ForeverMissed
Large image
Tributes
November 8, 2023
November 8, 2023
Yohannes, today is your birthday, Nov. 8, 2023. Unfortunately, you are not with us physically. But you are always in our hearts and minds. We remember you with emotions and extreme sadness. What can we do? We missed you, which is unbearable for us. We can say only we are just WE ARE LIVING FOR YOU. Our young, no wards will not suffice for us to express our sadness. REST IN A PERFECT PEACE.

ፍቑር ወድና ዮሓንስ። ሎሚ መዓልቲ ሕዳር 8, 2023 ዕለተ ልደትካ እዩ። ወላካ ብኣካል ካባና ካብ ንፈትወካ ስድራ ቤትካ እንተተፈለኻ ኣብ ልብናን መንፈስናን ኣእምሮናን ኩሉጊዜ ምሳና ኢኻ። ዮሃና ንዕለተ ልደትካ ድማ ንብለካ። ዘሕዝን እዩ ድማ። እወ ንዓኻ ክብርን ዝኽርን ምእንቲ ክንህብ ንነብር ኣለና። እወ ንዓኻ ክንዝክር። ዘሕዝን ድማ እዩ።

Today, November 1, 2023, is ALL SAINTS DAY. This is a Memorial Day honoring and commemorating all our children, sisters, brothers, parents, and other friends and good wishes who passed away from this complex earthly life. Let the Lord Jesus Christ bless their souls.
Our beloved son YOHANNES, we, your parents, sisters, extended families and friends living in all places, honoring and remembering you. You are always in our hearts and minds. Rest in perfect peace.
November 1, 2023

ሎሚ መዓልቲ ሕዳር 1, 2023, ዝኽሪ ኩሉም ካብዛ ዓለም ዝሓለፉ ነብሲሄራት ደቅና፣ ኣሓትና፣ ኣሕዋትና፣ ወለድናን ካሎኦት ፈትውትናን ንኹሎም ብልብናን ብሕልናን ንዝክረሉ ቅዱስ መዓልቲ እዩ። ወድና ዮሓንስ ድማ ብልብና፣ ሕልናናን ንዝክረና ኣልአን ንሕና በተሰብካን ፈተውትኻን፥
እዴኻ ኣቦኻ ኣሓትካን ኩሉ ቤተሰብካን
ሕዳር 1, 2023
October 9, 2022
October 9, 2022
TODAY SEVEN YEARS AGO WAS A SAD DAY OF THE PASSING AWAY OF OUR DEAR SON YOHANNES MENGSTEAB.
YOHANNES, YOU ARE ALWAYS IN OUR HEARTS AND MINDS
YOUR PARENTS, SISTERS AND EXTENDED FAMILY MEMBERS.
October 7, 2022
October 7, 2022
ፍቑር ዮሓንስ ወድና። እነሆ ብመሪር ሓዘንን ናፍቖትን ናይ መበል ሻቡዓይ ዓመተ ዕረፍትኻ ብእስተንትኖ ንዝክረካ ኣለን። ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ይሃብካ። ስጋብ ናብቲ ዘለኻዮ ንመጽእ። ኣብ ልባናን ኣእምሮና ምሳና ኢኻ።

Our loved and dear son, we are remembering you with extreme sadness in the 7th year of your passing. Yohannes, you are always with us in our hearts and minds until we come to where you are. Rest in perfect peace. God bless your spirit.
Your parents, your sisters, and our extended family members
September 1, 2022
September 1, 2022
ዮሃንስ ወድና ነፍቅረካ ንናፍቐካ። ምኽሪ ሃበና እቲ ዝኽርኻ ድቃስ ከሊኡና።
May 12, 2021
May 12, 2021
ኣድማዕነት ብፍልስፍና ኣድላይነት
ኣየ ወዲ ሰብ! ክበልሕ ክህርኩትን ሓያልን እዩ ብተፈጥሮ
ዝውንንዩ ብሉጽ ክእለት ወ ፍልጠት ምስ መሃዝነት ተመኩሮ
ክውጥነሉን፣ ክሰርሓሉን፥ ከፍርየሉን፣ ከድማዓሉን ኣብዝተዋፈሮ
እወ በቲ ኩሉ ተኽእሎ ስነፍልጠት ስነ ቁጠባ ምስ ስነ ኣእምሮ
ብቕጻሊ ይባላሓት ይምህዝ ይሓስብ ንኹሉ ዝደልዮ ንመነባቦሮ

ወዲ ሰብ ጥበበኛ እዩ ይእምት ይትልም፣ የተግብር ብብቕዓት
ብዕቱብ ክዋሳእ፣ ክነጥፍ፣ ዝኽእል በቲ ዝድለ ጥርኑፍ ኣላይነት
ዝምራሕ ብኹሉ መዳያዊ ኣምርን ኣድላይነትን ምስ ኣድማዕነት
ምህርቱ ይስስን፣ ይጽብቕ፣ ይሕይል፣ ይበዝሕ ብኹሉ መኣዝናት
ፍረ ጻዕሩ ይረክብ፣ ይሓፍስ፡ ብሉጽ ውጽኢቱ ይኸውን ብኻዕበት

ወዲሰብ ወናኒ ልዑል ፍልስፍና እዩ፡ ከም በዓል ድርብ ብልሒ
እወ ምእንቲ ክኽውን ናይ ምዕባለ ኣንፈት፡ ሓባሪ ቀላሲ መራሒ
ብምኽሪ ብኣእምሮን ብጥበብን ዝላፈን፡ ምስ ናይ ምህዞ መሳርሒ
ምስ ዘዋደዶን ዝኣርነቦን ብሉጽ ናውቲ ማእቶት ንክኸውን ተረባሒ
ሓንጎል ወዲሰብ ሪቕ ዕቑር ጸጋታት እዩ፡ ንምዕባለ ሃንዳሲ ሰራሒ
ሕፍንቲ እኳ ዘይተላዕሎ፡ ነቲ ዓርሞሸሽ ዝተዓደሎ ባህርያዊ ብልሒ

ብቐጻሊ ንስራሕ ንጽዓር ንምሃዝ ነበርክት፡ ንዘለኣለም ከም እንነብር
ኣይንዘንግዕ ከኣ፡ ጽባሕ ክንመውት ከምእንኽእል ብሕልና ንዘክር
ኢሎም መኺሮም ህርኩታት ጀርመናውያን፡ ንሕጊ ተፈጥሮ ብዘነጽር
ንስማዓዮም ድእ መሃዝቲ እዮም ጻዕረኛታት፡ ኣብነት ጽዒሩ ዝነብር
ለባምን ኪኖ ሓጹር ዘሕስብ ናይ ተመኩሮ ብሂል እዩ፡ ሕልና ዘህጥር
ምዕባለ ቀጻሊ ምዃኑ ብፍላይ ዝእምት፣ ዝገልጽ ከምኡውን ዘዘኻክር

እወ ነውጻኣዮ ድኣ ብኹሉ መኣዝናት፡ ናብ ኩሉ ዓውሎማዊ ቅርዓት፥
ነቲ ብባህርያዊ ዝተዓደለ፡ ናይ ወዲሰብ ዘይተኣደነ ዓርሞሸሽ ብቕዓት
እይንድከ፣ ኣይንደንቁር፣ ኣይንጥመ፣ ንጠቐመሉ ነቲ ዘለና ዕቁር ፍልጠት
ንፍለጦ ድእ ከም ደቂ ሰባት፡ ብሰፊሑ ስለ እንውንን ሰፊሕ ዓቕምታት
ንጠቐመሉ ድኣ ናብራና ክማሓየሽ ጥዕናና ክሕሎ፡ በቲ ዝድለ ብልሓት
ብፍላይ ንዓኹም፡ ናይ ጽባሕ ተስፋ ሃገርኩም ዝኾንኩም መንእሰያት
እወ መንእሰያት፡ ናይ ሎሚ ዕምባባ ናይ ጽባሕ ኣማሓደርቲ ኣፍረይቲ
ኣጆኹም ተባላሓቱ ንፍዑ ተማሃሩ፡ ክትኮኑ ብቑዓት ሃገር ተረከብቲ
ንቑሓት ኴንኩም ርብሑሉ ክሰቡሉ፡ ተጠቐሙሉ ነቲ ዕቑር ሃብቲ
እወ ነቲ ዘለኩም እንደግና ዘይርከብ ወርቃዊ ጊዜ፡ ክትኮኑ ተዓወትቲ
ሃየ ክሰቡላ፡ ትሓልፍ ኣላ እታ ዳግም ዘይትርከብ ጊዜ፡ ሓባራዊት ሃብቲ
እወ እታ ቂም ቂም ትብል ካልኢት፣ እታ ደቒቕ እታ ሰዓት ወ መዓልቲ
ኣይትኽዘን ኣይትወድቕ ኣይትጸንሕ ኣይትጽበ፡ ትሓልፍ ዘላ ጊዜ ክብርቲ

ኩሉና ዝምልከተና ከምኡውን ክእለት ዘለና፡ ወለዲ ምስ ሃገር እነማሓድር
ነወንዝፎ ጉዳይ ኣይኮነን፡ ዓቢ ሓላፍነትን ሕድርን ኣለና ዝግባእ ክንገብር
ብዕቱብ ተረዲእናን ነቒሕናን፡ መንእሰይ ምዃኑ ናይ ጽባሕ ተረካብ ሃገር
ንሓግዞ ድኣ ብኹሉ ዓቕምና፡ በቲ ዝድለ ክስልጥን፣ ክረብሕ፣ ክዕንትር
ብብቕዓትን ብኽእለትን ብፍልጠት ብሞያን፡ ተኽእሎ ወኒኑ ሃጢሩ ክነብር
በቲ ዝድለን ብዕቱብን ክኽሸን ክዳሎ፥ ስነ ፍልጠታዊ ተኽእሎ ክዓትር
ብጽፉፍ ብስሉጥ ክጥቀም፡ ካብ ብቐጻሊ ዝውሕዝ ዓውሎማዊ መስተንክር

ነበርክት ኩሉና ብዝግባእ፡ ሃገርና ክትስልጥን ክትሕምበብ ክትህብትም
እወ ዜጋ ንክቋደስ፣ ካብቲ ዓውሎማዊ መኽዘን ፍልጠት ንኹሉ ብዝጥዕም
እወ ሓፋሽ ምስ ዘበርክትን ዝነጥፍን፡ ብምሉእ ሓይሉ ንሽግር ምስ ዝገጥም
ምዕባለ ሃገር ይሕምበብ፣ ይቕጽል፣ ይስውድ፣ የድምዕ ብዘሕጉስ ንለባም
ናይ ነፍሲወከፍ ዜጋ ኣስተዋጽኦን ኣበርክቶን እዩ፡ ንሃገር ዘሀብትም

ባሃማት ኣይንኹን ንፍለጦ ድኣ ሓፋሽ እዩ ዝፈጥር፡ ናይ ህዝብን ሃገርን ብቕዓት
ንሓፋሽ ነማዕብሎ ነበግሶ ነተሓባብሮ ንጽዓረሉ ነተባባዓዮ፡ ንኸርእየና ተኣምራት
ሃገርን ህዝብን ክስልጥኑ ክውደሱ፡ ነበር ክኽውን ድኽነት ከም ኣብነት ዕውታት
ክንከውን ኣብነታውያን ከምቶም ኣናብር ምብራቕ ኤስያ፡ ብኹሉ ውሕሉላት
እወ ኣይንኽሰሮ እቲ ዘይተኣደነ ናይ ወዲ ሰብ ፍልጠት፣ ዓቕሚ ምስ ብልሓት።

ዶ/ር መንግስተኣብ ተስፋዮሃንስ
October 4, 2020
October 4, 2020
እዚ ግጥሚ እዚ ንፍቑር ወድና ዮሓንስ መንግስተኣብ ናይ ሓሙሻይ ዓመትው ሕልፈቱ ንዝኽሪ ተባሂሉ ዝተበርከት እዩ
11/08/1992 – 10/09/2015
ዮሓንስ ቆጽሊ ኣውዲቕናልካ
ንስኻ ዮሓንስ ሕያዋይ ፍቑር ወድና
እነሆ ኩሉጊዜ ንዓኻ እንዳዘከርና
ድሮ ንሓሙሸት ዓመት ተፈሊኻና
ናትካ ናፍቖትሲ ምውጻእ ኣቡዩና
እንታይ ክንገብር ጸሊም ተቐንቲና

እወ ሰሊዑ እዩ ኣምላኽ ዝዓደለካ
ኩሉ ዝሃርፍ እዩ ቆጽሊ ኣውዲቑልካ
ንፉዕ በዓል በሊሕ ኣእምሮ ተባሂልካ
እንታይ እሞ ይገበር ገዲፍካና ኬድካ

ንዓኻ ንድሃይ ኣለና ኣለኹ እዩ ዝባሃል
ዓለም ርግምቲ ዓቢ ንእሽቶይ ኣይትብል
ብሉጽ ኾኾባይ እንዲኻ ጽንሕ ዘይትብል
ኔሩካ እንድዩ ዝዕየ ካብ ንኹሉ ዝኾልል

ምኽርኻስ እምበር ስኢናዮ ክንብል ሃረር
ዓመት ከይዳን መጺኣ እንዳበልና ክንቆጽር
ብናይ ሃረርታ መንፈስ ምቐሳሊ ክንብህርር 
ዮሓንስ ውድና ንዓ ምኸረና እንታይ ክንገብር

ክትበልሕ ህርኩት ሓያል ኢኻ ብተፈጥሮ
ፈላጥ እኻ ኔርካ እወ ብዓል ብሩህ እእምሮ
ምልምል መንእሰይ ዘድምዕ ኣብዝተዋፈሮ
ዝተዓደልካ ስነፍልጠት ምስ ስነኣእምሮ

ንሕና ወለድኻ ምስኩ ዝፈትወካ ብሕብረት
ንዝክር ንሓስብ ምስ ምስ ሓዘና ብኻዕበት
እንታይ እሞ ንገብሮ ስኢና እቲ ብልሓት
ንዓኻ ዝመልሰልና ናብቲ ንደልዮ ቕርዓት

ዮሃንስ ወድና ኔርካ በሊሕን ለባምን ንፉዑን
እወ ኣብ ልብና ኣለኻ ክንትስእን ክንድቅስን
ኣምላክ ኣብ ሓሩካ እዩ ንሕና ንገብሮ የለን
ዘላኣለማዊ ዕረፍቲ ይግበረልካ ብሩህን ቅዱስን

ትፈትወካ ተፍቅረካን ኣዴኻ ጽላት ተስፋዝጊ
ዝፈትወካ ዘፍቅረካን ኣቦኻ መንግስተኣብ ተስፋዮሃንስ
ዝፈትዋካን ዘፍቅራኻን ኣሕዋትካ ሃረርታን ሩታን
ኩሎም ቤትሰብና ኣብ ኩሉ ዘለው ይዝክሩኻ ኣለው።

ጥቅምቲ 4, 2020
ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ
August 9, 2020
August 9, 2020
Rest in Peace Our beloved Yohanes. We can’t believe it has been four years since you left us. Life is hard without you. We love you very much & miss you terribly.

REST in PEACE

Senait & Maekele Abraha

December 20, 2019
December 20, 2019
My dear son, I always remember you. You are alive in my mind and heart.
Dad
Prof. Mengsteab
12/20/2019
November 9, 2019
November 9, 2019
ብሰላም ዕረፍ ዮሃንስ ወድና ኣብዚ መበል 27 ዓመተ ልደትካ ንዝክረካ። ኩሉ ጊዜ ኣብ ልብና ኣለካ።
ስድራ ቤትካ።

Today Nov. 8, 2019, is your 27th birthday. You are always in our hearts and minds.
Mom, dad, sisters and extended family members.

November 8, 2019
November 8, 2019
ሎመ ሕዳር 8, 2019 መበል 27 ዓመቱ ንዮሃንስ ወድና እዩ። ብከቢድ ሓዘን ድማ ንዝክሮ ኣሎና። ዮሃንስ ዝኽርካ ኩሉ ጊዜ ኣብ ልብና ኣሎ።
November 8, 2019
November 8, 2019
Today is the 27th anniversary of our son Yohannes Mengsteab's birth. We remember him with sadness.

January 22, 2018
January 22, 2018
ዮሓንስ ወድና ንዓባ በጃኻ ተዳሃየና
ግደፍባ ስምዓና ንጽዋዓካ ኣለና ኩልና
ኣቦኻ ኣዴኻ ምስተን ኣሕዋትካ ፍቑራትና
እንታይ ኢና ንገብሮ ካን በርቲዑ እቲ ሓዘና
ዝኽርኻ ንጊሱ እሎ ኣብቲ መዓሙቕ ልብና
እንድዓ እንድዓ እንታይ ምግባር ይሕሽና
ኣበይ ከደ እቲ ትኩር ሓንጎልካ ዘኹርዓና
እዋይ ኣብ ሰዊት ንእስነትካ እባ ተመንጠልና
ሕጂውን ኣይቀበጽናን ንዓ ግደፍ ተመለሰና
ናብራ ኣይካኣልናዮን ንስኻ ካብ ትፍለየና
ንዓ ግደፍ ንዓ ግደፍ ንዓናስ ኣይትጨክነልና
ክም ግዳም ሓደር ተኾርሚና ንጽበየካ ኣሎና
እይከውንን ኣይንቕበሎን ናትካ ምፍላይ ካባና
ወላዲኻ
ፕ/ር መንግስተኣብ ተስፋዮሃንነስ
1/22/2018
October 8, 2017
October 8, 2017
Today October 9, 2017, is your second-year memorial. Already two full years passed since you left us alone here in this World. Our sadness and agony continued unabated. It has become more and more unbearable for us to lose so bright and kind son like you. It has continued to mayhem us. It is indeed unbearable for us. We don't know really what to say. Sad life without you
July 7, 2017
ኹሕለይቲ መርዓት

እንቲ ዓደቦ ኤርትራ ሽኮርዶ ክብለኪ
ክም ጽብቕቲ መርዓት ኩሉ ዝብህገኪ
ህርኩትን ሕያዋይን ህዝቢ ዝተዓደልኪ
በቲ ጥዑም ክሊማኺ ኩሉ ዝትምነየኪ
እንታይክ ዘይሳኣኖ እቲ ባሕርኺ መሬትኪ
ወርቂ፣ ብሩር፣ ዘይቲ፣ ምስቲ እምነበረድኪ
ክንደይ ኢልካ ክጽብጸብ እቲ ዕቑር ጽጋኺ
መጸለሊ እንዶ ኮይኑ ንኹሉ ኣማዕድዩ ዝርእየኪ
ማናዳ ምናዳ እቲ ሓየትን ሕያዋይን ህዝብኺ
ከይተማህረ ዝተማህረ እዩ ዘህጥር ንያትኪ
ሰላምን ቅሳነትን፣ ራህዋን ምዕባለን ንዓኺ
ክንርእየኪ ንደሊ ከምተን ኣናብር ዓለም ኮንኪ
ሰላምን ሕወነትን ይፈጠር ኣብ ሞንጎ ድቅኺ
ካብኡ ርሒቑውን ምስቶም ኣህዛብ ጎረባብቲኺ
ይርሓሰና ይርሓሰና ንበል ኩሉና ሰሰናዩ ንዓኺ
ዓዲ ጀጋኑን ሓየታትን ኢኺ ብኹለንትናኺ
ዓቢ ተራ ኣሎኪ ንሰላምን ምዕባለን ናይዚ ጎደቦኺ

ዶ/ር መንግስተኣብ ተስፋዮሃንስ ንዝኽሪ ወድና ነ/ሄር ዮሓንስ መንግስተኣብ
November 8, 2016
November 8, 2016
NEW
24TH BIRTH DAY OF YOHANNES NOV, 8, 2016

Our beloved son Yohannes.
Today Nov. 8, 2016 is your 24th birthday. Your Mom, Dad, Sisters, extended family members, friends and all good wishers paid tribute to you with grief, sadness and nostalgic. You were a kind, humble, intelligent son. We miss you very much. God bless your soul in his heavenly power and rest in peace. We just look at you in our hearts and minds with big sorrow by saying, had Yohannes alive today, we could be happy and celebrate his 24th birthday. Words will not suffice for us to express how much we miss you. 

Yohannes our beloved son forever
We are remembering you with care
Today Nov., 8 is your 24th birthday
Instead of celebrating a sorrow day
What a sadness and nostalgic for us
Our hearts are missing your kindness
Good son a pride for us and others
What can we do to express our love
God gave us you like a bright light
God selected you to take you back
We pray and grace God’s decisions
Rest in in perfect peace Yohannes
You are always in our hearts and minds
We love you Yohannes forever and ever.

ፍቑር ወድና ዮሓንስ
ሎሚ መዓልቲ ሕዳር 11, 2016 መበል 24 ዓመት ልደትካ እዩ። ብሓዘን ድማ ንዝክረካ ኣሎና እወ ሰናይ ትምኒትና ኔሩ ኣብዚ ዓለምዚ መበል 24 ዓመትካ በሓጎስን ፍስሃን ምሳኻ ኰይና ብሓጐስን ባህታን ከነሕልፎን ከነብዕሎን። ሕያዋይ፣ ፍቑር፣ ንፉዕ፣ ደንጋጽን ሓላይን ኔሪካ። እንታይ እሞ ኣፍና ብኽፉቱ ልብና ብህሩፉ ገዲፍካን ኬድካ። ልብናን ኣእምሮናን ምሳኻ እዩ ዘሎ። ሪኢና ሲእናካ። ሓዘና ወሰን ዬብሉን። ንሕና ኣዴኻ፣ ኣቦኻ፣ ፍቑራት ኣሕዋትካን ኩሎም ቤተሰብካን ፈተውትኻን ይዝክሩኻ ኣሎው። ዮሓንስ፣ ኣብ ልብናን ሓሳብናን ኣእምሮናናን ክሉ ጊዜ ኣሎኻ። እንታይ እሞ ክንብል። እምላኽ ንዓኽ ክንዲ ሽሕ ሂቡና። ኣምላኽ ድማ ወሲዱካ። ፍቓድ ኣምላኽ እዩሞ ንዘላኣለም ይባረኽ።
ፍቑር ዮሓንስ እንታይ ኢና ንገብሮ
ሓዘና በርቲዑ ንዓኻ ኣንዳተዘክሮ
ሕያውነትካ መንፍዓትካን ኣንዳበራበሮ
ልብና ምሳኻ እዩ ኣብ ኩሉ መነባብሮ
እንዲዒ ናትካስ በይኑ እዩ ጌሩና ዕንኪላሎ
ክንዲ ሽሕ እንዲኻ ኔርካ ኩሉ ዝካኣሎ
ሪኢናባ ሳኣናካ ጓሂና ድርብ ኮይኑ ኣሎ
ብዓይነ ሕልና ጠሚትናካ በልና ኣበይ ኣሎ
እውይ እዛ ሞት ሕስምቲ ንኹሉ ዝይትገድፍ
ንንእሽቶይ፣ ንዓቢ ንኹሉ ትወስድ ትቐጥፍ
ንንፉዕ ኣይትብል ንሕያዋይ ንኹል ትጥርንፍ
መንጠለትናባ ነዚ ፍቑር ወድና ዘይትንሕፍ
ዮሓንስ ፍቑር ወድና ኣለኻ ኣብ ልብና
እወ ክትነብር ኢኻ ኩሉ ጊዜ ኣብ ተዝክሮና
እምላኽ ሃበ ኣምላኽ ወሰደ ንብል ኣለና
ክብሪ ንእምላኽ ንዝለኣለም ይባርኽ ንዘለውና
ንውድሶ ኣለና ብልብና ነቶም ዘለው ከሰስነልና
October 9, 2016
October 9, 2016
Today October 9, 2016 is the remembrance of our Son Yohannes Mengsteab passing. It is with sadness and grief we are remembering him. There will be a memorial mass dedicated to him at the Saint Pius X, at Selinsgrove, PA. We are intensely remembering him in our prayers. May God give his soul mercy and rest in perfect peace. We have launched a website: http://www.yohannes.mengsteab.com

His Mom and Dad, Tselat and Dr. Mengsteab, his sisters, Harerta and Ruth. His extended family members.http://yohannes-mengsteab.com/
July 6, 2016
Please Check at the STORY SECTION to read a good article written jointly by Late Yohannes and his Dad Dr. Mengsteab
March 30, 2016
March 30, 2016
ግዳም ሓደር ስደተኛ"

ግዳም ሓደር ኮይነ ስደተኛ ዕረፍቲ ዘይፈልጥ ድርብ መክረኛ
ፋሕተርተርተር ከዬቋርጽ ክውደስን ክባሃልን ብሉጽ ጻዕረኛ
ብዘይ ገደብ ይውፈ ናብዚን ናብትን ይጓዓዝ ከም መጽዓኛ

ናብራይሲ ብቐንዱ መሪር ቃልሲዩ ዝበዝሖ ላዕልን ታሕትን
ኣብዘዝኽድኩዎ ይለፍዕ ይዕሰብ ክባሃል ዝያዳ ንፉዕን ሓላልን
ካን ንዓይስ ግደይ ኮይኑ ክሓልፍ  ብሓባጥን ጎባጥን
ግዳይ ስደት ኮይነ የሕልፎ ኣለኹ ኣዋርሕን ዓመታትን

ዓንኬል ናይ ስደት ክባብ እያ ክም እትዘውር ምሬት
ዘቑጸልጽለት ዘለላ ወይኒ ትመስል ሕልማዊት መቐረት
ናብኩሉ ቦታ ኬድካስ መለሳ ዬብላን ንሳ አያ ዝመረረት
March 30, 2016
March 30, 2016
እዚ ንእሽቶ ክፋል ስነጽሑፍ ካብቲ ብነብስሄር መንእሰይ ዮሓንስ መንግስተኣብ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ተማሃራይ ከሎ ካብ ዝገብሮ “ዳግማይ ክፍጠር አቲ ነብሪ፡ ድግማ ዕውት ቁጠባዊ ምዕባለ ሲንጋፖር ኣብ ኤሪትራ (Recreating the Tiger: Replicating the Economic Success of Singapore in Eritrea) ብዝብል አርእስቲ ንኡድ ምርምራዊ ስራሕ ዝተወስደ እዩ። ዮሓንስ ኣብ ሽዊት ዕድሜኡ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ (ዝተወልደሉ ሕዳር 08, 1992 - ዝዓረፈሉ ጥቅምቲ፣ 09,2015)። ተርጓሚ ወላዲኡ ዶ/ር መንግስተኣብ ተስፋዮሓንስ።"

ዘሎ ተክኖሎጂ ንጠቐመሉ ናብራና ክማሓየሽ

ዮሓንስ መንግስተኣብ

ኣብ ምዕባሌኣዊ ታሪኽ ናይ ዓለምና፣  ሕርሻዊ ስውራ፤ ስነፍልጠታዊን ትካላዊ ሰውራ (እንዳስትሪያል ሩቮሉሽን)፤ ኤሌክትሮኒካዊ ተክኖሎጂካዊ ሰውራ እነዳበለ ኣብ ሓበሬታዊ ሰውራ (ኢንፎርመሽን ሮቮሉሽን) በጺሑ ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ ሓበሬታዊ ተክኖሎጂካዊ ምዕባለ መሳለጥያታትን ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑሉ ዘሎ ጊዜ ከምቲ ዝድለ ዘይምጥቃም እንታይ ሳዕቤን ከምዘሎዎ ንኹልና ርዱእ ይመስለኒ። እንተኾነ ግን ብዙሓት ኤሪትራውያን ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻኢን ዘለው ወላውን ናይቲ ተደላዪ ዝኾነ ንዕለታዊ ግድነታዊ ዕማማት ከይተረፈ ከምቲ ዝድለ ክጥቀምሉ ኣይርኣዩን። ስለምንታይ? ኣብዛ ዓለምና ሓደስቲ ምህዞታትን ተክኖሎጂን ብሓፈሻ ኤለትሮኒካዊ ተክኖሎጂ ድማ ብፍላይ ዳርጋ ወርሓዊ ተርእዮ እዩ ኮይኑ ዘሎ። ሓደ ካብቲ ዝዓበዬ ረብሓ ኣብ ብቁጠባን ብተክነሎጂን ዝማዕበላ ሃገራት ምንባር ማለት ካብቲ በጺሔንኦ ዘለዋ ምዕቡል ናብራን ኣሳራርሓን፣ ምውድዳርን ምቁዳስን ብኡ መሰረት ድማ ፍልጠት ምስናቕ፤ ግዜኻ ኣብቲ ዝለዓለ ከተፍርየሎ እትኽእለሉ መንገዲ ምውዓል ማለት እዩ። ብፍላይ ድማ ካብቲ ብቐሊሉ ዝርከብ ተክነሎጂካዊ ናውትታትን መሳለጥያታትን እቲ ኣብ ዕለታዊ ዕማማትካን ነዊሕ ዝጠመተ ነብሰ ምዕባለ ውጥናትካን ብዝሓሸ መንገዲ ንምትግባርን ኣብ ሽቶኡ ንምውቃዕን ክጠቕመካ ዝኽእል እንዳመረጽካ ምጥቃም ከድሊ እዩ።

ሓደ ህቡብ ኣቦ ኢንተርነት ዝጽዋዕ ናይጀርያዊ ሊቅ ከምዝበሎ፤ ኣውሮጳውያን ካብተን ጸበብትን ብባህርያዊ ጸጋታት ብዙሕ ዘይተዓደላ ሃገራቶም ብስደት የኹን ብጎነጽ ናብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም እንዳኸዱ ኣብቲ ብተፈጥሮኣዊ ዕቑር ጸጋታትን በክሊማዊ ምቹእነትን ፍሉጥ ዝኾነ ሰፋሕቲ ክፋላት ዓለም ገቢቶም ክውንንዎን፣ መግዛእታዊ ኣርዑቶም ከሰክምዎ ዝኻኣሉ በቲ ሽዑ ዝተማህዘ ተክኖሎጂ ተጠቒሞም ሓቤሬታ ብምርካብ እዩ። እዚ ማለት ድማ ትሕተ መሬታዊ (ትሕተ ባይታዊ) ኮነ ክሊማዊ ዕቘር ጸጋታት ኣበይናይ ኩርናዓት ዓለም ከም ዘሎን እንታይ ከምዘለዎን ኣቐዲሞም ብዝርዝር ከፈልጥዎን ከለልዩዎን ስለ ዝኸኣሉ ጥራይ እዩ። ንኣብነት እዘን ሕጂ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ፣ ካናዳ፣ ኣወስትራልያ፣ኒውዚላንድ፣ደቡብ ኣፍሪቃ፤ ቺለ፤ ርጀንቲና፤ብራዚል፣...ወዘተ ተባሂለን ዝጽዋዓ ዘለዋ ዓርሞሸሽ ሃገራት እኮ ከካብዓዶም ተጻዋዊዖም ኣሽሓት ኪሎሜተራት ተጓዒዞም ነቶም መሳኪን ኦሪታውያን ደቀባት (ኣቦሪጂንስ) ብምውጋንን ዝተረስተይውንን ከም ሃገራት ዘማዕበሎወንን እዩ። እነሆ እምበኣር ቀጻሊ ተባላሓትነት ደቂሰባት ኣብዚ ሕጂ እዋን ነዛ ዓለምና ብመራኸቢ ኮነ ብኻልእ ተክኖሎጂካዊ ምዕባለታት ኣጽቢቦማ ኣሎዉ። ገናውን ከጽብብዋ እዮም። ዘመናዊ ናይ ሓቤሬታ ተክኖሎጂ እንዳተጠቐምና ብዘይ ብዙሕ ወጻኢ ነንሕድሕድና ንራኸብን ንማሃሃርን ኣሎና። ኣብዬት ዝሰርሕን ዘድምዕን ሓንጎል ደቂሰባት ዝይምህዞ የብሉን።

ኣብ ናይ ሎሚ ዓለምና፣ ሰለይ ኢልና ነርክበሉ ዳሓን ደፋእ ኢልና ነርክበሉ ዝበሃሉ ጊዜ ኣይኮነን። ብፍላይ ንሕና ኤሪትራውያን ትሰንፉ ኣለኹም፤ በጃኹም እባ ክሳድ ሓዙ ኣብዛ ንቕድሚት ትሕምበብን ትውንጨፍን ዘላ ዓለም ፤ ተባሂልና እንተተሓሚና ይግባኣና እዩ። እቲ ሕሉፍ ታሪኽናን ድሕረ ባይታናን እንተ ርኢና ብዙሕ ተወዳዳሪ ብልጹነት ምሃለወና። ኣብ ጎደቦ ኣስታት ሽሕ ዝተፈላለያ መራኽብ ዕለታዊ ዝመላለሳሉ ህቡብ ቀይሕ ባሕሪ ኢና ዘሎና። እቲ መበቆልና ዝኾነ ሃገረ ኤሪትራን ከባቢኡን ብኦሪተዊ ስልጣኔ ፍሉጥ ዝነበረሉ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን። ኣብቲ ስትራትጂካዊ ዝኾነ ክፋል ኣፍሪቃ ስለዝርከብ እዩ። ብብዙሕ ምኽንያታት ነዚ ተወዳዳሪ ብሉጽነትና (Competitive Advantage) ዛጊት ክንጥቀመሉ ኣይከኣልናን ዘሎና። ግን ነባ በሎም ንኢታይ በለን እንዳበልና ናይ ሰለይ ናብራ ክንነብር ብዝኾነ መልኪዒ ምኽኑይ ኣይኮነን። ኣይግድን ኣዬዋጻኣናን ድማ። ሃዬ ድኣ ነዛ ብርኽቲ መሬት ዓደቦና ዓዲ መዓርን ጸባን፣ ፈልፋሊት ዘይደርቕ ጸጋዊ ዛራን ንግበራ። እቲ መፍትሕ ብርግጽ ኣብ ኢድና እዩ ዘሎ። ተፈቲንናዶ ኣይኮናን። ናይ ኣሸሓት ዓመታት ታሪኽና ይመስክር። ነዚውን ክንገብሮን ክንዕወትሉን ክእለትን ትግሃትን ንውንን ኢና ከምህዝቢ።

ብፍላይ ንዓና ንኤሪትራውያን ኣብዚ ዘሎናዮ ጊዜ ከም ጠለብ ተክነሎጂካዊ ምረሻ ናይ ሎሚ ዓለምና ብማዕረ ንኽንኸይድ ድኣ እንታይ እዩ ዘድለዬና ዘሎ? እወ እዚ ሕቶዚ ክሕተት እዋኑ ዝጠልቦ ቀንዲ ብደሆ እዩ። በቲ ውድዓዊ መንገዲን ስነ ፍልጠታዊ መነጽርን ክረኤ ከሎ ድማ፣ ኣብ ንቑሕነት ንተክኖሎጂካዊ ፍልጠትን ትግባረን እዩ። እቲ ዘይታኣደነ ጥቕሙ ኣብ ሓፋሽ ህዝብና ክምዝሰርጽ ምግባር ድማ ኣድላዪ እዩ ። እዚ ድማ ንተግባርዊ ንጡፍነትን ተኽእሎን ብዓቢ ዝላ ንቕድሚት የወንጭፎ። ከመይ ጌረ እዚ ብቐሊሉ ክረኸቦን ክውንኖን ክኢለ ዘሎኹ ብዝሓየለ ዓቕሚ ዬድማዓሉ? ኣብ ምንታይ ዓውዲኸ? ዝብሉ ኣገደስቲ ሕቶታት ክንምልስ ይግብኣና። ብሓጺሩ እቲ ዘይንጹርን ዝተሓላለኸን ዘሎናዮ ዓውለማዊ ኩነታት ዝእዝዞ ክንገብር ኣሎና። እዚ ማለት ድማ ዓቕምና ከነህጥር፤ ፍልጠትና ከነደንፍዕ፤ ብልጫታትና ክንዕቅብ ከምኡውን ከነስብሕ፤ ጉድለታትና
ከነውሕድ ወይ ከነማህምን (marginalize)፤ መጻኢ ዕድላትናን ጥቕምታትናን ብዝግባእ ክንምዝምዝ ኣሎና ማለት እዩ። እዚ ምግባር ድማ ነቲ ምዕባለ ዘምጽኦ ተክኖሎጂ በቲ ክውንነታዊ ትግባሬኡን ዝያዳ ከርብሓና ዝካኣለሉ መንገዲን ኣብ ወልቃዊ ኮነ ማሕበራዊ መኣዲታት ብእንኽእለሉ መሃዝነታዊ መንገዲ ክንስልጥነሉን ክንረብሓሉን ይሕግዘና። እንታይ እዩ ዘድልየና ዘሎ ኢልና ለይትን መዓልትን ክንሰርሕን፤ ክንውጥንን፤ ከምኡውን ከነድምዕን ግድነታዊ ዕለታዊ ተግባርና ክኽውን ኣሎዎ። ። ነዚ በቲ ዝጸፈፈን ዝተዓጻጸፈን መንገዲ ከነተግብር ድማ እንታይ ረቛሒታት ዬድልዩና ኢልናውን ኣብ ክሊ ነብሰ ብዱህነት ክንሓስብን ውልቃዊ ተራና ነድማዓሉ ኩነታት ክንፈጥርን እቲ ዝዓበዬ ሃገርዊ እጃምና ክኸውን አሎዎ። ብቑዓት ተዓጻጸፍትን ንኽንከውን፤ ረብሓታትና ንከነውሕስ፤ ተወዳዲርና ጸብለልትነት ንኸነርኢ ብዙሓት ረቛሒታት ብዝሰፍሔን ዝጠንከረን ሜላታት ክንብድህ ይግባኣና። ነዚ ናይ ተክኖሎጂካዊ ተጠቃምነት፤ ነወነዝፎ ጉዳይ እውን ኣይኮነን። እቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ልዑል ብቕዓትን ኣስተዋጽኦን ተድሚሩ ሃገራዊ ብቕዓትን ዕብየትን ክምዝፈጥር ክንርዳእ ኣሎና።

ሎሚ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራትስ ይትረፍ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ እኳ እቲ አብ ርሑቕ ገጠራት ከይተረፈ መርበብ ኢንተርነት ዘይኣተዎ ኣዝዩ ውሑድ እዩ እንተበልኩ ኣየጋነንኩን። ሓደ ከነስትውዕለሉ ዝግባኣና ግን ኣሎ። ኣብቲ ከም ማይ ባሕሪ ዝምብዝሑ ውህሉል ሓብሬታ ኢንተርኔት ኣዝዩ ብዙሕ ዘዬድሊን ጐዳእን ዝኾነ ሓበሬታን ተርእዮታትን ስለዝሎ፣ ብጥንቃቐን ብውሕልነትን ክንጥቅመሉ ይግባኣና። ብፍላይ ንመንእሰያት ደቅናን ኣሓትናን ኣሕዋትናን ብዝግባእ ክንመኽሮምን፣ ከነለብሞምን ክንምህሮምን ከምኡውን ክነንቀሖምን ይግባኣና እዩ። ርኣዩዎ‘ ሞ እቲ ዘሎና ጊዜ፣ ውሱን እዩ። ኣብ ሰሙን 168 ሰዓታት እዩ ዘሎና ንኹልና። እቲ ፍልልይ ድማ ከመይ ነድማዓሉ እዩ። ንኣብነት ከም በዓል ሲንጋፖር ዝኣመሰላ ኣብነት ናይ ስልጣኔ ታኣምራታዊያን ወይ ኣናብር፣ ኣብ ሓጺር ጊዜ ካብቲ ዝነበራሉ ድኽነትን ትሑት ምዕባሌኣዊ ደረጃን ወጺኤን ኣብ ዓርሞሸሽ ስልጣኔኣዊ ደረጃ ክበጽሓ ዝኽኣላ ድማ ብውሕሉልን ሓፋሽ ኣሳታፊን ምሕደራ ብምትእትታውን ንዝትዋህበንን ዝሎወንን ጊዜ ብግቡእ ብምጥቃምን እዩ ካልእ ተኣምራታዊ ምኽንያት ዬብሉን።

ብምኽንያት ወንጫፊ ምዕባለ መራኸቢ ተክኖሎጂ፣ ኩሉ መዳያዊ ስነፍልጠትን መሃዝነታዊ ኣሰራርሓ ብልሓታትን ናብ ዩኒቨርሲታት ከድካ ጥራይ ኣይኮነን ዝርከብ። ዕድመ ንሓበሬታዊ ተክኖሎጂ፣ ስነፍልጠት ካብ ዝኾነ ጊዜ ንላዕሊ ሓሲሩ እዩ። ኣብ ዝኾን ቦታን ጊዜን ኮንካ ክትረኽቦ ዘጸግም ኣይኮነን። እቲ ቀደም ኣቦታትናን ኣዴታትናን (ከም ባዓል ኣቦይ) ላዕለዋይ ትምህርቲ ንምስናቕ ናብ ሃገራት ሰሜን ኣሜሪካን ኣውሮጳን ዝትጓዕዝሉ፣ ሎሚ ብመርበብ ኢንተርነትን ካልእ ሓቤሬታዊ መሳለጥያት ኣቢሉ ናብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብቐሊሉ ይበጽሕ ኣሎ። ኣብዬት ብፍላይ ንሕና መንእሰያት ወለዶ ከመይ ዝበለ ስቡሕን ጽቡሐን ዕድል እዩ ዘሎና? እቲ ዝድለ ድማ እቲ መሳለጥያታት ምዝርጋሕን ምውህሃድን እዩ ። ንኣብነት ኣብዚ ጊዜ ኢንተርነትን ካሎኦት ናይ ናይ ሓብሬታን ርክባትን መሳለጥያታት ኣብ ብዙሕ ዓውድስራሓት ቁጠባ ይኹን ማሕበራዊ ናብራ መዳርግቲ ዘይብሉ ኣግልግሎት ይህቡ ኣሎው። ሳላ እዚ ዘይተኣደነ ተክኖሎጂካዊ ጸጋታትን ተኸእሎታትን፣ ዝኾነ ብምያው ፍልጠትን ክእለትን ክምዕብል ዝደሊን ዝግደስን ሰብ ብዙሕ ዕድላት ክምዘሎዎ እዩ ብንጹር ዝእምት። ስለዚ ነዚ ዘመን ዘምጸኦ ፈጣን ውጽኢት ዓውሎማዊ (ግሎባል) ምዕባለ ብግቡእን በቲ ዝድል መቓንን ክንጥቀመሉ ክንክእል ኣሎና። ትግሃት፣ ተባላሓትነት፣ ዘይተኣደነ ድልዬት ከምኡውን ወሳንነት ጥራይ እዩ ዘድልዬና። እቲ ዘገርም ድማ ቅድሚ ቁሩበ ዓሰርተታት ዓመታት ሚልዮናት ከፊልካን ምህርታዊ ጊዜኻ ሰዊእካ ዝርክቡ ወይድማ ዝቕሰሙ ዝነበሩ ስነ ፍልጠታት፣ ሞያታት ከምኡውን ተኽእሎታት፣ ሎሚ ኣብ ኣብ ኩሉ ትዘርጊሖም ይርከቡ ኣሎው። እቲ ዝድለ ድማ ብተዛማዲ ብውሕድ ወጻኢታት ኮምፕዩተርን ተዛማዲ ናውትን ወኒንካ፣ ዋይ ፋይ (ወይ ኢንተርነት) ምትእትታው አዩ። ነዞም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብፍላይ ኣብተን ምዕቡላት ሃገራት እንንብር ድማ ዘጸግመና ኣይኮነን። እቲ እንኮ ክንገብሮ ዘሎና ድማ ነቲ ዘሎና ግዜ ብግቡአ ምጥቃምን ምምሕዳርን እዩ፤

እዚ ንእሽቶ ክፋል ስነጽሑፍ ካብቲ ብነብስሄር መንእሰይ ዮሓንስ መንግስተኣብ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ተማሃራይ ከሎ ካብ ዝገብሮ “ዳግማይ ክፍጠር አቲ ነብሪ፡ ድግማ ዕውት ቁጠባዊ ምዕባለ ሲንጋፖር ኣብ ኤሪትራ (Recreating the Tiger: Replicating the Economic Success of Singapore in Eritrea) ብዝብል አርእስቲ ንኡድ ምርምራዊ ስራሕ ዝተወስደ እዩ። ዮሓንስ ኣብ ሽዊት ዕድሜኡ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ (ዝተወልደሉ ሕዳር 08, 1992 - ዝዓረፈሉ ጥቅምቲ፣ 09,2015)። ተርጓሚ ወላዲኡ ዶ/ር መንግስተኣብ ተስፋዮሓንስ።
March 30, 2016
March 30, 2016
Yohannes, We Miss You 

In your life you touched so many.
In your death many lives were changed and grieved.
You were an amazing young man with full of promises and resources.
It is sad, without you here, our lives will never be the same.

Yohannes, we miss you more than words could ever say.
We are missing you even more with each and every passing day
Remembering your kindness and intelligence and perfect intentions
We just hold onto the memories that we made and
All the promises God so graciously gave.

Resting assured when Jesus comes there will be no more sadness,
No more goodbyes, just life together eternally with Jesus by our side

Your Parents and your sisters
March 30, 2016
March 30, 2016
ዮሓንስ ናፊቕናካስ፣ ስኢናካ

ይመሲ ይጽልምት ይሕደር ይወግሕ ይጸብሕ ይዋዓል ከምኡ አዩ ናብራ ዓለም
ወዲ ሰብ ይውለድ ይዓቢ ይበጽሕ ይማሃር ይስልጥን ይሰርሕ እቲ ዝድለ ንኸዓምም
ደቂ ሰባት ይትምነዩ ኣብዛ ዓለም ብሕይወት ምንባሮም ክኾኖሎም ዘለዎ ትርጉም

ሓዬት ዮሓንስ ኣይፋልካን ተሃዊኽካ ናበይ ደሊኻ ንዓ ተመለስ ኣይተብለና ሕልምልም
አቲ ብሩህ ኣእምሮኻን ሓላል ጠባይካን የድልዬና እዩ እቲ ዝሓለንካዮ ሰናይ ንኽዛዝም
እግዚኣብሔር ዓዲሉካ እንድዩ ብሩህ ኣእምሮን ቅንዕናን ንኹልና ብዘደንቕ ብዝስደምም
ትጉህን በሊሕን እንዶ ኣይነበርካን ትውንን ተስንቕ ስነ ፍልጠት ንምዕባለ ውዲሰብ ዘቕድም
ትምኒትና ወሰን ኣይነበሮን ክትኮነልና ንኡድ ነባሪ ማሕዮት ኣብነት ናይ ዕውት ስራሕ ዝፍጽም

ቀጽሎ እቲ ስራሕካ ዳግም ንኽፍጠር እቲ ነብሪ ዓደቦኻ ኤሪትራ ማዕቢላ ንኽትልምልም
ኣልማዝ ኔርካ ወርቂ ልዕሊ ኩሉ ዝግመት ተኾለፍካዶ ኣብ ሸዊት ዕድመኻ ንኹሉ ብዘሕምም
ሓዘና ወሰን ዬብሉን ጉዕዞይ ወዲኤ ካብ በልካና እንታይሞ ክንብል፣ እንታይ ክንገብር ኣበይክ ከንርዕም

ግንከ ንበል እግዚኣብሔር ሃበ፤ እግዚኣብሔር ወሰደ ስም እግዚኣብሔረ እወ ይባረኽ ንዘለኣልኣለም
ኣጆኻ ዮሓንስ ሽግ ቃልስኻ ቀጻሊዩ፤ ሰናይ ተበግሶኻ ሓላል እዩ ወትሩ ንቡዝሓት ዝዕድም
እግዚኣብሔር ብርሃን የብርሃልካ፣ ኣብቲ ሰናይ ኢዱ ይቀበልካ፣ ዕረፍቲ ይሃብካ ንዘላኣለም

ካብ ዝፍቅሩኻ ኣዴኻ፣ ኣቦኻ፣ ኣሓትካ ምሰ ምሉእ ስድራ ቤት
ቀዳም 21 ሕዳር፣ 2015

Leave a Tribute

Light a Candle
Lay a Flower
Leave a Note