖር፣ ኮረያ፣ ሊባኖስ፣ ወዘተ ህልዋት ምሰክር ኢየን። ሎምስ ኣብ ኩለን ዝምዕብላ ዘለዋ ሃገራት እኳ እቲ መንግስታዊ ምሕደራአን ብመሳልል ምሕደራዊ ማሕውራቱ ኣቢሉ ዓርሞሸሽ ደፋኢ ሓይሊንምዕባለ ኮይኑ የገልግለን ኣሎ። እዚ ማለት ካብ ሃገራዊ ባይቶ ጀሚሩ፣ ካቢነ ምኒስተራት እንዳበለ ስጋብ እቲ ዝተሓት ኮማዊ መንግስታዊ ምሕደራ ብግሉጽ ብመራኸቢ ሓፋሽ በቲ ዝግባእ መንገዲን ዲሞክራሲያዊ ኣገባብን ተግባራቱን ውጥናቱን ብዕሊ ንሓፋሽ የፍልጥ ይትንትን፣ ይገልጽን ከምኡ’ውን ምኽሪ ካብ ሓፋሽ ይሓትትን እጃም ሓፋሽ ይጽበን ኣሎ። እዚ ልሙድ ተርእዮ እንዳኾነ እዩ ዝኸይድ ዘሎ ኣብ ብዙሓት ቅልጡፍ ምዕባለ ብቀጻሊ ዘመዝግባ ዘለዋ ሃገራት። ንሕናውን በቲ ባህልናን፣ ያታናን ክብርታትናን ተሓጊዝና ክንገብሮ ክንክእል ኔሩና ሕጂውን ክንገብሮ ኣለና። ታሪኽናን ቅርስታትናን ያታዊ ዲሞክራሲያዊ ኣገባብናን ነባሪ ምስክር እዩ ኣይንጉሰዮ። ኣብዚ ዘለናዩ ጎደቦ ኣንተርኢና፣ ከምቲ ስነ ጥበባዊ በረኸት መንግስተእብ ኣብ ሓደ ቃለ መሕትት ፣ “ንኻለኦት ዘውረስናዮም ካባና ካብ ሰሜን ንደቡን ዝኸዱ እምበር ናባና ዝመጽኡስ ዳርጋ የለውን” ዝበሎ፣ ታሪኽ መስካሪ እዩ፣ ንኹራዓሉ ንርባሓሉን ድኣምበር ኣይህሰስ ድርዒን ሕላገተን ናይ ህዝቢ ርእሰ ተኣማንነት እዩ።
ሎሚ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ኢና ንነብር ዘሎና። እዛ ዓለም ብፈጣን ዳናሚካዊ መስርሕ ትሓልፍ ኣላ። ሱር በተኽ ተክኖሎጂካዊ ምዕባለ ወርሓዊ ተርእዮ ኢዩ ዝኸውን ዘሎ። ዓለምና ኣዝያ ትጸብብ ኣላ። ህዝቢ ኣብ ወሳኒ ጉዳይ ሃገሩ ብዝለዓለ እጃም ተኻፋሊ ክኽውን ርሒብ (ገፊሕ) ኣፍደገ ወይ ማዕጾ ክኽፈተሉ ኣለዎ። ካብዚ ወጻኢ ዘሎ ምሕደራን ኣካያይዳን ውጺኢቱ ዝሕቱል ይኸውን። እዚ ድማ ምኽንያት ናይ ዘይተኣደነ ህዝባዊ ፍልጠትን ኣስተዋጻኦን ምኽሳር ኣዩ ዝኸውን። ሃገራዊ ልምሰት ድማ የስዕብ። ብፍላይ ኣብ ዝተፋላለያ ሃገራት ኣብ ስደት ዘሎ ህዝብና ካብቲ ዝነብረሉ ከባቢ ተጠቒሙ ኣብ ኤርትራ ማሉን (ገንዘቡ) ተኽእሎኡን ከዋፍርን፣ ብገፊሕ ኣስተዋጽኦ ክገብርን ነባ በሎም ንኢታይ በለን ከይበልና ዕድላት ንኽፈተሉ፣ እወ ተቢዕና ንሕናን ንሶምን ከይበልናን ቁስልና ከይሓኸኽናን። እወ ከም ደቂ ሃገር ሓንጎፋይ ኢልና፣ ዕድላት ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ንኽፈተሉ ንኹሉ።  እወ ንጽዓረሉ፣ ሰሓቢ ሃዋሁው ንፈጠረሉንስ። ኣቤት ክንደይኮን ምረብሔት እዛ ዓደቦና ኤርትራ። እቲ ዝነበረና ብልጫታትና እውን ነበረያ ነበረ ከይከድ ምስተጠቐምናሉ። ንህዝብና ምቹእ ባይታ እንዶ እደንፍጠረሉ። ኣብ ዓመት ሚልዮናት ዘይኮነ ቢልዮናት ርእሰ-ማል ናብ ኤርትራ ምውሓዘ ኔሩ። ብፍላይ ኣብ ደገ ዘሎ ዓቢ ክፋል ህዝብና ካብታ ዝረኽባ ሓንቲ ዶላር፣ ፍርቃ ናብ ኤርትራ ሰዲዱ መዋፈራ። ብሕታዊ ትካልና እውን ብተዓጻጻፍነት ምደንፈዐ። ህዝብና እውን መሃዝን ቀጻልን ሃገራዊ ቁጠባ (creative economy) ናይ ምህናጽ ክእለት ብዝበለጸ መጥረየ። ኣብዝሓለፋ 28 ዓመታትሲ ካብዚ ዘሎ ብዝበለጸ፣ ክንደይ ህንጻ ምስተሃንጸ? ክንደይ ትካላት ምስተተኽለ? ክንደይ ትማላላኢ፣ ተታሓሓዚ ቁጠባዊ ምዕባለ ምስተራእየ? ክንደይ ሆቴላትን ናይ ቱሪዝም ትካላት (ናይ በጻሕቲ ሃገር መስሕብ) ምስተጣየሰ? ክንደይ ብቁዕ ኣብያተ ትምህርትታትን ሞያዊ መሰልጠኒ ውልቃውያን ትካላት ምስተመስረተ። ክንደይ መንእሰያት ሰብ ዋኒን ወይ ወነንቲ ትካል (national entrepreneurs) ምስተጫጭሑ? ክንደይ መንእሰያትና ተእምር ምሰርሑ? እዚ ኩሉ ከሎስ ቁርብ ቁራቦ ወርቂን በሩርን ክንረክብስ ጐዳጉዲ ምኹዓትን ከባቢያዊ ብከላ ምፍጣርዶ ምሓሸና (environmental degradation due to mining residuals)። ንሕሰበሉ ድኣ። ንህዝቢ ኤርትራ ንፈቱን ንሓዋሩ ነቲ መንእሰይ ወለዶ ንሓስብ እንተድኣ ኮይና፣ ነቲ ዘይንቡር ናብ ንቡር ንኽንመልሶ ድኣ ንጽዓር እምበር ከም ኣብ ንእሽቶይ ጥርሙስ ዝኣተው ዓሳ ፈንጠርጠር ምባል ውዒሉ ሓዲሩ ጎዳእን ኣብራስን ምኻኑ ንፍለጦ።
ናይ መዋእል ዓንኬል ዳናሚካዊ መስርሕ (life cycle dynamic process) ኣብ ኩሉ ኣሎ። ግድነታዊ ኢዩ ድማ። ስለዚ ግድን እቲ ዝኣረገ ብሓድሽ ክትካእ፣ እቲ ዝሓመቐ ብዝሓሸ ክቕየር፣ እቲ ኣብቲ ግዜኡ ኣድማዕን ብቑዕን ዝነበረ ድማ በቲ ናይ ሕጂ ወድዓዊ ኩነታት ዝጠልቦ ክቕየርን ክመሓየሽን ዘይገሃስ ናይ ተፈጥሮኣዊ ዲያለክቲካዊ ሕጊ ኢዩ ። ዘይቅየር ተሞክሮና እንዳበልካ ካብ ምስ ዘይተርፍ ተፈጥሮኣዊ ናይ ለውጢ ሕግታት ምግጫውን ኣብ ነብስና፣ ህዝብናን ሃገርናን ብቐሊሉ ዘይሓውን ዘይጠፍእን ጉድኣት ካብ ምምጻእ በሰላ ካብ ምግዳፍን ዝሓሸ እንተገበርና ይምረጽ። ተፈጥሮ ሃጓፍ ኣይጻወርን እዩ ኣንታይ ድኣ ካብ ዘምጸኤ ኣምጺኡ ይመልኦ ዝባሃል ሓቂ ኣሎ። ሕጂ ድማ ንህዝና ሰፊሕ ተኽእሎን ዕድልን ሂብና ነቲ ሃጓፍና ንምላኣዮ። ነቲ ብሕታዊ ቁጠባዊ ጽላትና ነተን ንእሽቱን ስድራቤታዊ ትካላትን ኣንዳ ኣማዕበላና ዘቤታዊ ተኽእሎናን ጸጋታትናን ንዕቢ። ድሕራይ ከምቲ ኣብ ኩለን ሃገራት ክግበር ዝድለ፣ ኣጋይሽና (ናብ ዓድና ቁጠባዊን ሞያውን ወፍሪ ክገብሩ ዝመጹ) ድማ በቲ ሕግታትና ስርዓትናን ዝጠልቦ መቓን ንቕበል።  ነዚ ንኽንገብር ኣንተ ዘይኪእልና ወይውን እንተዳናጒናን ግና  ኣቲ ኣማራጺ ፍሉጥ እዩ። ጊልያን ካላእይ ዜጋን ኣብ ገዛእ ዓድካ ምዃን እዩ። ግን ንለባም ኣምተሉ ኣበይ ከይስሕቶ፣ ንዓሻ ኣንቃሓዮ ንኽፈልጦ ከምዝባሃል ንሕሰበሉ ድኣ።
በቲ ተባዕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰል ርእሰ ውሳኔ፣ ኤርትራ ነጻ ካብ እትኽውን እነሆ 28 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ብመንጽር ብምሉእ ሓይሉ ብናይ መንኮርኮር ፈጣን ምዕባለ ንዝምርሽ መንግስትን ህዝብን ሃገርን፣ 28 ዓመታት ቀሊል ኣይኮነን። ብዙሕ ኣድማዒ ስራሕ ክስርሓሉ ይካኣል ኢዩ ወላ ምስቶም ዘለዊ ብድሆታትውን እንተኾነ። እኹላትን ውድዓውያንን ዝኾኑ ተሞኩሮታት ኣብዛ ዓለምና ኣለው። ንሶም ክዕወትሉ ዝኸኣሉ ድማ በተእምር ዘይኮነስ ብዝሓንጸጽዎን ብዘማሓደርዎን ብዘተግበርዎን ወፍርታትን፣ ነቲ ዘለዎም ዓቕምን ትሕዝቶን ጸጋታትን በቲ ዝለዓለ ብቕዓት ሰለ ዝተጠቕምሉን ኢዩ። ብፍላይ ብዝላዓለን ዝማዕበለን ዓቐን ንህዝቦም ነንሕድሕዱ ከም ዝማሃሃርን ከም ዝስልጥንን ስለ ዝገበሩ እውን ኢዩ። ከምኡውን ንጡፍ ናይ ሓፋሽ ተሳታፍነት ኣብ ኩሉ መዳያዊ ዕማማት ስለ ዘውሓሱ እዩ። ነቲ ናይ መንእሰይ ወለዶ ዓቕሚ ንምዕባይ እውን ብዙሕ ጻዕርን ሰብኣዊ ወፍርን ስለ ዝገበሩ ኢዩ። ካብ ኩሉ ብዝበለጸ ድማ ንቐጻሊ ቁጠባዊ ዕብየትን ምዕባለን ኣገዳስነት ናይ ናኣሽቱን ስድራ-ቤታውያን ትካላት ዕዙዝን ልዑልን ኣተኩሮ ሂቦም ስለ ዝሰርሑሉን ዝተዓውትሉን ኢዩ። እተን ንኣሽቱን ስድራ-ቤታውያንን ትካላት ኣብ ዝለዓለ ብርኪ በጺሔንስ መለለዪ ኣንዱስትራያዊ ሓያልነት ናይዘን ተዓወቲ ሃገራት ኣብ ምዃን በጺሔን ገናውን ይበጽሓ ኣለዋ።
መደምደምታ
ኣብ መደምደምታ ክብሎ ዝደልን፣ነዞም ክቡራት ኣማሓደርትና ድማ ብትሕትናን ከዘኻኽሮም ዝፍትን ድማ፣ ሓፋሽ በቲ ዝድለ ስፍሓትን ዕምቈትን ዘየሳተፈ መንግስታዊ ምሕደራ ብዙሕ ናይ ሃገር ምዕባለ ዝሕትልናን ጉድኣትን ከምዘምጽእ ኢዩ። ዓይኒ ሓፋሽ ህዝቢ ዓይኒ ምስሪ (ኢግል) ኢዩ። ልቢ ህዝቢ ካብ መዓሙቕ ውቅያኖስ ይስፍሕ። ፍልጠትን ብስለትን ሓፋሽ ህዝቢ ሪቕ ኢዩ ከም ማይ ባሕሪ ደረት ኣልቦ። ነዚ ጎስዮም ንሕና ዝበልናኩም ግበሩ። ኣታ ወርቃዊ መፍትሕ ኣብ ኢድና እያ ዘላ፣ ዝብል ሕመረት መሪሕነት መንግስቲ ከም ኣብ ሑጻ ዝተሃንጸ መንበሪ ገዛ ኢዩ። ሓፋሽ ኣሳታፊ ዝኾነ ስትራተጂካዊን፣ ሓይለ ዕማማዊ ከምኡውን ግብራዊ ዝኾነ መንግስታዊ ምሕደራ ኣድላዪ ጥራይ ዘይኮነስ ግድነታዊ ኢዩ። ክልተ ምርጫታት ኢየን ኣብ ቅድሜና ተገቲረን ዘለዋ። እዚአን ድማ፡- ወይ ነቲ ዝመጽእ ወለዶ ዝጠቅም ስራሕን ተመኩሮን ገዲፍካ ምሕላፍ ወይ ድማ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ዝሕመረቱ ሕማቕን ሃሳይን ሓድጊ ምግዳፍ። ንህዝቡ ይሓልን ይፈቱን ዝብል መንግስታዊ ምሕደራ ነታ ቀዳመይቲ ምርጫ ኢዩ ዝደሊ። ግን ድልየትን ክውንነትን ነንበይኖም ክኾኑ የብሎምን። ክሳነዩ ኣለዎም። እዞም ክቡራት ኣማሓደርትና ነዚ ብዕቱብ ክሓስቡሉ እላበዎም። ተስፋይን ምንዮተይ ድማ ምእንቲ እቲ መንእሰይ ወለዶ እቲ ዘይንቡር ናብ ንቡር ክምለስ ከምዘለዎ እዩ። ሃገርን ህዝብን ምፍታው ድማ በዚ ዕቱብነት ኢዩ ዝምዘን።
መታሓሳሰቢ፥
ገለ ካብዚ ጽሑፍዚ ካብቲ ወድና ነፍሲሄር ዮሓንስ መንግስተኣብ (08.11.1992 -10.09.2015) ካብቲ ብ “ዳግማይ ንኽፍጠር እቲ ነብሪ፣ ድግማ ዕውት ማሕበረ ቑጠባዊ ምዕባለ ሲንጋፖር ኣብ ኤርትራ”፣ ብዝብል ኣርእስቲ ካብ ዝተጽሕፈ ናይ ኣካዳሚያዊ ምርምር ጽሑፍ ዝተወስደ እዩ። ብሰላም ይዕረፍ፣ ክብርን ምስጋናን ይኹኖ ኣብቲ ንእስነቱ ንኤርትራ ሓልዩን ተገዲሱን ነዚ ዘበርከተ። ሓበን ናይ ኤርትራ ስለ ዝኾነ ኩሉጊዜ ኣብ ልብና ኣሎ።
እዚ ጽሑፍ እዚ ድማ ንዝኽሪ ዮሃንስ ወደና ይኹነልና።
ወለዱ ወ’ሮ ጽላት ተስፋዝጊን ዶ/ር መንግስተእብ ተስፋዮሃንስ
ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ
ጥቅምቲ 09, 2019

The pleasant day with my kids

March 19, 2018
Yes, indeed, oh  let us use the time that we have now
That is the time that is  given to us not to consider below
We need to realize and to be aware that we live only once
We need to remember what we need to do and achieve
Yes something good that can give us the good memory
Here is a young and bright son confronted with the bitter agony
Died at his very young age with a bright future and creative stormy
He left us with sadness stuck like a stamp on our memory
Comeback our son, we love you and love you forever 
Why Why? all these to us weren't you energetic dreamer

I love you Yohannes,
Your Dad,
Prof. Mengsteab

October 5, 2019

                          ድኻም ንኣሽቱን ስድራ ቤታዊ ትካላትን ዋኒናዊ መሃዝነትን ኣብ ኤርትራ

       ብዶ/ር መንግስተኣብ ተስፋዮሓንስ፡ ዮሃንስ መንግስተኣብ (Nov./08/1992 – Oct./09/2015)

ገለ ካብዚ ጽሑፍዚ ካብቲ ወድና ነፍሲሄር ዮሓንስ መንግስተኣብ (08.11.1992 -10.15.2015) ካብቲ ብ “ዳግማይ ንኽፍጠር እቲ ነብሪ፣ ድግማ ዕውት ማሕበረ ቑጠባዊ ምዕባለ ሲንጋፖር ኣብ ኤርትራ”፣ ብዝብል ኣርእስቲ ካብ ዝተጽሕፈ ናይ ኣካዳሚያዊ ምርምር ጽሑፍ ዝተወስደ እዩ። ብሰላም ይዕረፍ፣ ክብርን ምስጋናን ይኹኖ ኣብቲ ንእስነቱ ንኤርትራ ሓልዩን ተገዲሱን ነዚ ዘበርከተ። ሓበን ናይ ኤርትራ ስለ ዝኾነ ኩሉጊዜ ኣብ ልብና ኣሎ።

እዚ ጽሑፍ እዚ ድማ ንዝኽሪ ዮሃንስ ወደና ይኹነልና።
ወለዱ ወ’ሮ ጽላት ተስፋዝጊን ዶ/ር መንግስተእብ ተስፋዮሃንስ
ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ

African Executive International

May 30, 2016

The African Executive, Issue 410 February 27- March 5, 2013, www.africanexecutive.com

PROMOTING THE ENTREPRENEURIAL ECONOMIC ENGINE
TO STABILIZE THE HORN OF AFRICA

Mengsteab Tesfayohannes, Ph.D and Yohannes Mengsteab
Sigmund Weis School of Business, Susquehanna University
University Avenue, Selinsgrove, PA, 17870
e-mail: Mengsteab@susqu.edu; Tesfayohannes@susqu.edu

Introduction

The Horn of Africa (HoA) is one of the most geo-politically important regions of the world. Unfortunately, the region has been notorious for its crises and instability. This was due to the internal  and  external  destabilizing  factors  related  to  ethnicity,  tribalism,  resource sharing, poverty, superpower rivalry, porous borders, and hegemonic desires. Let us keep Kenya and Uganda aside as they are more stable and affluent, and narrow the directly affected countries in the Horn into six: Djibouti, Eritrea, Ethiopia, Somalia, the Republic of Sudan and the Republic of South Sudan. This means we are talking about a region of well over 145 million people (est. 2010).

The nations in the HoA share many common socio-cultural and linguistic heritages. This solid bondage could be used as a foundation for creating a common ground for sustainable peace and economic progress in the region and avoid the continuous suffering. Indeed the region has suffered for so long as a battle ground for internally and externally instigated political, cultural and
linguistic dominance as well as lust for power. This created unhealthy and zero-sum relationships shrouded with mistrust, collective ambitions and rivalries for economic, cultural and political dominance. The detrimental result has just triggered continuous tensions among nations, different nationalities and ethnic groups.  It has also created a fertile ground for drifting further into abject poverty, humiliating famine and drought, environmental degradation, poor governance  and  squandering  and  mismanagement  of  the  very  meagre  available  economicresources.

To mention some, the 1977-78 Ethio-Somalia war instigated by territorial claims and nationality issues and the 1998-2000 Ethio-Eritrean disastrous war for reason that can be solved and settled with political maturation and grassroots’ active participation. The fierce Sudanese civil war that decimated more than 2 million people and tragically ended up in splitting ones a might country in to two nations. Even the smallest nation in the region, Djibouti has had its own internal conflict and instability, where tensions flared up between the two dominant tribes of the country, the Afar and the Issa, which led to a civil war in the early 1990s.

It is very regrettable that all these unnecessary inter and intra country wars and crises were flared up in the region due to the dominance of collective obstinate political culture that values absolute victory and winner-loser game calculations over the wisdom of compromises leading to joint gains.

Paradoxically, the region is located in one of the strategically and geo-politically important and potentially notably resourceful parts of the world. It represents a bridge between Africa and the Middle East, as well as a gateway to the rich oilfields of the Persian Gulf. The Region is endowed with rivers, lakes, forests, livestock, and high agricultural potential. On top of that it has untapped potential reserves of petroleum, gold, salt, Potash, hydro-power, and natural gas. The narrow strips of the Red Sea and the Gulf of Aden coupled with a large swath of the Indian Ocean waters are some of the busiest shipping corridors of the world. Every day, more than a 1000 commercial cargo ships, oil tankers, and other multipurpose vessels pass through the strips to reach to the vast markets of Europe, Asia, and across the Atlantic.

The existence of all-season perennial rivers and natural drainage areas are recognized as possible inputs for the development of vast potential agricultural areas of the region. Approximately 85 percent of the water content of the Nile River with its alluvial soil originates from this region, and principally from Ethiopia. Prominent researchers in agricultural sciences have continued to underline in their research findings that this region has all the required endowments for making itself as one of the bread baskets of Africa.

The HoA is also blessed with climatologically diversified zones. For example, we can mention among others: the cool temperate zones in the highlands of both Ethiopia and Eritrea; the resource rich untapped equatorial territory of the South Sudan; the vast coastal areas of Somalia; and the hot sub-tropical and arid deserts, including unique below sea level depressions in the Danakil regions of Ethiopia and Eritrea. There are also abundant places for national parks and safari reserves in the region, particularly in Ethiopia and Somalia. The vast Nile River basins in the Republic of Sudan and the Ras Doumeira mountain range, with panoramic view of the critical Red Sea shipping lanes, are also points of attraction for investment and tourism.

The region is the cradle of humanity and endowed with ancient obelisks and some of the earliest archaeological sites. One of the world’s earliest traces of the human race was found in this region. This ancient archaeological and anthropological heritage is the foundation of the unique socio-cultural values of the region (Harris, 2003). All these elements can serve as means of promoting tourism and hospitality as the main sources of hard currency and foreign and local direct investment opportunities. The population of the HoA is also known for its hospitality and compassion. Except some petty issues and external impacts, the two major religions, Christianity and Islam, have continued co-existing peacefully since the 7th century. This benevolent and admirable legacy can be a strong side of the populace in the region and can serve as a push factor for stability and sustainable socio-economic development. The potential reserves of important

mineral resources, including gold, oil, iron, copper, zinc, silica, marble, and others enhance the attractiveness of the region for foreign direct investment and promote private-sector driven economic development (Habtu, 2003). With all these potential endowments, the region deserves to be better than its current position.

The Necessity of Breaking the Vicious Cycle

In the current global trend of integration and interdependence, the HoA nations cannot afford to continue to be plagued with the recurrent gloomy situation. Their people deserve peace and progress in the current dynamic world overwhelmed with the abundance of scientific and technological knowledge stock. Due to the continued mushrooming of extraordinary innovations and progress in the information technology, our world is becoming more reachable at higher speed and it is the same scenario in all parts of Africa. Numerous ground breaking technologies, new inventions and discoveries are spreading all over. Several African nations have started benefiting from this vast sea of valuable knowledge for enhancing their developmental continuum.

It is essential that African nations redouble their efforts in enriching their ability to fully benefit from the current global stock of knowledge and technology using various means including learning from one another’s experience. The HoA nations need not continue in their unpleasant and destructive path. They ought to search for an alternative gem for promoting sustainable solutions, long lasting peace and progress. Above all, they need to negate the genesis of the destructive path and create a favorable condition for their people to live in productive, creative, and reflective life with dignity. The most important issue here are their willingness to do their homework to make themselves ready for earnest dialogue persistently demanded by their grassroots who possess the wisdom and realism for achieving sustainable solution.

Creating Suitable Climate for Economic Cooperation and Integration

Like in other parts of Africa, the people of the HoA have deep rooted and civilized tradition of local democracy and mechanisms of conflict resolution based on deep rooted collective communal sacrifices and cultural wisdom. They don’t deserve humiliation and should not be condemned to live in the midst of a region mired with rampant socially-wasteful rent-seeking activities, massive brain drain, ubiquitous environmental degradation, abject poverty. All stakeholders should make concerted efforts to change the unwanted arduous situation and achieve sustainable peace, socioeconomic development, and good governance. Above all, let the people get the chance to come out with their wisdom, proven ability and prudence to actively engage in solving the acute and chronic socio-economic and political problems of the region.

We believe that the economic factors have a pivotal role to play towards achieving political stability, good governance, and sustainable economic development in the HoA. For example, establishing a solid and functioning infrastructure for promoting regional economic integration can be the viable potential recipe for achieving sustainable solution. We noticed that this roadmap has a successful track record as witnessed in several regional economic groupings around the globe. Of course, establishing an effective regional economic integration is a daunting task. It demands longer time, huge resources, persistent work and collaborative efforts by all citizens who will be the primary beneficiaries and bearers of its best consequential impacts and outcomes.

This option can be a foundational framework for the HoA nations to mobilize their joint resourcefulness and ingenuity for promoting a viable regional economic integration. Undoubtedly, this is the mandatory precondition in the 21st century global economic interactions. Above all, they are the owners of their destiny and they have the ultimate mandate of formulating and implementing strategic options that can help taking appropriate actions to pave the way leading to a successful regional economic integration process. Yes, concerned nations should take strategic actions to overcome their weaknesses and further exploit their perceived potential strengths in order to play a cardinal role in the regional economic integration process. They should also skillfully capitalize anticipated opportunities and empower themselves to surmount those challenges having the impacts on shaping the destiny of the region in the current complex continental and global economic orders.

HoA nations should be aware that economic integration is the result of combined efforts and contributions of all internal and external stakeholders and partners at all levels of the socio-economic development roadmap. In their comprehensive format, strategic options should focus, among other things, on the following: creating a suitable economic environment; improving vital institutional and infrastructural capacities; establishing a sound governance system; ensuring the efficiency and effectiveness of productive economic sectors; and integrating vital national economic policies and strategies for best possible performance.

As has been expressed many times, higher incidences of war and instability in Africa in the past were not solely due to the ethno-linguistic fragmentation of countries alone, rather due to the combination of other factors including high levels of poverty, weak political institutions, poor governance, very low engagement at the grassroots’ level and excessive economic dependence on natural resources which are deliberately deprived from creating higher values. With this rationality in mind, HoA nations should seriously go through this benevolent path and find stability and sustainable development in the region. Many fellow African nations are rising and let the HoA nations joint them now to minimize the regret later.

Some Attributes of Economic Integration in the HoA

As we mentioned earlier, the people of the HoA have a lot in common in both cultural and customary aspects. They share a common destiny and a yearning for a better future. If nothing else, their common suffering from all elements of developmental malaises must form the basis of imperative socio-economic unity that would allow them to reap the benefits of economies of scale in resources, markets and capital. These essential ties can create convenient preconditions for establishing stronger regional economic integration. However, we need to realize that economic integration is an integrative process. It should function in the light of internal and external influencing forces representing economic, socio-cultural, technological, infrastructural, historical, political, institutional, and legal contexts. Proper management of these influencing forces can help facilitating regional economic integration aspirations. Above all, the key is primarily in their hands, and the people and governments of the region have the mandate to seriously seek the sustainable solution in a complete holistic framework containing vital elements of the desired comprehensive objectives.

The conventional wisdom attests that conflict resolution through peaceful dialog and negotiations is a step-by-step process comprising a series of modalities, activities, actions and episodic milestones. Serious and strategic conflict resolution process deals with: the nature and characteristics of the conflict; the characteristics and background of the conflicting parties; and the objectivity and capability of the executors (mediators) handling the conflict resolution process Therefore, all parties involved in conflict mediation and its eventual resolution should take the initiative to conduct an in-depth study in line with these factors.

For example, there are two major avenues for national and international disputes and conflict resolution. The first one is the commonly recognized traditional route of official government-to-government diplomacy among instructed representatives of sovereign nations. The second alternative is diplomacy through people-to-people actions outside the formal governmental power structures. We believe that the people-to-people alternative is more effective at least in creating more trust and confidence among the citizens of the nations in conflict. Notable representatives of the public and the elderly can take the initiative when governmental involvement is either tentative or awaiting more agreeable conditions for reaching an agreement (even if such agreement merely amounts to a refusal to negotiate). These efforts have been quite successful in laying the groundwork for successful conflict resolution. It can also systematically force those in power to follow the trend and bring the conflict resolution agreement to its logical conclusion. Progress made with regard to conflict resolution should complement the existence of able, visionary, and transparent political leadership and good governance.

Economic integration does not function well unless governments create conducive environment for good governance and sound national macroeconomic management system to thrive and develop. Above all, the technocratic capabilities of governments in the region should be amenable to continuous improvement. This can be possible through the establishment of streamlined, highly qualified technocratic and lean governance structures. This means, governments should endeavor to staff vital departments with appropriately qualified personnel in order to manage the economy in the way to contribute to the desired regional economic integration. The internal economic strength of the concerned nations themselves is a solid foundation for the formation of successful regional economic integration.

Enhancing economic strength of nations, among others, emanates from disseminating the culture of innovation and entrepreneurial initiatives for economic development and productivity. This would enable HoA nations to increase their economic competitiveness and create a healthy environment for national economic development with the capacity to attract local and foreign investors and entrepreneurs. Countries can attain innovative entrepreneurial economic development if the private sector develops the capability and competitiveness to carry out business activities efficiently and skillfully. Towards this goal, governments and the private sector have a clear mandate of building and reshaping the structure of national economic dynamics.

In our view, governments should concentrate on conducting the ground work for building, improving, and developing vital components of basic economic infrastructures such as education, health, financial institutions, transport and communications, technology transfer and diffusion, etc. Accomplishing these are essential for the development of a dynamic, successful, and competitive economy and society in the HoA nations. Taking combined initiatives at both public and private sectors can undoubtedly accelerate the strength of national economies in the region. It is necessary that home-grown entrepreneurs and skilled business operators should be

able to flourish and participate in the regional economic integration of the region. They should also encourage the potentially vast cross-border business activities. In fact, cross border trade and investment activities are still widespread in this region even during active conflict times.

Conclusion

Effective regional economic integration is developmental in its content and form. It demands strategic fit, bold initiatives, and political and social willingness. Concerned nations should have a strong motivation and commitment for taking the ground breaking initiatives particularly in confidence-building and lay the foundations of successful partnerships. Therefore, they need to identify and elaborate the desired synergy of economic policies as mandatory preconditions for promoting regional economic integration. These preconditions should trigger the creation of supra-national institutions to lay the foundation of an integrated regional economy and the mechanisms for managing it.

Moreover, the nations should slowly build up a common base for macroeconomic and socio-cultural management structures as foundations for creating partnership in their socioeconomic strategic agendas. Individual national efforts are helpful in developing the foundations of a regional economic integration process. For example, promoting more cultural ties is quite helpful for improving regional infrastructural, institutional, and political capabilities. These are potentially worth noting inputs for expected win-win outcomes. HoA nations have seen and tested the consequence of abject poverty, war, political instability, and economic crises. Therefore, building the region from within is highly desired. Indeed, with hard work, judicious attitude of change, and broad collaboration, the formation of viable regional economic integration could be a reality in the Horn of Africa in not too distant future.

April 3, 2016

"እዚ ንእሽቶ ክፋል ስነጽሑፍ ካብቲ ብነብስሄር መንእሰይ ዮሓንስ መንግስተኣብ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ተማሃራይ ከሎ ካብ ዝገብሮ “ዳግማይ ክፍጠር አቲ ነብሪ፡ ድግማ ዕውት ቁጠባዊ ምዕባለ ሲንጋፖር ኣብ ኤሪትራ (Recreating the Tiger: Replicating the Economic Success of Singapore in Eritrea) ብዝብል አርእስቲ ንኡድ ምርምራዊ ስራሕ ዝተወስደ እዩ። ዮሓንስ ኣብ ሽዊት ዕድሜኡ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ (ዝተወልደሉ ሕዳር 08, 1992 - ዝዓረፈሉ ጥቅምቲ፣ 09,2015)። ተርጓሚ ወላዲኡ ዶ/ር መንግስተኣብ ተስፋዮሓንስ።"

ዘሎ ተክኖሎጂ ንጠቐመሉ ናብራና ክማሓየሽ
ዮሓንስ መንግስተኣብ

ኣብ  ምዕባሌኣዊ  ታሪኽ  ናይ  ዓለምና፣    ሕርሻዊ  ስውራ፤  ስነፍልጠታዊን  ትካላዊ  ሰውራ  (እንዳስትሪያል ሩቮሉሽን)፤ ኤሌክትሮኒካዊ ተክኖሎጂካዊ ሰውራ እነዳበለ ኣብ ሓበሬታዊ ሰውራ (ኢንፎርመሽን ሮቮሉሽን) በጺሑ ኣሎ።  ኣብዚ እዋን እዚ ሓበሬታዊ ተክኖሎጂካዊ ምዕባለ መሳለጥያታትን ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑሉ ዘሎ ጊዜ ከምቲ ዝድለ ዘይምጥቃም እንታይ ሳዕቤን ከምዘሎዎ ንኹልና ርዱእ ይመስለኒ። እንተኾነ ግን ብዙሓት ኤሪትራውያን ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻኢን ዘለው ወላውን ናይቲ ተደላዪ ዝኾነ ንዕለታዊ ግድነታዊ ዕማማት ከይተረፈ ከምቲ ዝድለ ክጥቀምሉ ኣይርኣዩን። ስለምንታይ? ኣብዛ ዓለምና ሓደስቲ ምህዞታትን ተክኖሎጂን ብሓፈሻ ኤለትሮኒካዊ ተክኖሎጂ ድማ ብፍላይ ዳርጋ ወርሓዊ ተርእዮ እዩ ኮይኑ ዘሎ። ሓደ ካብቲ ዝዓበዬ ረብሓ ኣብ ብቁጠባን ብተክነሎጂን ዝማዕበላ ሃገራት ምንባር ማለት ካብቲ በጺሔንኦ ዘለዋ ምዕቡል ናብራን ኣሳራርሓን፣ ምውድዳርን ምቁዳስን ብኡ መሰረት ድማ ፍልጠት  ምስናቕ፤ ግዜኻ ኣብቲ ዝለዓለ ከተፍርየሎ እትኽእለሉ መንገዲ ምውዓል ማለት እዩ። ብፍላይ ድማ ካብቲ ብቐሊሉ ዝርከብ ተክነሎጂካዊ ናውትታትን መሳለጥያታትን እቲ ኣብ ዕለታዊ ዕማማትካን ነዊሕ ዝጠመተ ነብሰ ምዕባለ ውጥናትካን ብዝሓሸ መንገዲ ንምትግባርን ኣብ ሽቶኡ ንምውቃዕን ክጠቕመካ ዝኽእል እንዳመረጽካ ምጥቃም ከድሊ እዩ።

ሓደ ህቡብ ኣቦ ኢንተርነት ዝጽዋዕ ናይጀርያዊ ሊቅ ከምዝበሎ፤ ኣውሮጳውያን ካብተን ጸበብትን ብባህርያዊ ጸጋታት ብዙሕ ዘይተዓደላ ሃገራቶም ብስደት የኹን ብጎነጽ ናብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም እንዳኸዱ ኣብቲ ብተፈጥሮኣዊ ዕቑር ጸጋታትን በክሊማዊ ምቹእነትን ፍሉጥ ዝኾነ ሰፋሕቲ ክፋላት ዓለም ገቢቶም ክውንንዎን፣ መግዛእታዊ ኣርዑቶም ከሰክምዎ ዝኻኣሉ በቲ ሽዑ ዝተማህዘ ተክኖሎጂ ተጠቒሞም ሓቤሬታ ብምርካብ እዩ። እዚ ማለት ድማ ትሕተ መሬታዊ (ትሕተ ባይታዊ) ኮነ ክሊማዊ ዕቘር ጸጋታት ኣበይናይ ኩርናዓት ዓለም  ከም ዘሎን እንታይ ከምዘለዎን ኣቐዲሞም ብዝርዝር ከፈልጥዎን ከለልዩዎን ስለ ዝኸኣሉ ጥራይ እዩ። ንኣብነት እዘን ሕጂ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ፣ ካናዳ፣ ኣወስትራልያ፣ኒውዚላንድ፣ደቡብ ኣፍሪቃ፤ ቺለ፤ ርጀንቲና፤ብራዚል፣...ወዘተ ተባሂለን ዝጽዋዓ ዘለዋ ዓርሞሸሽ ሃገራት እኮ ከካብዓዶም ተጻዋዊዖም ኣሽሓት ኪሎሜተራት ተጓዒዞም ነቶም መሳኪን ኦሪታውያን ደቀባት (ኣቦሪጂንስ) ብምውጋንን ዝተረስተይውንን ከም ሃገራት ዘማዕበሎወንን እዩ። እነሆ እምበኣር ቀጻሊ ተባላሓትነት ደቂሰባት ኣብዚ ሕጂ እዋን ነዛ ዓለምና ብመራኸቢ ኮነ ብኻልእ ተክኖሎጂካዊ ምዕባለታት ኣጽቢቦማ ኣሎዉ። ገናውን ከጽብብዋ እዮም። ዘመናዊ ናይ ሓቤሬታ ተክኖሎጂ እንዳተጠቐምና ብዘይ ብዙሕ ወጻኢ ነንሕድሕድና ንራኸብን ንማሃሃርን ኣሎና። ኣብዬት ዝሰርሕን ዘድምዕን ሓንጎል ደቂሰባት ዝይምህዞ የብሉን።

ኣብ ናይ ሎሚ ዓለምና፣ ሰለይ ኢልና ነርክበሉ ዳሓን ደፋእ ኢልና ነርክበሉ ዝበሃሉ ጊዜ ኣይኮነን። ብፍላይ ንሕና ኤሪትራውያን ትሰንፉ ኣለኹም፤ በጃኹም እባ ክሳድ ሓዙ ኣብዛ ንቕድሚት ትሕምበብን ትውንጨፍን ዘላ ዓለም ፤ ተባሂልና እንተተሓሚና ይግባኣና እዩ። እቲ ሕሉፍ ታሪኽናን ድሕረ ባይታናን እንተ ርኢና ብዙሕ ተወዳዳሪ ብልጹነት ምሃለወና። ኣብ ጎደቦ ኣስታት ሽሕ ዝተፈላለያ መራኽብ ዕለታዊ ዝመላለሳሉ ህቡብ ቀይሕ ባሕሪ ኢና ዘሎና። እቲ መበቆልና ዝኾነ ሃገረ ኤሪትራን ከባቢኡን ብኦሪተዊ ስልጣኔ ፍሉጥ ዝነበረሉ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን። ኣብቲ ስትራትጂካዊ ዝኾነ ክፋል ኣፍሪቃ ስለዝርከብ እዩ። ብብዙሕ ምኽንያታት ነዚ ተወዳዳሪ ብሉጽነትና (Competitive Advantage) ዛጊት ክንጥቀመሉ ኣይከኣልናን ዘሎና። ግን ነባ በሎም ንኢታይ በለን እንዳበልና ናይ ሰለይ ናብራ ክንነብር ብዝኾነ መልኪዒ ምኽኑይ ኣይኮነን። ኣይግድን ኣዬዋጻኣናን ድማ። ሃዬ ድኣ ነዛ ብርኽቲ መሬት ዓደቦና ዓዲ መዓርን ጸባን፣ ፈልፋሊት ዘይደርቕ ጸጋዊ ዛራን ንግበራ። እቲ መፍትሕ ብርግጽ ኣብ ኢድና እዩ ዘሎ። ተፈቲንናዶ ኣይኮናን። ናይ ኣሸሓት ዓመታት ታሪኽና ይመስክር። ነዚውን ክንገብሮን ክንዕወትሉን ክእለትን ትግሃትን ንውንን ኢና ከምህዝቢ።

ብፍላይ ንዓና ንኤሪትራውያን ኣብዚ ዘሎናዮ ጊዜ ከም ጠለብ ተክነሎጂካዊ ምረሻ ናይ ሎሚ ዓለምና ብማዕረ ንኽንኸይድ ድኣ እንታይ እዩ ዘድለዬና ዘሎ? እወ እዚ ሕቶዚ ክሕተት እዋኑ ዝጠልቦ ቀንዲ ብደሆ እዩ። በቲ ውድዓዊ መንገዲን ስነ ፍልጠታዊ መነጽርን ክረኤ ከሎ ድማ፣ ኣብ ንቑሕነት ንተክኖሎጂካዊ ፍልጠትን ትግባረን እዩ። እቲ ዘይታኣደነ ጥቕሙ ኣብ ሓፋሽ ህዝብና ክምዝሰርጽ ምግባር ድማ ኣድላዪ እዩ ። እዚ  ድማ ንተግባርዊ ንጡፍነትን ተኽእሎን ብዓቢ ዝላ ንቕድሚት የወንጭፎ። ከመይ ጌረ እዚ ብቐሊሉ ክረኸቦን ክውንኖን ክኢለ ዘሎኹ ብዝሓየለ ዓቕሚ  ዬድማዓሉ? ኣብ ምንታይ ዓውዲኸ? ዝብሉ ኣገደስቲ ሕቶታት ክንምልስ ይግብኣና። ብሓጺሩ እቲ ዘይንጹርን ዝተሓላለኸን ዘሎናዮ ዓውለማዊ ኩነታት ዝእዝዞ ክንገብር ኣሎና። እዚ ማለት ድማ ዓቕምና ከነህጥር፤ ፍልጠትና ከነደንፍዕ፤ ብልጫታትና ክንዕቅብ ከምኡውን ከነስብሕ፤ ጉድለታትና ከነውሕድ ወይ ከነማህምን (marginalize)፤ መጻኢ ዕድላትናን ጥቕምታትናን ብዝግባእ ክንምዝምዝ ኣሎና ማለት እዩ። እዚ ምግባር ድማ ነቲ ምዕባለ ዘምጽኦ ተክኖሎጂ በቲ ክውንነታዊ ትግባሬኡን ዝያዳ ከርብሓና ዝካኣለሉ መንገዲን ኣብ ወልቃዊ ኮነ ማሕበራዊ መኣዲታት ብእንኽእለሉ መሃዝነታዊ መንገዲ ክንስልጥነሉን ክንረብሓሉን ይሕግዘና። እንታይ እዩ ዘድልየና ዘሎ ኢልና ለይትን መዓልትን ክንሰርሕን፤ ክንውጥንን፤ ከምኡውን ከነድምዕን ግድነታዊ ዕለታዊ ተግባርና ክኽውን ኣሎዎ። ። ነዚ በቲ ዝጸፈፈን ዝተዓጻጸፈን መንገዲ ከነተግብር ድማ እንታይ ረቛሒታት ዬድልዩና ኢልናውን  ኣብ ክሊ ነብሰ ብዱህነት ክንሓስብን ውልቃዊ ተራና ነድማዓሉ ኩነታት ክንፈጥርን እቲ ዝዓበዬ ሃገርዊ እጃምና ክኸውን አሎዎ። ብቑዓት ተዓጻጸፍትን ንኽንከውን፤ ረብሓታትና ንከነውሕስ፤ ተወዳዲርና ጸብለልትነት ንኸነርኢ ብዙሓት ረቛሒታት ብዝሰፍሔን ዝጠንከረን ሜላታት ክንብድህ ይግባኣና። ነዚ ናይ ተክኖሎጂካዊ ተጠቃምነት፤ ነወነዝፎ ጉዳይ እውን ኣይኮነን። እቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ልዑል ብቕዓትን ኣስተዋጽኦን ተድሚሩ ሃገራዊ ብቕዓትን ዕብየትን ክምዝፈጥር ክንርዳእ ኣሎና።

ሎሚ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራትስ ይትረፍ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ እኳ እቲ አብ ርሑቕ ገጠራት ከይተረፈ መርበብ ኢንተርነት ዘይኣተዎ ኣዝዩ ውሑድ እዩ እንተበልኩ ኣየጋነንኩን። ሓደ ከነስትውዕለሉ ዝግባኣና ግን ኣሎ። ኣብቲ ከም ማይ ባሕሪ ዝምብዝሑ ውህሉል ሓብሬታ ኢንተርኔት ኣዝዩ ብዙሕ ዘዬድሊን ጐዳእን ዝኾነ ሓበሬታን ተርእዮታትን ስለዝሎ፣ ብጥንቃቐን ብውሕልነትን ክንጥቅመሉ ይግባኣና። ብፍላይ ንመንእሰያት ደቅናን ኣሓትናን ኣሕዋትናን ብዝግባእ ክንመኽሮምን፣ ከነለብሞምን ክንምህሮምን ከምኡውን ክነንቀሖምን ይግባኣና እዩ። ርኣዩዎ‘ ሞ እቲ ዘሎና ጊዜ፣ ውሱን እዩ። ኣብ ሰሙን 168 ሰዓታት እዩ ዘሎና ንኹልና። እቲ ፍልልይ ድማ ከመይ ነድማዓሉ እዩ። ንኣብነት ከም በዓል ሲንጋፖር ዝኣመሰላ ኣብነት ናይ ስልጣኔ ታኣምራታዊያን ወይ ኣናብር፣  ኣብ ሓጺር ጊዜ ካብቲ ዝነበራሉ ድኽነትን ትሑት ምዕባሌኣዊ ደረጃን ወጺኤን ኣብ ዓርሞሸሽ ስልጣኔኣዊ ደረጃ ክበጽሓ ዝኽኣላ ድማ ብውሕሉልን ሓፋሽ ኣሳታፊን ምሕደራ ብምትእትታውን ንዝትዋህበንን ዝሎወንን ጊዜ ብግቡእ ብምጥቃምን እዩ ካልእ ተኣምራታዊ ምኽንያት ዬብሉን።

ብምኽንያት ወንጫፊ ምዕባለ መራኸቢ ተክኖሎጂ፣ ኩሉ መዳያዊ ስነፍልጠትን መሃዝነታዊ ኣሰራርሓ ብልሓታትን ናብ ዩኒቨርሲታት ከድካ ጥራይ ኣይኮነን ዝርከብ። ዕድመ  ንሓበሬታዊ ተክኖሎጂ፣ ስነፍልጠት ካብ ዝኾነ ጊዜ ንላዕሊ ሓሲሩ እዩ። ኣብ ዝኾን ቦታን ጊዜን ኮንካ ክትረኽቦ ዘጸግም ኣይኮነን። እቲ ቀደም ኣቦታትናን ኣዴታትናን (ከም ባዓል ኣቦይ)  ላዕለዋይ ትምህርቲ ንምስናቕ ናብ ሃገራት ሰሜን ኣሜሪካን ኣውሮጳን ዝትጓዕዝሉ፣ ሎሚ ብመርበብ ኢንተርነትን ካልእ ሓቤሬታዊ መሳለጥያት ኣቢሉ ናብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብቐሊሉ ይበጽሕ ኣሎ። ኣብዬት ብፍላይ ንሕና መንእሰያት ወለዶ ከመይ ዝበለ ስቡሕን ጽቡሐን ዕድል እዩ ዘሎና? እቲ ዝድለ ድማ እቲ መሳለጥያታት ምዝርጋሕን ምውህሃድን እዩ ። ንኣብነት ኣብዚ ጊዜ ኢንተርነትን ካሎኦት ናይ ናይ ሓብሬታን ርክባትን መሳለጥያታት ኣብ ብዙሕ ዓውድስራሓት ቁጠባ ይኹን ማሕበራዊ ናብራ መዳርግቲ ዘይብሉ ኣግልግሎት ይህቡ ኣሎው። ሳላ እዚ ዘይተኣደነ ተክኖሎጂካዊ ጸጋታትን ተኸእሎታትን፣ ዝኾነ ብምያው ፍልጠትን ክእለትን ክምዕብል ዝደሊን ዝግደስን ሰብ ብዙሕ ዕድላት ክምዘሎዎ እዩ ብንጹር ዝእምት። ስለዚ ነዚ ዘመን ዘምጸኦ ፈጣን ውጽኢት ዓውሎማዊ (ግሎባል) ምዕባለ ብግቡእን በቲ ዝድል መቓንን ክንጥቀመሉ ክንክእል ኣሎና። ትግሃት፣ ተባላሓትነት፣ ዘይተኣደነ ድልዬት ከምኡውን ወሳንነት ጥራይ እዩ ዘድልዬና። እቲ ዘገርም ድማ ቅድሚ ቁሩበ ዓሰርተታት ዓመታት ሚልዮናት ከፊልካን ምህርታዊ ጊዜኻ ሰዊእካ ዝርክቡ ወይድማ ዝቕሰሙ ዝነበሩ ስነ ፍልጠታት፣ ሞያታት ከምኡውን ተኽእሎታት፣ ሎሚ ኣብ ኣብ ኩሉ ትዘርጊሖም ይርከቡ ኣሎው። እቲ ዝድለ ድማ ብተዛማዲ ብውሕድ ወጻኢታት ኮምፕዩተርን ተዛማዲ ናውትን ወኒንካ፣ ዋይ ፋይ (ወይ ኢንተርነት) ምትእትታው አዩ። ነዞም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብፍላይ ኣብተን ምዕቡላት ሃገራት እንንብር ድማ ዘጸግመና ኣይኮነን። እቲ እንኮ ክንገብሮ ዘሎና ድማ ነቲ ዘሎና ግዜ ብግቡአ ምጥቃምን ምምሕዳርን እዩ፤

እዚ ንእሽቶ ክፋል ስነጽሑፍ ካብቲ ብነብስሄር መንእሰይ ዮሓንስ መንግስተኣብ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ተማሃራይ ከሎ ካብ ዝገብሮ “ዳግማይ ክፍጠር አቲ ነብሪ፡ ድግማ ዕውት ቁጠባዊ ምዕባለ ሲንጋፖር ኣብ ኤሪትራ (Recreating the Tiger: Replicating the Economic Success of Singapore in Eritrea) ብዝብል አርእስቲ ንኡድ ምርምራዊ ስራሕ ዝተወስደ እዩ። ዮሓንስ ኣብ ሽዊት ዕድሜኡ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ (ዝተወልደሉ ሕዳር 08, 1992 - ዝዓረፈሉ ጥቅምቲ፣ 09,2015)። ተርጓሚ ወላዲኡ ዶ/ር መንግስተኣብ ተስፋዮሓንስ።"

ግዳም ሓደር ስደተኛ

April 3, 2016

ግዳም ሓደር ስደተኛ

ግዳም ሓደር ኮይነ ስደተኛ ዕረፍቲ ዘይፈልጥ ድርብ መክረኛ
ፋሕተርተርተር ከዬቋርጽ ክውደስን  ክባሃልን ብሉጽ ጻዕረኛ 
ብዘይ ገደብ ይውፈ ናብዚን ናብትን ይጓዓዝ  ከም መጽዓኛ

ናብራይሲ ብቐንዱ መሪር ቃልሲዩ ዝበዝሖ ላዕልን ታሕትን
ኣብዘዝኽድኩዎ ይለፍዕ ይዕሰብ ክባሃል ዝያዳ ንፉዕን ሓላልን
ካን ንዓይስ  ግደይ ኮይኑ ክሓልፍ   ብሓባጥን ጎባጥን
ግዳይ ስደት ኮይነ የሕልፎ ኣለኹ ኣዋርሕን ዓመታትን

ዓንኬል ናይ ስደት ክባብ እያ ክም እትዘውር ምሬት
ዘቑጸልጽለት ዘለላ ወይኒ ትመስል ሕልማዊት መቐረት
ናብኩሉ ቦታ  ኬድካስ መለሳ ዬብላን ንሳ አያ ዝመረረት

I am an Eritrean and African

April 2, 2016

I am an Eritrean

By Yohannes Mengsteab (1992-2015)

I am an Eritrean
Not because I was born there
But because my heart beats with Eritrea’s
I am an Eritrean
Not because my skin is black
But because my mind is engaged by Eritrea
I am an Eritrean
Not because I live on its soil
But because my soul is at home in Eritrea

When Eritrea weeps for her children
My cheeks are stained with tears
When Eritrea honours her elders
My head is bowed in respect
When Eritrea mourns for her victims
My hands are joined in prayer
When Eritrea celebrates her triumphs
My feet are alive with dancing

I am an Eritrean
For her blue skies take my breath away
And my hope for the future is bright
I am an Eritrean
For her people greet me as family
And teach me the meaning of community
I am an Eritrean
For her wildness quenches my spirit
And brings me closer to the source of life

When the music of Eritrea beats in the wind
My blood pulses to its rhythm
And I become the essence of music
When the colours of Eritrea dazzle in the sun
My senses drink in its rainbow
And I become the palette of nature
When the stories of Eritrea echo round the fire
My feet walk in its pathways
And I become the footprints of history

I am an Eritrean
Because she is the cradle of our birth
And nurtures an ancient wisdom
I am an Eritrean
Because she lives in the world’s shadow
And bursts with a radiant luminosity
I am an Eritrean
Because she is the land of tomorrow
And I recognize her gifts as sacred

Share a story

Add a document, picture, song, or video
Add an attachment Add a media attachment to your story
You can illustrate your story with a photo, video, song, or PDF document attachment.